ር.ሊ.ጳ. ናይ ሩመኒያ ንሓዋርያዊ መገሻ ኣብ ዝነቕልሉ ዋዜማ ንጸሎት ኣብ ብዚሊካ ቅድስተ ማርያም ዓባይ ር.ሊ.ጳ. ናይ ሩመኒያ ንሓዋርያዊ መገሻ ኣብ ዝነቕልሉ ዋዜማ ንጸሎት ኣብ ብዚሊካ ቅድስተ ማርያም ዓባይ 

ር.ሊ.ጳ. ናይ ሩመኒያ ንሓዋርያዊ መገሻ ኣብ ዝነቕልሉ ዋዜማ ንጸሎት ኣብ ብዚሊካ ቅድስተ ማርያም ዓባ

ቅዱስነቶም ኣብ ጳጳሳዊ ባዚሊካ ቅድስተ ማርያም ዓባይ መንፈሳዊ ንግደት ፈጺሞም ኣብ ፊት እቲ ኣብ ቦርገዘ ወይ ከኣ ፓውሊና ብዝብል ስም ኣብ ጽዋዕ ንኡስ ቤተ ጸሎት ኣብ ዝተዓቀበ ቅዱስ ምስሊ ቅድስተ ማርያም ድሕነት ሮማውያን

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ከምቲ ልሙድ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሓዋርያዊ መገሻኦም ቅድሚ ምቃሎምን ኣብ ምምላሶምን ሮማ ኣብ ዝርከብ ጳጳሳዊ ባዚሊካ ቅድስተ ማርያም ዓባይ መንፈሳዊ ንግደት ፈጺሞም ኣብ ፊት ቅዱስ ምስሊ ቅድስተ ማርያም ድሕነት ሮማውያን ናይ ግሊ ጸሎት ከምዕርጉ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ብምኽንያት መበል 30 ዓለም ሓቆፍ ሓዋርያዊ መገሻኦም ናብ ሩመኒያ ዕለት 30 ግንቦት 2019 ዓ.ም. ኣብ ዋዜማ ምንቃሎም መንፈሳዊ ንግደት ፈጺሞም ናይ ግሊ ጸሎት ከምዘዕረጉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ጃዳ ኣኰይሊኖ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ኣብ ሩመኒያ ዘካይድዎ ሓዋርያዊ መገሻ ፍጻሜታቱን ዝራኸብዎም ሕዝቢ ሩመኒያን እታ ሃገርን ነማላድነት ቅድስተ ማርያም ድሕነት ሮማውያን ከወክፉ ኣጋ ምሸት ናብ ጳጳሳዊ ባዚሊካ ቅድስተ ማርያም ዓባይ መንፈሳዊ ንግደት ከምዝፈጸሙ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ግዚያዊ ሓላፊ ኣለሳንድሮ ጂሶቲ ኣብ ትዊተር ማሕበራዊ መረብት ብዘሎ ናይ ቅድስቲ መንበር @HolySeePress ብዝብል ኣድራሻ ኣቢሎም ከምዝሓበሩ ክፍለጥ እንከሎ፥

ድሕነት ሮማውያን

ቅዱስነቶም ኣብ ጳጳሳዊ ባዚሊካ ቅድስተ ማርያም ዓባይ መንፈሳዊ ንግደት ፈጺሞም ኣብ ፊት እቲ ኣብ ቦርገዘ ወይ ከኣ ፓውሊና ብዝብል ስም ኣብ ጽዋዕ ንኡስ ቤተ ጸሎት ኣብ ዝተዓቀበ ቅዱስ ምስሊ ቅድስተ ማርያም ድሕነት ሮማውያን ጸሎት ከምዘዕረጉን ዝሓበራ ልእኽቲ ጋዜጠይና ኣገግሎት ክፍሊ ዜና ኣኵይሊኖ ኣስዒበን፥ ቅዱስነቶም ድሕሪ ዕለት 13 መጋቢት 2013 ዓ.ም. ሕርየቶም እውን ዕለት 14 መጋቢት 2013 ዓ.ም. ኣብ ባዚሊካ ቅድስተ ማርያም ዓባይ መንፈሳዊ ንግደት ከምዝፈጸሙ ምልስ ቢለን የዘኻኽራ።

31 May 2019, 10:03