ድለ

ንመርዚ ዘይተገዳስነትን ትዕቢትን፡ ቅጥዒ ዘይብሉ ስስዕቲ መኽሰብን ዘምክን ቅዱስ ቊርባን እዩ! ር.ሊ.

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ በዓለ ቅዱስ ሥጋሁ ወክቡር ደሙ ንምዝካር ሰንበት ምሸት በቆጻጽራ ሰዓት ሮማ ሰዓት 6 ድቀ ኣብ ካዛል በርቶነ ዚበሃል ከባቢ ሮማ ዝርከብ ቊምስና ድንግል ማርያም ናዛዚተ ኅዙናን ቀዲሶም። ዲሕሪ ቅዳሴ ኣብ ጐድናታት እቲ ከባቢ ብቅዱስ ቊርባን እናባረኹ ነዊሕ ዑደት ምስ ገበሩ ኣብ ፍጻሜ ‘ንመርዚ ዘይተገዳስነትን ትዕቢትን ቅጥዒ ዘይብሉ ስስዕቲ መኽሰብን ዘምክን ቅዱስ ቊርባን እዩ!’ እንክብሉ ሰቢኾም ብቡራኬ ቅዱስ ቊርባን ፈጺሞሞ።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ነዚ በዓል እዚ ንምኽባር ብልማድ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ዮሓንስ ዘላተራነንስ ብምቅዳስን ክሳብ ባዚልካ ሳንታ ማርያ ማጆረ ዑደት ብምግባርን እንክኸውን ቅዱስነቶም ግን ሎምዘመን ንካልኣይ ጊዜ ናብ ሻውላት ሮማ ውጽእ ብምባል ከብዕልዎ መሪጾም። ዓሚ ኣብ ኦስትያ ዝበሃል ክፍሊ ሮማ ኣብ ቊምስና ቅድስት ሞኒካ ከምዘብዓልዎ እንክዝከር ሎምዘመን ከኣ ኣብ ካዛለ በርቶነ ቊምስና ቅድስት ድንግል ማርያም ናዛዚተ ኅዙናን ብብዙሓት ሕጻናትን ሽማገለታትን ብካሮሶታት ዝመጹ ሕሙማን ኣብ ዝተረኽቡሉ ቅዳሴ ኣዕሪጎም። እዚ ከባቢ እዚ ኣብ ውሽጢ 75 ዓመት ራብዓይ ግዜ ምብጻሕ ር.ሊ.ጳ ከምዝረኸበ እንክምልከት ቀዳማይ ር.ሊ.ጳ ኣብ ግዜ ካልኣይ ውግእ ዓለም ድሕሪ ደብዳብ ነፈርቲ ተኣምር ቅዱስ ሥጋሁ ወክቡር ደሙ ዝተራእየሉ ግዜ ሓምለ 1943 ዓምፈ ፕዮስ መበል 12 እንክኾኑ ድሕሪኦም እውን ቅዱስ ጳውሎስ 6ይ ብ1964 ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ብ1995 ከምኡ እውን ልሂቅ ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ መበል 16 ብ2005 ሓዋርያዊ ምብጻሕ ከምዝገበሩ ይዝከር።

በዓለ ጥቀ ቊርባን ኩላ ቤተክርስትያን ሃቢኡ ዘሎ ኅብስቲ!

ቅዱስነቶም ኣብ ስብከቶም በዓለ ቅዱስ ቊርባን ቡራኬ እንመሃረሉ እንባረኸሉን እንባርኸሉን ቤተትምህርቲ ምዃኑ ዝገልጹ ቅዱስነቶም እቲ ዓቢ ምሥጢረ ናይዚ በዓል እዚ ከኣ ኣብ ቊራስ እንጌራ ኩላ ቤተክርስትያን ተሓቢኣ ትርከበሉ ምዃኑ እዩ። እዚ ጥራይ ዘይኮነ ቅዱስ ቊርባን ከም ኣገላልጻ ቅዱስነቶም ንናይዘመንና መርዝታት ጸረ መርዚ ኰይኑ ከግልግል ዝኽእል ቅዱስ ቊርባን ጥራይ ምዃኑን ካብዚ ከቢቡ ሒዙና ዘሎ ግዜ የብልየን ኣይክእልን ኣይምልከተንን ዝብል ሸለልትነትን ንብጻይካ ዋጋ ዘይምንሃብን ንዝኣመሰሉ መርዝታት ከም ጸረ መርዚ ኮይኑ ዝፍውሰና ቅዱስ ቊርባን እዩ እንክብሉ ነዚ ኩሉ መርዝታት ንምምካን ኣዘውቲርካ ምቚራብ ከምዘድሊ ገሊጾም።

ኣብ ዕለቱ ካብ ዝቀረቡ ንባባት ቀዳማይ ካብ ዘፍ 14.18 እቲ ንክርስቶስ ዘመልክት ዘለዓለማዊ ካህን መልኪጸደቅ ንኣቦና ኣብርሃም ብኅብስትን ወይንን መሥዋዕቲ ቊርባን ከምዘቅረበን ብእምነት ኣቦና ኣብርሃብ ከኣ ዕሽር ይህቦ ከምዝነበረ ዝገልጽ ነበረ። መልኪጸደቅ ንኣብርሃም ይባርኽ ብኣብርሃም ኩሎም ዘመደ ኣዳም ከምዝባረኹ ጐይታ ዝሃቦ ቃል እዩ።

