ቅዱስ ኣቦና ኣብ ራኮቭስክይ ምስ ማሕበር ሰብ ካቶሊካውያን ተራኺቦም

ንነፍሲ ወከፍና እግዚኣብሔር ኣቦና፡ ኢየሱስ ሓውና ቤተ ክርስቲያን ስድራ ቤትና ኣንሕና ኣሕዋት ምዃንና ዝገልጽ መንነት ኣሎና፡ ሕግና ፍቕሪ፡ መጸውዕ ስም ኣቦና ክርስቲያን ዝብል እዩ

ሎሚ ዕለት 6 ግንቦት 2019 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንጐሆ ኣብ ራኮቭስኪ ምስ ካቶሊካዊ ማሕበረሰብ ከምእተራኸቡን፡ ካብ መላእ ቡልጋርያ ንዝተዋጽኡ 245 ሕጻናት መጀመሪያ ቅዱስ ቁርባን ከምዝሰርዑን ንማሕበረሰብ ካቶሊክ መስዋዕተ ቅዳሴ ከምዘዕረጉን ልእኽቲ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ጃዳ ኣኵይሊኖ ሓቢረን፡ ቅዱስ ቍርባን ንኣናን ነቶም ክርስቲያን ንኽዀኑ ንዝደልዩ እውን መንነትና እዩ ቢሎም፡ ኣብ ኢየሱስ ሕቡራት ኵኑ ከምዝበሉ ኣፍሊጠን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ንነፍሲ ወከፍና እግዚኣብሔር ኣቦና፡ ኢየሱስ ሓውና ቤተ ክርስቲያን ስድራ ቤትና ኣንሕና ኣሕዋት ምዃንና ዝገልጽ መንነት ኣሎና፡ ሕግና ፍቕሪ፡ መጸውዕ ስም ኣቦና ክርስቲያን ዝብል እዩ፡ ነዚ ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 6 ግንቦት 2019 ዓ.ም. ንጐሆ ብናይ ሮማ ሰዓት ኣቆጻጽራ ልክዕ ሰዓት ዓሰርተን ርብዕን (ብናይ ቡልጋያ ሰዓት 11.15) መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጐም ኣብ ዝለገስዎ ስብከት ክኸውን እንከሎ፡ ቅዱስ ኣቦና ናብቲ መስዋዕተ ቅዳሴ ዘዕረግሉ ናብታ 365 ሺሕ ተቐማጦ ዘለዉዋ ካልአይቲ ዓባይ ከተማ ቡልጋያ ዝበጽሑ ብናይ ሃገረ ቡልጋርያ መንግስቲ ብዘቕረበሎም ነፋሪት ተጓዒዞም ክኸውን እንከሎ፡ ቅዱስነቶም ኣብ ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ልበ ዘኢየሱስ ኣብ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ፥ ነቶም ልዕሊ 10 ሺሕ ዝግመቱ ምእመናን፡

ናይ መጀመሪያ ቅዱስ ቁርባን ምቕባል ዕለት ብዕለት ምስ ኢየሱስ ክርስቶስ ኽትራኸብ ዘብቅዕን ምስኡ ዕርክነት ክህልወናን እቲ እንቕበሎ ሓጐስ ንኻልኦትን ኣባይቲ ስድራናን ንኸነካፍል ዘብቕዓና ሓይሊ ይጽግወና፡ ሎሚ ነቲ ብወይንን ሕብስትን ኣቢሉ ኣብ ማእከልና ህልው ዝኸውን ኢየሱስ ከነብዕል ብሓባር ኣብዚ ንርከብ፡

ኢየሱስ ሰብኣውነት ዘድሕን

ኢየሱስ መላእ ዘርኢ ሰብ ነኸድሕን ክግመት ዘይከኣል ኣብ መላእ ታሪኽ ተራእዩ ዘይፈልጥ ዓሚዩቕ ናይ ፍቕሪ ስራሕ ፈጸመ፡

ከምእንፈልጦ ንሰለስተ መዓልቲ ተቐብረ፡ እዚ ከኣ ሓዋርያትን ካልኦት ናይ ዓይኒ መሰኻኽር እምነት ዘረጋገጹልና ሓቂ እዩ፡ እግዚኣብሔ ኣቦ ካብ መቓብር ኣተንሰኦ፡ ሎሚ ንሱ ህያው እዩ ኣብ ማእከልና እውን ይርከብ፡ ኣብ ቅዱስ ቁርባን ንራኸቦ፡ ብዓይኒ እምነት እምበር ብዓይነ ስጋ ኣይኰናን እንርእዮ፡

