ቅዱስ ኣቦና ኣብ ቭራዝህደብና ንዝርከቡ ተመዛበልቲ በጺሖም

ቅዱስ ኣቦና ኣብ. መእለዪ ስደተይናታን ተመዛበልት ከይኑ ናብ ዘገልግል ዘሎ ነበር ቤት ትምህርቲ ምብጻሕ ከምዘካየዱ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራቸስኮ ኣብ ቡልጋያ ዘካይድዎ ዘለዎ መበል 29 ዓለም ለኻዊ ሓዋርያዊ መገሻኦም መደ መሰረት ሎሚ ዕለት 6 ግንቦት 2019 ዓ.ም. ኣብ ቡልጋያ ርእሰ ከተማ ሶፊያ ክፍለ ከተማ ቭራዝህደብና ኣብ ዝርከብ መእለዪ ተመዛበልትን ስደተይናታን ንገሆ ብናይ ሮማ ሰዓት ኣቆጻጽራ ልክዕ ሰዓት ሸውዓተን ርብዕን (ብናይ ቡልጋያ ሰዓት ሸሞንተ ርብዕን) ምብጻሕ ኣካይዶም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ርእሰ ከተማ ሶፎያ ደጋዊ ክፍለ ከተማ ቭራዝህደብና ኣብ ዝርካብ ካብ 2013 ዓ.ም. መእለዪ ስደተይናታን ተመዛበልት ከይኑ ናብ ዘገልግል ዘሎ ነበር ቤት ትምህርቲ ምብጻሕ ከምዘካየዱን ቅዱስነቶም ኣብቲ መእለዪ ስደተይናታት ምስ በጽሑ ኣብቲ ማእከል ንዘገልግሉ ወለንተይናታት ብዝወከሉ ድሕሪ ዝቐረበሎም ሓጺር ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩምን ሰላምታን መልእኽቲ ስደተይናታት ሕጻናት ናይ መዝሙር ምርኢት እቶም ሕጻናት ስእልልን ናይ ቅብኢ ስራሕን ገጸ በረከት ከምዘቕረቡሎም ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ግዚያዊ ሓላፊ ኣለሳንድሮ ጂሶቲ ገሊጾም።

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ቭራዝህደብና ንዝርከቡ ተመዛበልቲ በጺሖም
06 May 2019, 17:16