ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮ ዝፍጸም ዘሕፍር ዓመጽ ንምውጋእ ቅዱስ ኣቦና ዘቕረብዎ ጻውዒት ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮ ዝፍጸም ዘሕፍር ዓመጽ ንምውጋእ ቅዱስ ኣቦና ዘቕረብዎ ጻውዒት 

ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮ ዝፍጸም ዘሕፍር ዓመጽ ንምውጋእ ቅዱስ ኣቦና ዘቕረብዎ ጻውዒት

እቲ ናይ እንግልጣርን ወይለስን መዓልቲ ሕይወት ኣብ ኣባይቲ ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮ ዝፍጸም ዓመጽ ብፍሉይ ቆላሕታ ዝገብር ኰይኑ፡ ኣብ እንግልጣር ካብ ኣርባዕተ ሓንቲ ኣብ ቤት ናይ ዝፍጸም ዓመጽ ኣደዳ ከምዝዀነት

ኣብ እንግልጣርን ወይለስን ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮ ዝፍጸም ዘቤታዊ ዓመጽ ንምውጋድ ብዝብል ሓሳብ ተዘኪሩ ብዝውዕለ መዓልቲ ሕይወት ምኽንያት ቅዱስ ኣቦና ዝዀነ ይዅን ዓይነት ምዝመዛን ዓመጽን ንምውጋእ ኵሉ ክሓብርን ብዘይ እንተን ደ’ምበርን ኣበርቲዑ ክዓዪ ጻውዒት ዘቕረብሉ መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ቅድሚ እቲ ዘሕፍር ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮ ዝፍጸም ዓመጽ ኣብ ዓለም ኣብ ልዕሊ እቶም ገዛእ ርእሶም ናይ ምክልኻል ዓቕም ብቕዓትን ዘይብሎም ተነቀፍቲ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ንምድጋፍ ሓይልንና ዓቕምናን ነዋድድ፡ ዝዀነ ይኹን ዓይነት ዓመጽን ምዝመዛን ጠሪሹ ከይህልው ብሓባር ንትጋህ ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና ኣብቲ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ክታን ዝተነብሮ መልእኽቶም፥ ኣብ እንግልጣርን ወይለስን ዕለት 16 ሰነ ተዘኪሩ ዝውዕል መዓልቲ ሕይወት ለምዘበን ዘቤታዊ ዓመጽ ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮ ንምውጋድ ብሓባር ብዝብል ቃል ዝምራሕ ምዃኑ ክፍለጥ እንከሎ፡ ነፍሲ ወከፍ ሕይወት ቃል ብስራት ምዃኑ ምስትውዓልን እዚ ሓድሽን ሰናይን ቃል ብስራት ምዃኑ ኩሉ ብምስትውዓል ሕይወት ቅዱስን ጽባቔን ምዃኑ ከበስሮ ሓድራ ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ኣብ እንግልጣር ካብ ኣርባዕተ ደቀንስትዮ ሓንቲ ኣደዳ ናይ ወሲብ ዓመጽ

እቲ ናይ እንግልጣርን ወይለስን መዓልቲ ሕይወት ኣብ ኣባይቲ ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮ ዝፍጸም ዓመጽ ብፍሉይ ቆላሕታ ዝገብር ኰይኑ፡ ኣብ እንግልጣር ካብ ኣርባዕተ ሓንቲ ኣብ ቤት ናይ ዝፍጸም ዓመጽ ኣደዳ ከምዝዀነት ናይ እንግልጣርን ወይለስን ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ከምዘመልከተን፡ ኣብ እንግልጣር ኣብ ክልተ ሰሙን ውሽጢ ኣብ ልዕሊ ክልተ ደቀንስትዮ ብበዓል ቤት ድዩ ወይ ብነበር በዓል ቤት ቅትለት ከምዝፍጸምን ሓቢሩ፡ ኣቢያተ ክርስቲያን እዚ ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮ ዝፍጸም ዓመጽ ብፍላይ ኣብ ቤተን ዝወርደን ዓመጽ ኣብ ዝምልከት ጉዳይ ከስተንትናን እዚ ዓይነት ጸረ ሰብኣዊ ተግባር ንኽውገድ ዝድግፍ ዝተፈላለዩ መደባት ከነቓቕሓ ከምዘተሓሳሰበ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣፍሊጡ።

ኣብ ገለ ገለ እዋን እቲ መዕቆቢኻ ቤት ናይ ስቓይ ስፍራ ከይኑ ይርከብ

ኣብ እንግልጣርን ወይለስን መዓልቲ ሕይወት ኣሰናዳኢ ብፁዕ ኣቡነ ጆን ሰሪንግቶን፥ ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮ ብፍላይ መንበርኤንን ዕርደንን ክኸውን ዝግብኦ ቤተን ኣደዳ ስቓይን መቕተልትን ክኸውን ዘሕዝን እዩ፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮ ኣብ ቤተን ዝወርደን ዓመጽ ክብ ይብል ምህላዉ እውን ሓቢሮም፡ ቤተን ቤት ፍርሕን ዓመጽን ሕራጐትን ከይኑ ክትረኽቦ ብሓቂ የሕዝን፡ ብዙሕ ዘይንገረሉን ብሕቡእ ዝፍጸም ብምዃኑ ዳርጋ ዘየለ ተመሲሉ ይረአይ፡ ስለዚህ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ’ዚ ቤተ ክርስቲያን ሕልና ከተነቓቕሕን ኣብ ከምዚ ዓይነት ዓመጽ ዝወደቓ ኣብ ምእላይን ሕብረተሰብ ኣብ ኣባይቲ ውሽጢ ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮ ዝፍጸም ዓመጽ ኣበርቲዑ ኣብ ምውጋዱ ክዓዪ ተተባብዕን ትሓንጽን ከምዝበሉ ሲር ናይ ዜና ኣግልግሎት ሓቢሩ።

ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮ ዝፍጸም ዘሕፍር ዓመጽ ንምውጋእ ቅዱስ ኣቦና ዘቕረብዎ ጻውዒት
08 June 2019, 16:49