ሓድሽ ሓጊ ኣብ መላእ ቤተ ክርስቲያን ናይ ወሲብ ዓመጽ ዝፈጸመን ነቲ ገበን ዝኸዋውልን ዝምልከት ሓድሽ ሓጊ ኣብ መላእ ቤተ ክርስቲያን ናይ ወሲብ ዓመጽ ዝፈጸመን ነቲ ገበን ዝኸዋውልን ዝምልከት 

ሓድሽ ሕጊ ኣብ መላእ ቤተ ክርስቲያን ናይ ወሲብ ዓመጽ ዝፈጸመን ነቲ ገበን ዝኸዋውልን ዝምልከት

Vos estis lux mundi - ንስኻትኩም ንዓለም ብርሃኑ ኢዅም፥ ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ንነፍሲ ወከፍ ምእመን ናይ ድሙቕ ጽድቅን ኩለንተናዊ ቅድስና ኣብነት ክኽውን ይጽውዕ፡ እቲ ካብ ማቴዎስ ወንጌል ምዕ. 5, 14 ዘሎ ቃል ኣርእስቲ ገይሮም ቅዱስ ኣቦና ዝደረስዎን ኣብ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ሕጊ ክኽውን ዝደንገግዎ ጸረ ናይ ወሲብ ዓመጽ ሕጊ ነቶም ናይ ወሲብ ዓመጽ ዝፍጽሙ ኣባላት ውሉደ ክህነትን ገዳማውያንን ንፍርዲ ዘቕርብ ጥራሕ ዘይኰነ ነቶም ናይ ወሲብ ዓመጽ ዝፈጸሙ ገበናቶም ንዝኸዋውሉን

Andrea Tornielli

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ብዘለዎም ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ፍልዩ ስልጣን ኣብ መላእ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ግብሪ ዝውዕል ጸረ ናይ ወሲብ ዓመጽን ነዚ ገበን’ዚ ዝኸዋውልን ዝምልከት ሓድሽ ሕጊ፥ Vos estis lux mundi - ንስኻትኩም ንዓለም ብርሃኑ ኢዅም ብዝብል ኣርእስቲ ከምዝደንገጉን እዚ ሕጊ’ዚ መላእ ብፁዓን ጳጳሳትን ውሉደ ክህነትን ገዳማውያንን ገዳማውያትን ዝሰምዕዎን ዝፈልጥዎን ናይ ወሲብ ዓመጽ ንዝምልከቶ ኣካል ክሕብሩ ዝእዝዝን፡ ነፍሲ ወከፍ ሰበኻ፡ ብተራ ሕዝቢ ክብጻሕ ዝከኣልን ተበጻሕነት ዝንበሮ ብዛዕባ ዝተፈጸሙ ናይ ወሲብ ዓመጽ ሓበሬትን ዝቕበል ኣገባብን ቅርጽን ዘለዎ ቤት ጽሕፈት ክቐውም ዘገድድ ምዃኑ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቡ ብዙሓን ዋና ርእሰ ዓንቀጽ ኣሰናዳኢ ኣንድረያ ቶርኒየሊ ኣብ ዘቕረብዎ ሓተታ ይሕብሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

