ር.ሊ.ጳ. ንሰሜን መቀዶኒያ ውሉደ ክህነትን ገዳማውያንን፥ ቅዶት ምሕረት እግዚኣብሔር ኣስፍሑ

ኣብ ውሉደ ክህነትን ገዳማውያን ናይ ስልጣን ምፍሕፋሕ ከይሁሉ፡ ጽምኢ ስልጣን ልቢ የንቅጽ … ካብ ዘጋጥሙ ፈተናታት ንምልቓቕ እታ ጸዋዕታ ኣብ ልብና ዝሰማዕናላ ቀዳመይቲ መዓልቲ ተዘክሮ ምግባር

ኣብ ሰሜን መቀዶኒያ ርእሰ ከተማ ስኮፕየ ቅዱስ ኣቦና ምስ ኣባላት ውሉደ ክህነትን ስድራ በቶምን ገዳማውያንን ደናግልን ተራኺቦም፡ ቤተ ክርስቲያን ብኽልተ ሳንቡእ ተተንፍስ፡ እቲ ሓደ ናይ ምስራቕ ስርዓት እቲ ካልኣይ ከኣ ናይ ላቲን ስርዓት፡ ካህናት ጽምኢ ስልጣንን ርእሰ ትሕቱነትን ከይስምዖምን በንጻሩ ቅዶት ምሕረት እግዚኣብሔር ዘስፍሑ ከይኖን ንኽርከቡ የተሓሳስቡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ሰሜን መቀዶኒያ ናይ ምስራቕ ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ካህናትን ስድራ ቤቶምን ደቃቶምን ከምኡ እውን ገዳማውያን ናይ ዝተፈላለያ መንፈሳዊ ማሕበራት ካህናትን ደናግል ኣብ ካቴድራል ቅዱስ ልበ ዘኢየሱስ ካብ ኣባላት ውሉደ ክህነትን ደናግልን ዘቕርብዎ ቃል ምስክርነት ኣስዒቦም፡ ናይቶም ካህናት ዋሕዲ ንሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ዓቢይ ጸገም እውን እንተዀነ ሓደራ ዋሕዲ ንርእሰ ትሑትነት ከይድርኽ፡ ምስ ህልዉ ኩነታት ምግጣምን ካብ ገዛእ ርእሳዊ ምእኩልነት ፈተና ምጥንቃቕ የድልይ፡ ዋሕዲ ንድምጺ እግዚኣብሔር ንዘይምስማዕ ኩነት ከይድርኸና ሓደራ።

ናይ ኤኮኖሚ ጸገም ዘለዎም ኣባይቲ ስድራ፡ ብዙሓት ብዝተፈላለየ ምኽንያት ናብ በይናውነት ሕይወት ዝተዳርጉን፡ ዝሳቐዩን፡ ከም ቤተ ክርስቲያን ናይ እግዚኣብሔር ምሕረት ዝልምኑ ድኻታት ምዃንና ክንርስዕ የብልናን፡ ምጽብጻብ የግዲ ግና ካብ ተሓባባሪ ምዃንን ንቕድሚት ካብ ምባል ከትረፈና የብሉን፡ … ምጽብጻብና ኢየሱስ ጐይታ ነዓ ናባና ንምባል ዝድርኽ ይኹን።

ሰራሕ ታርኽ ሕይወቱ ምእንቲ ፍቕሪ ዘሕልፍ እዩ

ቅዱስ ኣቦና ደጊሞም ተክለ ሰብነት እናቴ ቅድስቲ ተረዛ የዘኻኽሩ፡

ቡጽዓን እያቶም ናይ ዝብልን ዝነብርን ሕይወት ቅዶት ዝነበረት፡ በቲ ለዋህን ሓላይን ጠመተኣ፡ እተቕርቦ ምጽንናዕን ብዝመስከረቶ ተስፋ ክንደይ ዘተንሰኤት፡ ነቶም ሕሩጋትን ዝተረስዑን ኣብ ሕሱም ድኽነት ዝርከቡ እግዚኣብሔር ኣይረሰዓኩምን ዝብል እምነት ዝመስከረት፡ … ሰራሕ ታሪኽ ሕይወቱ ምእንቲ ፍቕሪ ዘሕልፍ እዩ! እቲ ኵሉ ነቶም ትሑታትን እትገብርዎ ንኣይ ከምዝገበርክምዎ እዩ፡ እዚ እዩ ሕይወት።

