ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ መስራቒ ሰነድ ቅድስቲ መንበር ንናይ ቻይና ብፁዓን ጳጳሳትን ውሉደ ክህነት ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ መስራቒ ሰነድ ቅድስቲ መንበር ንናይ ቻይና ብፁዓን ጳጳሳትን ውሉደ ክህነት  ርእሰ ዓንቀጽ

ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ መስራቒ ሰነድ ቅድስቲ መንበር ንናይ ቻይና ብፁዓን ጳጳሳትን ውሉደ ክህነት

ማንም ክወስዶ ዘይደሊ ስጉምቲ ንኽወስድ ግዱድ ክኸውን የብሉን። እቲ ኣብ ወርሒ መስከረም 2018 ዓ.ም. ኣብ መንጐ ሕዝባዊት ረፓሊክ ቻይናንን ቅድስቲ መንበርን ብፁዓን ጳጳሳት ናይ ምስያም ጉዳይ ኣብ ዝምልከት ሕቶ ዝተበጽሔ ግዚያዊ ናይ ሓባር ናይ ስምምዕ ሰነድ ኣብ መንጐ ቻይናን ሃገረ ቫቲካንን ሓድሽ ናይ ርክብ ኪደት ዘበገሰ

ኣብ ሃገረ ቻይና ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ጳጳሳትን ካህናትን ናይ ቻይና መንስግቲ ብናጻ ኣገባብ ክምዝገቡ ዝብል ዘምሓላለፎ ውሳኔ ዘቕረቦ ናይ መመዝገቢ ሰነድ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ጠመቓዊ ትምህርትን ሕልናንን ምክልኻል ዝብል ሓሳብ ዝንበሮ ይኹን።

ናይቲ ሰነድ ጽማሬ ብናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሓን ርእሰ ዓንቀጽ ዋና ኣሰናዳኢ ኣንድረያ ቶርኒየሊ - Andrea Tornielli  ከምዚ ዝስዕብ የቕርብዎ፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ቻይና ካቶሊካዊ  ማሕበረሰብ ዝነብሮ ዘሎ ህልው ኵነት ግንዛበን ንናይ ነፍሲ ወከፍ ናይ ሕልና ናጽነት ፍጹም ምኽባርን ቅርበትን፡ ናይ ቻይና ካቶሊክ ካህናት ከምቲ ካብ ጥንቲ ጀሚራ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ምስ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ፍጹም ውህደት ዝብል ዝነበረቶን እትነብሮን ኣብ ናይ ሱታፌ ከይዲ ከይጐደለት ናይ መንግስቲ ናይ ተመዝገቡ ውሳኔ ክኽብር ዝመርሕ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ መስራቒ ሰነድ ቅድስቲ መንበር ሎሚ ዕለት 28 ሰነ 2019 ዓ.ም. ወግዓዊ ከምዝገበረትን እቲ ሰነድ ነቲ ካብ መንግስቲ ቻይና ዝቐረበ ናይ ተመዝገቡ ሕቶ መሰረት ገይሩ ኣብ ሕዝባዊት ረፓሊካዊት ቻይና ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብፁዓን ጳጳሳትን ውሉደ ክህነትን እንታይ መልሲ ክህቡ ከምዘለዎም ናብ ቅድስቲ መንበር ሕቶን ሓሳብን ምስ ኣመሓላለፉ ነቲ ዘቕረብዎ ሕቶ መልሲ ንምሃብ ዝወጸ ምዃኑ ቶርኒየሊ ይሕብሩ።