እግዚኣብሔር ደቁ ዝገበረና

ክርስቶስ ተንሳኣ ኣሙታን ዝብል ናይ ክርስቲያን ናይ ደቀ መዛሙርቲ ናይ እምነት ሓሴት መግለጺ ዝዀነ ሰላምታ አቕርብ፡ ንሱ ስለ ፍቕሪ ሕይወቱ ክሳብ ኣብ መስቀል ኣሕሊፉ ብምሃብ ንሓጢኣት ኵሉ ኣወገደ፡ ተንሲኡ እዩ፡ ደቂ እግዚኣብሔር ንኽንከውን ኣብቀዓና፡ ፍሱሓት ኢና ስለምንታይ ንሱ ህያው እዩ ኣብ ማእከልና እውን ኣሎ

ኣብ እምነት ምዕባይ

ቅዱስ ኣቦና ነቶም ናይ መጀመሪያ ቅዱስ ቁርባን ዝቕበሉ ሕጻናት ዝለበስዎ ጻዕዳ ልብሲ እናሓሰቡ፡ ናይ መጀመሪያ ቅዱስ ቁርባን ቅድም ቀዳድም ናይ ኢየሱስ በዓል እዩ፡ ኢየሱስ ኢና እነብዕል፡ ኢየሱስ ክሳብ መወዳእታ ዓለም ካባና ከምዘይፍለ ዘረጋግጸልና ህላዌኡ እዩ፡

እዚ በዓል እዚ ዝከኣል ንዝገብሩ ወለድታናን ኣቦ ሓጐታትና ኣደ ሓጐታትናን ስድራ ቤትናን ማሕበረሰብናን ኣብ እምነት ንኽንዓብይ ስለ ዝገበሩና እዩ፡ ምስጋና ይዅኖም!

ሕውነታዊ ሱታፌ

እቶም ሕጻናት ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ልባቶም ንኽቕበሉ ዘሰናደውዎም ካህናትን መምሃራን ትምህርተ ክርስቶስን ዝዘከሩ ቅዱስነቶም፡ እዚ ዓቢይ ኢየሱስ ናይ ምቕባል በዓል ምስኦም ዝካፈልዎ እዩ፡ እዛ ዓባይ ዕለት እዚኣ ሓደራ ክትርሳዕ ከምዘይብላ ምዒዶም፡

         .. ኣብ መንጐዅም ምስ ቤተ ክርስቲያንን ማሕበረ ክርስቲያንን ሕውነታዊ ሱታፌ ዘሕድር እዩ!

ናይ መጀመሪያ ቅዱስ ቁርባን ናይ ምወዳእታ ግና ኣይኰነን

ናይ መጀመሪያ ቅዱስ ቁርባን ንኽንቅበል ዘሎና ሃረርታን ውዕዉዕ ስምዒት እምነት ሓደራ ከይነምክን፡ እቲ ኣብዛ ሰዓት እዚኣ እትነብርዎ ዘለዅም ሓሴት ዓቅቡ፥

ናይ መጀመሪያ ቅዱስ ቁርባን ናይ መወዳእታ ኣይኰነን፡ ኢየሱስ ኩሉ ጊዜ ከምዝጽበየኩም ክትቕበልዎ ከምዝደልይ ኣይትረስዑ፡ ሎሚ ናይ ብዙሕ ሱታፌ መበገሲ እዩ፡ ናይ ምሉእ ሓጐስን ሞሳን በዓል

እንክብሉ ዝለገስዎ ስብከት ከምዘጠቓለሉ ኣኵይሊኖ ገሊጸን።

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ራኮቭስክይ ምስ ማሕበር ሰብ ካቶሊካውያን ተራኺቦም
06 May 2019, 17:21