ሓቀኛ ሓድነት ንቅኑዕ ብዙሕነት ኣይክልክልን! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሎሚ ሮቡዕ ዕለት 5 ሰነ 2019 ዓምፈ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ዘቅረብዎ ሶሙናዊ ሓፈሻዊ ናይ ዕለተ ሮቡዕ ትምህርተ ክርስቶስ ብዛዕባ እቲ ካብ ዕለት 31 ግንቦት ክሳብ ዕለት 2 ሰነ ኣብ ሃገረ ሩመንያ ድሕሪ ዕሥራ ዓመት ናይ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዝገበርዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ገሊጾም።

ቃል ኣምላኽ፥ - ‘እምበአርከስ ንኣና’ውን ክንዲእዚኦም ዝኣኽሉ መሰኻኽር ከም ደመና ከቢቦምና ኣለው እሞ ነቲ ዝኸበደናን ዘደናግረናን ዘሎ ሓጢኣት ደርቢና፡ በቲ ተሓንጺጹልና ዘሎ መሥመር ብትዕግሥቲ ንቀዳደም። ሃምናን ቀልብናን ናብ’ቲ ናይ እምነትና ዋናን መፈጸምታን ዝኾነ ኢየሱስ ንግበር’ (ዕብ 12.1-2)

ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን! ደሓንዶ ሓዲርኩም!

ዝሓለፈ ሶሙን ብፕረሲደንትን ቀዳሚት ሚኒስተርስን ብዝቀረበለይ ዕደመ መሠረት ናብ ሃገረ ሩመንያ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ንምግባር ገይሸ ቀንየ። ምስጋናይ ዳግም እንከቅርበሎም እዚ ምስጋናዚ ንኩሎም ሲቪላውያንን ናይ ቤተክርስትያንን ሰበሥልጣንን እዚ ሓዋርያዊ ዑደት እዚ ክውን ንክኸውን ዘበርከቱ እውን ይምልከት። ልዕሊ ኩሉ ግን ንተላዌ ጴጥሮስ ዳግም ኣብቲ ዓዲ ድሕሪ ዕሥራ ዓመት ሓዋርያዊ ምብጻሕ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ንክፍጽም ዘፍቀደ እግዚኣአብሔር ልዑል ምስጋና ይብጸሓዮ።

ሕጽር ብዝበለ ዕላማ እዚ ጒዕዞ እዚ ከምቲ መሪሕ ቃል ሓውጾተ ኖልዎ ሩመንያ ‘ብሓባር ንገስግስ’ ክብል ዝገለጾ እዩ።  ነዚ ከኣ ብርሑቅ ወይውን ካብ ሰማየ ሰማያት ዘይኮነ ኣነ ባዕለይ ኣብ ማእከል ሕዝቢ ሩማንያ ከም ማንም መንፈሳዊ ንግደት ዝፍጽም ኣብ መሬቶም ብኣካል እንክፍጽሞ ዓቢይ ሓጐስ ፈጢሩለይ።

ምስ ዝተፈላለዩ ኣካላት ዝገበርክዎም ርክባት ከም ክርስትያን ኣብ ሜዳ እምነትን ምግባረ ሠናይን ብሓባር ንምግስጋስ ዘለዎ ዋጋን ኣድላይነትን ኣብሪሁ። እዚ ከኣ ኣብ መንጎ ዜጋታትስ ይኹን ሲቪላዊ ሥልጣን ምስ ዘለዎም ዝተገብረ ርክባት እዩ።

