ድለ

ር.ሊ.ጳ.፥ መርመራ ቅድመ ምውላድ ነመክንዮ ምንጻል ጽንሲ ኣይኰነን፡ ሕይወት ዘይግሃስ ክብሪ እዩ

ሓኻይም ኣብ ሙያኦም ተራኻብነት ዝነብሩን ናይ ሰብኣዊ ክብሪ ዘኽብር መልሲ ድዩ መፍትሒ ዘቕርቡ ክዀኑ

ናይ ዓለማውያን ምእመናንን ስድራ ቤትን ሕይወትን ዝሓልይ ጳጳሳዊ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት፥ ሕራይ ንሕይወት፥ ነቲ ክቡር ህያብ ዝዀነ ሕይወት ኣብ ኵነት ተኣፋፍነት ዝግበረሉ ክንክን ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዘዳለዎ ዓውደ መጽናዕቲ ተጋባእያን ኣብ ቀለመንጦስ ናይ ጉኣብኤ ኣዳራሽ  ሎሚ ዕለት 25 ግንቦት2019 ዓ.ም. ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ሰዓት 11.30 ተቐቢሎም ቃለ ምዕዳን ለጊሶም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ ዓውደ መጽናዕቲ ብናይ ዓለማውያን ምእመናንን ስድራ ቤትን ሕይወትን ሓልዮ ጳጳሳዊ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈትን ልቢ በል እተሰምየ ኣብ ምውላዶም ክቱር ስንኵፋን ኰይኖም ንዝውለዱ ምስቲ ዓለም ሕይወት ወይ ምንባር ቢሉ ዝገልጾ ሓሳብ ነጻጊ ባህሊ ዘይቃደዉ ንዝብሎም ሕጻናት ዝናብይ ረድኤታዊ ተቕዋም ብሓባር ዘዳለውዎ ክኸውን እንከሎ፡

ነፍሲ ወከፍ ሕጻን ጸጋ እይ

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዝለገስዎ ቃል፥

ምስ ሕይወት ዘይቃደው ኰይኑ ዝውለድ ሕይወት የሎን፡ ስለዚህ ነፍሲ ወከፍ ዝውለድ ሕጻን ታሪኽ ስድራ ቤት ዝልውጥ ጸጋ እዩ .. ምሉእ ብምሉእ ክእንገድን ክፍቐርን ክሕብሐብን (ክንክን ክግበረሉ) ይሓትት፡ እቲ ዝሓቶ ምቕራብ ናይ ኵሉ ሓላፍነት እዩ …

ቅድመ ውልደት ዝግበር መርመራ

ቅዱስነቶም ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ እቲ ብዛዕባ ዕደ ጥበባዊ ተበጽሖታትን ብስነ ኣሃዝ ዝተራቀ ዕደ-ጥበባዊ ምዕባሌታትን ጠቒሶም፡ እዚ ምዕባለ እዚ ኣብ ስነ ምርምር ሕክምና ብዙሕ ዓወት ኣዕቲሩ እውን እተዀነ፡ ቅድመ ውልደት ዝግበር ሕክምናዊ መርመራ ኣብቲ ዝተጸንሰ ሕይወት ክህልው ዝኽእልን ዝብሎን ዝገልጾን ወይ ዘሎ ዓይነት ሕማም ድዩ ስንክልና ኣብ ልዕሊ ዝጸነሰቶ ኣደን ስድራ ቤትን ኣውን ብዙሕ ናይ ተመክሮ ምቅይያራት ከስዕብ ዝኽእል እዩ፡ ፍትሕ ድዩ ምንጻል ዝብል ምርጫ እውን ክህልው ኣብታ ስድራ ቤት ጥልቂ ቅዛነት ዘስዕቡ ዘፈላለዩ ጸገማት ዘተኣታትው ይኽውን፡ ናይ ነፍሲ ወከፍ ሕማም ፍልቀት ብዙሕ ግዜ በዓል ቤታውነት ለበስ ብምዃኑ፡ ሓኻይም እውን ናይቲ ሕማም ፍልቀት ኣብ ዝምልከት ዝፈልጥዎ ብዙሕ ነገር እውን የሎን፡ እዚ ዓይነት ሕክምና እዚ ጽንሲ ንምንጻል ኣመክንዮ ክኸውን ዘይከኣል ምዃኑ የብርሁ።