Vos estis lux mundi - ንስኻትኩም ንዓለም ብርሃኑ ኢዅም፥ ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ንነፍሲ ወከፍ ምእመን ናይ ድሙቕ ጽድቅን ኩለንተናዊ ቅድስና ኣብነት ክኽውን ይጽውዕ፡ እቲ ካብ ማቴዎስ ወንጌል ምዕ. 5, 14 ዘሎ ቃል ኣርእስቲ ገይሮም ቅዱስ ኣቦና ዝደረስዎን ኣብ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ሕጊ ክኽውን ዝደንገግዎ  ጸረ ናይ ወሲብ ዓመጽ ሕጊ ነቶም ናይ ወሲብ ዓመጽ ዝፍጽሙ ኣባላት ውሉደ ክህነትን ገዳማውያንን ንፍርዲ ዘቕርብ ጥራሕ ዘይኰነ ነቶም ናይ ወሲብ ዓመጽ ዝፈጸሙ ገበናቶም ንዝኸዋውሉን ወይ ውን ከይርከቡ ንምግባር ሕግ ንምጥፍፋእ ንዝፍትኑ ጳጳስት ይኹን ናይ ገዳማውያንን መንፈሳዊ ማሕበራት ኣሕሉቕን እውን ዝምልከት ምዃኑ ዝሓበሩ ቶርኒየሊ ኣስዒቦም፡ እዚ ሕጊ እዚ ንገዛእ ርእሱ ነቲ ኣብ ወርሒ ለካቲት 2019 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ምክልኻል ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ዝመኸረ ናይ መላእ ሃገራት ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ኣበ መናብርትን ገዳማውያንን መንፈሳዊ ማሕበራትን ላዕለዎት ኣሕሉቕ ዓውደ ጉባኤ ጽማሬ እውን ምዃኑ ይገልጹ።

ዝተፈጸመ ናይ ወሲብ ዓመጽ ክሲ  ዝቐብረሉ (ጥርዓን ዝቕበል ቤት ጽሕፈት)

እቲ ቅዱስ ኣባና ዝደንገግዎ ሕጊ፡ ኩለን ኣብ መላእ ዓለም ዝርከባ ሰበኻታትን ኣባይቲ ምኽሪ ብፁዓን ጳጳሳትን ብዛዕባ ዝተፈጸመ ናይ ወሲብ ዓመጽን ተጠቃምነት ጸያፍ ኣሳእልን ከምኡ እውን ዝተፈጸመ ናይ ወሲብ ዓመጽን ከምእተፈጸመ ዝፈልጡ ክነሶም ዝኸዋውሉ ዝምልከትን  ስሞዕታን ጥርዓንን ዝቐርበሉ ናይ ክሲ መቐበሊ ቤት ጽሕፈት ክሳብ ሰነ 2020 ዓ.ም. ኣብ ዘሎ ናይ ግዜ ገደብ ውጥጢ ክቐውም ዝእዝዝ እዩ።

ንዝምልከቶ ኣካል ሓበሬታ ናይ ምቕራብ ግድነት

ካህናት ገዳማውያን ብጠቕላላ ብውሉደ ክህነት ብኣባላት መንፈሳዊ ማሕበራት ተፈጺሙ ዝበሃል ናይ ወሲብ ዓመጽ ዝፈልጡ፡ ንዝምልከቶ ኣካል ሓበሬታ ክህቡ የገድድ፡ ቅድሚ ሕጂ እዚ ዓይነት ውሳኔ’ዚ ንነፍሲ ወከፍ ሕሊናዊ ፍርዲ ዝተሓድገ እዩ ዝነበረ፡ ሕጂ ግን ግድነት ዝብል እዩ፡ እዚ ንኣባላት ውሉደ ክህነት ዝብል እውን እንተዀነ ዓለማዊ ምእመን እውን ብዛዕባ ዝፈልጦ ዝተፈጸመ ዓመጽ ሓበሬታ ክቕርብ ዝኽእል ምዃኑን ናይቲ ሓድሽ ቤት ጽሕፈት ተጠቃሚ ክኸውን ዝፈቅድ ጥራሕ ዘይዀነ ግዴታ ዝብል እዩ።

ንሕጻናት ጥራሕ ዘይኰነ ኣብ ልዕሊ እቶም ገዛእ ርእሶም ናይ ምክልኻል ዓቕምን ብቕዓትን ንዘይብሎምን ዝኸላኸል እዩ

እቲ ቅዱስ ኣቦና ዘውጽእዎ ናይ ሕጊ ሰነድ፡ ኣብ ልዕሊ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ጥራሕ ዘይኰነ ነቲ ኣብ ልዕሊ ገዛእ ርእሶም ናይ ምክልኻል ዓቕምን ብቕዓትን ኣብ ዘይብሎም ዝፍጸም እውን ዝምልከት እዩ፡ ኣብ ልዕሊ ደናግልን ተመሃሮ ዘርኣ ክህነትን ተመካርያን ገዳማትን እውን ዝምልከት እዩ።

