ቅዱስ ኣቦና ንመንእሰያት፡ ጸረ ካልኦት ምቛም ዘይኰነ ናይ ሕልምታትኩም ጸራብያን ኵኑ

እንታይ ኰን የጋጥመኒ ዝብል ፍርሒ ውሕስነት ኣይኰነናን ከይጋገ ዝብል ፍርሒ ከልምሰና የብሉን፡ በንጻሩ ከፍርሓና ዘለዎ ከይጋገ ዝብል ፍርሒ እዩ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብ ዕለት 5 ግንቦት ክሳብ ዕለት 7 ግንቦት 2019 ዓ.ም. ኣብ ቡልጋርያን ሰሜን መቀዶኒያ ዘካየድዎ መበል29 ዓለም ሓቆፍ ሓዋርያዊ መገሻኦም መደብ መሰረት ኣብ ሰሜን መቀዶኒያ ካብ ኵለን ሃይማኖታት ምስ ዝውክሉ በሸሓት ዝቝጸሩ መንእሰያት ተራኺቦምን፡ መንእሰያት ምስ ኩሉ ገጽ ንገጽ ብፍላይ ከኣ ምስ ኣቦ ሓጐታቶምን ኣደ ሓጐታቶምን ዝራኸቡ ክዀኑን፡ ናይ ዝዀነ ይኹን ዓይነት ርእየት ዓለም ግዙኣት ከይኰኑ የተሓሳስቡ፡

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

መንእሰያት ሕልምታቶም  ከም ቀራጺ ሓወልቲ ጥበበይናታት ብምዃን ክቐርጹን፡ ደስ ዘብልን ዝማርኽን ገይሮም ክጸርብዎን ልክዕ ከምቲ ሓወልቲ ቀራጺ በዓል ጥበብ ክዀኑ ምዒዶም፡

ነቲ ዝደኸመ ዓለም ተስፋ ምዃን

ቅዱስነቶም ነቶም መንእሰያት ቃለ ምዕዳን ቅድሚ ምልጋሶም ሰለስተ መንእሰያት ዘቕርብዎ ምስክርነት፡ ብፍላይ ሊሪዶና ሰዓቢት ሃይማኖት ምስልምና መንእሰይ፡ ምስ ክርስቲያን ብጾታ ዘለዋ ሰናይ ርክብን ሱታፌ ሕውነትን ምስ ገለጸት፡ መንእሰያት ነቲ ዝደኸመ ዓለም እቶም ኣብ መሓሪ ኣቦ ኵሉ ዝዀነ እግዚኣብሔር እምነት ዘለዎም፡ ተስፋ ኰይኖም ክርከቡን ኣብ ዓለም ቅንዕንናን ሕድ ሕዳዊ ምቅርራብን ኣብ መንጐ ዝተፈላለዩ ሃይማኖታት እውን ክህሉ መታን፡ ስለዚህ ሰናይ ምቅርራብ ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ሰዓብቲ መንእሰያት ንዓለም ተስፋ እዩ ኢሎም።

ዘይሓልም መንእሰይ ንቆዛሚ ጣዖት ቦታ ዝህብ እዩ ዝኸውን

ምሕላም ፈጺሙ ዝተጋነ ክኸውን ኣይክእልን፡ ናይ እዋንና ዓቢይ ጸገም እቲ ኣብ መንእሰያት ዝረአይ ዘይምሕላም እዩ፡

ሓደ ሰብ ምሕላም ከቋርጽ እንከሎ፡ እቲ ናይ ምሕላም ቦታ ብሰቖቓን ምቑዛምን ኢድካ ሂብካ ብምንባር እዩ ዝውረር፡ እዚ ኵነት’ዚ ነቶም ንጣዖት ቍዘማ ዘምልዅ ንሕደገሎም፡ … እዚ ጣዖት’ዚ ናብ ዝተጋገየ መገዲ ከተብል እዩ ዝድርኸካ

ሊሪዶና ሕልማ ልክዕ ይብሉ ቅዱስ ኣቦና ኣነን ሓው ናይ ኣልሓዝሓር መንበረ ጥበብ ዓቢይ መምህር ኣሕማድ ኣል ጣይብ ዘሎና ሕውነት ዝብል ሕልሚ የዘኻኽረኒ፡

ብሓባር ኣነን ንሶምን ሰብኣዊ ሕውነት ዝብል ናይ ሓባር ሰነድ ከቲምና ንኸነቕርብ ዝደረኸና እምነት እዩ፡ እምነት ነቲ ካባኻ ዝተፈልየ ከም ሓው ንኽትርእዮን ክትቅበሎም የብቅዕ። …

እቲ ዓቢይ ቅያ ናይ ተስፋ ኣንጠረይና ምዃን እዩ

ቅዱስነቶም ናይ ግሪኽ ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ቦዛንካ ናይ እትክረብ ቤተ ክርስቲያን ምእመን መንእሰይ ንዘቕረበሎም ሕቶ እናሓሰቡ፡