እታ ንመጀመሪያ ግዜ ጸዋዕታ ዝሰማዕናላ ዕለት ተዘክሮ ምግባር

ኣብ ውሉደ ክህነትን ገዳማውያን ናይ ስልጣን ምፍሕፋሕ ከይሁሉ፡ ጽምኢ ስልጣን ልቢ የንቅጽ … ካብ ዘጋጥሙ ፈተናታት ንምልቓቕ እታ ጸዋዕታ ኣብ ልብና ዝሰማዕናላ ቀዳመይቲ መዓልቲ ተዘክሮ ምግባር እዩ። … ተዘክሮ ምግባር ካብ ብዙሕ ነገራት የድሕን …

ብዙሕ እዋን እነካይዶ ኣኼባን ርክባትናን ምጽባጻባትናን ምሕንጻጽ መደባትናን ኣልቦ ውዕዉዕ ስምዔት ኰይኑ ስለ ዝርከብ፡ ንገዛእ ርእስና ዘየእምን ይኸውን፡ ሕስብ እሞ ነብል ነኣና ዘየእመነ ክነሱ ከመይ ገይሩ እዩ ንኻልእ ከእምን ዝኽእል፡ እናቴ ተረዛ “እቲ ዘየድለይኒ ኵሉ ጾር እዩ” ዝኸብደኒ ኵሉ እቲ ዘየድልየኒ እዩ፡ ካብ ተልእዀ ወንጌል ዝዕንቅጸና ከበድን ናይ ምሕረት ቅዶት ኰይንና ምስ ኣሕዋት ከይንራኸብ ዝዕንቅጸና ከበድ እቲ ዘየድልየና እዩ፡ ብዘየድሊ ነገራት ዝተመላእናን ከበዱ ዘለና ኣይንዅን!

ሓልዮትን ትዕግስትን ቦቕባቕነትን

ቅዱስ ኣቦና ናይ ቢዛንታዊ ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ሰበኻ ካህን ኣባ ጆቸንን በዓልቲ ቤቶም ጋርኤላን ሰለስተ ደቃቶም ዝሃብዎ ምስክርነት ጠቒሶም፡ ኣስፍሆተ ወንጌልን ሓዳርን ኣጣሚሮም ኣብ ምንባር ዘርእይዎ ሓልዮትን ትዕግስትን ቡቕባቔን ኣመስጊኖም፡

እምነት ካብ ዓለም ዘርሕቐና ዘይኰነስ ኣብ ዕምቆት ዓለም ንኸነብል እዩ ዝድርኸና፡ ሓልዮት ትዕግስትን ቡቕባቔን ምንባር! ሓደራኹም ካህናትን ገዳማውያንን ርሕራሔ እምበር ቁጣዔ፡ ዝተባርከ ማይ እምበር ዕረ ኣይትዅኑ፡ ናይ ወንጌል ጥዑም መኣዛ ኩኑ፡ ናይ ስልጣን ምፍሕፋሕ ኣይሃልኹም፡ መጋበርያ የድልየና እዩ፡ ይኹን ደኣ እምበር ሕመረት ኣይንግበሮ፡  ናይቲ ከገልግለካ ዝግብኦ ቁሳዊ መጋበርያ ኣገልጋሊ ዘይምዃን!

ኵምሲ ናዝራዊት ስድራ ቤት

ቅዱስ ኣቦና ዝለገስዎ ቃል፥ ኣባይቲ ስድራ ኵምሲ ናዝራዊት ስድራ ቤት ክስዕቡን፡ ዕለታዊ ሕይወት ብጭቡጥነት ምንባር፡ ክበድ ዕለታዊ ሕይወትን ኣሳዶ ሄሮዱስን የጋጥም፡ ብዙሓት ኣባይቲ ስድራን ኣሕዋትናን ኣሓትናን ብዝተፈላለዩ ሄሮዶሳውያን ምኽንያት ንስደትን ምዝብልናን ይዳረጉ ኣለዉ፡ ስድራ ቤት ብዕለታዊ ላዕልን ታሕትን ሕይወት ተመክሮ ጽንዓት ኣብ እምነት ዝነብር ብምዃኑ ናብቲ መብልዒ ማል ቤተ ኢየሱስ ይልወጥ ቢሎም ኣጠቓሊሎም ካብኡ ቅድሚ ምስንባቶም ናይ ሕንጸት ቅዱስ ስፍራ ቅዱስ ጳውሎስ መሰረተ ኣምን ባሪዀም።

ር.ሊ.ጳ. ንሰሜን መቀዶኒያ ውሉደ ክህነትን ገዳማውያንን፥ ቅዶት ምሕረት እግዚኣብሔር ኣስፍሑ
08 May 2019, 16:16