ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ሰሜን መቀዶኒያ ኵሉ ገዛእ ርእሱ ዝገልጸላ ውቅብቲ ኵስሚ

ኵለን ዝተፈላለያ ሃይማኖታትን ዓሌታትን ናይ ኵሉ ክብሪ ዝኽበረሉ ናይ ሓባር ረቛሒ ባይታ ዝዀነ ናይ ኵሉ መሰረታዊ ናጽነት ምኽባር ኣገዳሲ እዩ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብቲ ኣብ ሰሜን መቀዶኒያ ኣብ ዘካይድዎ ምብጻሕ ንናይታ ሃገር ላዕለዎት ናይ መንግስትን ናይ በርገሳውያን ኣካላትን ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ልኡካነ መንግስታትን፥ ናይቲ ጥንታዊ ናይ ሰሜን መቀዶኒያ ባህሊ ዓንዲ ገይሮም፡ እታ ሃገር ንዝተረጋገኤን ሰላማውን ናይ ሓባር ናብራን እንገዳ ንስደተይናታትን ተመዛበልትን ኣብነት ምዃናን እታ ዓቢይ ኣብነት ኣብ ዓለም ዝዀነት ኣብ ርእሰ ከተማ ስኮፕጀ ዝተወልደት ቅድስቲ ተረዛ ዘካልኩታ ጓላ ዝዀነትላ ሃገርን እንክብሉ ይግለጹ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ሰሜን መቀዶኒያ ብተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ንኽትብጻሕ እዚ ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ፈለማ ምዃኑ ክፍለጥ እንከሎ፡ ኣብቲ ናይታ ሃገር ርእሰ ብሔር ኢቫኖቭ ዝተረኸብሉ መድረኽ ሰሜን መቀዶኒያ ምዕራብን ብምራቕን እተራኽብ ድልድል እያ ቢሎም፡ ዝተፈላለዩ ባህልታት እተእንግድን ዝውሕዙላን እተራኽብን እያ፡ ጥንታዊ ቢዛንታውን ኦታማናውን ኣሰር ዘለዎ ባህልን ዝማርኹ ኵስማውያን ኣቢያተ ክርስቲያን ዝርከብዋን ሓደ ካብቲ ጥንታዊ ባህላውን ቅርሳውን ውርሻታታ ንምዝካር ይከኣል ቢሎም፡ ኵስሚ ህብረ ባህልን ሃይማኖን ምዃና ይገልጹ።

ምውሃድ ምስ ሃገራት ኤውሮጳ

ካብዚ ህብረ ባህልን ዓሌትን ሃይማኖትን ሰላማዊ ናብራ ዝንበረላ ርግእቲ ሃገር ተወልደት፡ ነፍሲ ወከፍ ዓሌትን ሃይማኖትን ባህልን ገዛእ ርእሱ ኰይኑ ዝነብረላን ዝገልጸላን ዝይተኸሓደላን ብሓባር ዝንበረላ ንሰላማዊ ርጉዕን ቅኑዕን ሓባራዊ ናብራን ሕውነትን ኣብነታዊት ሃግር፥

እዚ ቅንስላዊ ባህሊ ኣብቲ ምስ ሃገራት ኤውሮጳ ውህደት ኣብ ዝብል ጉዕዞ መገድታት ዘጽበበላ እዩ ዝመስል፡ ብሓቂ ኩለን ሃገራት ናይ ምዕራባዊ ባልካን ኣብ ምኽባር ፍልልያት ብዝጸንዔ ኪደት ክወሃዳ ኣላበው!

ግሩም ማራኽን ፍልማዊ ኵስሚ

ኣብ ሃገረ ሰሜን መቀዶኒያ ምትሕንፋጽ ሕዝብታን ምዕርፍ ታሪኽ ልክዕ ከም ሓደ ኵስሚ ይስትንተን እ፥

ኣብዚ ብርግጽ፡ ኣብ ፍልልያት ሃይማኖታት፡ ኦርቶድክስ እስላምን ካቶሊክን ኣይሁድን ፕሮተስታንትን ኣብ ፍልልያት ዓሌታትን፡ መቀዶኒያን ኣልባናውያን ሰርብን ክርኣሽን ካልእ መበቆል ዓሌት እውን ዘለዎም፡ ብሓባር ኩሉ ኣገዳሲ ዝዀነሉ ፍሉይ ዝዀነ ዘደንቕ ኵስሚ ዝተፈጥረላ፥ ብሓባር፡ ኣዚ ጽባቔ ኣዚዩ ዝጐልሕ ከኣ ንኻልእ ምምስካርክን ምቕራብን ናብ ሓድሽ ተወልዶ ኣብ ምስግጋርን እዩ፡

ናይ ሰላምን ፍርያምን መጻኢ

ኵለን ዝተፈላለያ ሃይማኖታትን ዓሌታትን ናይ ኵሉ ክብሪ ዝኽበረሉ ናይ ሓባር ረቛሒ ባይታ ዝዀነ ናይ ኵሉ መሰረታዊ ናጽነት ምኽባር ኣገዳሲ እዩ፡ ብዘይ ናይ ሓባር ረቛሒ ኣብ ዘዘለኻሉ ምትራፍ እዩ ዝኸውን፡ ስለዚህ እዚ ሓባራዊ ናብራ ህብረ ባህልን ዓሌትን ሃይማኖትን ኣብቲ ናይ ሓባር ባይታ ናይ ሰላምን ፍርያም መጻኢ ዋሕስ እዩ።