ናይ ዕለቱ ቃል ወንጌል እውን ኣብቲ ናይ ጉባኤ ኣስተምህሮ መልኣከ እግዚአብሔር ከምዝገልጽናዮ ሉቃስ 9.11 ኮይኑ ብዛዕባ እቲ ጉይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብሓሙሽተ እንጌራን ክልተ ዓሣን ንሓሙሽተ ሽሕ ከምዝመገበን ተረፍ ከኣ 12 መሶብ ከምዝተላዕለን ዝገልጽ ነበረ። ኣብዚ እውን ጐይታና ኢየሱስ ከምቲ ናይ መልከጼደቅ ይባርኽ። ንሕና እውን ብምሥጢረ ጥምቀት ዝተባረኽና ኣብ ፍጻሜ ነፍሲወከፍ ቅዳሴ ንባረኽ ቡራኬ ንቅበል። እዚ ንማለቱ ዝበሃል ጥዑም ቃላት ዘይኮነ ናይ ፍቅሪ ስለዝኾነ ተጠንቂቅና ኣነጺርና ብፍቅሪ ክንደግሞ ኣሎና ኢሎም።

ትዕቢት ከይለኽፈኩም ተጠንቀቁ!

ቅዱስነቶም ነቶም ቡራኬ ዝህቡ ጓሶትን ካህናትን ብጥንቃቄን ብፍቅርን ክገብርዎ ሓደራ ምስ በሉ ትዕቢትን ብደዔን ከየሸንፎም ነቲ ሓደራ ዝተዋህቦም መጓሰ ሕዝበ እግዚኣአብሔር ብትሕትና ከገልግሉን ክባርኹን ሓደራ ኢሎም።

“ብምሥጢረ ጥምቀት ምስ ተባረኽና ጥራሕ ኢና ብቅብኢ ፍቅሪ ንካልኦት ክንባርኽ እንኽእል። ሎሚ ብጣዕሚ ዘሕዝነኒ ክንዲ ቡራኬ ብቀሊሉ ክራገሙ እንክትሰምዕ ብሓቂ የሕዝን በዚ ጥራይ ከይበቅዔ ክተቈናጽብ ክትጻረፍ ከተዋርድ ድሕር ዘይትብለሉ ግዜ ንርኢ ኣሎና። ዝገደደ ከኣ ኩሉ ሸበድበድ ኣትይዎ ብዝከውንን ዘይኮውንን ብቚጥዓ በግ ክብሉ ክግዕሩ ዓው ዓው ብምባል ሓቀኛታት ምዃኖም ክገልጹ ንካልኦት ክድግፍዎም ከእምኑ ዝቃለሱ ውሑዳት ኣይኮኑን። በጃኹም ኢለኩም እዚ ነገራት እዚ ከይለኽፈኩም እቶም ጣዕሚ ዘለዎ ሰማያዊ መግቢ እንምገብከስ በዚ ክንሰዓር ኣይነፍቅድ። ሕዝቢ እግዚኣአብሔር ክብርን ምስጋናን እዩ ዝፈቱ ዕሚም ክብል ኣይነብርን። ንቡራኬ ዝተሓርየ ስለዝኾነ ክባርኽ እምበር ከጉረምረም ከይርከብ ሓደራ። ናይ ዕለቱ ቃል ወንጌል ወላ ቊሩብ ይኹን ኣወፊ ሃብ ዝብል ኣምር ቊጠባ ይምህረና።”

ቊጠባ ወንጌል - ቊሩብ ቊራቦ’ውን ይኹን ሃብ!

ቡራኬ ብቃል እንክኸውን ነዚ ብተግባር ዝስዕብ ዘላትካ ምውፋይ ምሃብ እያ። እቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ባሪኹ ቈሪሱ ኣሽሓት ዘጽገበ ቊሩብ እንጌራ ተኣምራታዊ ዝገበሮ ምውፋዩን ምስ ካልኦት ንክተካፍሎ ፍቃደኛ ብምዃኑን እዩ።

“ኣብ ዓለምና ብዙሕ ግዜ መኽሰብ ክትረክብ ነዚ ከኣ ክተዕብዮ ሒዅ ምባል ይረኤ። ዕላማ መኽሰብስ እንታይ ኮን ይኸውን እንተበልና ምሃብዶ ወይስ ምእካቡ! ምክፋልዶ ወይስ ንዓኻ ጥራይ ምሓዙ! ንዝብል ሕቶ ሥነ ቊጠባ ወንጌል እንተተኸቲልኩም ክብርክት ክበዝሕ ንኩሉ ክኸውን ምክፋል እዩ። ነቲ ዘይጸግብ ስስዕቲ ዓለምና ንቊሩባት ከሀብትም ሃነፍነፍ እንክብል ናይ ወንጌል ግን ንኩሉ ኮይኑ ሕይወት ይህብ። ዝረኸብካ ኣክብ ዘይኮነስ ዘሎካ ኣወፊ ሃብ ተኻፈል እዩ ቃል ጐይታ። ስለዚኸስ ቅዱስ ቊርባን ናይ ኩሉ ሕማማት ፈውሲ ኮይኑ ጸረ መርዚ ናይ ንዓይ ይጥዓመኒ ዝብል ሸለልትነት ዝዓብለሎ መንፈስ እውን እዩ። ስለዚ ነዛ ከተማ ቡራኬን ወፈያን ኩኑ እንክብሉ ስብከቶም ዛዘሙ።”

ብድምጺ ንምክትታል!
23 June 2019, 19:22