ምኽውዋልን ካብ ሕግ ንምምላጥ ምፍታንን

ናይ ወሲብ ዓመጽ ዝፈጸመ ጥራሕ ዘይኵነ፡ ከምእተፈጸመ እናፈለጠ ነቲ ገበን ዝሓባብእ ድዩ ካብ ሕጊ ንኽምለጥ መገዲ ዘመቻችእ ንገዛእ ርእሱ ገበን ብምኽውዋል ዝብል ክሲ ተሓታቲ የብል፡ ኣክንዲ ነቶም ናይ ወሲብ ዓመጽ ዝተፈጸሙ ምሕላይ ነቲ ናይቲ ገበን ተሓታት ንምኽውዋል ዝፍትን ተሓታትነት ኣለዎ ዝብል እውን እዩ።

ገዛእ ርእሶም ናይ ምክልኻል ብቕዓትን ዓቕምን ዘይብሎም ምክልኻል

እቲ ሰነድ ብተወሳኺ፡ ትሕቲ ዕድመ ንዓቕመ ኣዳም ዘይበጽሑ ናይ ዕድመ ገደብ ክሳብ 18 ዓመት ዕድመ ዝብል ኰይኑ፡ ንዚኣቶምን ነቶም ገዛእ ርእሶም ናይ ምክልኻል ብቕዓትን ዓቕምን ንዘይብሎም እውን ዝከላኸል እዩ፡ ናይ ኣእምሮን ወይ ውን ዝተፈላለየ ዓይነት ስንክልና ኣብ ልዕሊ ዘለዎም ዝፍጸምን ዝምልከት እዩ፡ እዚ ሓሳብ’ዚ ነቲ ዕለት 26 መጋቢት 2019 ዓ.ም. ዝጸደቐ ናይ ቫቲካን ሕጊ ፍቕዲ 297 የቃልሕ።

ናይ መንግስቲ/በርገሳዊ ሕጊ ምኽባር

ነዚ ዓይነት ገበ’ዚ ዝምልከት ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ሕጊ ምኽባር ዝብልን፡ እዚ ኸኣ እቲ ገበን ኣብ ዝፍጸመለን ሃገራት ንዝምልከቶ ኣካል በሬታ ምቕራብ ግቡእ ምዃኑ የዘኻኽር፡

ነቲ ገበን ዘቃልዔን ዝኸሰሰን ናይ ወሲብ ዓመጽ ኣደዳ ዝዀኑን ግቡእ ሓለዋን ክንክንን ምቕራብ

እቲ ዝተፈጸመ ናይ ወሲብ ዓመጽ ዘቃልዑ ንዝተፈላለያ ሓደጋ ከይቃልዑን እቶም ናይ ወሲብ ዓመጽ ኣደዳ ዝዀኑን እውን ደሕንነቶም ውሑስ መታን ክኽውን ክንክን ክግበረሎም ይግባእ፡ ንሓደጋ ከይዳረጉ ሓለዋ ጸጥታን ደሕንነትን ክግበረሎም እቲ ሰነድ የተሓሳስብ። ንኣባይቲ ስድራኦም ኣውን ከምኡ።