ከም ክርስትያን ዝተፈላለያ ኣብያተ ክርስትያን ብሕውነታዊ ርክብ ንክንመላለስ ጸጋ ዝህብ ዕድል ኣሎና። ኣብ ሩመንያ መብዛሕትኦም አመንቲ ክርስትና ኣባላት ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ኮይኖም ኣብዚ ግዜ እዚ ብብፁዕን ቅዱስን ፓትርያትክ ዳንኤል ይምርሑ። ንቅዱስነቶም ፓትርያርክ ዳንኤል ሕውነታውን ምስጋናውን ሓሳበይ እገልጽ። ማሕበረሰብ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ሩመንያ ግርኻዊትስ ትኹን ላቲናዊት ፉሕፉሕ እትብል ኣብ ጽቡቕ ምንቅስቃስ ትርከብ። ሽሕ’ኳ ፍጹም እንተዘይኮነ ውህደት ኩሎም ክርስትያን ኣብ ሓንቲ ጥምቀት ዝተመሥረተ ኰይኑ በቲ ኣብ ዘመነ ጸልማት ዝኾነ ዘመነ ስደት ብሓባር ዘፍሰስዎ ደምን ሥቃይን ዝተሓትመ እዩ። ብፍላይ ከኣ ኣብ ዝሓለፈ ዘመን ኣብ ትሕቲ ኣረመናዊ ኢኣማኒ መግዛእቲ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ። ካልእ ማሕበረ ክርስትያን እውን ኣለው። ሉተራውያን ኮይኖም እምነቶም ኣብ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝገልጹን ምስ ኦርቶዶክሳውያንስ ይኹን ምስ ካቶሊካውያን ጽቡቕ ርክብ ኣለዎም።

ምስ ፓትርያርክን ቅዱስ ሲኖዶስን ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ሩመንያ ልባዊ ርክብ ኣካዪድና። ኣብዚ ርክብ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ብዝኽሪ ዕርቂ ናብ ምሉእ ሓድነት ንምብጻሕ ብሓባር ክትግስግስ ምሉእ ድላይ ከምዘለዋ ገሊጸ። ነዚ ነገርዚ ሕዝቢ ሩመንያ ብመንፈስ ትንቢት ኣብ ግዜ ምብጻሕ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ተማህሊልዎ ነሩ። እዛ ዓቢ ሓድነታዊ መንፈስ ዝዓሰሎ ሁመት እዚ ብሓባር ኣብ ውሽጢ ሓዲስ ካተድራል ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ሩመንያ ኣብ ቡካረስት ኣቡነ ዘበሰማያት ብምድጋም ተዛዚሙ። እዚ ብሓቂ ዓቢ ትእምርቲ ነርዎ። ምኽንያቱ ከኣ ኣቡነዘበሰማያት ክንዮኣ ምንም ዘየሎ ዝለዓለት ጸሎት ክርስትያን ኮይና ናይ ኩልና ዝተጠመቅና ዘበልና ሓባራዊ ውርሻ እያ። ማንም ካባና ኣቦይ ወይውን ኣቦኦም ክብል ኣይክእልን ከመይ ናይ ኩልና ኣቦ ስለዝኾነ ኣቦና ኣብ ሰማያት እትነብር ኢልና ናይ ዝተጠመቅና ዘበልና ኩልና ሓባራዊ ውርሻ ምዃኑ ንገልጽ። ኣብዚ ርክብ እዚ ሓድነት ቅኑዕ ብዙሕነት ከምዘይዕንቅጽ ኣመስኪርና። መንፈስ ቅዱስ ንኩልና ከም ደቂ እግዚአብሔርን ከም ኣሕዋትን እንነብረሉ ጸጋ ይዓድለና።

