ር.ሊ.ጳ ዝመጽእ ዕለት 21 ሰነ ዳግም ንናፖሊ ክኸዱ ኢዮም!
አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን
ተሎግያ እንብሎ ትምህርቲ ንባበ መለኮት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ወትሩ ኣብ ዓሚቚ እምነት ክርስትና ተመሥሪቱ ንህልው ኩነታት ብምጽናዕ ኣብ ሕይወት ቤተርስትያን ሕዳሴ ይፈጥር።
ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ነዙ ጉዳይ እዚ ብዝምልከት ትምህርቲ ንባበ መለኮትስ ይኹን ትምህርቲ ፍልስናን ኲስኰሳን ብዝምልከት ዕለት 29 ጥሪ 2018 ዓምፈ ቨሪታቲስ ጋውድዩም ደስታ ሓቂ ብዝብል ሓዋርያዊ ቅዋም ብሕልፊ ነቲ ወንጌላዊ ቃል ምልክታት ግዜ ኣንቢብካ ምኽኣል ዝብል ምርኲስ ብምግባር ንቃል ወንጌል ንምርዳእን ኣብ ዘሎኻዮ ኩነታትን ሃለዋትን ኣእቲኻ ትርጉም ክትህቦን እቲ ኣብ ልቢ ነፍሲ ወከፍ ዘሎ ደስታ ሓቂ ንምርካብ ዝግበር ህንጡይነት መልሲ ይረክብ።
እዚ ተመዲቡ ዘሎ ዓውደ መጽናዕቲ ከኣ ኣብዚ ሓዋርያዊ ኣዋጅ ተመስሪቱ ንኩነታት ከባቢ መዲተራንያን ብዝምልከት ክካየድ ቅዱሰንቶም እውን ኣብ ምዝዛም እቲ ጉባኤ ሓሳቦም ንከካፍሉ ከምዝሳተፉ ተመልኪቱ። እዚ ኣብ ፖሲልሊፖ ዝበሃል ኣከባቢ ዝካየድ ብዛዕባ እቲ ብመንግሥቲ ጣልያን ዝካየድ ዝነበረ ማረ ኖስትሩምን ግድላቱን ስደት ናይ ባህልታት ምትሕንፋጽን ዘተን ክምልከት እዩ። እዚ ባሕርና ዝብል ምንቅስቃስ ጀሚርዎ ዝነበረ ብብዙሓት ዘይመንግሥታውያን እውን ንምሕጋዝ ስደተኛታት ዝተወስደ ተበግሶታትን ህልው ኩነታትን ብሓባር ብምምልካት ነቲ ዘሎ ወጥርን ግድልን መፍትሒዶ ይርከብ ይኸውን ንዝብል ሕቶ ንምምላሽን ጸገማትካ ኣለሊኻ ንምኽኣልን እዩ።