ኣብ ልዕሊ ጳጳሳት ዝቐርብ ክሲ

ናይ ወሲብ ዓመጽ ዝፈጸሙ ኰይኖም ምስ ዝርከቡ ጥራሕ ዘይኰነ ዝሓባብኡ ገበነይናታን ዝኸዋውሉ ጳጳሳትን ናይ ሰበኻ ኣቡናትን ካርዲናላትን ናይ ገዳማትን ናይ መንፈሳዊ ማሕበራት ኣሕሉቕን፡ ናይ ወሲብ ዓመጽ ፈጺሞም ገበኖም ከይፍለጥ ዝኸዋውሉ ገበን ብምኽዋል ዘኽስሶም ምዃኑ የመላኽት።

ናይ ሜጥሮፖልቲካ ሓላፍነት

ሓደ ሜጥሮፖሊታ ሊቀ ጳጳስ ናይ ወሲብ ዓመጽ ተሓታቲ ዝበሃል ኣቡን እንተሎ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ’ዚ ከጻርይ ካብ ቅድስቲ መንበር ሓላፍነት ይወሃቦ ኣብ ሰላሳ መዓልታት ውሽጢ ናይ ዘካየዶ ምርመራን ምጽራይን ጸብጻብ ናብ ቅድስቲ መንበር ከመሓላልፍ ዝብል ትእዛዝ ዘለዎ ሰነድ ክኸውን እንከሎ፡ እዚ ሓሳብ’ዚ ናይ ከባቢ ሰበኻታት ኣብ ምጽራይ ተዋሳእነት ክህልወን ዝገብር እዩ።

ተዋሳእነት ዓለማውያን ምእመናን

እቲ ሜጥሮፖሊታ ኣብ ዘካይዶ ምጽራይ ብቕዓት ዘለዎም ዓለማውያን ምእመናን ክተሓባበርዎ ክገብር ይኽእል፡ ሙያዊ ድጋፍ ንዓለማዊ ምእመን ክሓትት ይኽእል ዝብል ኰይኑ ናይቲ ናይ ምጽራይ ሓላፍነት ግና ናይ ሜጥሮፖሊታ ኰይኑ ክተርፍ ይእዝዝ።

ናይ ተኸሳሲ፥ ጉዳዩ ክሳብ ተጻርዩ ተሓታቲ ዝበሃል ገበነይና እዩ ካብ ዝብል ፍርዲ ናጻ እዩ

ሓደ ተኸሳሲ  ብመርመራ ተጻርዩ ክሳብ እወ ተሓታቲ እዩ ዝብል ብቤት ፍርዲ ውሳኔ ዝወሃብ ብዓትንተውኡ ዝዝተኸሰ ብምዃኑ ጥራሕ ገበነይና እዩ ቢልካ ደምዲምካ ፍርዲ ምሃብ ጌጋ ምዃኑ እቲ ሰነድ የዘኻኽር።

ጭቡጥ ጻዕሪ

እቲ ቅዱስ ኣቦና ዘውጽእዎን ዝደንገግዎን ሓድሽ ናይ ውሳኔ ሰነድ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ ወሲብ ዓመጽ ንምውጋድን ንምቅዋምን ብጽንዓት እተካይዶ ጻዕርን ሓደስትን ውጽኢታውን ሓሳብ ብምቕራብ ነዚ ዓይነት ዓመጽን ተመሳሳልን ዓመጽ ዘበለ ኵሉ ብዘይ እንተን ብዘይ ግና ምሉእ ብምሉእ ዓቕማን ሓይላን ኣዋዲዳ ብጭቡጥ ጻዕሪ ጸረ ናይ ወሲብ ዓመጽ ክእምእትዋጋእ ዘረጋግጽ እዩ፡ ምሉእ ምልዋጥ ክህሉን ዝድግፍን ዝመርሕን፡ ምሉእን ዓሚይቕን ናይ ልቢ ምልዋጥ ክህሉ ዘተባብዕ እዩ።

(Andrea Tornielli)

ሓድሽ ሓጊ ኣብ መላእ ቤተ ክርስቲያን ናይ ወሲብ ዓመጽ ዝፈጸመን ነቲ ገበን ዝኸዋውልን ዝምልከት
09 May 2019, 16:37