ኢየሱስ ካብ ኣርድእቱ ዝደልዮ ወረኛ መንፈሳውነት ምዃን ዘይኮነ ሕያዋን መሰኻኽሩ ንክኾኑ እዩ! ር.ሊ.ጳ

ቅዱሳን ሓዋርያት ጴጥሮስን ጳውሎስን ከም መሰኻኽር እናመርሑና ኣብ ቅድሜና ኣለው። ካብታ ጐይታ ዝሰበኸላ ቅድስት መሬት ጀሚሮም ክሳብ ከተማ ሮማ ከይደኸሙ ሰቢኾም ብተልእኮ ኣገልጊሎም ተጓዒዞም። ኣብዚ ከተማ እዚ ክሳብ መወዳእታ ሕይወቶም ብምውፋይ ብሰማዕትነት መስኪሮም። ኣብቲ መሠረት ምስክርነቶም ምልስ እንተበልና መሰኻክር ሕይወት መሰኻኽር ምሕረት መሰኻኽር ኢየሱስ ምዃኖም ንግንዘብ።

መሰኻኽር ሕይወት!

ሽሕ’ኳ ሕይወቶም ጽሩይን ትኽ ዝበለን እንተዘይኮነ ኣብ መወዳእታኡስ ተዓዊቶም። ክልቲኦም ውዕይ ዝበሉ ኰይኖም ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ መጀመርያ ጀሚሩ ሓዋርያ ዝነበረ እንክኸውን (ዮሓ 1,41) ቅዱስ ጳውሎስ ግን ንባህሊ ኣቦታቱ ክድግፍ ቈሪጹ ዝተላዕለ ነበረ (ገላ 1.14)። ዓበይቲ ጌጋታት ፈጺሞም እዮም ጴጥሮስ ክሳብ ንጐይታ ምኽሓድ እንክበጽሕ ጳውሎስ ከኣ ንቤተክርስትያን እግዚአብሔር የሳድድ ነሩ። ክልቲኡ ብሕቶ ጐይታ ርዒዶም እዮም። ‘ስምዖን ወዲ ዮና ተፍቅረንዶ’ (ዮሓ 21,15) እትብልን ‘ሳውል ሳውል ስለምንታይ ተሳድደኒ!’ (ግሐ 9,4) ዝብላ ሕቶታት።  ጴጥሮስ ብዘይመጠን እንክሓዝን ጳውሎስ ከኣ ንሠለስተ መዓልቲ ዓወረ። ኢየሱስ ንክልቲኦም ብኣሽማቶም ጸዊዑ ሕይወቶም ለወጦ። ድሕሪ ነዊሕ ጒዕዞ ከኣ በዞም ክልተ ዝተነሥሑ ሓጢኣተኛታት ተኣማመነ። ምናልባት ኢየሱስ ስለምንታይ ክልተ ፍጹማት ዘይመረጸ ክንብል ንኽእል። ዮሓንስ እንከሎ ስለምንታይ ንጴጥሮስ በርናባስ እንከሎ ስለምንታይ ንጳውሎስ ክንብል ንኽእል።

ኣብዚ ዓቢ ትምህርቲ ኣሎ ሕይወት ክርስትና ዝግበኣና ኰይኑ ኣይኮነን ዝወሃበና። ምስቶም ንገዛእ ርእሶም ንፉዓት ጌሮም ዝሓስቡ ጐይታ ቁሩብ ነገር እዩ ዝገብር። ካብ ካልኦት ዝበለጽና ጌርና ንርእስና ምስ እንግምግም ምጅማር ውድቀትና ይኸውን። ጐይታ ንርእሱ ምስ ዜጽድቅ ሰብ ምንም ኣይገብርን ኮይኑ ግን ጽጉም እየ ሓገዝ የድልየኒ ንዝብል ይሕግዝ። ብመንፍዓትና ኣይሰሓብን ንፉዓት ስለዝኾና ከኣ ኣይኮነን ዘፍቅረና። ከምዘሎናዮ እዩ ዘፍቅረና ርእሰይ ክኢለ እየ ዘይብሉ ልቦም ክኸፍቱሉ ዝኽእሉ ሰባት ሃሰስ ይብል። ጴጥሮስን ጳውሎስን ኣብ ቅድሚ እግዚብሔር ገርሀይናታት ኰይኖም ተረኺቦም።   ጴጥሮስ ንኢየሱስ ምስ ረኸበ መጀመርያ ዝበላ `ኣነ ሓጢኣተኛ እየ’ (ሉቃ 5,8) እንክብል ጳውሎስ ከኣ ካብ ኩሎም ሓዋርያት ዝነኣሰ ሓዋርያ ተባሂሉ ክጽዋዕ እውን ብቚዕ ከምዘይኮነ እዩ (1 ቆሮ 15,9)። ኣብ ሕይወቶም ነዚ ትሕትና እዚ ሒዞም እዮም ክሳብ መወዳእታ ተጓዒዞም። ጴጥሮስ ንጐይታ ክመስል ብቚዕ ስለዘይኮነ ንቚልቚል ርእሱ ክስቀል ሓቲቱ ጳውሎስ ከኣ ወትሩ ንእሽቶ ቚልዒ ክብል ንርእሱ ኣትሒቱ ነቲ ናይ ሕዝቡ ንጉሥ ዝነበረ ሳውል ሽሙ ናብ ጳውሎስ ቀዩሩ። ክልቲኦም ቅድስና ኣብ ትዕቢት ዘይኮነስ ኣብ ትሕትና ምዃኑ ተረዲኦም። ኣብ ሥልጣንን ዕብየትን ዘይኮነ ቀንዲ ዕለት ዕለት ድኽነትካ ፈሊጥካ በቲ ኣብ ትሑታት ዓበይቲ ነገራት ዝፍጽም ብጐይታ ምትእምማን ከምዝኾነ ብግብሪ መስኪሮም።  ከምዚ ዝበለ ድኻምነት እንከለዎም ከመይ ኢሎም ክዕወቱ ክኢሎም! እቲ ምሥጢር እንታይ እዩ እንተበልና ምሕረት ጐይታ እዩ።

