ርክብ ምስ ፓትሪያርክ ዳኒየልን ቀዋሚ ቅዱስ ሲኖዶስ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ሩመንያ ርክብ ምስ ፓትሪያርክ ዳኒየልን ቀዋሚ ቅዱስ ሲኖዶስ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ሩመንያ 

ርክብ ምስ ፓትሪያርክ ዳኒየልን ቀዋሚ ቅዱስ ሲኖዶስ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ሩመንያ

ክርስቶስ ተንሲኡ እዩ፡ … ትንሳኤ ጐይታ ናይቲ ብሓዋርያት ናይ ዝተመሓላለፈ ኣብ ኣቢያተ ክርስቲያንና ዝተዓቀበን እምነት ሕመረት እዩ

ኣብቲ ዝተኻየደ ርክብ ናይ ሩመኒያ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ብፁዕነቶም ዳኒኤል ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥

ቅዱስነትኵም

ክርስቶስ ተንሲኡ እዩ ብዝብል ቃል ፋሲካ ኣብታ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳማዊ ዕለት 8 ግንቦት 1999 ዓ.ም. ብፓትሪያክ ተኦክቲስን ብቀዋሚ ቅዱስ ሲኖዶድን ኣቀባብላ ተገይሩሎም ኣብ ዘአንገደ ሕንጻ መንበረ ፓትሪያርክ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም ንብል፡ እዚ ሕንጻ’ዚ ብቋንቋ ላቲን Conventus ትርጉሙ ከኣ ርክብ ብዝብል ቃል ዝጽዋዕ እዩ፡ ኣብ እዋን ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ናይ ፖላንድን ሩመኒያን ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያክ ተኦክቲስት ከም ናይ ሩማኒያ ጳጳስ ዝነበሮም ሰናይ ርክብ እዝክር፡ ናይ ስርዓት ዴስነት መግዛእቲ ናይ ሓባር ናይ ቤተ ክርስቲያን ስደትን መከራን ተመክሮ ዝነበሮም እያቶም፡ ... ስለዚህ እዩ ድማ እቲ ካብ 7 ግንቦት ክሳብ 9 ግንቦት 1999 ዓ.ም. ኣብ ቡካሬስት ምስ ተራኸቡ ነቲ ዝተረኽበ ናይ ሃይማኖት ናጽነት ብሓባር ንኸስተማቕሩ ዝኸኣሉ፡ ክልቲኣቶም ናይ እምነት ክርስትና ተጣበቕትን ኣብ ንጥፈታቶም ድጋፍ ስቑል ኢየሱስ ክርስቶስን ትንሳኤኡን ዝተንከፉ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ ሃገረ ቫቲካን

... እቶም ቅድሜና ዝሓለፉ ሎሚ ተኸተልቶም ዝዀንና ሎሚ እምነት ኣብ ክርስቶስን ናይ ክርስትና ዕሴታትን ኣብታ እምነትን ግብረ ገብን ካብ ማሕበራዊ መዳይን ሕንጸትን ኣተግልል ኣብ ዘላ ኤውሮጳ ክንከላኸልን ከነነቓቕሕን ንመንእሰይ ወለዶን ንመላእ ዘርኢ ሰብን ዓለምን እምነት ኣብ ፍቕሪ ናይ ክርስቶ ምሕረትን እምነት ኣብ ዘለዓለማዊ ሕይወትን ንኸነመሓላልፍ ይጽውዑና፡ … ኣብታ ዋሕዲ ውላድ ዘጥቅዓን ብዘሰንብድ ውንጫፈ እትኣርግን ዘላን ኤውሮጳ እቲ ኣብ መንጐ ሰብኣይን ሰበይትን ዝጸንዕ ውላድ ዝሓቁፍ ስድራ ቤት ክንከላኸልን ከነተባብዕን እዚ ዓይነት ስድራ ቤታዊ ምስጢረ ተክሊል ንኽንናዘዝ ይጽውዑና።

