ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብ ቡልጋሩያ ድሕሪ 17 ዓመት ምብጻሕ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ

እዋኑ ሰብኣዊ ስድራ ቤት ስኒት ክነብርን እሞ ክዘርእን ዘጸግሞ ኰይኑ ከምዘሎ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ ቡልጋርያ ምብጻሕ ኣብ ዘካየድሉ እዋን ምስ ናይ ባህሊ ኣካላት ተራኺቦም ኣብ ዝለገስዎ ቃል ዘስመሩሉ ሓሳብ ክኸውን እንከሎ

ቡልጋርያ ንበጻሒኣ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንኸተእንግድ ብዓቢይ ሓጐስ ትጽበ፡ ቅዱስነቶም ዕለት 5 ግንቦት 2019 ዓ.ም. ንመበል 29 ሓዋርያዊ መገሻኦም ሶፊያ ክኣትዉ እዮም፡ ዝኽሪ መበል 17 ዓመት ምብጻሕ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ ቡልጋርያን ሰላም ኣብ ምድሪ ናይ ዮሓንስ መበል 23 ዓዋዲ መልእኽቲ ዘቃልሕን ሓዋርያዊ መገሻ።

ስምዖን ት. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ምዕራብን ምብራቕን ኤውሮጳ ናይ ካቶሊካውያንን ኦርቶዶክሳውያንን ምክልኻል ሰላምን ፍትሕን ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ናይ ሕይወት ባህልን ይጽበይ፡ ነዚ ዝበሉ ዕለት 24 ግንቦት 2002 ዓ.ም ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ ቡልጋርያ ርእሰ ከተማ ሶፊያ ምስ ናይ ቡልጋርያ ናይ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ሲኖዶስ ፓትሪያርክ ተራኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ ቃል ክኸውን እንከሎ፡ ልክዕ ድሕሪ 17 ዓመት ቀዳማይ ምብጻሕ ኣብ ቡልጋርያ ንኻልኣይ ግዜ ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ምብጻሕ ክትዕደል እያ፡ ናይዚ ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ መበል 29 ዓለም ለኻዊ ሓዋርያዊ መገሻ፡  ናይቶም ቀዳማይ ልኡከ ቅድስቲ መንበር ኰይኖም ዘገልገሉን ደሓር ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮ ኰይኖም ዝተሓርዩን ዮሓንስ መበል 23 ሰላም ኣብ ምድሪ ዘርእስቱ ዓዋዲ መልእኽቲ ዘቃልሕን ናይቲ ዓዋዲ መልእኽቲ ኣርእስቲ መርሕ ቃል ዝገበረን እዩ።

ሰላም ኣብ መንጐ ኣሕዛብ

እዋኑ ሰብኣዊ ስድራ ቤት ስኒት ክነብርን እሞ ክዘርእን ዘጸግሞ ኰይኑ ከምዘሎ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ ቡልጋርያ ምብጻሕ ኣብ ዘካየድሉ እዋን ምስ ናይ ባህሊ ኣካላት ተራኺቦም ኣብ ዝለገስዎ ቃል ዘስመሩሉ ሓሳብ ክኸውን እንከሎ፡ ኣብታ ናይ ፍልስፍናን ቲዮሎጊያን ስነ መፈሳውነትን ስነ ጥበብን ሃብቲ ዝተዓደለትን ደሓር እውን ናይ ስነ ምዕባለ እደ ጥበብ በዓል ቤት ንምዃን ዝበቐዕዔት ክፍለ ዓለም ኤውሮጳ ሎሚ እውን ምልካውያንን ምስሕሓብን ንብዓትን ጭካኔን ዝረኣየሉ ዞባታት ዘለዋ ከይና ምርኣይ ዘሕዝን እዩ፡ ቢሎም፡ ኣብ ቅድሚ እዚ ዅሉ ውጡር ኩነት ምግምማዕን ሸለልተይናነን ጽኑዕ ዓንዲ ዝዀነ ናይ ሓባር ናብራ ሚዛነ ግብረ ገብ ዓኒዩን መሰረታዊ መንነታዊ መለለይኡ ተደናጊርዎ ክረአይ እንከኦ ዘሕዝን እዩ፡ ነዚ ዝበሉ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ፡ ሕዝቢ ኤውሮጳ ነቲ ዓሚዩቕ ዝዀነ መንነቱ ከናድይ ዘቕረብዎ ጻውዒት ኣብቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 6 ግንቦት ኣብ ቡልጋርያ ዘካይድዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ኣብ ምዝዛም ምስ ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ላዕለዎት መፈሳውያን መራሕቲ ብሓባር ኣብ ዝነብርዎ ኣብ ሰላም ዘተኰረ ርክብ ዘዕግብ መልሲ ክረክብ እዩ።

