ር.ሊ.ጳ.፥ ሰላም ኣብ መላእ ዓለም ክሰፍሕ ነፍሲ ወከፍ ሰብኣዊ ፍጥረት ናይ ሰላም ኣንጠረይና ይኹን

ኦ ጐይታ ናይ ሰላም መሳርሒ ግበረኒ፡ ጽልእ ኣብ ዝርከበሉ ፍቕሪ፡ ተስፋ ቅብጸት ኣብ ዝርከበሉ ተስፋ፡ ጸልማት ኣብ ዝርከበሉ ብርሃን፡ ሓዘን ኣብ ዝርከበሉ ታሕጓስ ከም ዝዘርእ ግበረኒ….

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንፈቸስኮ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ሚካኤል ሊቀ መላእክት ምስ ማሕበረሰብ ካቶሊካዊ  ቡልጋርያ ኣብ ራኮቭስኪ ተራኺቦም ቃለ ምዕዳን ለጊሶም ምስ ኣብቅዑ ከምቲ ናይቲ ሓዋርያዊ መገሻ መደብ መሰረት ብሓባር ምስ ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት መንፈሳዊ ልዕለዎት መራሕቲ ሶፊያ ኣብ ዝርከብ ኣደባባይ ሓርነት ኣብ ዝተኻየደ ጉባኤ ሰላም ተሳቲፎም።

እዚ መደብ’ዚ በቲ ናይ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ዘኣሲዚ ማህልየ ማህልየ ዘፍጥረን መዝሙረ ዳዊት ምዕ. 122 ንባብን ሽምዓን ሽዱሽተ ሽግ ናይ ምውላዕ ስነ ስርዓት ተኻይዱ ኣብዚ ጉባኤ ሰላም፡ ናይ ኦርቶዶክስ ቤተክርስቲያንን ኣይሁድን ፕሮተስታንትን ኣርመንን እስላምን ካቶሊካውያንን ናይ ሰላም ጸሎት ከምዝቐረበን ስዒቡ ናይ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ናይ ሰላም ጸሎት ምስ ተደግመ ቅዱስ ኣቦ ኣብ ዘስምዕዎ ቃል፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስ ፍራንቸስኮ ብፈጣሬ ኩሉ ዝዀነ ኣቦ እግዚኣብሔር ፍቕሪ ዝተተሓዘን፡ ንእግዚኣብሔር ዘለዎ ፍቕሪ ንኹሉ ፍጥረት ዘፍቀረን እውነተይና ኣኽብሮት ንኹሉ ዝነበረን እዩ፡ በዚ ኣገባብ’ዚ ኣቢሉ ሓቀይና ሓናጺ ሰላም ኰነ፡ ኣብ ኣሰሩ ድማ ኵላትና ሓነጽቲ ሰላም ንዅን፡ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ናይ ሰላም ኣንጠረይናታትን መጋበርያ ሰላምን ንኽንከውን ይዕድመና፡ ሰላም ምምህላል ጥራሕ ዘኰነ መጋበሪያ ሰላም ኴይንካ ምርኻብ የድሊ፡ ሰላም ናይ ኩሉ መሰልን ክብርን እዩ፡ ጸረ ዝዀነ ይኹን ዓይነት ንኣይነትን ሸለተይናነትን ምቛም እዩ፡ ዘተ ጐደና ርክብ ክኸውን ዝሕብር፡ ምትሕብባር ናይ ኩሉ ጠባይ ክኸውን፡ ፍልልያት ብምኽባር ኣብቲ ዘሕብር ውህደት ምንባር ዝሕብር ጸሎት እዩ፡ ….

