ድለ

2019.06.13 ኣብ ኣርጀንቲና ኑንስዮ ኣፖስቶሊኮ ዝነበሩ ብፁዕ ሊቀ ጳጳሳት ኣቡነ ለዮን ካለንጋ ባዲከበለ 2019.06.13 ኣብ ኣርጀንቲና ኑንስዮ ኣፖስቶሊኮ ዝነበሩ ብፁዕ ሊቀ ጳጳሳት ኣቡነ ለዮን ካለንጋ ባዲከበለ 

ር.ሊ.ጳ ኣብ ደብረ ቅዱስ ጴጥሮስ ሥርዓተ ቀብሪ ነፍሰኄር ብፁዕ አቡነ ካለንጋ ክፍጽሙ እዮም።

ጽባሕ ቀዳም ዕለት 15 ሰነ 2019 ዓምፈ ንግሆ ሰዓት 7.30 ኣብ መንበረ ታቦት ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ሓዋርያዊ ወኪል ር.ሊ.ጳ ኑንስዮ ኣፖስቶሊካ ኣብ ኣርጀንቲና ዝነበሩ ነፍሰኄር ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ አቡነ ለዮጝ ካለንጋ ባዲከበለ ሥርዓተ ቀብሪ ክፍጸም እዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ዜናታትና ከምዝገልጽናዮ ነፍሰኄር ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ አቡነ ለዮጝ ካለንጋ ድሕሪ ናይ ሓጺር ግዜ ሕማም ዝሓለፈ ዕለት 12 ሰነ እዮም ኣብ ሮማ ዓሪፎም።

ናይ ቅድስት መንበር ግዝያዊ ሓላፊ ክፍሊ ማሕተም ቅድስት መንበር ኣለሳንድሮ ጂሶቲ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ‘ነቲ ሥርዓት ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ከምዝመርሕዏን ኩሎም እቶም ኣብዚ ሳልስቲ ንጉባኤ ኣብዚ ዝርከቡ ናይ ዓለም ምሉእ እንደራሴታት ቅዱስነቶምን ኣብ ዝተፈላለያ ተቊዋማት ተወከልቲ ቅድስት መንበር ክሳተፉ ከምዝኾነ ኣመልኪቱ።

ብድምጺ ንምክትታል!
14 June 2019, 18:13