መሰኻኽር ምሕረት!

በዚ ኸስ መሰኻኽር ናይቲ ዝተቀበልዎ ምሕረት ኰይኖም። ኣብ ውድቀታቶም ነቲ ዳግም ከምዝውለዱ ዝገበሮም ምሕረት ጐይታ ዘሎ ሓይሊ ተገንዚቦም። ኣብ ምሕረት ጐይታ ክትገልጾ ዘይከኣል ሰላምን ታሕጓስን ረኺቦም።  በቲ ዝፈጸምዎ በደል ንምሉእ መዋዕል ሕይወቶም ብወቀሳ ሕልና ምነበሩ ክንደይ ግዜ ቅዱስ ጴጥሮስ ብዛዕባ ክሕደቱ ዘይሓአበ ከምኡ እውን ጳውሎስ ኣብ ልዕሊ ንጹሓት ብዝፈጸሞ ስደት ዘይተጣዕሰ። ብቋንቋ ሰብ ክልቲኦም ውዱቃት እዮም።ኰይኑ ግን ልዕሊ ውድቀታቶም ዝኾነ ፍቅሪ ረኺቦም ነቲ ወቀሳታት ሕልናኦም ክፍውስ ዝኽእል ሓያል ምሕረት ረኺቦም። ምሕረት እግዚኣአብሔር ክነስተማቅር እንከሎና ጥራይ ኢና ብሓቂ ዳግም እንውለድ። ካብዚ ማለት ካብ ምሕረት እንደገና ትብገስ ገዛእ ርእስና ንረክብ ኣብ ምሥጢረ ንስሓ ማለት እዩ።