ስለዚህ ቅድስቲ መንበር ኣብ ዘመሓላለፈቶ ሰነድ፡ ቅድም ቀዳድም ፍጽም ተኸባርነት ናይ ሕልና ናጽነት ከም ሓባራዊ መሰረት ብምሕባር፡ ማንም ክወስዶ ዘይደሊ ስጉምቲ ንኽወስድ ግዱድ ክኸውን የብሉን። እቲ ኣብ ወርሒ መስከረም 2018 ዓ.ም. ኣብ መንጐ ሕዝባዊት ረፓሊክ ቻይናንን ቅድስቲ መንበርን ብፁዓን ጳጳሳት ናይ ምስያም ጉዳይ ኣብ ዝምልከት ሕቶ ዝተበጽሔ ግዚያዊ ናይ ሓባር ናይ ስምምዕ ሰነድ ኣብ መንጐ ቻይናን ሃገረ ቫቲካንን ሓድሽ ናይ ርክብ ኪደት ዘበገሰ ክኸውን እንከሎ፡ ይኹን ደኣ እምበር እቲ ስምምዕ ኵሉ ኣብ ክሌኣዊ ርክብ ንዘሎ ሕቶ ወይ ሽግር ጸንቂቑ ዝፈተሔ ኣይኰነን፡ ስለዚህ እቲ ስምምዕ ናብ ምሉእነት ንብጻሕ ንዝግበር ጉዕዞ ቀዳማይ ስጉምቲ እዩ፡ ጳጳሳትን ካህናትን ቻይና ኣብ ናይ መንግስቲ ሰነድ ክምዝገቡ ዝብል ውሳኔ ዘበገሶ ሓድሽ ሕቶ፡ ዋላ’ኳ ብኽልቲአተን ሃገራት ኣብ ሓደ ናይ ሓባር ስምምዕ ንምብጻሕ ይበል ዝብል ኪደት ዝተበገሰ ይኹን እቶም ካህናት ተመዝገቡ ዝብል ኣብ ዝተፈላለያ ከባቢ ቻይና ዝቐርብ ናይ መመዝገቢ ሰነድ ሓደ መልክዕ ዘለዎ ብዘይ ምዃኑ፡ ንኣብነት ኣብ ገለ ገለ ናይ መመዝገቢ ሰነድ ናይ ሕልና ናጽነት ኣብ ጸገም ዘእትው ምስ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ጠመቕ ትምህርቲ ዘይቃደው ምስ ናጽነትን ርእሰ ተቖጽጻርነትን ርእሰ ምሕደራውነትን ዝጻረር ሓሳብ መሰረት ዝገበረ ነጥቢ ተነቢርዎ ኣሎ፡

ሎሚ እቲ ዝተበጽሔ ግዚያዊ ናይ ሓባር ና ስምምዕ ሰነድ ናይ ሮማ ጳጳስ ናይ ካቶሊክ ቤተ ክርስቲያን ጳጳሳት ሰያሚ ስልጣን ኣብ ቻይና ሎሚ ኣፍልጦ ክረክብ ገይሩ እዩ፡ ስለዚህ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ጓስ ምዃኖም ቅቡል ኰይኑ እዩ። ቅድስቲ መንበር ብዘውጸኣቶ ሰነድ ኣቢላ እቲ ናይ ተመዝገቡ ውሳኔን ናይ መመዝገቢ ሰነድ ምስ ናይ ቻይና ሕግን ብካህናትን ጳጳሳትን ቅቡል ዝዀነ ምስ ናይ ቤተ ክርስቲያን ጠመቓዊ ትምህርትን ዝሰማማዕ ክኸውን ከምዘለዎ ትሕብር።

እዚ ቅድስቲ መንበር ኣተቕርቦ ሓሳብ ኣብ 2007 ዓ.ም. ቅዱነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ንቻይና ማሕበርሰብ ካቶሊክ ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ሓዋርያዊ መልእኽቲ ዝተነብረ ምዕዶ ዘቃልሕ ኰይኑ፡ በነዲክቶስ መበል 16 ኣብዚ መልእኽቶም ምስ ናይ ካቶሊካውያን ሕልና ዝጻረር ውሳኔን ተግባርን ንምስዓብ ዝድርኹ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ብምጥቃስ ዝገለጽዎ ሓሳብ ዘዘኻኽር እውን እዩ፡ ስለዚህ ነዚ ግምት ብምሃብ ቅድስቲ መንበር ገለ ገለ ዓቢይ ጽንዓት ዝሓትት ውሳኤ ምውሳድ ከምዘድሊ ኣይትስሕቶን፡ ናይቲ ከባቢ ህልው ኩነታትን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ጳጳስን ካህንን ኣብ ቁምስናታትን ሰበኻታትን ዘህልዎ ሳዕቤን ከለልይን በዚ መሰረት ንናይ ነፍሲ ወከፍ ናይ ሕልና ናጽነት ሓላፍነት ትሓድግ። ናይ ካቶሊካዊ ማሕበረሰብ ጥቕሚ ምስትውዓል።