እንገዳ፥ ንስደተይናታን ተመዛበልትን

ቅዱስነቶም ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ ስደተይናታን ተመዛበልትን ንምእንጋድ ዝተገብረ ብርቱዕ ጻዕሪ ብፍልዩ ዘኪሮም፡ ካብ ማእከላይ ምብራቕ ካብ ውግእን ሕሱም ናብራን ገዛእ ርእሶምን ስድራ ቤቶምን ንኸድሕኑ ንዝመጹ፡ ካብ 2015 ክሳብ 2016 ዓ.ም. ዝወሓዙ ስደተይናታት ናብ ሰሜንን ምዕራብን ኤውሮጳ ዘኣመቱ ኣብዛ ሃገር መዕረፊ ረኺቦም እዮም።

ካብ ኣባይቶም ክንየው ፍቱዋቶም ዝሰኣኑ ኣብቲ  ሃረር ዝብልዎ ሰብኣዊ ሓልዮት ቀረባ ብምዃን ንዘአንገድክምዎም ስደተይናታትን ተመዛበልትን ኣብ ሕሱም ድኽነት ንዝርከቡ ኣሕዋት ብሓቂ ልዕል ዘብለኩምን ዘኽብረኩምን እዩ፡ ምትሕብባርን ተመቃሪሕካ ምንባር እትፈልጡ ኢኻትኩም፡ እዚ ኣብ ሕጹጽ እዋን ኣዚዩ ኣገዳሲ ዝዀነ ምትሕብባር ነቶም ዘድልዮም ዝቐርብ ሓልዮት ብወለንተይናታት ዝዝቐብር ግብረ ሰናይ ዘነቃቕሕ ይኹን …

ኣብ ኣሰር ሓዋርያዊ ኣገልግሎት ግብረ ሰናይ

ቅዱስ ኣቦና ነታ ናይታ ሃገር ዜጋ ዝዀነት ብፍቕሪ እግዚኣብሔር ናብ ጐረቤት ንኸተብል ዝተነቓቕሔት መላእ ህልውናኣ መግለጺ እዚ ዓቢይ ፍቕር’ዚ ዝገበረት ናብቶም ዝተናዕቁን ዝተረስዑን ሕሩጋትን ዘበለት ቅድስቲ እናቴ ተረዛ እናሓሰቡ፡

ንሳ ኣብ ርእሰ ከተማ ስኮፕጀ ኣብ 1910 ዓ.ም. ዝተወልደት ብማድረ ተረዛ ዘካልኩታ እትፍለጥ፡ መጸውዕ ስማ ኣንየዘ ጐንክሳ ቦጃክሲዩ ብትሕትናን ብምሉእ ተወፋይነት ኣብ ህንዲ ንድኻታትን ዘኽታማትን ዝተናዕቁን ዘገልገለት ገዛእ ርእሳ ዝሃበት፡ ካብ ህንዲ ተበጊሳ ደናግላ ኣብ መላእ ሃገራት ክበጽሓ ዝኸኣላ ናይ ሓዋርያዊ ኣገልግሎት ግብረ ሰናይ ኣብነት፡

ናይዛ ጓል ሃገርኩም ዜጋ ሕቡናትን ኵሩዓትን ኩኑ፡ ብዓቢይ ጻዕርን ተወፋይነትን ደቂ እዛ መሬትኩም ኵሎም ኣብነታ ክስዕቡ ተላብዮም።

እግዚኣብሔር ሰሜን መቀዶኒያ ይዓቅብ

ቅድስቲ መንበር ሰሜን መቀዶኒያ ናጽነታ ካብ እትዓትር ኣትሒዛ ህያው ቆላሕታ ገይራ ኣብ ኵለ መዳይ ኣብ ምስናያ ትርከብ፡ ዘተን ኣብ ምአንጐ መንግስትን ኩለን ሃይማኖታትን ሰናይ ርክብ ክህሉ ኣስተዋጽኦ ተበርክት፡ እግዚኣብሔር ሰሜን መቀዶኒያ ይባርኽ ይዓቅብ፡ ኣብ ስምምዕን ምዕባለን ይባርካ እንክብሉ ዘስምዕዎ መደረ ኣጠቓሊሎም።

ቅዱስነቶም ቃሎም ቅድሚ ምልጋሶም ናይ ሰሜን መቀዶኒያ ርእሰ ብሔር ጊዮርገ ኢቫኖቭ ኣብ ዘስምዕዎ ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም መደረ፡ እቲ ምብጻሕ ቅዱስ ኣቦና ኣብ መንጐ ቅድስቲ መንበርን ሃገረ ሰሜን መቀዶኒያ ዝጸንዔ ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ ካብ ዝቐውም መበል 25 ዓመት ኣብ ዝዝከረሉ እዋን ብምዃኑ ዘለዎ ዓቢይ ትርጉም ከዘለዎ ምዃኑ ከምዝገለጹን፡ ሰሜን መቀዶኒያ ኣብ ሕብረት ኤውሮጳ ውህድቲ ክትከውንን ብሓፈሻኡ ኣብ ጐደና ምዕባለ ክትምርሽ ቅድስቲ መንበር እተካይዶ ጻዕሪ ከምዝነኣዱን፡ እቲ ክሌኣዊ ርክብ ኣብቲ ልዕሊ ኣማኢት ዓመታት ዘቁጽር ሕድ ሕዳዊ ምትእምማንን ምክብባር ሕዝብታትን ዝጸንዔ እዩ ከምዝበሉ ልኡኽ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ኣመደዮ ሎሞናኰ ሓቢሮም።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ሰሜን መቀዶኒያ ኵሉ ገዛእ ርእሱ ዝገልጸላ ውቅብቲ ኵስሚ
07 May 2019, 13:50