መሰኻኽር ኢየሱስ፥

መሰኻኽር ሕይወትን ምሕረትን ዝኾኑ ጴጥሮስን ጳውሎስን  ልዕሊ ኩሉ መሰኻኽር ኢየሱስ ኰይኖም። ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ወንጌል ‘ሰባት ወዲሰብ መን እዩ ይብሉ’ ኢሉ ይሓትት። እቲ መልሲ ናይ ቀደም ሰባት እናጠቀሱ ዮሓንስ መጥምቅ ኤልያስ ኤርምያስ ወይውን ሓደ ካብ ነቢያት ዝብል ነበረ። ንፉዓት ሰባት ዝነበሩ ኰይኑ ግን ኩሎም ዝሞቱ። ቅዱስ ጴጥሮስ ግን ‘ንስኻ ክርስቶስ ኢኻ’ (ማቴ 16,13.16) ክብል ይምልስ። ክርስቶስ ማለት እቲ መሲሕ። እዛ ቃል እዚኣ ሕሉፍ እተመልክት ኣይነበረትን እንታይ ደኣ መጻኢ ተመልክት። እቲ ኩሎም ዝጽበይዎ ዝነበሩ መሲሕ። እቲ ሓዲስ ነገር እዚ መሲሕ እዚ ንዓለምና ቅብዓት እግዚአብሔር ዘምጽእ እዩ። ኢየሱስ ሕሉፍ ኣይኮነን ናይ ሕጅን መጻእን እዩ። ርሕቅ ዝበለ ትዝክሮ ዘሎካ ዘይኮነ እቲ ቅዱስ ጴጥሮስ ንስኻ ኢሉ ዘመልክቶ ኩልና ንስኻ እቲ ክርስቶስ ኢኻ ክንብሎ እንኽእል ዘለዓለማዊ እዩ። ናይ ታሪኽ ጉዳይ ዘይኮነ ሕያው እዩ ወትሩ ሓዲስ እዩ። ስለዚኸስ ምስክር ኢየሱስ ዝበሃል ታሪኽ ኢየሱስ ዝፈልጥ ዘይኮነ ምስ ኢየሱስ ናይ ፍቅሪ ሕይወት ዝነብር እዩ። ዓሚቚ ትርጉም ምስክርነትከስ ንኣኡ ምስባኽ ጥራይ ዘይኮነ ምሥጢር ሕይወትካ ጌርካ ሕያው ከምዝኾነ እዩ። ስለዚ ከኣ ቅዱስ ጴጥሮስ ንስኻ ክርስቶስ ኢኻ ምስ ኣተሓሒዙ ወዲ እቲ ሕያው ዝኾነ እግዚአብሔር ኢኻ 8ማቴ 16.16) ይብል። ምስክርነትከስ ካብቲ ምስ ሕያው ኢየሱስ ዝግበር ርክብ ይውለድ። ኣብ ሕመረት ሕይወት ቅዱስ ጳውሎስ እውን ከም ናይ ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ ልቡ ክርስቶስ ዝብል ስም ጥራይ እዩ። ነዚ ደጋጊሙ ይብሎ ኣብ መልእኽታቱ ልዕሊ 400 ግዜ ይደጋግሞ። ንጳውሎስ ክርስቶስ ኣብነት ጥራይ ዘይኮነ ሕይወት ብዓንዲ ርእሱ ስለዝኾነ ‘ንዓይ ምንባር ማለት ክርስቶስ እዩ’ (ፊሊ 1,21) ይብል። ኢየሱስ ናይ ሕጅን መጻእን ኰይኑ ነቲ ሕሉፍ ሕይወቱ ከም ጐሓፍ ይቈጽሮ (ፊል 3,7-8) ቅድሚ ንክርስቶስ ምፍላጡ ማለቱ እዩ።

ንሕናኸ ዕለት ዕለት ምስ ኢየሱስ ንዘሎና ርክብ ነሐድስዶ!

ኣብ ቅድሚ እዚኦም መሰኻኽርከስ ‘ኣነኸ ዕለት ዕለትዶ ምስ ኢየሱስ ንዘሎኒ ርክብ አሐድስ ኢልና ሕልናና ንመርምር። ምናልባት ብዛዕባ ኢየሱስ ገለ ውጥምና ይህልወና ይኸውን ብዛዕባ ጉዳይ ቤተክርስትያንን ዜናታት እምነትን ንግደስ ንኸውን። ጋዜጣታትን ካልእን እናረአና ብዛዕባ ቅዱስ ነገራት ንዛረብ። ከምዚ ኢልና ሰብ እንታይ በለ ርእይቶ ዝሓለፈ ነገራት እናበልና ግዜ ይሓልፍ። እዚ ጉዳያት እዚ ንኢየሱስ ብዙሕ ኣይገድሶን እዩ። ናይ መንፈሳዊ ነገራት ዜና ክነውርየሉ ኣይደልን። ዘድልይዎስ መሰኻኽር እዮም። ዘድልይዎስ ጐይታየ ንስኻ ሕይወተይ ኢኻ ዝብሉ እዮም ዘድልይዎ።

ሓዋርያት ንኢየሱስ ምስ ረኸቡ ምሕረቱ ምስ ኣስተማቀሩ ሓዲስ ሕይወት ጀሚሮም ምንም ከይበቀቁ ኩለንታንኦም ወፍዮም። ብዘይ ምንም ነግፈረግ ብምሉእ ልቦም ከፍቅርዎ ክስዕብዎ ወሰኑ ‘ኣነስ ድሮ ኽሥዋዕ ቀሪበ ኣሎኹ። መዓኣልቲ ሞተይውን በጺሓ እያ’ (2ጢሞ 4,6) ክሳብ ምባል በጺሖም። ኣይምውቃት ኣይዝሑላት ክርስትያን ካብ ምዃን ሰውረና ነግፈረግ ካብ ምባል ብፍቅሩ ንክንማሙቚ ጸጋኡ ክህበና ንጐይታ ንለምኖ። ሕያዋን መሰኻኽር ኢየሱስ ንክንከውን ርድኣና ንበሎ እንክብሉ ስብከቶም ኣብ ምዝዛም ነቶም ኣብዚ ዓመት እዚ ሊቃነ ጳጳሳት ኰይኖም ዝተሾሙ ናይ ሲመቶም ምልክት ኣክሚም ከምዝህቡን እዞም ጓሶት እዚኦም ካብ ብቃሎም ብሕይወቶም ንክርስቶስ ክምስክሩ ኣዘኻኺሮም። 

ብድምጺ ንምክትታል!
29 June 2019, 19:03