ሎሚ ናይ ሓውርያዊ ግብረ ኖልዎ ባህርይ ዘለዎ ኪደት ካብ ቀደም ፍልይ ዝበለ ስጉምቲ ከምዘለዎ ዘነጽር ሃዋሁ ተፈጢሩ ከምዘሎ ኣብቲ ናይ ቅድስቲ መንበር ሰነድ ዝኩር ኰይኑ፡ ጳጳሳትን ካህናትን ኣብ ቻይና ኣብ ዝምዝገብሉን እቲ ናይ ምዝገባ ሰነድ ናጽነት ካብ ዝዀነ ይኹን ፖልቲካን ርእሰ ተቖጻጻርነትን ኣብ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎን ርእሰ ምሕደራን ንምክያድ ውሽጣዊ ዕዮ ዝብልን ኣብ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ጠመቕ ትምህርቲ ብዘይ ምጉዳል ክምዝገብ ዝብል ሓሳብ ዝተብነሮ ጽሑፍ ክውሰዀ ምሕትታትን ኣብቲ ዘይፍቀደሉ ከባቢ ከኣ ብድምጺ እዚ ክውሰኽ ዘለዎ ሓሳብ ሓደ ምስክር ኣብ ዝተረኽቦ ክድመጽ ሓሳብ ተቕርብ።

እቲ ናይቲ ሰነድ መሰረታዊ ኣመክንዮ ናይ ቻይና መላእ ምእመናን ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ረብሓ ዝብል እዩ፡ ከምቲ በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ 2007 ዓ.ም. ዝበልዎን ንሱ ኸኣ ተሓቢእካ ዘይሕጋዊ ኰይንካ ምንባር ኣብ ናይ ቤተ ክርስቲያን ተራን ዕለታዊ ሕይወት ቅብሉ ክኸውን የብሉን ከምዝብልዎ ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ናይ ቅድስቲ መንበር ሰነድ ከኣ ድሕነት ነፍሳት እንክብል የቃልሖ፡ ቅድስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 26 መስከረም 2018 ዓ.ም. ንቻይና ካቶሊካውያን ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፡ ኣብ ሓልዮት እግዚብሔር ንዝጸንዔ ዋላ ኣብቲ ጽንኵር እዋን ዝቕርብ ኵነት ከይተረፈ ናይ ቻይና ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ምእመናን ንዝነብርዎን ምስክርነት የመስግኑ።

ኣብ መወዳእታ እቲ ሰነድ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ መስራቒ ምዃኑ ዘብርሁ ቶርኒየሊ ኣስዒቦም፡ እቲ ሰነድ ካቶሊካውያን ቻይና ዘጋነፎን ጸቕጥን ኩሉ ኣፍልጦ ብምሃብ፡ ክንየው እዚ ካብቲ ቤተ ክርስቲያናዊ ሱታፌ ብዘይ ምብኳር ንቕድሚት ምጥማት ከምዘድሊ ዘመላኽት እዩ፡ ቅዱስ ኣቦና እቲ ኣብ ክርስቲያናዊ ተስፋ ዘመስርቕ ቤተ ክርስቲያን ሓድሽ ምዕራፍ ንኽትጽሕፍ ኣብ ዝድርኻ መንፈስ ቅዱስ ምልሑቕ ክኸውን ይምዕዱ።

(Andrea Tornielli)

ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ መስራቒ ሰነድ ቅድስቲ መንበር ንናይ ቻይና ብፁዓን ጳጳሳትን ውሉደ ክህነት
28 June 2019, 18:11