ሕሙማን ሕጻናት 

እቶም ዝተጸንሱ ቅድሚ ምውላድ ክህልዎም ዝኽእል ድዩ ወይ ውን ዘለዎም ሕማምን ስንክልንን ዝንገረሎም ገና ዘይተወልዱ ሕጻናት ኣብ ማሕጸን ኣዴኦም ዘለዉ ህሙማን እንክብሉ ገሊጾም፡ ናይ ስነ መድሓኒት ምርምርን ናይ ስነ መጥባሕቲ ሕክምናን ካልእ ናይ ስነ ሕክምና ምርምር እውን ኣብ መንጐ ናይ ሕክምና መርመራን ፈውሱን ዝነበረ ዓቢይ ጋግ ክቀራረብ ገይሩ እዩ፡ ዳርጋ ንብዙሕ ዓይነት ሕማም ክበሃል ይከኣል ፈሊኻ ንምፍላጥ ኰነ ዘሕውዮ ፈውሲ ኣብ ምርካብ ምቅርራብ ክህሉ ይገብር ኣሎ፡ ቅድሚ እዚ ተበጽሖ እዚ ግና ኣብ ሕማማትን ፈውሱን ዝነበረ ጋግ ጥልቂ ብምዃኑ ባህርያዊ ጽንሲ ምንጻል ክህሉ ይድርኽን ወይ ከኣ እቲ ሕጻን ስንኩል ወይ ካልእ ሕማም ዘለዎ ኰይኑ ምስ ዝውለድ ምጥንጣን የስዕብ እውን ነይሩ እዩ፡

ቅዱስነቶም ነዚ ሓሳብ’ዚ ብሰፊሕ ምስ ተንተኑ፡

ናይ ስነ ሕክምና ተልእኾ (ዕላማ)

ኣብ ዘስምዕዎ ቃል ናይ ሓኻይምን ስነ ሕክምና ተልእዀን ዕላማን ክገልጹ እንከለዉ፡ ሓኻይም ኣብ ሙያኦም ተራኻብነት ዝነብሩን ናይ ሰብኣዊ ክብሪ ዘኽብር መልሲ ድዩ መፍትሒ ዘቕርቡ ክዀኑ ዝብል እዩ፡ ብፍላይ ንሕጻናት ኣብ ዝምልከት ጉዳይ፡ ስለምንታይ እቲ ሕጻን ገና ኣብ ምውላዱ ክዓርፍ ስለ ዝኽእል፡ ስለዚህ ተራኽቦነት ምስ ሕይወት ዓቢይ ክብሪ ናይ ሕይወት ክብሪ ዝሓቶ እዩ፡ ንሕጻናት ምክንኻንን ወይ ገና ኣብ ምውላድ እቲ ዝውለድ ሕጻን ብሞት ንዝፍለያ ስድራ ቤት ቀረባ ምዃንን እቲ ዘጓነፎም ሓዘን ከይውሕጦም ናብ ሕይወት ምንጻግ ከየብሎም ምድጋፍ የድሊ፡ እቲ ሕጻን ብሞት ይፈለ ደኣ እምበር ኣብ ሕይወት ዘሎ ሕይወት ካብ ምዃን ዝዓግቶ ሓደ’ኳ የሎን።

ጽንሲ ምንጻል መልሲ ኣይኰነን

ቅዱስ ኣቦና ምንጻል ጽንሲ ፈጺሙ መልሲ ክኸውን ከምዘክእል ገሊጾም፡ ጽንሲ ምንጻል ዝብል ቃልን ተግባርን ንገዛ እርሱ ህልዎት መልሲ ዝነጽግ እዩ፡ ሕይወት ክቡርን ዝተቐደሰን እዩ፡ ቅድመ ውልደት ስነ ሕክምና ንሕርየት ውልደት ዘገልግል ክኸውን የብሉን፡ ካብ ሕርያ ምምራጽ ዝብል ዝዓበየ ኢሰብኣዊ ተግባር የሎም፡ ኣባይቲ ስድራ ነቲ ተኣፋፊ ውላዶም ምእንጋድን ምሕቛፍን ምፍቃርን ክነፍጉ ይድርኽ ምስ በሉ ነቶም ክቱር ተኣፋፍያን ደቃቆቶም ከም ፍቓድካ ቢሎም ዝቕበሉ ኣባይቲ ስድራን ኣዴታትን ኣቦታትን ኣመስጊኖም እቶም ነቶም ክቱር ተኣፋፍያን ደቃቶም ዘእንገዱ ዝሓቖፉን ዘፍቀሩን ሎሚ ንኻልኦት ስድራ ኣባይት ይድግፉን የበራትዑን ኣለዉ፡ እዚ ምስክርነት ፍቕሪ እዚ ንመላእ ዓለም ዓቢይ ጸጋ እዩ እንክብሉ ዝለገስዎ ቃለ ዛዚሞም። 

ር.ሊ.ጳ.፥ መርመራ ቅድመ ምውላድ ነመክንዮ ምንጻል ጽንሲ ኣይኰነን፡ ሕይወት ዘይግሃስ ክብሪ እዩ
25 May 2019, 17:52