ድለ

ኣብ ቀዳመይቲ ዓመት ዝኽሪ ዓለምለኸ ዕለተ ድኻታት ኣብ ቸዘናን ቦሎኛን 2017 ኣብ ቀዳመይቲ ዓመት ዝኽሪ ዓለምለኸ ዕለተ ድኻታት ኣብ ቸዘናን ቦሎኛን 2017 

እቶም ክንሕግዞም ዘሎና ቚጽሪ ጥራይ ዘይኮነ ሰባት ከማና እዮም! ር.ሊ.ጳ ንዕለተ ድኻታት ኣመልኪቶም

ካብ ታሪኽ ዘይመሃር ወዲሰብ ንድኻታት ዳርጋ ካብ ማሕበረሰብ ዝተገለሉ ገሩ እንክግምቶም እቲ ንድኻን ውጹዕን ዘይርስዕ ጐይታ ግን ‘ብፁዓን’ ይብሎም ከመይ መንግሥተ ሰማይ ናታቶም እያ ከኣ ይብል። ኣብ መእተዊ መድብና ከም ዝገለጽናዮ ንዝመጽእ ዕለት 17 ሕዳር ተዘኪሩ ንዝውዕል ዓለምለኸ ዕለተ ድኻታት እትኸውን መልእኽቲ ር.ሊ.ጳ ኣብታ ዳዊት ኣብ መዝሙሩ ‘ድኻስ ንሓዋሩ ኣይኪርሳዕን እዩ እሞ፣ ተስፋ መስኪን ንዘለአለም ኣይኪጠፍእን እዩ’ (9.18) ተመርኲሶም ‘ተስፋ ድኻታት ንዘለዓለም ኣይክትጠፍእን እያ’ ብዝብል ኣርእስቲ ተዳልያ ክርስትያን ዘቦኡ ተስፋን ምትእምማንን ይዝራእ እንክብሉ ሓደራ ኢሎም።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ከም ዝዝከር ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ኣብ ምዝዛም ኢዮቤል ዓመት ምሕረት ዓመት መጸ ዕለት 17 ሕዳር ዓለምለኸ ዕለተ ድኻታት ኰይና ክትዝከር ብዝኣወጅዎ መሠረት ንሎምዘመን እውን ብኣጋኡ ንምስንዳእ ክርስትያን ዘቦኡ ኩሉ ምስ ዝተረፉ ሰብ ጽቡቅ ድላይ ዝኾኑ ናይ ዓለምና ነበርቲ ነቶም ብሓለንጊ ድኽነት ዝግረፉ ሰብኡትን ኣንስትን መንእሰያትን ሕጻናትን ምናዳ ኸኣ ኣደዳ ናይ ዘመና መጋበሪ ባርነት ናይዚ ዓዘቅቲ እዚ ኮይኖም ዘለው ስደትን ዝኽትምናን ግዳም ሓደርነትን ክንዋጋእ ሓደራ ኢሎም። ካብ ኩሉ ዝገደደ ድኻታት ብዙሕ ግዜ ውጽኢት ናይ ማሕበረሰባዊ ዘይማዕርነት ብቀንዱ ከኣ እቶም ብፍላጥ ወይ ዘይፍላጥ ኣብ መንጎ ድኻታትን ሃብታማትን ኣብ ዘመንና ዝተሃንጹ መናድቅ ምፍልላይ እንክኾኑ ኣብ ቅድሚ እቲ ዝተኣማመንዎ ጐይታ ግን ‘ብፅዕና ናቶም ስለዝዀነት’ ቤተክርስትያን ክርስትያን ንዘቦኡ ኩሉ እጃሙ ከበርክት ትጽውዕ ኢሎም።

ተስፋ መስኪን ንዘለአለም ኣይኪጠፍእን እዩ!

