ር.ሊ.ጳ.. ፍራንቸስኮ፥ ካርዲናል ስፋይር ኣብ ታሪኽ ሊባኖስ ዓቢይ ምስሊ ር.ሊ.ጳ.. ፍራንቸስኮ፥ ካርዲናል ስፋይር ኣብ ታሪኽ ሊባኖስ ዓቢይ ምስሊ 

ር.ሊ.ጳ.. ፍራንቸስኮ፥ ካርዲናል ስፋይር ኣብ ታሪኽ ሊባኖስ ዓቢይ ምስሊ

ነፍሰ ሄር ብፁዕ ካርዲናል ስፋይር ሓዋርያዊ ኣገልግሎቶም ኣብቲ ጽንኵር እዋን ናይ ሃገሮምን ሕዝቦምን ዝነበርዎን ናይ ውህደት ኣገዳሲ ኣንጠረይና ሰላምን ስኒትን ዕርቅን ብምዃን ዝነበሩ

ዕለት 12 ግንቦት 2019 ዓ.ም. እቶም ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ራንንቸስኮ ናይ ሰላም ኣንጠረይና ቢሎም ዝገልጽዎም ሊባኖሳዊ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ካርዲናል ናስራላሕ  ቡትሮስ ስፋይር ካብዚ ዓለም ብሞት ምፍላዮም ምኽንያት ናብ ኣንጽዮክያ ናይ ማሮናዊ ስርዓት ናብ እትኽተል ካቶሊክዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ ሓዘም መግለጺ መልእኽቲ ተለግራም ከምዘመሓላለፉን፡ ነፍሰ ሄር ብፁዕ ካርዲናል ናስራላሕ ቡትሮስ ስፋይር፥ ናይ ሃገሮም ሊባኖስ ሉኣላውነትን ናጽነትን ተማጓቲ ዝነበሩ ኣብ ናይ ሊባኖስ ታሪኽ ዓቢይ ምስሊ እንክብሉ ከምዝገለጽዎም ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርአያ - ሃገረ ቫቲካን

ነፍሰ ሄር ብፁዕ ካርዲናል ስፈይር፡ ይብሉ ቅዱስ ኣቦና ናብ ናይ ኣንጽዮኪያ ናይ ማሮናዊ ስርዓት ናብ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ብፁዕ ካርዲናል በቻራ ቡትሮስ ራይ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ሓዘን ተለግራም መልእኽቲ፥  በዓል ዓቢይ ጥበብን ጓሳን እንክብሉ ገሊጾም፥

በዓል ጥበብን ጻዕራምን ጓሳ

ነፍሰ ሄር ብፁዕ ካርዲናል ስፋይር ሓዋርያዊ ኣገልግሎቶም ኣብቲ ጽንኵር እዋን ናይ ሃገሮምን ሕዝቦምን ዝነበርዎን ናይ ውህደት ኣገዳሲ ኣንጠረይና ሰላምን ስኒትን ዕርቅን ብምዃን ዝነበሩ ምዃኖም ዘኪሮም፡ ነዞም በዓል ጥበብን ጻዕራም ጓሳን ንሕዝቦም ፍቕሪ እግዚኣብሔር ንዝመስከሩ፡ እግዚኣብሔር ኣብቲ ሰላምን ብርሃን ዘለዓለምን ዝንበሮ  መንግስቱ ክቕበሎምን እጽልይ ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ክልተ መዓልቲ ናይ ሓዘን ኣዋጅ

ነፍሰ ሄር ብፁዕ ካርዲናል ስፋይር ንነዊሕ እዋን ብሕክምና ክእለዩ ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ መበል 99 ዓመት ዕድመኦም ካብዚ ዓለም ብሞት ምፍላዮም ምኽንያት መንግስቲ ሊባኖስ ኣብ መላእ ሃገር ዕለት 15 ግንቦትን ዕለት 16 ግንቦት 2019 ዓ.ም. ብሔራዊ መዓልቲ ሓዘን ክኸውን ከምዝኣወጀን፡ ዝመጽእ ዘሎ ሓሙስ ዕለት 16 ግንቦት 2019 ዓ.ም. ናይ ፍትሕት ቅዳሴ ተገይሩ ናይ ቀብሮም ስነ ስርዓት ኣብ ዝፍጸምሉ መዓልቲ ቀብሮም መላእ ኣቢያተ ትምህርቲ ሊባኖስ ዕጽዋት ክዀና መንግስቲ ከምዝወሰነ ልኡኽ ክጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ኣመደዮ ሎሞናኰ ሓቢሮም።  

ር.ሊ.ጳ.. ፍራንቸስኮ፥ ካርዲናል ስፋይር ኣብ ታሪኽ ሊባኖስ ዓቢይ ምስሊ

Photogallery

ር.ሊ.ጳ.. ፍራንቸስኮ፥ ካርዲናል ስፋይር ኣብ ታሪኽ ሊባኖስ ዓቢይ ምስሊ
14 May 2019, 16:36