2019.06.13 ርክብ ር.ሊ.ጳ ምስ ኑንስዮታት 2019.06.13 ርክብ ር.ሊ.ጳ ምስ ኑንስዮታት 

ንቤተክርስትያን ተኸላኸሉላ ተጻይ ር.ሊ.ጳ ምስ ዝጽሕፉን ዝጒጀሉን ኣይትሕበሩ! ር.ሊ.ጳ ንኑስዮታት

ቅዱስነቶም ምስቶም ካብ መላእ ዓለም ኣብ ከተማ ቫቲካን ተጋቢኦም ዘለው ወከልቶምን ኣምበሳደራቶምን ኣብ ዝተራኸቡሉ ፍቃድ ኣምላኽ ኰይኑ ናቶም እንደራሴ ኮይኖም ኣብ ኣርጀንቲና ኑንስዮ ኣፖስቶሊኮ ዝነበሩ ብፁዕ ሊቀ ጳጳሳት ኣቡነ ለዮን ካለንጋ ባዲከበለ ትማሊ ምሸት ድሕሪ ናይ ሓጺር ግዜ ሕማምን ዓቢ ክንክንን ኣብ ሆስፒታል ብምዕራፉ ንዝተሰመዖም ሓዘን ገሊጾም ስለ ዕረፍቲ ነፍሱ ጸሎት ኣዕሪጎም።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ድሕሪ ሰላምታን ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም ቃላትን ቅዱስነቶም ብጽሑፍ ዘቅረብዎ ዓሠርተ ገጽ ዝኸውን ምስ ዓደሉ ኣሕጽር ኣቢሎም ንትሕዝቶኡ ገሊጾም። ትሕዝቶ እቲ ጽሑፍ ካብ ሰላምታን ምስጋናን ቀጺሉ እዚ ከምዚ ዓይነት ርክብ ንሶም በትረ ሥልጣን ጴጥሮስ ካብ ዝሕዙ ንሳልሳይ ግዜ ይካየድ ምህላውን እዚ ከምዚ ዓይነት ርክብ ነቲ በብግዜኡ ኣብ ሓዋርያዊ ጒዕዞታት እንገብሮ መቀጸልታ ኰይኑ ንዓኹም ጥራሕ ዘይኮነ ነቶም ተሓባበርትኹም እውን ከምዚ ዓይነት ዕድል ክንፈጥር ክንጽዕር ኢና።

ሎሚ ምሳኹም ከዕልለን ዝደለኹ ደቀቅቲ ዝመስላ ግን ከኣ መሠረታውያን ዝኾና ሓድ ኑንስዮ ክኾኖን ክገብሮን ዘለዎ በብሓደ ክንጥምት ኢና። ዘየድሊ ክመስል ይኽእል ግን በብሓደ ምዝርዛሩን ምዝካሩን ኣብቲ እትገብርዎ ኣገልግሎት ሓጋዚ ከምዝኸውን ርግጸኛ እየ። ብኣኹም ኣቢሉ እውን ነቶም ዝተሓጋገዙኹምስ ይኹን ንኩሎም ኣቡናትን ካህናትን ሰብ ውፉይ ሕይወትን እውን ይሕግዛ እየን።

ቊ.1 ኑንስዮ ናይ እግዚአብሔር ሰብ እዩ።

ናይ እግዚኣአብሔር ሰብ ምዃን ማለት ኣብ ኩሉን ንኩሉን ንእግዚአብሔር ምስዓብ! ንትእዛዛቱ ብሓጐስ ምእዛዝ ንጉዳይ እግዚአብሔር እምበር ንጉዳይ ዓለም ዘይምንባር ብምሉእ ናጽነት ኩለንትናኻ ወፊኻ ነቲ ዝጓነፈካ መስቀል ብትዕግሥቲ ተሸኪምካ ንኣኡ ተኣሚንካ ብምሉእ እምነት ምጒዓዝ ማለት እዩ። ናይ እግዚኣአብሔር ንብጻዩ ኣየታልልን ኣይሓምን ሕማቅ ኣይሓምን ካብ ርስሓት ዓለም ልቡን ኣእምሮኡን ሕዋሳቱን ይእርንብ። ብዓለማዊ ነገራት ክታለል ኣይፈቅድን ብቃል ኣምላኽ ተመሪሑ ብጥበብን ብሕያውነትን ይፈርድ። ብሓጺሩ ከምቲ ሓዋርያ ጳውሎስ ዝብሎ ናይ እግዚአብሔር ሰብ ‘ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ቅዱስን መንቅብ ዘይብሉን’ (ኤፈ።1.4) ክኸውን ይጋደል። ናይ እግዚኣአብሔር ሰብ ብኣኡ ጥራይ ክምራሕን ክእመንን ከምዘለዎ ፈሊጡ ክሳብ መወዳእታ ከኣ ብምልኣት ጸኒዑ ክነብር ምስ ጐይታ ብትሕትና ምጒዓዝ ይፈልጥ። ነዚ ዝርስዕ ኑንስዮ ንገዛእ ርእሱ የዕኑ ንካልኦት እውን የዕኑ መስመሩ ስሒቱ ከኣ ነታ ሕይወቱ ዘወፈየላ ቤተክርስትያን ይጐድእ።