ከምቲ ኣርእስቱ ዘመልክቱ ሕመረት ናይዛ መልእኽቲ እቲ ኣብ መዝሙረ ዳዊት 9.18-20 ዘመልክቶ ‘ድኻስ ንሓዋሩ ኣይኪርሳዕን እዩ እሞ፣ ተስፋ መስኪን ንዘለአለም ኣይኪጠፍእን እዩ። ዎ እግዚኣብሄር፣ ተንስእ፣ ሰብሲ ኣይበርትዕ፣ ኣህዛብ ኣብ ቅድሜኻ ይፈረዱ። ዎ እግዚኣብሄር፣ ፍርሃት ኣውድቐሎም፣ ኣህዛብሲ ሰብ ምዃኖም ደአ ይፍለጡ።’ ዝብል ኰይኑ ኣይከም ቃለ እግዚአብሔርን ዘመንና ነዚ ዘስተውዓለ ኣይመስልን ስለዝኾነ ከኣ ሽሕኳ ምዕባሌ ቚጠባ ኣብ ዝለዓለ ጥርዙ በጺሑ ኢልና እንተገዓርና ንቚሩባት ኣሃብቲሙ ንኣብዝሓ ኣብ ዓዘቅቲ ድኽነት ሸሚሙ ካልእስ ይትረፍ ነታ ንምንባር ተድሊ ነገር እኳ ስኢኖም ናይ ዘመንና ባርነት ክንብሎ ኣብ እንኽእል ድኽነት ጥሒሎም እንትርፊ ጐይታ ካልእ ተስፋ ዘይብሎም ድኻታት ዓለምና መሊኦማ ኣለው። ነቶም ፖሎቲካዊ ዑረት ብዘስዓቦ ነዚ ክርእዩ ዘይክእሉ በጃኹም ናብቶም ጽላል ዘይብሎም ዝተጐስዩ ድኻታት ቚሊሕ በሉ። እዚኦም ዜጋታት ናይቶም ሃብቲምና እባ ማዕቢልና ዝብሉ ኮይኖም ስደተኝታት እውን ይውሰኽዎም።

ክንደይ ግዜ ኢና ድኻታት ኣብ እንዳ ጐሓፍ ነቲ ሃብታማት ተርፍ ጽጋቦም ዝጐሓፍዎ እናገናጸሉ ንከብዶም ንክዕንግሉን ዕሩቅ ዝባኖም ንክኸድኑን ሒዅ ዝብሉ ዘይረአና። እዞም ንገዛእ ርእሶም ዝተጓሕፉ ደቂሰባት ብዘይ ምንም በደል ኣብቲ ከምኦም ዝተጓሕፈ ነገራት ሃሰው ክብሉ ይረኣዩ። እቲ ዘገርም እዞም ማሕበረሰብ ባዕሉ ዝገፍዖምን ዝጐሓፎምን ብኣርኣያ ቅድስት ሥላሴ ዝተፈጥሩ ክቡራት ደቂሰባት ከም ባልዕ ሕብረተሰብ ተቈጺሮም ነታ ድኽነቶም ብሰላም ከይነብሩ እውን ነፊግናሎም።

ሽሕ’ኳ ቃል ኣምላኽ ተስፋ ድኻታት ኣይክትጠፍእን እያ እንተበለ ማሕበረሰብና ግን ንዓይ ይጥዓመኒ ብዝብል መንፈስ ተዓኒዱ ተስፋ ብዝሰኣኑ ድኻታት መሊኡ።

ተስፋ ዘይብሎም ድኻታት ኣብ ማሕበረሰና!

ቅዱስነቶም መልእኽቶም ብምቅጻል ናይ ዘመና ድራማ ኣብ ልዕሊ ድራማ ክንብሎ እንደፍር ንናይ ሎሚ ድኻታት ነታ ማንም ዘይትንክፋ ተስፋኦም እውን ነህድጎም ኣሎና ንኩሉ መጻኢኦም እናኣጸልመትና ብተዘዋዋሪ መንገዲ ንድኽነት ክተጥፍእ ንድኻታት ምውጋድ ዝብል ሠይጣናዊ ዝምባሌ ሒዙና ብጥበብ ጌርካ ነታ ግዳም ሓደር ወይ ተመሓደርቲ ጐዳና እትብል ናይ መጨረሻ ጸግዖም ዝኾነ ናይ ድኽነት መነባብሮ እውን ንምእላዮም ከም ምኽንያት ጸገምን ገርካ ብምውሳድ ዝልምኑሉ ቦታ እውን ስኢኖም ኣለው።