ሓሴት ብቋራጺ መገዲ ኣይርክብን

ር.ሊ.ጳ. በርጐልዮ ኣብዚ ኣብ ናይ ቡልጋርያ ሓዋርያዊ መገሻኦም ኣብ ቅድሚ ኣኽሊል ቅዱሳት ኣሕዋት ቀርሎስን መጠዲዮስን ክልተ መስዋዕተ ቅዳሴ፡ እቲ ሓደ ኣብ ሶፊያ እቲ ካልኣይ ከኣ ኣብ ራኮቭስክይ ከዕርጉ እዮም፡ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ ፕሎቭዲቭ ኣብ 2002 ዓ.ም. ኣብ ዘካይድዎ ሓዋርያዊ መገሻ ምስ መንእሰያት ተራኺቦም፡ ምንእሰያት ነቲ ነባሪ ዘይኰነ ግን ዝማርክ ዝመስል በናንን መደናገርን ዓለም ዘቕርቦ ደሓር ኣብ ከቢድ ምድንጋር ኣረኪቡካ ኣብ ከቢድ ሓደጋ ሕይወት ዝሓድግ ግዚያዊ ሓሴት ኣይትእመኑ፡ በቋራጺ ዝርከብ ሓጐስ ኰነ ብርሃን የሎን፡ ቢሎም ቡልጋርያ እተእንግድ ናይ ምዕባለን ሰላምን መሬት ክትከውን ከምእተመነዩ ይዝከር።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ግዚያዊ ሓላፊ ኣለሳንድሮ ጂሶቲ ብዛዕባ እዚ መበል 29 ዓለም ሓቆፍ ሓዋርያዊ መገሻ ቅዱስ ኣቦና ኣማእኪሎም ብወገኖም ምስ ቫቲካን ኣገልግሎ ክፍሊ ዜና ኣብ ዘካየድዎቃለ መሕትት፡ እዚ ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብ ቡልጋርያ ምብጻሕ ድሕሪ ኣብ 2002 ዓ.ም. ናይ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ምብጻሕ ዝፍጸም ኰይኑ ቅዱነቶም ንቡልጋርያ ዝበጽሑ ካልኣይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ክዀኑ እዮም፡ እዚ ምብጻሕ’ዚ ኣብ ቡልጋርያን ሰሜን መቀዶኒያን  እዚ ኣብ ኣሰር ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማውን ቅዱስ ዮሓንስ መበል 23ን እናቴ ቅድስት ተረዛን ዝንበር ምዃኑ ጂሶቲ ሓብሪሆም፡ ንምእመናን ኣብ እምነት ዘጽንዕን ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ንሓድነት ዝግበር ናይ ሓባር ዘተን ከምኡ እውን ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ሰላማዊ ናይ ሓባር ርክብን ሰላምን ዕርቅን ዘነቓቕሕ ምዃኑ ይገልጹ።

ተክለ ሰብነት ዮሓንስ መበል 23ን እናቴ ተረዛን ኣጽኒዑ ዘቃልሕ በዞም ቅዱሳት ዝተገልጸ ሓልዮትን ፍቕርን እግዚኣብሔር ክስትውዓል ዝድግፍ ምብጻሕ እውን እዩ እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