ቊ. 2 ኑንስዮ ናይ ቤተክርስትያን ሰብ እዩ።

ሓደ ኑንስዮ እንደራሴ ር.ሊ.ጳ ብምዃኑ ንርእሱ ዘይኮነ ንቤተክርስስትያን ፍልይ ብዝበለ ከኣ ንተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ እዩ ዝውክል። ክርስቶስ ካብ ናይቲ ዘይእሙን ኣገልጋሊ ፈተና ክንሕሎ ‘እቲ ክፉእ ጊላዋ ግን ብልቡ ጐይታይ ኪድንጒ እዩ ኢሉ ንጊላዎት ብጾቱ ኪወቅዕ ምስ ሰኽራማት ከኣ ኪሰትን ኪበልዕን እንተደኣ ጀሚሩ ጐይታኡ ብዘይተጸበያ መዓልትን ብዘይፈልጥእ ሰዓትን መጺኡ ብብርቱዕ ኪቀጽዖን ብጽሒቱ ኸኣ ምስ ግብዛት ኪገብሮን እዩ’ (ማቴ 24.48-51) ክብል የጠንቅቀና። ሓደ ኑንስዮ ነቶም ምሳኡ ዝሰርሑ ብሕማቅ ክሕዞም ምስ ጀመረ ናይ ቤተክርስትያን ሰብ ምዃኑ የብቅዕ።  ኣብ ገለገለ ግዝያት ከምዚ ክትሰምዕ የሕዝን እዩ። ዝገደደ ኸኣ ሓደ ኑንስዮ ናብራ ምቾት ክደሊ ከሎ ምርኣይ ብጣዕሚ ሕማቅ እዩ። ናይ ቤተክርስትያን ሰብ ምዃን ትህትና ይሓትት እንተዘየሎ ትምህርቲ ናይታ ትውክላ ቤተክርስትያንን ኣቊዋማን ንክትገልጽ ጉዳይካ ምግዳፍ ግድን እዩ። ናይ ቤተክርስትያን ሰብ ምዃን ማለት ንቤተክርስትያን ክትከላኸለላ ዓርኪ ኣቡናት ካህናት ገዳማውያንን ገዳማያትን ኰንካ ኣብ ተልእኮኦም ኣብ ጐድኖም ምቋም ማለት እዩ። ካልኦት ኣምባሳደራት ኣብ ዓበይቲ በዓላት ልደት ፋሲካ ናብ ዓዳቶምን ቤተሰቦምን ክኸዱ ኑንስዮ ግን ኣብታ መንበሩ ኰይኑ ምስቶም ናይቲ ዓዲ ሕዝበ እግዚኣአብሔር ኣባል ቤተሰብ ኮይኑ ከም ናይ ቤተክርስትያን ሰብ የብዕል።

