ወንጌል ንምስባኽ ናጻ ምዃን ምስንዳውን ውሳኔን የድሊ! ር.ሊ.ጳ

ሰንበት ዕለት 30 ሰነ 2019 ዓምፈ ፍርቂ መዓልቲ ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ቅድሚ ምዕራጎም ‘ንኢየሱስ ምስዓብ ጣዕሳ ኣየፍቅድን። ተኽታሊ መምህር ምዃን ማለት ወትሩ ከምቲ ናቱ ቆራጻትን ወሰንትን ኰና ምንቅስቃስ የድሊ። ቤተክርስትያን’ውን እንተኾነ ኣብ ቀጽራ ኣስተሪሓ ኰፍ ክትብል ኣይኮነን’ እንክብሉ ኣስተምሂሮም ኣብ ሰሜን ኮርያ ንዝተራእየ ናይ ሰላም ሃዋሁ ኣመስጊኖም ንኩሎም ሠናይ ናይ ዕረፍቲ ግዜ ክኾነሎም ተመንዮም።

አባ መኰንን ኣማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ንዕለቱ ዝቀረበላ ወንጌል ሉቃስ 9.51 ኮይኑ እቲ ጐይታና ኢየሱስ ንኢየሩሳሌም ገጹ ዝጀመሮ ጒዕዞ ዝገልጽን ሕዝቢ ከምዘይተቀበልዎን ሓዋርያት ከምቲ ናይ ኤልያስ ሓዊ ሰዲዱ ከጥፍኦም እኳ እንተሓተቱ ንሱ ግን ምሕረትን ትዕግሥትን ከምዘድሊ ገሊጹ ነቶም ክንስዕበካ ዝበልዎ ንሓደ ኣይትኽእሎን ኢኻ ዚዓይነቱ ነቲ ሓደ ዕርፊ ሒዝካ ንድሕሪት የለን ንዓ ደኣ ሰዓበኒ ክብል ነቲ ኣቦኡ ክቀብር ምስ ሰቡ ክሰናበት ዝሓተተን ካልእን ዝገልጽ ኮይኑ ቀንዲ መልእኽቱ ተኸታሊ ጐይታ ንምዃን ዘድሊ ነገራት ዝገልጽ ነበረ። ስለዚ ከኣ እዮም ቅዱነቶም ነተን ከም ኣርእስቲ መሪጽናየን ዘለዋ ቃላት ማለት ተበግሶን ስንድው ምዃንን ብቅልጡፍ ዘይዕጸፍ ውሳኔ ገበርትን ምዃን ከምዘድሊ ገሊጾም።

ንዝኾነ ውሕስነት ዝህበካ ኮይኑ ዝስመዓካ ንምምናን ዘድሊ ትብዓት!

ቅዱስነቶም ነቶም ሠለስተ ንኢየሱስ ክኽተሉ ዝደለዩ ባህርያት ብምትንታን ከምዚ ይብሉ። እቲ ቀዳማይ ብምሉእ ልግሲ ክኽተለካ ምስ በሎ ኢየሱስ ከኣ ወዲሰብሲ ርእሱ ዘጸገዓላ እምኒ እኳ የብሉን ከመይ መንግሥቲ እግዚአብሔር ንክሰብኽ ንዝኾነ ውሕስነት ዝህብ ነገር መኒንዎ እዩ።

“ከምዚ ብምባሉ ከኣ ተኸተልቱ ንዝኾና ንዓና ኣብ ሓደ ቦታ ጥራይ ንቅመጥ ዘይኮነስ ሰብኽ ሳግማዊ ጒዕዞ ክንክተል ይምህረና። ክርስትያን ውሱን ቦታ የብሉን ሰበኽ ሳግም እዩ። ቤተክርስትያን ብባህርያ ኣብ ምንቅስቃስ እያ ኣብ ቀጽራ ተዓጽያ ኰፍ እትብል ኣይኮነትን። ናብ ዝሰፍሐ መዓዝናት ዝተኸፍተት ኮይና ንወንጌል ኣብ ኩሉ ኲርናዓት ንክተብጽሕን ናብራን ሰብኣውነትን ናብ ዘወሰኖም እናኸደት ወንጌል ክትሰብኽ ዝተላእከት እያ።”

እግዚአብሔር ወትሩ ኣብ ቀዳማይ ቦታ እዩ!