… ሎሚ እምነት ኣብ ናይ ክርስቶ ወንጌል ማለት ሊጡርጊያ ምስ ሰብኣዊ ፍቕርን ጸሎትን ማሕበራዊ ተግባርን ንድኻታትን ህሙማንን ዝተናዕቁን ንዝተነጸሉን ኣብ ምድጋፎም ምውሃድ ማለት እዩ፡ ሊጡጊያን ዕለታዊ ሕይወትን ምውሃድ ማለት እዩ፡ ናይ ክርስቶ ፍቕሪ ብኹሉ ፍጥረት ሰብ ቡራኬን ሰላምን ሓሴትን ንነፍሲ ወከፍ ሰብን ሕዝብን ከምዝዀነ ክስትውዓል መታን ፍትሕን ዕርቅን ምትሕብባርን ንኸነቓቕሕ ናይ ክርስቶ ወንጌል ይዕድመና!

ምሉእ ጥዕናን ነዊሕ ዕድመን ንምነየልኩም! እንክብሉ ዘስምዕዎ ቃል ኣጠቓሊሎም፡

ቅዱስ ኣቦና ኣስዒቦም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ

ብፁዕነትኩም ክቡራት ሜጥሮፖሊታትን ጳጳሳትን ቅዱስ ሲኖዶስ

ክርስቶስ ተንሲኡ እዩ፡ … ትንሳኤ ጐይታ ናይቲ ብሓዋርያት ናይ ዝተመሓላለፈ ኣብ ኣቢያተ ክርስቲያንና ዝተዓቀበን እምነት ሕመረት እዩ፡ ኣብ ወጌል ዮሓንስ ምዕ. 20 ፍቕዲ 20 ኣብ መዓልቲ ትንስኤ ሓዋርያት ከምእተሓጐሱ ነንብብ፡ እዚ ሓሴት’ዚ እውን ኣብዚ ኣብ እንነብሮ ዘሎና እዋን ፋሲካ ኣብ ወጅህታትኩም እርእዮ … ምስ በሉ ምልስ ቢሎም ምብጻሕ ቅድሚ ዕስራ ዓመት ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ ሩመንያን ዘኪሮም፡ ከምቲ ንሶም ዝበለዎ ነታ እቲ ናይ ሎሚ ተስፋ በጃ ዝዀነ ብዙሕ ስቓይ ዘሕለፈት ቤተ ክርስቲያንኩም ክኽብር ኣብዚ እርከብ። …. ኣብቲ ካብ ሓዋርያት ዝተመሓላለፈ እምነት፥ ካብ ጴጥሮስን እንድርያስ፡ ጥሙራት ኰይንና ሮማን ሩመንያን በዞም ክልተ ብደም እውን ኣሕዋት ዝዀነ ደቀመዛሙርቲ ዝተሰብካ ሃገራት እያተን፡ … ሞትን ትንሳኤን ክርስቶሳዊ ኩነት ዝተመከሩ ውላድ ዘለወን ሃገራት … ኣደዳ ስደትን መከራን ዝዀኑ ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ምእመናንን ማሕበረሰብ ክርስቲያንን … እዚ ናይ ሓባር ውርሻ ካብ ሓው ዝረሓቑ ንኸይንኸውን የተሓሳስበና ንሕና እውን ኣብ ሓድሽ ሕይወት ክንጓዓዝ መታን (ሮም. 6.4) ኣብ ስቓይን መከራን ኣብ ክርስቶስ ሕቡራት ብናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ትንሳኤ ሕቡራት ንኽንከውን ዘመላኽተና ናይ ሓባር ውርሻ እዩ።