ቊ. 3 ኑንስዮ ሓያል ቅንኣት ሓዋርያነት ዘለዎ ሰብ እዩ።

ቅድሚ ዝኣገረ ሓደ ኑንስዮ ሓዋርያ ወንጌል ብምዃኑ ኣበሳሪ ሠናይ ዜና ወንጌል ኰይኑ ንዓለም ብብርሃን ካብ ሞት ዝተንሠኤ ክርስቶስ ከብርህ ንክርስቶስ ክሳብ ኣጽናፍ ዓለም ከብጽሕ ኣለዎ። ሠናይ ዘርኢ እምነት ኣብ ልቢ ዝረኸቦ ሰብ እናዘርኤ ዝጐዓዝ ሓዋርያ እዩ። ቅዱስ ማስሚልያኖ ማርያ ኮልበ ብዛዕባ ሸለልትነት ዘመና ዝበሎ ዘክሩ። እዚ ከም ሕማም ተላገብ ኰይኑ ኣይምውቅ ኣይዝሑል ርኢኻ ከምዘረኣኻ እንታይገደሰኒ ዝዓብለሎ ሸለልትነት ንጠንቀቅ። ቅድሚ ዝኣገረ ክብሪ ንእግዚኣአብሔር ክነቅርብ ነታ ንሱ ብደሙ ዝሃበና ድሕነት ከኣ ናብ ኩሎም ክነብጽሓ ግዱዳት ምዃና ዘይምዝንጋዕ። ነታ ቅዱስ ጳውሎስ ‘ወንጌል እንተዘይሰቢኸ ወይለይ!’ (1ቆሮ 9.16) ዘይምዝንጋዕ።

ቊ. 4  ኑንስዮ ናይ ዕርቂ ሰብ እዩ።

ካብ ኣገልግሎት ኑንስዮ ኣገዳሲ ዝኾነ ሓደ መንጎኝነት ውህደት ምፍጣር ዘተን ዕርቅን ምምጻእ እዩ። ሓደ ኑንስዮ ወትሩ ወገን ዘይሕዝን ወድዓውን ክኸውን ኣለዎ። ቅኑዕ መንጎኛ ኰይኑ ብቅንዕና ንፍትሕን ሰላምን ክከላኸልን ክድግፍን ኣለዎ። ኣብ ርእሲ እዚ መራኸቢ ስለዝኾነ ነቲ ኣቡናትን ካህናትን ሰብ ውፉይ ሕይወትን ኩሎም ናይቲ ዘለዎ ቦታ ካቶሊካውያንን ምስ ላዕለዎት ሰበሥልጣን ከራኽብ እንከሎ ብሕውነትን ምቅሉል ምኽርን ክገብሮ የድሊ። እንተደኣ ነዚ ዘንጊዑ ሓደ ኑንስዮ ኣብ ቤትጽሕፈቱ ተዓጽዩ ትም ኢሉ ግን ንኣገልግሎቱ ይኽሕድ ክንዲ ናይ ውህደትን ዕርቅን ሰብ ዝኸውን ዕንቅፋት ይኸውን። ስለዚ ነዚኣ ነጥቢ እዚኣ ፈጺምኩም ኣይትረስዕዋ።

ቊ. 5 ሓደ ኑንስዮ ናይ ር.ሊ.ጳ ሰብ እዩ።

ናይ ር.ሊ.ጳ ወኪል ክሳብ ዝኾነ ሓደ ኑንስዮ ናይ ገዛእ ርእሱ ምንም ክገብር ኣይክእልን። በዚ ከኣ ንተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ወኪሉ ኣብታ ዝተላእከላ ሃገር ምስ ቤተክርስትያን መንግስታትን ይዋሳእ። ኣብ ገገሊኡ ሃገራት መንበሪ ኑንስዮ ገዛ ር.ሊ.ጳ ቢሎም ክጽውዕዎ ክትሰምዕ ጽቡቅ እዩ። ርግጽ እዩ ግላዊ ጸገማት ክህልወና ይኽእል ሓደ ኑንስዮ ግን ፈጺሙ ግብዝ ክኸውን ኣይክእል ከመይ ዝውክሎ ካልእ ስለዝኾነ ። ስለዚ ተልእኮኹም ከቢድ ስለዝኾነ ር.ሊ.ጳ ቤተክርስትያንን ከአ ስለዝለኣኹኹም ኣብ ግላዊስ ይኹን ማሕበራዊ ርክባት ምስ ቤተክህነትን ሕዝበክርስትያንስ ይኹን ምስ ዲፕሎማሰኛታትን ምስ መንግስታትን እንከተካዩዱ ሰብኣውነት ተላበሱ ንትውክሉ ኣቅርቡ። ኣገልግሎት ወኪል ር.ሊ.ጳ ከክንዲ ር.ሊ.ጳ ኮይኑ ነቲ ንሱ ብኣካል ክበጽሖ ዘይክእል ማሕበረ ክትስትያን ከይዱ ቅርበት ክርስቶስን ቤተክርስትያንን ከረጋግጽ ኣለዎ። ወኪል ከም ምዃኑ መጠን ሓደ ኑንስዮ ወትሩ ከጽንዕን ንነገራት ብትኲረት ክከታተልን ኣለዎ። ወኪል ር.ሊ.ጳ ምዃንን ንር.ሊ.ጳ ኣብ ድሕሪኦም ምንቃፍን ብሓንሳእ ኣይከዱን እዮም።