ብጓህሪ ፍቕሪ ውግእ ንኽንኣልይ

ቅዱስ ኣቦና ቅድሚ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ካብ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ዝተዋጽኡ ሽድሽተሕጻናት ንምልክት ሰላም ሽዱሽተ ሽግ ከምዝወልዑ ክፍለጥ እንከሎ፥ ቅዱስነቶም ይብሉ፡

ኣብ ቅድሚ እቶም ሕጻናት ደቃትና ኣብ ዝወልዕዎ  ትእምርቲ ናይ ሰላም ሽግ ፊት ብሓባር ንኽንጽልይ ኣብዚ ቦታ’ዚ ንርከብ፡ እቲ ሽግ ናይ ፍቕሪ ምልክት እዩ፡ ኣባና ነቲ ፍቕሪ ዘበራብርን ዝውልዕን፡ ባና ናይ እግዚኣብሔር ምሕረትን ፍቕርን ሰላምን እዩ፡ እዚ ባና ጩራ’ዚ ንመላእ ዓለም ክውልዕ ንደልይ፡ ብጓህሪ ፍቕሪ ቀዝሒ ውግእ ንኸነምክኽ

ሰላም ኣብ መላእ ምድሪ ክሰፍሕ

ቅዱስነቶም እቲ ጸሎት ዝካየድሉ ዘሎ ስፍራ ጐደና ሓርነት ዝብል መጸውዕ ዘለዎ ምዃኑ ዘኪሮም፡ እዚ መጸውዕ’ዚ ነቲ ቡልጋርያ ዘሕለፈቶ ጽንኵር ኩነት ዘዘኻርን እቲ ጽንኩር ኩነት ተበዲሁ ናይቲ ዝተረኽበ ናጽነት ልሳን እዩ፡ ኩሉ ብሃይማኖትን ባህልን ዝተፈላለየ ወዲ ሃገር ብሓባር ኰይኑ ዝኸፈሎ መስዋዕትነት ናጽነት ከምዘርከበ ዝምስክር ቦታ ናይ ሰላም ምስክር እዩ፡

ኣብዛ ህሞት እዚኣ ድምጽና ብውህደን ብጥልቅን ናይቲ ብርቱዕ ድላይ ሰላም መግለጺ እዩ፡ ኣብ ኣባይቲ ስድራናን ኣብ ነፍሲ ወከፍናን ብፍላይ ኣብቲ ብውግእን ብሸለልተይናነትን ኢጎነትን በቶም ውልቃዊ ረብሓኦም ዝዓጦም ድላይ ንዝተዓበሰ ድምጺ ልሳን ንኹን፡ ናይ ሃማኖታትን ናይ ፖለቲካን ናይ ባህልን ላዕለዎት ኣካላት ነዚ ኣስተንፍሶ እዚ ንምርግጋጽ ክተሓባበሩ ንጽውዕ፡ ኩሉ ኣብ ዕለታዊ መነባብሮኡን ኣብ ዝተቐበሎ ሓላፍነት ኵሉ፥ ‘ኦ ጐይታ መጋበርያ ሰላም ግበረኒ’ ይበል!

ቅዱስ ኣቦና ዝለገስዎ ቃል፥ ቅዱስ ዮሓንስ መበል 23 ኣብ ቡልጋርያ ከም ጳጳስ ናይ ቅድስቲ መንበር ልኡኽ ደሓር ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኰይኖም ዝተሓርዩ፡ ናይዚ ናይ ቅዱስ ኣቦና መበል 29 ዓለም ሓቆፋዊ ሓዋርያዊ መገሻ ኣሰር ዝዀኑ ሰላም ኣብ ምድሪ ዝብል ቃሎም መርሕ ዝገበረ እውን ብምዃኑ ዘኪሮም፡ ምስ ቅዱስ ዮሓንስ መበል 23፡ ሰላም ኣብ ምድሪ ንብል፡ ሰላም ንመላእ ብእግዚኣብሔር ንዝተፈቕረ ሰብኣዊ ፍጥረት እንክብሉ ምስ ዛዘሙ፡ ኣብ መንጐ እቶም ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት መንፈሳዊ መራሕቲ ምልክት ሰላም፡ ናይ ሰላም ምልውዋጥ ስነ ስርዓት ምስ ተፈጸመ፡ መዝሙር ከምዝቐረበ ልእኽቲ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ዶኒኒ ሓቢረን።

ር.ሊ.ጳ.፥ ሰላም ኣብ መላእ ዓለም ክሰፍሕ ነፍሲ ወከፍ ሰብኣዊ ፍጥረት ናይ ሰላም ኣንጠረይና ይኹን
07 May 2019, 10:22