እዞም ሰባት እዚኦም ካብ ሓደ ክፍሊ ከተማ ናብ ካልእ ክፍሊ ሃዘው ይብሉ እዚ ከኣ ገለ ሥራህ እንተረኸቡ ገለ ገዛ እንተረኸቡ ገለ ዝድንግጽ እንተረኸቡ ኢሎም እዮም ነዚ ዝግበሩ። ኣብ ከምዚ ዝበለ ሁመት ንእሽቶ ተኽእሎ ሥራሕ ወይ ሓገዝ እንተርኢዮም ጭላንጭል ተስፋ ብርሃን ብርሃን ይኾኖም ቁሩብ ፍትሒ እውን ይርአ። ኣብ ገገሊኡ ከባቢ እቲ ሃሰስ ዝብሎ ተስፋ ሥራሕ ዳርጋ ኣይረኸብ ዘብል ንነዊሕ ሰዓታት ኮሚደረን ካልእ ፍረታትን ንክኣርዩ ኣብ ትህቲ ህሮሮማይ ጸሓይ ነዊሕ ሰዓታት እኳ እንተሰርሑ እቲ ዝኽፈልዎ ፈጺምካ ምስቲ ዝሰርሕዎ ዘይመዛዘን ኣቦኡን ኣዲኡን ዘፍለጠ ምዝመዛ! ዝገደደ ከኣ ምንም ዓይነት ናይ ውሕስነት ጥዕናስ ይኹን ሓደጋ የለን! ምስ ካልኦት ሠራሕተኛታት ማዕረ ክቚጸሩስ ይትረፍ ናብራኦም ሰብኣውነት ዝጐደሎ እዩ። ጥሮታን እስትሕጋግንስ ይትረፍ ንክሓሙ እውን ፍቃድ የብሎምን። ኮይኑ እዞም ሰባት እዚኦም ወኪሎም ጐይታ ምዃኑ ስለምንታይ ንዝንግዕ ኣውያቶምን ገዓሮምን ንምድሪ ከምዘንቀጥቅጥ ኣይንዘንግዕ ኢሎም።

ድኻ ብጐይታ ይተኣማመን! ገዓሩ ንመሬት የንቀጥቅጥ!

እዛ ከም መሪሕ መልኽቲ ዓለም ለኸ ዕለተ ድኻታት ዝተመርጸት መዝሙረ ዳዊት ልዕል ኢሉ ‘እግዚኣብሄርሲ ንጥቑዓት እምባ፣ ብጊዜ ጸበባ እምባ እዩ። ዎ እግዚኣብሄር፣ ንዚደልዩኻ ኣይትሐድጎምን ኢኻ እሞ፣ እቶም ንስምካ ዚፈልጡ ኣባኻ ኺምዕቈቡ እዮም።’ ብማለት ጸግዒ ድኻ እቲ ብኣኡ ዝተኣማመኖ ኣምላኹ ምዃኑ ምስ ገለጸ ኣተሓሕዝ ኣቢሉ ኸኣ ‘እቲ ሕነ ደም ዚፈዲ ዘኪርዎም፣ ንኣውያት ጥቑዓት ከኣ ኣይርስዖን እዩ እሞ፣’ እንክብል ከኣ እቲ ድኻታት ዘማርርዎ ሓዘን ፍትሒ ምጒዳል ዓመጽ ሕነኡ ከይተፈድየ ከምዘይተርፍ ይገልጽ።

ቅዱስነቶም ነዚ ኣመልኪቶም ‘ብዙሓት ንሃብትታቶም ውሕስነት ያኢ ክረኽቡ ካብቶም ብደገ ዝመጹ ከኣ መከላኸሊ ክኾኖም ብዙሕ መናድቅ ክህነጽ ይከኣል ንዙርያ ሃገራትካ ዘሎን ዘየሎን ሓጹር ኣምጺእካ ንመእትዊ ክትልኩት ይከኣል ኮይኑ እዚ ክሳብ መኣስ! ንዘለዓለም ከምዚ ክኸውን ኣይክእልን ከምቲ ኣሞጽ ነቢይ ዝብሎ መዓልቲ እግዚአብሔር ንኩሉ ክድምስሶ እዩ። ‘ኣቱም ንመዓልቲ ኣግዚኣብሄር እትደልዩ፣ ወይለኹም። መዓልቲ እግዚኣብሄር እንታይ ትጠቕመኩም፣ ንሳስ ጸልማት እያ፣ ብርሃን ኣይኰነትን።

ከምቲ ኻብ ቅድሚ ኣንበሳ ዚህድም እሞ ድቢ ዚጓንፎ፣ ከምቲ ናብ ቤት ኣትዩ ኢዱ ኣብ መንደቕ ዜጽግዕ እሞ ተመን ዚነኽሶ፣ መዓልቲ ኣግዚኣብሄር ጸልማትን ብርሃን ዜብላንዶ ኣይኰነትን፣ ድቕድቕ ጸልማትን ምንጽብራቕ ዜብላንዶኸ ኣይኰነትን፣’ (5.18) ይብል። ዝተሃንጸ መንደቅ ይተሃነጽ እቲ ዘሎ ንሚልዮናት ድኻታት ዚጐሲ ነዊሕ ክጸንሕ ኣይኮነን። ገዓር ድኽታት መጠን ዝበዝሓሉ ንመላእ መሬት እዩ ዘኽብባ ዘሎ ኢሎም።

13 June 2019, 18:21