ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ቅዱስ ኣቦና ናብ ሕዝቢ ሩማንያ

ሓቢረ ምሳኹም ክጓዓዝ ናባኹም እመጽእ፡ ብሓባር እንጓዓዝ ኣናስርናን ንስድራ ቤታውነትናን ምስ እንዕቅብን ንሓድ ሕድና ከም ኣሕዋት ምስ እንገዳደስን ነቲ ኣብ ጥቃና ዘሎ ምስ እንሓልይን ክንየው ፍርሕን ምጥርጣርን ሰገር እቲ ዝፈላልየና መናድቕ ምስ እንነብርን እዩ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብምኽንያት እቲ ካብ ዕለት 31 ግንቦት ክሳብ ዕለት 2 ሰነ 2019 ዓ.ም. ኣብ ሩማኒያ ዘካይድዎ መበል 30 ዓለም ለኻዊ ሓዋርያዊ መገሻ ዕለት 28 ግንቦት 2019 ዓ.ም. ናብ ሕዝቢ እታ ሃገር፥ ምሳዅም ሓቢረ ንኽጓዓዝ ናባኹም እመጽእ ዝብል ሓሳብ ዘማእከለ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናብታ ጽብቕትን ኣእንጋዲትን ዝዀነት ሃገርኩም ከም መንፈሳዊ ነጋዳይን ከም ሓውዅምን ክበጽሓኩም እመጽእ ብዝብል ሓሳብ ቅዱስ ኣቦና ነቲ ናብ ሕዝቢ ሩማኒያ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ኣበጊሶም፡ ምስ ናይ ሩማኒያ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክን ቅዱስ ሲኖዶስ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያንን ምስ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ጓሶትን ምእመናንን ንኽራኸብ ናባኹም እመጽእ፡ እቲ ጴጥሮስን እንድሪያስን ዘለዎም ጥምረት ናብታ ሃገር እምነት ዘእተወ እዩ ቢሎም ኣብ እምነት ዘሎ ምትእስሳር ኣብ መልእኽቶም ክዝክሩ እንከለዉ፥

እቶም ክልተ ብደም ኣሕዋት ዝዀኑ ጴጥሮስን እንድሪያስን፡ ሕይወቶም ስለ ጐይታ እውን ዝሰውኡ እያቶም፡ ኣብ መንጐዅም ብዙሓት ሰማእታት ኣለዉ፡ ናይ ርሑቕ ታሪኽ ዘይኰነ፡ ኣብ ናይ ቀረባ ታሪኽ እውን፡ እቶም ኣብኡ ተረኺበ ብፅዕና ንኽእውጀሎም ትዕድልቲ ዝዀነኒ ናይ ግሪክ ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ሩማንያ ሸውዓተ ጳጳሳት ከም ኣብነት እጠቅስ፡ ሕይወቶም ክሳብ ንምስዋዕ ዝተሳቐዩ ምስክርነቶም ክርሳዕ ዘይብሉ ዓቢይ ናይ እምነት ውርሻ ካብቲ ነዚ እምነት ዝካፈል ሓው ንዘይምርሓቕ ዝጽውዕ እዩ።

ቅዱስነቶም ሕዝቢ ሩማኒያ ኣናስሩን ስድራ ቤታውነቱን ክዕቅብን ሓደራ ቢሎም እዚ ኣብ ሩማኒያ ዘካይድዎ ሓዋርያዊ መገሻ መበል 30 ዓለም ለኻዊ ሓዋርያዊ መገሻ ምዃኑ እውን ከዘኻኽሩ እንከለዉ፥

ሓቢረ ምሳኹም ክጓዓዝ ናባኹም እመጽእ፡ ብሓባር እንጓዓዝ ኣናስርናን ንስድራ ቤታውነትናን ምስ እንዕቅብን ንሓድ ሕድና ከም ኣሕዋት ምስ እንገዳደስን ነቲ ኣብ ጥቃና ዘሎ ምስ እንሓልይን ክንየው ፍርሕን ምጥርጣርን ሰገር እቲ ዝፈላልየና መናድቕ ምስ እንነብርን እዩ፡

ምእንቲ’ዚ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽተይ ከጠናቕቑ እንከለዉ፥ ናብ ሩማንያ ንዘካይድዎ ምብጻሕ ይቀረረቡ ከምዘለዉ ሓቢሮም ንዅሎም ብጸሎቶም ቅርበቶም ኣረጋጊጾም። 

[ Audio Embed ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ቅዱስ ኣቦና ናብ ሕዝቢ ሩማንያ] 

29 May 2019, 10:20