ድለ

ኣዋጅ ብፅዕና ማሪያ ጓዳሉፐ ኦርቲዝ ደ ላንዳዙሪ ኣዋጅ ብፅዕና ማሪያ ጓዳሉፐ ኦርቲዝ ደ ላንዳዙሪ 

ኣዋጅ ብፅዕና ማሪያ ጓዳሉፐ ኦርቲዝ ደ ላንዳዙሪ

ብቕድስና እግዚኣብሔር ገዛእ ርእስና ተቐዲስና ዕለታዊ ሕይወትና ንቐድስ ቅድስና ንመስክር

ቅዱስ ኣቦና ርሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ምስ ዝተኣከቡ በሸሓት ዝቑጸሩ ካብ ውሽጥን ወጻእን ምስ ዝበምጹ ነጋዲያን ምእመናን ጸሎተ ንግስተ ሰማያት መሪሖም ምስ ደገሙ፡ ዕለት 18 ግንቦት 2019 ዓ.ም. ኣብ ስፓይና ርእሰ ከተማ ማድሪድ ክላዊት ቤተ ክርስቲያን ብፅዕና ዝኣወጀትላ ዓለማዊት ምእመን ኣባል ማሕበር ዕዮ እግዚኣብሔር ማሪያ ጉዋዳሉፐ ኦርቲዝ ደ ላንዳዙሪ ዘኪሮም፡

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እግዚኣብሔር ነዛ ሓዳስ ብፅዕቲ ስለ ዝጸገወና ሓጐስና ብጣቕዒት ንግለጽ፡ እዛ ሓዳስ ብፅዕቲ ኣብ ማሕበራውን ኣብ መጽናዕታዊ ስነ ምርምር ተጸሚዳ ሕይወት ክርስትና ብቓልን ተግባን ዝመስከረት እያ፡ ብቕድስና እግዚኣብሔር ገዛእ ርእስና ተቐዲስና ዕለታዊ ሕይወትና ንቐድስ ቅድስና ንመስክር ምስ በሉ ኣስዒቦም፥ ኣብቲ ጸሎት ንግስተ ሰማያት ብማሕበርን ብውልቅን ንዝሓበሩ ሰላምታኦም ኣቕሪቦም ብናይ ሓይሊ ምክልኻል ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ሓልዮ ጳጳስ ተሰንዮን ንዝኽሪ መበል 75 ዓመት ውግእ ሞንተካዚኖ ንዝተረኽቡ ስካውት መእሰያት ስላምታኦም ንዅሎም ዝተባርከ ሰንበት ተመንዮን ሓዋርያዊ ቡራኬ ሂቦም ከምእተፋነዉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ዴቦራ ዶኒኒ ሓቢረን።    

20 May 2019, 11:46