ዕለት ብዕለት ናይ ሕልምን ተስፋን ኣንጠረይና ኰይንካ ምርኻብ የድሊ፡ ምሕላም ካልእ ኵላትና ብዕለታዊ መነባብሮና ተዋሳእቲ እንዀነሉ ብሉጽ ዓለም ምሕናጽ ዝከኣል ምዃኑ ዝብል እምንቶ ኣባና ህያው ክኸውን ይገብር።

ናይ ሰሜን መቀዶኒያ ሓወልቲ እትቐርጹ ኵኑ

ሃገር ልክዕ ከም ሓደ ዝጽረብ ኣብ ኢድ ሰራሕ ሓወልቲ ከምዘሎ እምኒ እያ፡ ስለዚህ ብሕልምታትንና ተስፋታትናን ኣቢላ ቅርጺ ክንህባ ናትና ግደ እዩ፥

         ሃገር ውጽኢት ናይ ስነ ጥበብ ክትከውን ምግባር ናይ ኵላትና ሓላፍነት እዩ፡ ኣብ ኢድና ከምዘሎ ዘይተጸርበ እምኒ

ከይጋገ ብዝብል ፍርሒ ልሙስ ዘይምዃን

እንታይ ኰን የጋጥመኒ ዝብል ፍርሒ ውሕስነት ኣይኰነናን ከይጋገ ዝብል ፍርሒ ከልምሰና የብሉን፡ በንጻሩ ከፍርሓና ዘለዎ ከይጋገ ዝብል ፍርሒ እዩ፡ ስግኣት ዘይምግጣም ኣብ ዘለኻሉ ኣልሚሱ እዩ ዘትርፍ፡ እንተተጋገኻ ከምእተጋገኻ ተኣሚንካ ምትንሳእ የድሊ እምበር ከይጋገ ናይ ዝብል ፍርሒ መቑሕ ዘይምዃን። ተስፋ ካባኻ ማንም ክምንዝዓ የብሉን፡ ዳግም ናይ ምትንሳእ ተስፋ!

እናቴ ተረዛ፥ ናይ እግዚኣብሔር ብርዒ ናይ ምዃን ሕልምኒ

ቅዱስ ኣቦና ነቶም መንእሰያት ናይታ ጓል ሃገሮም ዝዀነት ዓለም ዘዛረበትን እተዛርብን እናቴ ቅድስቲ ተረዛ ከም ኣብነት ጠቒሶም፡ ተረዛ ኣብዚ ክትነብር እንከላ ሕይወታ ከምይ ከምዝኸውን ግምት ኣይነበራን፡ ትሓልምን ንሕልማ ትጸርብን ነቲ ዓቢይ ፍቕሪ ዝዀነ ወጅሂ ኢየሱስ ኣብ ምድላይ እያ ዝነበረት፡ ኣብ ኵሎም እቶም እትራኸቦም ወጅሂ ህልዎት ኢየሱስ ተናድይ፡ ዓበይቲ ሕልምታት ሓለመት፡ ናይ እግዚኣብሔር ብርዒ ንምዃን ሓለመት፡ እግዚኣብሔር ድማ በዛ ብርዒ ኣቢሉ ሓደስቲ ገጻት ጸሓፈን ቀረጸን።

ሓደራ ንበይንኹም ኣይትሕለሙ፡ ብዘይ ማሕበረሰብ ሕልምታትኵን ኣይትንበሩ፡ … ብሓባር ምሕላምን ሕልምታትና ብሓባር ንቋደስ፡

ቅዱስ ኣቦና ኣብ መወዳእታ ክልተ ሰብ ሓዳር ምእመናን ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዘቕረብዎ ምስክርነት እናሓሰቡ፡

መርበባዊ ርክባት ኣብ ዝሰፈሓሉ ዓለም ኢና እንርከብ፡ ከይተራኸብካ ምርኻብ ዝብል ዓለም፡ መርበባዊ ርክብ ኣድላዪ እዩ፡ ኢተዋሳእያን ግና ክገብረና የብሉን፡ ተዋሳእነት ሕይወት ይሓትት ሓዘንን ሓጐስን ምምቅራሕ ይሓትት

ምስጋና ነተን ታሪኽ ንቕድሚ ዝደረኻ ደቀንስትዮ

ቅዱስ ኣቦና ኣብቲ ርክብ ኣብ ቅድሚት ኮፍ ዝበለት ነፍሰ ጹር መንእሰይ ጠቒሶም፡

እዛ መንእሰይ እዚኣ ንቕድሚት ስለ ዝጠመጠት ንታሪኽ ስለ ዘማዕደዎት ንሓደጋ ተቓሊዓ፡ ሕይወት መረጸት፡ ምንጻል ጽንሲ ነጸገት፡ ሃገር ንቕድሚት ከተብል መረጸት፡ ሕዝቢ ንቕድሚት ከተብል መረጸት፡ ውልዲ ሕዝብን ታሪኽን ንቕድሚት ክብል ዝድርኽ እዩ፡ ኵላትኩም ነዚ ትብዓታ’ዚ ብጣቕዒት ኣመስግኑ።

እንክብሉ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ዛዚሞም።

ቅዱስ ኣቦና ንመንእሰያት፡ ጸረ ካልኦት ምቛም ዘይኰነ ናይ ሕልምታትኩም ጸራብያን ኵኑ
08 May 2019, 16:09