ቊ.6 ኑንስዮ ናይ ተበግሶ ሰብ እዩ።

 ኣብ ተልእኮ ከሎኻ ዘጋጥም ኣይፍለጥን እሞ ጸገም ከጓንፍ እንከሎ ዕንድ ኢልካ ምትራፍ ጽቡቅ ስለዘይኮነ ሓዲስ መንገዲ ንምርካብን ፍታሕ ንምምጻእን ተበግሶ የድሊ ነዚ ከኣ በእምሮን ብመንፈሳውነትን ብሰብኣውነትን ብሱል ምትዕጽጻፍ ምምሃር የድሊ። እዚ ግን ናብ ናይ ግብዝናን ቃል ዓለምን ምትዕጽጻፍ ከየምርሕ ምጥንቃቅ የድሊ። ዝኾነ ተበግሶ ከኣ መንፈሳዊ ምኽንያት ሃልይዎም ኣብ ወንጌል ዝተመሥረቱ ክኾኑ የድሊ። ተበግሶ ዘለዎ ሰብ ኣዎንታዊ ውጥምና ኣልይዎ ላዕልን ታሕትን ይብል። ትብዓት ኣለዎ ሕልናኡ ኣየዕርብን ብዙሕ ይሓስብ ይሰርሕ። ንርእሱ ጥራይ ዘይኮነ ንካልኦት ንጸገማት ከመይ ገርካ ከም እትሳገር ይምህር። ኣብ ማዕበላት ሕይወት ከመይ ቢልካ ብህድኣት ከምትጐዕዝ ዝገብር በዓል ኣዎንታዊ ኣተሓሳስባ እዩ። ልዕሊ ኩሉ ከኣ ኣቡን ብምዃኑ ሽሕኳ ኣብ ዓለም እንተሎ ናይ ዓለም ኣይኮነን (ዮሓ 17.14) ጓሳ እዩ ኩሉ ግዜ ጐራሕ ከም ተመን የዋህ ከም ርግቢ (ማቴ 16.16) ክኸውን ኣለዎ።

ቊ. 7 ኑንስዮ ናይ ተኣዝዞ ሰብ እዩ።

መንፈስ ተኣዝዞ ካብ ናጽነት ኣይትፍለን እያ ከመይ ኣብ ትሕቲ ምሉእ ናጽነት ጥራሕ ኢና ክንእዘዝ እንኽእል ንወንጌል እናተኣዘዝካ ጥራሕ ከኣ እዩ ኣብ ምልኣት ናጽነት ዝብጻሕ። ጸዋዕታ ክርስትና ብሓፈሻ ናይ ኑንስዮ እውን ንኣብነት ኢየሱስ ናዝራዊ ምኽታል እዩ። ኢየሱስ ነቦኡ እናተኣዘዘ እዩ መደብ ድሕነት ፈጺሙ ሓዋርያት እውን ‘ካብ ንሰብ ንእግዚኣአብሔር ኢና ንእዘዝ’ (ግሐ 5,29) እንክብሉ ነዚ ዓቢ ናይ ናጽነት ተኣዝዞ ኣብ ግብሪ ኣውዒሎም። ንእግዚአብሔር ምእዛዝ ካብ ተኣዝዞ ቤተክርስትያንን ኣሕሉቅን ኣይፍለን እዩ። ቅዱስ ማሲሚልያኖስ ይኹን ቅዱስ ኣጎስጢኖስ ምስ ፍቅርን ትሕትናን ጥበብን የተሓሕዝዎ። ፍቅርን ትሕትናን ጥበብን ብሓቀኛ ተኣዝዞ እንተዘይተሰንዩ ሓቀኛ ክትብሎ የጸግም ክሳብ ምባል ይበጽሕ ቅዱስ ኣጎስጢኖስ። ስለዚኸስ መንፈስ ተኣዝዞ ዘይብሉ ኑንስዮ ቦሶላ ዘይብላ መርከብ ኰይኑ ዕላማኡ ክስሕት ይኽእል። ስለዚ ነቲ ሓኪም መጀመርያ ርእስኻ ፈውስ ዝብል ምስላ ዘኪርኩም ብተኣዝዞ ከይመስከርኩም ንካልኦት ንተኣዝዞ ክትሓቱ ኣይትኽእሉን።

