ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ምብኻን ክቱር ጭካነ ዝተመልኦ ሰብ ከም ውዳቕ ናይ ዝሓስብ ጓሓፋይ ባህሊ መግለጺ እዩ

ስእነት መግብን ምብኻንን ተተሓሒዞም እዮም ዝኸዱ፡ ኣብ ገለ ገለ ክፍሊ ዓለምን ሃገራትን ምብኻን ስለ ዘሎ ጥምየት ኣሎ፡ ስለምንታይ ምብኻን ናይ ዘይተገዳስነት ዝንባለ መግለጺ ስለ ዝዀነ

ሎሚ ዕለት 18 ግንቦት 2019 ዓ.ም. ንጐሆ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ራንቸስኮ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ናይ ብፁዓን ካርዲናላት ናይ ጉባኤ ኣድራሽ ካብ ዝቐውም መበል 30 ዓመቱ ንዘብዕል ዘሎ ናይ ኤውሮጳ ፈደራላዊ ኣባይቲ ባንኪ መግቢ ማሕበር ኣባላት ተቐቢሎም፥ ብስእነት መግቢ ንዝሳቐይ ናይ ሰብኣዊ ረድኤት ምቕራብ ኣገዳሲ እዩ፡ ይኹን ደኣ እምበር ብመግቢ ንርእሰ ብቕዓትን ብነብሱ ዝሓድር ክኸውን ብዝድግፎ መደብ ዝተሰነየ ክኸውን ከምዘለዎ ዘተሓሳብ ቃለ ምዕዳን ለጊሶም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ነቶም ናይ ኣባይቲ ባንኪ መግቢ ፈደራላዊ ማሕበር ኤውሮጳ ኣባላት ስለ እቲ ዝፍጽምዎ ግብረ ሰናይ ኣመስጊኖም፡ ንዅሎም ወለንተይናታት ኣባላቱ፡ ምስጋና ይግብእ፡ ይኹን ደኣ እምበር ማንም ሰብኣዊ ፍጡር ብመግቢ ስእነት ክሳቐ የብሉን፡ ኵሉ ርኹብ ዕለታዊ እንጌራ ክኸውን ሰብኣዊ ክብሩ እዩ፡ ነዚ ብምስትውዓል ድማ እቶም ኣባላት ወለንተይናታት ናይ ኤውሮጳ ናይ መግቢ ኣባይቲ ባንኪ ፈደራላዊ ማሕበር ናይ ኤውሮጳ ኣብ ምትሕብባርን ምድግጋፍን ዝብል ዕሴት ዝቖመ ባህላ ዝምስር እዩ ከምዝበሉ ናይ ቫቲካን ነውስ ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ልእኽቲ ጋዜጠይና ኤማኑኤላ ካምፓኒለ ሓቢረን።

ግብረ ሰናይ በጋጣሚ ዘይኰነ ብትኽክል ብምልኣት ክፍጸም እዩ ዘለዎ፡ ስለዚህ ቀልብን ንቕሓትን ውጥናውነትን ቀጻልነትን ዝሓትት እዩ፡ ናይ ሓባር ራእይ ዘለዎ ማለት እዩ፡ ሰለዚህ ኣብ ንሓድ ሕድ ሰናይ ምድልላይ ናይ ሓባር ጥቅሚ ምድላይ ዝብል ጻዕሪ እንተድኣ ዘየለ ናይ ካልእ ጥቕምን ረብሓን ክኸውን ዝግበር ጻዕሩ ባዶ እዩ፡ … ምትሕብባር ናይ ኤውሮጳ መሰረተ ባህላ እዩ፡ ናይ ገዛእ ርእስኻ ረብሓ ንኽተረጋግጽ ዝንበር ዘይኰነስ ናይ ካልእ ሰብኣዊ ክብሪ ክኽበር ዝድርኽ እዩ፡ ሓባራዊ ምዕባለ ድዩ ምምሕያሽ ሕይወት ዘይድግፍ ውልቃዊ ዕብየት ጠሩሹ ምሉእነት ክህልዎ ዘይሕሰብ እዩ፡ እቲ ዝባኽን ዘበለ ኵሉ ብሓደ ኣክብዎ እሞ ንሰናይ ረብሓ ኣውዕልዎ፡ ከምቶም ኣእዋም ዝተበከለ ኣየር ተጠቂሞም ንኣና ዘድልይና ኦክስጅን ዝልግሱልና።

ምብኻን እቲ ንኻልእ ከም ጓሓፍን ንጹግን ናይ ዝሓስብ ጨካን ፍጻሜ እዩ

ስእነት መግብን ምብኻንን ተተሓሒዞም እዮም ዝኸዱ፡ ኣብ ገለ ገለ ክፍሊ ዓለምን ሃገራትን ምብኻን ስለ ዘሎ ጥምየት ኣሎ፡ ስለምንታይ ምብኻን ናይ ዘይተገዳስነት ዝንባለ መግለጺ ስለ ዝዀነ፥