እቲ ካልኣይ ሰብ ጸዋዕታ ኢየሱስ ይስምዖ ግን መጀመርያ ከይዱ ነቦኡ ክቀብር ይሓትት። ቅኑዕ ሕቶ እዩ። ኮይኑ ግን ኢየሱስ ንሙታት ሙታን ይቅበርዎም ንስኻኸስ ሰዓበኒ ደኣ ይብሎ።

“በዘን ኮነ ኢልካ ንምትዅታዅ ዝተመርጻ ቃላት እዚአን ገሩ ኢየሱስ ኣብ ምኽታሉን ወንጌል መንግሥተ ሰማይ ኣብ ምስባኽን ናይ ቀዳምነት ቀዳምነት እንኮላይ ጉዳይ ሥድራቤት ዚኣመሰለ ኣድለይቲ ጉዳይ ንእግዚአብሔር ከምዝወሃብ እዩ። ነቲ ናይ ሞት ማእሰር ዝበጣጥስን ሓዲስ ሕይወት ዝዘርእን ስብከተ ወንጌል ናብ ኩሉ ንከተባጽሕ ክትድንጒ ኣየድልን ወትሩ ስንድው ምዃን ንክትከይድ ምውሳን የድሊ።”

ተኸታሊ ኢየሱስ ምዃን ነግፈረን ዳግመ ግምት ኣየፍቅድን!

ኣብ መወዳእታ እቲ ሳልሳይ ንኢየሱስ ከምዝዝዕቦ የረጋግጽሉ ኣቀዲሙ ግን ምስ ሥድራኡ ክሰናበት ይሓት ኢየሱስ ከኣ ዕርፊ ኣብ ኢዱ ሒዙ ንድሕሪት ቊሊሕ ዝብል ንመንግሥቲ ኣምላኽ ዝተገብኤ ኣይኮነን ይብሎ። በዚ ከኣ ነግ ፈረግ ምባል ዳግመ ግምት ክትገብር ምሕሳብ ቦታ ከምዘይብሉ ቆራጽ ውሳኔ የድሊ።

“ዋጋ ናይዚኤን ብኢየሱስ ዝቀርባ ውዑላት ማለት ሰብኽ ሳግማዊ ሕይወት ወትሩ ስንድው ምዃን ቆራጽ ውሳኔ ዝብላ ኣይፋል ዝብል መልሲ ነተን ሕቶታት ኣይኮነን ዝምልሳ። እቲ ጐይታ ዘሥምረሉ ዘሎ ተኸታሊ ክርስቶስ ንምዃን ቀንዲ ትኲረት ዘድልዮ ኣየናይ እዩ ንዝብል ሕቶ ይምልስ። ነቲ መወዳእታ ዘይብሉ ፍቅሪ እግዚብሔር ብፍቅሪ መሊስካ ንምኽኣል ዝግበር ናጻን ምሉእ ኣፍልጦ ዘለዎን ምርጫ እምበር ንምዕብልና ገዛእ ርእስኻ ኣይኮነን። ሓንሳእ ሓንሳእ ንሥልጥእንን ካልእ ነገርን ክገብረኦ ክትርኢ ብጣዕሚ የሕዝን። ብከምዚ ጉዳይ እዚ ንኢየሱስ ክኽተሉ ንዝደልዩ ወይልኹም እብሎም። ኢየሱስ ዝደልዮምሲ ስለ ፍቅሩን ስለወንጌል ዘቃጽል ድላይ ዘለዎም እዮም። እዚ ዘቃጽል ድላይ እዚ ከኣ ናብቶም ጽጉማትን ሓገዝ ዘድልዮምን ኣሕዋትናን ኣሓትናን ቅርብ ኢልካ ኣብ ምሕጋዝ ኣብ ግብሪ ይውዕል። ከምቲ ንሱ ዝነበሮን ዝገበሮን እናንበርካን እናገበርካን ከኣ እዩ ዝግበር።”

ቈላሕታ ንኮርያ!

ቅዱስነቶም ጉባኤ ኣስተምህሮ ምስ ፈጸሙ ምስቶም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ዝነበሩ ነጋድያንን ምእመናንን ጸሎተ መልኣከ እግዚአብሔር ምስ ኣዕረጉ ነቲ ኣብ ዶብ ደቡብ ኮርያን ሰሜን ኮርያን ድሕሪ ግጭት እዘን ክልተ ሃገራት ንመጀመርያ ግዜ ኣብ መሬት ሰሜን ኮርያ ዝረገጸ ፕረሲደንት ኣመሪካ ብምዃን ዶናልድ ትራምፕ ንፕረሲደንት ሰሜን ኮርያ ኪም ጆንግ አጝ ምጭብባጥ ‘ጽቡቅ ኣብነት ባህሊ ርክብ ንምፍጣር’ ክብሉ ይገልጹ እሞ `ኣብ ጉዕዞ ሰላም ትርጉም ዘለዎ ስጉምቲ ንክኸውን ሰብ ምሉእ ተስፋ ኢና’ እንክብሉ ሓጐሶም ገሊጾ ንኩሎም ኣብቲ ቅርዓት ዝነበሩ ከኣ ሠናይ ናይ ዕረፍቲ ሰሜናዊ ንፍቀ ክበብ ዘመነ ሓጋይ ክኾኖም ብምምናይ ብሓዋርያዊ ቡራኬ ኣፋነውዎም።

ብድምጺ ንምክትታል
30 June 2019, 13:54