ከም ማሕበረክርስትያን ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ሠለስተ መስዋዕተ ቅዳሴ ብሓባር ኣዕሪግና። እታ ቀዳመይቲ ኣብ ካትደራል ቅዱስ ዮሴፍ ከተማ ቡካረስት ኣብ በዓለ ምብጻሕ ናይታ  ኣብ ጒዕዞ እትርከብ ቤተክርስትያን ኢቆና እምነትን ምግባረ ሠናይን ዝኾነት ድንግል ማርያም ንቅድስት ኤልሳቤጥ እንዝክረሉ ዕለት 31 ግንቦት ነበረ። እታ ካልአይቲ ከኣ ኣብ መካነ ንግደት ናይ ብዙሓት መንፈሳውያን ነጋድያን ዝኾነት ድንግል ማርያ ዘሱሙልወ ቹክ ፈጺምና። ኣብዚ መካነ ንግደት እዚ ቅድስት ኣደና ንኩሎም ምእመናን ምስ ፍልልያት ቋንቋኦም ባህልታቶምን ልምድታቶምን ትቅበል። እታ ሣልሰይቲ ከኣ ኣብ ማእከል ግረኻውያን ካቶሊካውያን ቤተክርስትያን ሩመንያ እንክፍጽማ ሸውዓተ ሰማዕታት ኣቡናት ናይታ ቤተክርስትያን ብጽዕና ኣዊጅና። እዞም ሰማዕታት ኣቡናት እዚኦም ናይተን ካብ ወንጌል ዝመጻ ናጽነትን ምሕረትን መሰኻኽር እዮም። ሓደ ካብዞም ሓደስቲ ብፁዓን ኣቡነ ሉልዩ ሆሱ ኮይኑ ኣብ ጽኑዕ ቤተማእሰርቲ እንከሎ ‘እግዚአብሔር ኣብዚ ጸልማት ናይ ሥቃይ ቦታ ምሕረት ንክንህብን ንለውጢ ኩሎም ክንጽልን እዩ ሰዲዱና’ ኢሉ ጽሒፉ ነሩ። እዞም ሰባት እዚኦም ዝተቀበልዎ ዘስካሕክሕ ስቃያት እንክትሓስብ እዘን ቃላት እዚአን ብሓቂ ናይ ምሕረት ምስክርነት እየን።

ፍልይ ብዝበለ ጽዑቅን ድሙቅን በዓል ዝነበረ ምስ መንእሰያትን ሥድራቤታትን ኣብ ጥንታዊትን ኣድላዪት ናይ ባህሊ ማእከልን ኮይና ምዕራብን ምስራቅን እተራኽብ ከተማ ያሲ ዝተገብረ ርክብ ነበረ። እዚ ቦታ እዚ ብሓንሳብ ንምግስጋስ መንገድታት ንምኽፋት ዝዕድም ኮይኑ ነዚ ከኣ ምስቲ ዘሎና ሃብታም ፍልልያትና እንክንገብሮ ካብ ሠራውርካ ዝፈሊ ናጽነት ዘይኮነስ ብሓዲስ ፈጠራዊ ክእለት ናብኡ ዝመልሰካ መንግድታት ንምፍጣር ዝዕድም ቦታ እዩ። እዚ ርክብ እዚ እውን ማርያማዊ ጠባይ ዝሓዘ ነበረ ንኩሎም መንእሰያትን ሥድራቤታትን ናብ ሓለዋኣ ብምምሕጻን ከኣ ዛዚምናዮ።

መጨረሻ ቦታ ናይዚ ምብጻሕ እዚ ዝነበረት ንዓሌት ሮም ኣብ ከተማ ብላጅ እዩ። ኣብታ ከተማ እቲኣ ብዙሓት ዓሌት ሮም ኣለው። በዚ ከኣ ክረኽቦምን ሰላም ክብሎምን ደልየ ምሳኡ ከኣ ነቲ ተጻዮም ዝተፈጸመ ምንጻልን ዓመጽን ንከይድገም እንክምሕጸን ማንም ሰብ ዝኾነ ዓሌት ቋንቋ እምነት ይሃልዎ ብዘየገድስ ክንጸል ከምዘይብሉ ተማሕጺነ።

ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን ስለ እዚ ሓዋርያዊ ጉዕዞ እዚ ንእግዚአብሔር እንክነመስግን ብኣማልድነት ድንግል ማርያም ንሃገረ ሩመንያን ኣብኡ ንእትርከብ ቤተክርስትያንን ፍረ ዘለዎ ምብጻሕ ምእንቲ ክኸውን ንለምኖ። እግዚአብሔር ይሃበለይ እንክብሉ ትምህርቶም ዛዘሙ።

ብድምጺ ንምክትታል!
05 June 2019, 13:18