ቊ. 8 ኑንስዮ ናይ ጸሎት ሰብ እዩ።

ቅዱስ ዮሓንስ ባቲስታ ሞንቲኒ ምኽትል ዋና ጸሓፊ ቅድስት መንበር ኣብ ዝነበረሉ ነቲ ንር.ሊ.ጳ ዝውክል ሰብ ‘እቲ ብሓቂ ኣብ ሕልናኡ ንክርስቶስ ሒዙ ዚጐዓዝ ክኸውን ኣለዎ’ (25 ሚያዝያ 1951) ንዝበልዎ ክጠቅሰልኩም ኣድላዪ እዩ እብል። ከመይ ቅድሚ ዝኣገረ ሓደ ኑንስዮ ዘበስሮን ዝውክሎን እዚ ክቡር ስም እዚ እዩ። ናይዚ ዓለም እዚ ሃብትን ክብረትን በናኒ እዩ የጋግዩ እውን ዘይሓልፍ ዘየጋጊ ጐይታ ጥራይ እዩ። ነዚ ንክትገብር ከኣ ካብ ገዛእ ርእስኻ ውጽእ ኢልካ ተፈሊኻ ምስ ጐይታ ጥቡቅ ርክብ ምፍጣር ይሓትት እዚ ከኣ ጸሎት ይበሃል። ንሓዋርያት ንዘክር ቅዱስ ጴጥሮስ ‘ንኣገልግሎት መኣዲ ክንዕጠቕ ክንብል ንቃል ኣምላኽ ከነማዕሽ ጽቡቕ ኣይኮነን’ (ግሐ 6.2) ብማለት ነዚ ሥራሕ እዚ ዝፍጽሙ ዲያቆናት ክምረጹ ሓቲቶም። ቀዳማይ እጃም ሥራሕ ኣቡናት ከስ ኣብ ጸሎት ምጽማድን ቃል ኣምላኽ ምምሃርን እዩ። ኣብ ጸሎት ዝጐድል ኑንስዮ ካብዚ ኩሉ ክተርፍ ይኽእል። ብዘይ ጸሎት ማንም ሰብ ውዕለት ኰና ወትሩ ዘይሕጉሳት ኣንጸርጸርቲ ኢና ንኸውን። ንተግባር ኑንስዮ ብርሃን ዝኾኖኸስ ጸሎት እዩ።

ቊ. 9 ኑንስዮ ናይ ምግባረ ሠናይ ረድኤት ሰብ እዩ።

ጉዕዞ እምነትን ሓዋርያዊ ኣገልግሎትን ምልኣተን ኣብ ምግባረ ሠናይን ዘሎካ ኩሉ ኣብ ምክፋልን ይዓልባ። ወንጌል ከኣ እዚ እዩ። ከምዚ ብምግባር ንክርስቶስ ብኢድካ ትትንክፍ ኣብ ድኻን ስኡንን ጽጉምን ኣካል ክርስቶስ ትትንክፍ። ንክርስቶስ ክንረክብ እንተደለና ኣብቶም ድኻታትን ጽጉማትን ሃሰስ ንበሎ ከምቲ ኣብ ቅዱስ ቊርባን ንረኽቦ ኣብኦም እውን ክንረኽቦ ኢና። ረድኤት ክንገብር እንከሎና ክንጥንቀቀሉ ዘሎና ሓደጋ ኣሎ እዚ ከኣ ንድኻታትኩም ኢሎም ሓገዝ ክህቡና ከለው ካብቲ ቅዱስ መጽሓፍ ‘ረሲእ፡ መገዲ ፍትሒ ንምጥዋይ፡ መማለጃ ኻብ ሕቝፊ ይወስድ’ (ምሳ 17.23) ከምኡ እውን መዝሙረ ዳዊት ‘ኦእግዚአብሔር ኣብ ቤትካ ዚሓድር መን እዩ’ ኢሉ ዚሓቶ እሞ ‘ገንዘቡ ብሓረጣ ዘይህብ፣ ንጕድኣት ንጹህ ከኣ መማለጃ ዘይቕበል’ (15) ኢሉ ዝምልሾ ማንም ውህበት ኣብ ባርነት ከእትወኩም የብሉን። ብዙሕ ዋጋ ዘለው ውህበት ኣይትቀበሉ። ናብ ምቾት ገጹ ዝወስድ ነገራት ወጊድ በልዎ።

