ኣብዚ ግዜ እዚ ንዕዘቦ ዘሎና ምልውዋጥ ክሊማ ንመጻኢ ዘመደ ኣዳም ዘፍርህ እዩ። ር.ሊ.ጳ

ሰዓት 12.15 ነቶም ኣብዚ ስሙን እዚ ብጳጳሳዊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ሓፈሻዊ ምዕብልና ደቂሰባት ዘሰናድዎ ኣብ ካሲና ፕዮ 6ይ ‘ናይ ሓይሊ ምትሕልላፍን ሓለዋ ናይ ሓባር ገዛናን’ ብዝብል ተማ ተጋቢኦም ንዝቀነዩ ተቀቢሎም ኣዘራሪቦም።

ቅዱስነቶም ድሕሪ ሰላምታን ምስጋናን ብሓቂ ኣብ ሓደጋ ከምዘሎና ኣመልኪቶም። ኣብዚ ግዜ እዚ ንዕዘቦ ዘሎና ምልውዋጥ ክሊማ ንመጻኢ ዘመደ ኣዳም ዘፍርህ እዩ። ንነዊሕ ግዜ ሊቃውንትና ዝህቡና ጸብጻባት ሸለል ኢልና። ከምቲ ኣብ ላውዳቶ ሲ ስቡሕ ኣንተ ሓዋርያዊ መልእኽቲ ቊ.16 ዝተመልከተ ከኣ ‘ሊቃንቲ ሳይንስ ዘቅርቡልና ጸብጻብን ዝህብዎ ዘፍርህ ትንበያን ሸለል ንበሉን ነሽካዕልለሉን ግዜ ኣብቂዑ እዩ’ ኢልና ነርና።

ቅዱስነቶም እቲ ብውዑል ፓሪስ ዝፍለጥ ኣብዝሓ ዝተሰማምዑሉ ጸኒሃ ግን ናይ ትራምፕ ኣመሪካ ዝጠንጠነቶ ዝሃቦ መጠንቀቅታ ገና ኣብ ቦታኡ ከምዘሎ እዚ ከኣ ሙቀት ዓለምና ካብዚ ዘልዎ 1.5°ሰንቲ ግረይድ እንትልዒሉ ዝስዕብ ጥፍኣት ዓቢ ከምዝኾነ ገሊጾም። ስለዚ ንዓናስ ይኹን ንዝስዕቡና ወለዶ ዓቢ ኢፍትሓውነት ከይፍጽመ ብእዋኑ ገለ ንግበር ኢሎም። ልዕሊ ኩሉ ከኣ ኣደዳ ናይዚ ዝኾነ እቶም ድኻታት ስለዝኾኑ ስለድኻታትን መጻኢ ወለዶናን ኢልና ገለ ንግበር እንተዘየሎ ደቅናን ደቅናን ነቲ ናትና ወለዶ ብዘይሓላፍነት ዘጥፍኦ ክኸፍሉ እዮም። ስለዚ ቈራጽ ውሳኔ ንምውሳድ እንተወሓደ ቅኑዕ ምትሕልላፍ ሓይሊ (ነዳዲ ኤለክትሪ ወዘተ) ናይ ፈሓምን ካልእ ነዳድን ዋጋ ዳግመ ግምት ክግበረሉ ብሳልሳይ ደረጃ ከኣ ነቲ ክሊማዊ ለውጢ ዘምጽኦ ሓደጋታት ከምዘሎ ብቅንዕና ምንጋር የድሊ።  ድሕሪ ቢሎም ኣብ መወዳእታ ዓሚ ‘ርግጽ እዩ ምዕባለ ሓይሊ የድልዮ ኮይኑ ግን ኣጠቃቅማ ሓይሊ (አለክትሪክ ነዳዲ) ንምዕባለ ክድምስሶ የብሎን’ ክብሉ ዝተማሕጸንዎ ብምድጋም ሎሚ ከም ሎሚ ነዛ ናይ ሓባር ቤትና ዝኾነት ዓለምና ክነድሕን ቅኑዕ አጠቃቅማ ሓይሊ (ኤለክትሪክ ነዳዲ) ምዝዋትር ግዲ እዩ። ገና ተስፋ ኣሎ እዚ ግን ዝገደደ ክሊማዊ ለውጥ ንከይነስዕብ ዕቱብ ውሳኔ ወሲድና ኣብ ግብሪ ክነውዕል እዩ። እንተዘየሎ ክንጽገም ኢና እንክብሉ ምኽሮም ሂቦም።

14 June 2019, 18:27