ብፁዕነቶም ክቡር ሓው ተኸተልቶም ዝዀንና ቅድሚ ዕስራ ዓመት ዝተራኸቡ ናይ ሮማ ጳጳስን ናይ ሩመንያ ፓትሪያርክን ውጽኢቱ እነሆ ይረአይ። … ሓድነት ሓድነት ዝብል ኣብቲ እዋን ዝተጨርሔ ቃል ብሓባር እንጐዓዘሉ ግዜ የበስር ኣሎ … ንእግዚኣብሔር ምስጋና ይዅኖ ኣንስርና ጽኑዕን ኣዚዩ ጥልቅን እዩ። ናይ ኣናስር ተዘክሮ ካብ ብዙሕ ጸገም ዘናግፍ ምዃኑ ቅዱስ ኣቦና ምስ ኩነታት ኤውሮጳ ብምትሕሓዝ ተንቲኖም፡ ስለ እቲ እግዚኣብሔር ኣብ ነፍሲ ወከፍና ዝፈጸሞ ምስጋናን ውዳሴን ናብኡ ነቕርብ . (መዝ. 77. 6, 12-13)።

… ብሓባር ምጉዓዝ ልክዕ ከምቶም ናይ ኤማሁስ ደቀ መዛሙርቲ፡ ንሓድ ሕዶም እናተኻትዑ ዝጓዓዙ ዝነበሩ ጭንቆምን ዘጓነፎም ኵሉ ንሓድ ሕዶም ይዛረቡን ዝነበሩ፡ ኣብ እዋን ፋሲካ ኢየሱስ ኣብ መንጐኦም ተረኺቡ ኩሉ ንኸስተውዕሉ ልባቶም ከፈተሎም (ሉቃ. 24. 15-24)

… ንሕና እውን ብሓባር ንጐይታ ጽን ምባል የድልየና … ብፍላይ ኣብዚ ማሕበራውን ባህላውን ሕጹጽ ምቅይያራት ዝረኣየሉ እዋን … ቅዱስነቶም ነቲ እዋናዊ ማሕበራውን ሰብኣውን ስድራ ቤታውን ቅልውላው ኣብ ዓለም እናሓሰቡ እቲ ዝነቐጸ ልቢ መታን ክልስልስን ንጐይታ ከም ደቀ መዛሙርቲ ኢማሁስ ጽን ክንብልን ከነበስሮን መታን።

…  ኣብ ኣዋን ጸሎት ልቦም ምስ ተኸፍተ ልክዕ ምሳና ሕደር ከምዝበልዎ ኣብ ምፍታት ህብስቲ ክንሓብር ቅድሚ ብዛዕባ እግዚኣብሔ ምዝራብ እግዚኣብሔር ኣብ ምቕራብ ንኽንሓብር።

ብሓባር ናብ ሓደ ሓድሽ ጴንጠቆስጠ ንጓዓዝ … እቲ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ጉዕዞ ካብ ፋሲካ ናብ ጲንጠቆስጠ ዘሰጋግር እዩ፡ ሓድነትን ውህደትን! በቲ ቅድሚ 20 ዓመት ዝተኻየደ ርክብ ኣብ ጉደና ጴጥንተቆስጠ ብሓባር ንጓዓዝ ኣሎና፡ … ኣዚ እዋን ካብ ፋሲካ ናብ ጴንጠቆስጠ ኣብ ትሕቲ ጽላል ኣመ ኣምላክ ኣብ ርእሲ ንሓድ ሕድና መንፈስ ቅዱስ ንጸውዕ፡ … ናይቶም ናይ እምነት ሰማዕታት ደም መኻን ከይንገብሮ ትደግፍና።

ፍቑራት ኣሕዋተይ ንቕድስቲ ስላሴ ኣብ ምምስጋንን ውዳሴን ንናይ ነፍሲ ወከፍና ድማዕን ኣሕዋትና ኢየሱስ መታን ክርእዩ ንምድጋፎም ብሓባር ንጓዓዝ፡ ደጊሞ ምስጋናይ አቕርብ ፍቕረይን ምሕዝነተይን ጸሎተይን ደሎት መላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክስቲያን ኣረጋግጸልኩም እንክብሉ ዘስምዕዎ መደረ ዛዚሞም።

31 May 2019, 18:11