ቊ. 10 ኑንስዮ ናይ ትሕትና ሰብ እዩ።

ነዘን ከም ትእዛዛት 10 ዝኾና መምርሒታት ኣገልጋሊ እግዚአብሔር ካርዲናል ራፍኤል መሪ ደል ቫል (1865-1930) ብዝደረሶ ሊጣንያ ትሕትና ክዛዝመን እደሊ። እዞም ኣብ ዘመን ር.ሊ.ጳ ቅዱስ ፕዮ 10ይ ቅድም ከምዚ ናትኩም ኑንስዮ ደሓር ዋና ጸሓፊ ቅድስት መንበርን ተሓባባርን ዝነበሩ ከምዚ ይጽልዩ።

ኦ ትሑትን የዋህን ልቢ እትውንን ኢየሱስ ስምዓኒ! ምርኡይ ካብ ናይ ምዃን ሃረርታ  ሓራ ግበረኒ ኢየሱስ ፍቁር ካብ ናይ ምዃን ሃረርታ ሓግኢ! ካብ ናይ ናእዳ ሃረርታ ሓግኢ! ክቡር ካብ ናይ ሃረርታ ሓግኢ! ውዳሴ ካብ ናይ ምድላይ ሃረርታ ሓግኢ! ካብ ካልኦት ምሩጽ ካብ ናይ ምዃን ሃረርታ ሓግኢ! ምኽሪ ክሓቱ ካብ ናይ ምምናይ ሃረርታ ሓግኢ! ብካልኦት ቅቡል ካብ ናይ ምዃን ሃረርታ ሓግኢ! ካብ ናይ ውርደት ፍርሃት ሓግኢ! ዘይቅቡል ካብ ናይ ምዃን ፍርሃት ሓግኢ! ካብ ናይ ምንጻግ ስቃይ ፍርሃት ሓግኢ! ካብ ናይ ሕሜት ፍርሃት ሓግኢ! ዝተረሳዕካ ካብ ናይ ምዃን ፍርሃት ሓግኢ! መሰሓቂቶ ናይ ካልኦት ካብ ናይ ምዃን ፍርሃት ሓግኢ! ካብ ናይ መቊሰልቲ ፍርሃት ሓግኢ! ጥርጡር ካብ ናይ ምዃን ፍርሃት ሓግኢ!

ኦ ጐይታ ካልኦት ካባይ ንላዕሊ ዝተፈቅሩ ንክኾኑ ሃረር ናይ ዝብለሉ ጸጋ ሃብኒ! ኦ ጐይታ ካልኦት ካባይ ንላዕሊ ዝምስገኑ ንክኾኑ ሃረር ናይ ዝብለሉ ጸጋ ሃብኒ! ኦ ጐይታ ካልኦት ብርእይቶ ዓለም ዚዓብዩሉ ኣነ ኸኣ ዝንእሰሉ ሃረር ናይ ዝብለሉ ጸጋ ሃብኒ ! ኦ ጐይታ ካልኦት ዝዋስኡሉ ኣነ ዝግለሉ ኩነታት ሃረር ናይ ዝብለሉ ጸጋ ሃብኒ! ኦ ጐይታ ካልኦት ካባይ ንላዕሊ ዝተፈቅሩ ንክኾኑ ሃረር ናይ ዝብለሉ ጸጋ ሃብኒ! ኦ ጐይታ ካልኦት ዝነኣዱሉ ኣነ ዝርስዓሉ ሃዋሁ ሃረር ናይ ዝብለሉ ጸጋ ሃብኒ! ኦ ጐይታ ካልኦት ካባይ ንላዕሊ ቅዱሳን ዝኾኑሉ ኣን ኸኣ ኣሰሮም ተከቲለ ዝቅደሰሉ ኩነት ሃረር ናይ ዝብለሉ ጸጋ ሃብኒ! ኢሉ ይጽሊ ነበረ እንክብሉ መልእኽቶም ዛዚሞም።

ብድምጺ ንምክትታል!
13 June 2019, 19:36