ብተወሳኺ ኣብ ቡልጋርያ ንዝቕመጡ ናይ ቢዛንታዊ ስላቭ ስርዓት ዝኽተሉ ካቶሊካውያን ኣብ ብሪዩላ ሓዋርያዊ ኤዛርቃን ናይ ቡልጋርያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብፁዕ ኣቡነ ክሪስቶ ፕሮይኮቭ ምስ ቫቲካን ኣገልግሎ ክፍሊ ዜና ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ ኣብ ቡልጋርያ ካብ ጠቕላላ ብዝሒ ሕዝቢ ማሕበረሰብ ካቶሊክ ሓደ ሚእታዊ ዝሽፍን ምዃኑ ገሊጾም፡ ምብጻሕ ቅዱስ ኣቦና ክዕደሉ ዝጽልዩን ጸሎቶም ተሰሚዑ እውን እነሆ ቅዱስ ኣቦና ናባና ይነቕሉ ኣለዉ፡ ቡልጋርያ ድሕሪ ናይ ነዊሕ ዘመን ግዝኣት ስርዓት ዴስነት ናጻ ዝዀነትን እቲ ዝነበረ ስርዓት ሓዲግዎ ዝሓለፉ ጸገማት ኣብ ምስጋርን ምብዳህን እትርከብ ዘላ ሃገር እያ፡ ብዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ብፅዕና ዝተኣወጀሎም ሰማእታት ዘለዉዋ ሃገር እያ፡ መሬት ናይ እምነት ሰማእታት እያ፡ ይዅን ደኣ እምበር መንፈሳዊ ሕንጸት ብዙሕ ዝጐድላ ሃገር ክትከውን እቲ ዝሓለፈ ስርዓት ዴስነት ከምዝደረኻን፡ እዚ ክብል እንከለዅ ይብሉ፡ ኣብቲ ኣብ ዘመነ ስርዓት ዴስነት ዝነበሩ ሎሚ ወለዲ ዝዀኑ ክፍሊ ሕብረተሰብ ብምሕሳብ እዩ፡ እቲ ድሕሪ ምውዳቕ ስርዓት ዴስነት ዝተወለደ ክፍሊ ሕብረተሰብ ጽምኢ መንፈሳውነት ዘግሃደ ክኸውን እንከሎ፡ ንሶም ኣብ 1971 ዓ.ም. ድሕሪ 19 ዓመት ማዕርገ ክህነት ዝተቐበሉ ቀዳማይ ካህን ምዃኖ ዘኪሮም፡ ሎሚ ኩሉ ተቐይሩ መንእሰይ ኣብ እምነት ክሳተፍ ክትርእይ ብሓቂ ደስ ዘብል እዩ፡ ንቤተ ክርስቲያን ኣብ ቡልጋርያ ተስፋ እውን እዩ ኢሎም።

ቡልጋርያ ኣብ ውሽጢ 20 ዓመት ንኻልኣይ ግዜ ብተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ክትብጻሕ ብሓቂ ጸጋ እዩ ዝበሉ ብፁዕ ኣቡነ ፕሮይኮቭ ኣዚ ዕድል’ዚ ብዙሕ ግዜ ዘጋጥም ብዘምዃኑ ካቶሊካውያንን ሰብ ጽቡቕ ድላይ ቡልጋራውያን ቅዱስነቶም ንኽቕበሉን ከአግዱን ብዓይቢ ሃንቀውይታ ይጽበዩ ኣለዉ ኢሎም። እዚ ምብጻሕ ቅዱስ ኣቦና ምስ ቅዱስ ዮሓንስ መበል 23 ብዙሕ ዘመሳስሎን ዘራኽቦን ምልክታ ዘለዎ እዩ፡ ብዓቢዩ እቲ ዝሓረይዎ ናይዚ ሓዋርያዊ መገሻ መርሕ ቃል፥ ሰላም ኣብ ምድሪ ዝብል ንምጥቃስ ይከኣል እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብ ቡልጋሩያ ድሕሪ 17 ዓመት ምብጻሕ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ

Photogallery

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብ ቡልጋሩያ ድሕሪ 17 ዓመት ምብጻሕ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ
04 May 2019, 17:16