ቀዳመይቲ ማሕበረ ክርስትያን ሓዋርያት: ሓውልትን ኣብነትን ሕውነት! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሎሚ ሮቡዕ ዕለት 26 ሰነ 2019 ዓምፈ ኣብ ዘቅረብዎ ሶሙናዊ ናይ ዕለተ ሮቡዕ ሓፈሻዊ ትምህርቲ ክርስቶስ ምቅራቦም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ተዘዋዊሮም ሰላም ድሕሪ ቢሎምን ሓዋርያዊ ቡራኬ ድሕሪ ሂቦምን፥ ‘ንሳቶም ድማ ኣብ ትምህርቲ ሓዋርያትን፡ ኅውነታዊ ሱታፌን፡ ብምቚራስ ኅብስትን፡ ጸሎትን ብዘይ ምቊራጽ ይጽመዱ ነበሩ። ብኢድ ሓዋርያት ብዙኅ ተኣምራትን ትእምርትን ይፍጸም ስለዝነበረ፡ ኣብ ልዕሊ ነፍስ ወከፎም ፍርሃት ኃደረ። ኵሎም እቶም ዝኣመኑ ድማ ብሓንሳብ ይቕመጡ ነበሩ። ኵሉ ንብረቶም ከኣ ብርኪ ነበረ። ርቶምን ንብረቶምን ሸይጦም ድማ ንዅሎም ከከም ግድነቶም የካፍልዎም ነበሩ’ (ግሐ 2.42-45) ዝብል ብቀንዲ ቋንቋታት ኤውሮጳ ተነቢቡ።

አባ መኰንን ኣማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ሎሚ ንራብዓይ ግዜ ነቲ ቅድሚ ሳምንታት ዝጀመርዎ መጽሓፈ ግብረ ሓዋርያት ዝትንትን ትምህርቶም ብምቅጻል እታ ቀዳመይቲ ማሕበረ ክርስትያን ሓዋርያት ብኩሉ ተወሃሂዶም ንዘለዎም እናተኻፋፈሉ ኣብ ጸሎት ይጽመዱ ከምዝነበሩ ዝገልጽ ክፍሊ ተንቲኖም።

ማሕበረክርስትያን ኢየሩሳሌ! ዘሎካ ምክፋልን ጸሎትን፡

ጸሓፊ ግሐ ሉቃስ ወንጌላዊ እታ ቀድማይቲ ማሕበረ ክርስትያን ኢየሩሳሌም ንኩለን ድሕሪኣ ዝበቈላ ማሕበረ ክርስትያን ሓውልትን ኣብነትን ኰይና ከም ናይ ሕውነት መዔቀኒ ኩሎም ክኽተልዎ ዝግባእ ምሳሌ ምዃኑ ይገልጽ። ኣብዛ ማሕበር ሕውነት ማንም ንማንም ኣይቈናጽብ ኣይሓሚ ኩሉ ብፍቅርን ብስኒትን ኣብ ጸሎት ብምጽማድ ይነብሩ ከምዝነበሩ ይግለጽ። እዚ ከኣ ሳዕቤን ጴንጠቈስጠ ኰይኑ መንፈስ ቅዱስ ቀንዲ ጉዳዮም ድሕነት ብኢየሱስ ክርስቶስ ምዃኑ ተቀቢሎም ንክልወጡ ብስሙ ክጥመቁ እዩ ነሩ። ድሕሪ ጴንጠቈስጠ ቊጽሮም ብኡ ንብኡ ከባቢ ሰለስተ ኣባላት ናይዛ ማሕበር ብምዃን ንስብከተ ወንጌል ተዋፈሩ ከመይ እዛ እምነት ናይዞም ኣሕዋትን ኣሓትን ኣብ ክርስቶስ እዩ ንተልእኮ ሓዋርያት ዘንቀለ።

አርባዕተ ምልክታት ሓቀኛ ክርስትያን!

ናይታ ቀዳመይቲ ማሕበር ክርስትያን ኣባላት ምልክታት ሓቀኛ ክርስትያን ኣርባዕተ እየን። ንትምህርቲ ሓዋርያት ጸኒዕካ ምስማዕ ብካልኣይ ደረጃ ነቲ መንፈሳውን ንዋታውን ሃብታት ብማዕረ ምክፋል ጥዑይ ርክብ ኣብ መንጎ ኣሕዋት ምዝውታር ብሳልሳይ ደረጃ ቀጻሊ ዘተ ብጸሎት ምስ እግዚአብሔር ምዕላል ብራብዓይ ደረጃ ከኣ ምቊራስ እንጌራ ማለት ቅዱስ ቊርባን ነበረ። እዚአን ኣርባዕተ ነገራት እዚአን ከኣ ምልክታት ሓደ ሓቀኛ ክርስትያን እየን።

“ካብቲ ጥቅምታትካ ንከተረጋግጽ ንካልኦት እናዓመጽካውን ይኹን ዝቃለስ ማሕበረሰብ ዓለምና ማሕበረሰብ አመንቲ ነዚ ናይ ግላዊ ጥቅሚ ወጊድ ኢሎም ንዘለዎም ኩሉ ምስ ኣሕዋት ክካፈሉን ክደጋገፉን እዩ። ኣብ ነፍሲ ሓደ ክርስትያን ንዓይ ይጥዓመኒ ዝብል መንፈስ ቦታ የብሉን። ልብኻ ንዓይ ጥራይ ይጥዓመኒ ዝብል እንተኾይኑ ክርስትያን ኣይኮንካን። ጥቅምኻን መኽሰብካን ጥራይ እትደሊ መንፈስ ዓለማውነት ዝዓብለለካ እንትኾንካ ክርስትያን ኣይኮንካን። ሉቃስ ወንጌላዊ ከኣ ‘ኵሎም እቶም ዝኣመኑ ድማ ብሓንሳብ ይቕመጡ ነበሩ። ኵሉ ንብረቶም ከኣ ብርኪ ነበረ።’ እንክብል ሓደ ብዛዕባ ካልኡ ክግደስን ክሓልን እምበር ክሓምዩ ኣይተረኽቡን! ክሕግዙን ክቀርቡን እዮም ተረኺቦም።”

ሕውነታዊ ሠናይ ምግባር ውሕስነት ሓቀኛ ሥርዓተ ኣምልኾ እዩ!

ቅዱስነቶም ትምህርቶም ብምቅጻል `ክርስትያን ዘቦኡ ዘለዎ ምስ ካልኦት ንምክፋልን ንምሃብን እዩ’ ስለዝኾነ ከኣ ሉቃስ `ንነፍሲ ወከፍ ከከም ዘድልዮ ይዕድልዎ ነሮም` ብማለት ልግሲ ምጽዋት ብዛዕባ ካልኦት ምግዳስ ሕሙማት ምብጻሕ ጽጉማት ምርዳእ ናይ ምጽንናዕ ኣድላይነት ይገልጽ’ ኢሎም።

“መንፈስ ቅዱስ ንማሕበራትና ሓዲስ ሕይወት ንምቅባልን ንምንባርን ከኽእለና ናይ ምድግጋፍ ተግባራት ሓድነትን ሥርዓታተ ኣምልኾታትና ምስ እግዚአብሔር እንራኸበሉ ክኸውን ኣብ መንጎ ኣሕዋትን ኣሓትን ውህደት ንክፍጠርን ንሓዳስ ሰማያዊት ኢየሩሳሌም ማዓጹና ዝተራሕው ክኾኑ ንለምኖ እንክብሉ ትምህርቶም ዛዘሙ።”

ብድምጺ ንምክትታል!
26 June 2019, 16:32