ምስ ጸገቡ ድማ ንደቀ መዛሙርቱ ሓንቲ እኳ ከይትጠፍእ ነቲ ዝተረፈ ቝርስራስ ኣክብዎ በሎም (ዮሓ. 6,12 ረኣ) እዚ ንጸረ ምብኻን ተግባር መሰረት እዩ፡ ኢየሱስ ምስ መገቦም እቲ ዝተርፍ ከይባኽን ይእዝዞም፡ እቲ ዝተረፈ ምእካብ መታን ንኸይባኽን፡ እዚ ናይ ኤኮኖሚ መሰረታዊ መትከል ክኸውን ኣለዉ፡ መግቢ ዘባኽን ፍጥረት ሰብ ዘባኽን ከም ውዳቕ ዝሓስብ እዩ። ኤኮኖሚ ንሰናይ ምሕደራ ናይ ሓባር ቤትና እዩ፡ ካብዚ ወጻኢ ምዝመዛን ምብኻንን እዩ ዝኸውን፡ … ብዙሓት ከም ቁጽሪ ኣብ ዝሕሰብሉ እዋን ከመይ ገርና ኢና ጽቡቕ ንኽንነብር እንሓስብ?

ኣብ ቅድሚ እቲ ሰብ ከገልግልን ጊልያ ዝገብር ኤኮኖሚ እንታይ ይገበር?

ናይ ሓባር ጭቡጥ ጉዕዞን ምትሕብባርን ንናይ ሓባር ረብሓን ኣገዳሲ እዩ፡

ብሓባር ድልይ ናይ ሓባር ጥቕሚ ጽሕፍቶና እዩ፡ ብሓልዮት እግዚኣብሔርን ብሰናይ ፍቓድን ነቲ ኣብ ዓለም ዝረአይ ዘሎ ኣሉታዊ ዘበለ ኵሉ ምልዋጥ ዝከኣል እዩ፡ ስለዚህ ነቲ ዘሎ ህልው ኩነት ናብ ሰናይ ክልውጥን ንዘድሊዮ ምድጋፍን የድሊ፡ ኣብ ማሕበራዊ ማዕርነትን ሰብኣዊ ክብርን ክብሪ ኣባይቲ ስድራን ንናይ መንእሰያት መጻእን ክብሪ ምህዳርን ኣብ ዝብል መትከል ዝቖመ መደብ ምዓባለ ጥራሕ እዩ ናብ ምሉእ ምዕባለ ዘሰንይ። ዓዋዲ ኤኮኖሚ ወሳኒ እዩ፡ ምብኻን ኣብ ዓለም ኣብ መንጐ ድኻን ሃብታምን ዘሎ ፍልልይ መግለጺ እዩ፡ ስለዚህ ኩሉ ሰናይ መታን ክነብር ምብኻን ምውጋድ ቀዳማይ ምርጫ እዩ፡

መንእሰይ ወለዶ

ቅዱስ ኣቦና እቲ ኣብ 2018 ዓ.ም. ኣብ ዝመሓላለፍዎ መልእኽቲ፡ ንመንእሰይ ወለዶ ሰናይ ኣብነትን ናይ ተስፋን ኣመኔታን መምሃራን ኵኑ ቢሎም ዘመሓላለፍዎ ጻውዒት ዘኪሮም፡ ኣብ ዝፍጸም ግብረ ሰናይ መንእሰይ ወለዶ ተዋሳኢ ክኸውን ምዕዳንም ምትብባዕን፥

ናይ ዘለኵም ሻቕሎትን ተስፋን ተኻፋሊ ብምዃን ስለ እተካይድዎ ሰናይ ተግባር ዝስምዓኒ ሓጐስ እገልጸልኩም ንቕድሚት ክትስጉሙ በርትዑ እብል፡ ኣብዚ እተካይድዎ ግብረ ሰናይ መንእሰይ ወለዶ ጸንብሩን ማርኹን ንናይ ሓባር ጥቅሚ ምርግጋጽ ኣብ እተካይድዎ ጻዕሪ ክሓበሩ ግበሩ፡ ብዛዕባ ካልእቶ ምዝራብ ቀሊል እዩ እቲ ከቢድ ኰይኑ ዘሎ ንኻልእ ምሃብ እዩ፡ ዘለካ ምክፋል እዩ፡

እንክብሉ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ከምዝዛዘሙ ካምፓኒለ ሓቢረን።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ምብኻን ክቱር ጭካነ ዝተመልኦ ሰብ ከም ውዳቕ ናይ ዝሓስብ ጓሓፋይ ባህሊ መግለጺ እዩ
18 May 2019, 17:34