ድለ

2019.06.18 ቨሪታቲስ ጋውድዩም ደስታ ሓቂ  ዓውደ መጽናዕቲ ኣብ ከተማ ናፖሊ 2019.06.18 ቨሪታቲስ ጋውድዩም ደስታ ሓቂ ዓውደ መጽናዕቲ ኣብ ከተማ ናፖሊ  

ር.ሊ.ጳ ዝመጽእ ዕለት 21 ሰነ ዳግም ንናፖሊ ክኸዱ ኢዮም!

ትምህርቲ ንባበ መለኮት ኣብ ህልው ኩነታት ኣተኲሩ ምናዳ እቲ ናይ ዘተን ርክብን ማእከል ዝነበረ ማእከላይ ባሕሪ ሎሚ ናይ ሞትን ግጭትን ማእከል ምዃኑ ኣጽኒዑ ዝተሓደሰ ሓሳብ ንምቅራብ ብኢየሱሳውያን ኣብ ዝካየድ ዓውደ መጽናዕቲ ንምስታፍ ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ንዝመጽእ ዓርቢ ዕለት 21 ሰነ 2019 ዓምፈ ኣብ ከተማ ናፖሊ ናይ ደቡብ ሃገረጣልያን ጳጳሳዊ ክፍሊ ንባበ መለኮት ክኸዱ እዮም።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ተሎግያ እንብሎ ትምህርቲ ንባበ መለኮት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ወትሩ ኣብ ዓሚቚ እምነት ክርስትና ተመሥሪቱ ንህልው ኩነታት ብምጽናዕ ኣብ ሕይወት ቤተርስትያን ሕዳሴ ይፈጥር።

ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ነዙ ጉዳይ እዚ ብዝምልከት ትምህርቲ ንባበ መለኮትስ ይኹን ትምህርቲ ፍልስናን ኲስኰሳን ብዝምልከት ዕለት 29 ጥሪ 2018 ዓምፈ ቨሪታቲስ ጋውድዩም ደስታ ሓቂ ብዝብል ሓዋርያዊ ቅዋም ብሕልፊ ነቲ ወንጌላዊ ቃል ምልክታት ግዜ ኣንቢብካ ምኽኣል ዝብል ምርኲስ ብምግባር ንቃል ወንጌል ንምርዳእን ኣብ ዘሎኻዮ ኩነታትን ሃለዋትን ኣእቲኻ ትርጉም ክትህቦን እቲ ኣብ ልቢ ነፍሲ ወከፍ ዘሎ ደስታ ሓቂ ንምርካብ ዝግበር ህንጡይነት መልሲ ይረክብ።

እዚ ተመዲቡ ዘሎ ዓውደ መጽናዕቲ ከኣ ኣብዚ ሓዋርያዊ ኣዋጅ ተመስሪቱ ንኩነታት ከባቢ መዲተራንያን ብዝምልከት ክካየድ ቅዱሰንቶም እውን ኣብ ምዝዛም እቲ ጉባኤ ሓሳቦም ንከካፍሉ ከምዝሳተፉ ተመልኪቱ። እዚ ኣብ ፖሲልሊፖ ዝበሃል ኣከባቢ ዝካየድ ብዛዕባ እቲ ብመንግሥቲ ጣልያን ዝካየድ ዝነበረ ማረ ኖስትሩምን ግድላቱን ስደት ናይ ባህልታት ምትሕንፋጽን ዘተን ክምልከት እዩ። እዚ ባሕርና ዝብል ምንቅስቃስ ጀሚርዎ ዝነበረ ብብዙሓት ዘይመንግሥታውያን እውን ንምሕጋዝ ስደተኛታት ዝተወስደ ተበግሶታትን ህልው ኩነታትን ብሓባር ብምምልካት ነቲ ዘሎ ወጥርን ግድልን መፍትሒዶ ይርከብ ይኸውን ንዝብል ሕቶ ንምምላሽን ጸገማትካ ኣለሊኻ ንምኽኣልን እዩ።

“‘ኣብ ኩነታት ባሕሪ መዲተራንያን ኣየናይ ንባበ መለኮት!’ ብዝብል ኣርእስቲ ኣብቲ ዓውደ መጽናዕቲ ትምህርቲ ዘቅርቡ ፕሮፈሰር ፋብሪስዮ ማንድረኦሊ ንኣገልግሎት ዜና ቫቲካን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ‘ቅዱስነቶም ኣብዚ ኩነታት እዚ ዘቅርቡልና ሓሳብ ኣብ ልማድ ቤተክርስትያንን ሕይወታን ተመስሪትና ክነስተንትን ነቲ ግዜና ዘቅርበልና ሕቶታት ከኣ ምሳኡ ክነወዳድሮ እሞ ንዝተፈላለየ ተመኩሮ ሕዝበ እግዚአብሔር ክንሰምዕን ክንዕዘብን እዩ። ከምዚ ብምግባር ከኣ ናይ ዝተፈላለዩ ሰባት ባህልን ተመኲሮን ስብከተወንጌልን ጽን ኢልካ ብምስማዕ ንወንጌል ከመይ ከምዝነብርዎ ብምጽናዕ ንትምህርተ ንባበ መለኮት ብከመይ ክነሕድሶ ከምእንኽእል መበገሲ ክንረክብ ተስፋ ኣሎና። እዚ ከኣ ኣብ ሕይወት ቤተክርስትያንስ ይኹን ኣብ ሕቶታት ሥልጣናዊ ትምህርታ ከምኡ እውን ኣብ ዝተፈላለየ ክፍልታት መጽናዕቲ ንባበ መለኮት በቲ ቅዱስነቶም ዝኣዝዝዎ ሓጎስ ሓቂ ዝብል ሓዋርያዊ ቁዋም ክሕደስ ኣይጽግምን` ኢሎም።”

 

18 June 2019, 19:21