ናይ ሓደ ደቒቕ ጽማሬ ሓዋርያዊ መገሻ ር.ሊ.ጳ. ኣብ ሩማኒያ

ብሓባር ምጉዓዝ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እቲ ካብ ዕለት 31 ግንቦት ክሳብ ዕለት 2 ሰነ 2019 ዓ.ም. ኣብ ሮማኒያ ዘካየድዎ መበል 30 ዓለም ሓቆፍ ሓዋርያዊ መገሻ ትሕዝቶኡ ኣብ ሓደ ደቂቕ ኣብ ምስማዐ ርእየት እቲ ቀንዲ ኣገዳስነት ዘለዎ ኵነት ተጸሚሩ ከምዚ ዝስዕብ ነቕርበልኩም፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብዚ ናይ 60 ድግሚት ናይቲ ናይ ቅዱስ ኣቦና ጽዑቕ መደባት ናይ ሩማንያ ሓዋርያዊ መገሻኦም፥ ምስ ሰበ ስልጣናትን ሩመኒያን ናይ በርገሳውያን ላዕለዎ ኣካላትን ኣብ ሩማኒያ ናይ ወጻኢ ሃገራት ልኡካነ መንግስታትን፡ ምስ ብፁዕ ወቅዱስ ፓትሪያርክ ዳንኤልን ቀዋሚ ቅዱስ ዲኖዶስ ኦርቶዶክሳዊትቤተ ክርስቲያንን ኣብ ሹሚለዩ ቺዩክ ቅዱስ ስፍራ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴን ምስ መንእሰያትን ኣባይቲ ስድራ ኣብ ኢያሲ ዘካየድዎ ርክብን ኣብ ብላጅ ናይ ግሪክ ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብምልካዊ ስርዓት ዴስነት ዝተቐትሉ ናይ እምነት ሰማዕታት ንዝዀኑ ሸውዓተ ጳጳሳት ብፅዕና ንምእዋጅ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴን፡ ስዒቡ ኣብ ብላጅን  ክፍለ ከተማ ባርቡን ላውታሩን ምስ ዝርከቡ ማሕበረሰብ ዓሌት ሮማኒ ዘካየድዎ ርክብን፡ ኣብ መወዳእታ ካብ ሩማኒያ ናብ መንበሮን ንኽምለሱ ኣብ ሲቢዩ መዓርፎ ነፈርቲ ዝተገበረሎም ስነ ስርዓት ስንብታን ዝገልጽ እዩ።

04 June 2019, 10:09