ር.ሊ.ጳ. ኣብ ሰሜን መቀዶኒያ ኣብ ኣሰር እናቴ ተረዛ

እዚ ኣብታ ሃገር ዕለት 26 ነሓሰ 1910 ዓ.ም. ዝተወልደት ኣሰር እናቴ ቅድስቲ ተረዛ ዝብል ናይ ሓደ መዓልቲ ውዕሎ ሓዋርያዊ መገሻ ኣብ ሰሜን መቀዶኒያ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ቡልጋርያ ዘካየድዎ ሓዋርያዊ መገሻ ዛዚሞም ካብ ቡልጋርያ ብመራሔ መንግስቲ ቦሪሶቭ ወግዓዊ ምፍናይ ተገይሩሎም ናብ ሰሜን መቀዶኒያ ርእሰ ከተማ ስኮፕጀ ብሰላም ከምዝኣተዉን፡ እዚ ኣብታ ሃገር ዕለት 26 ነሓሰ 1910 ዓ.ም. ዝተወልደት ኣሰር እናቴ ቅድስቲ ተረዛ ዝብል ናይ ሓደ መዓልቲ ውዕሎ ሓዋርያዊ መገሻ ኣብ ሰሜን መቀዶኒያ ኣብ ዓለም ሓቆፍ መዓርፎ ነፈርቲ ብናይ ረፓብሊካዊት ሰሜን መቀዶኒያ ርእሰ ብሔር ግዮርገ ኢቫኖቭ ወግዓዊ ኣቀባላ ከምእተገበረሎም ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣመልኪቱ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ስኮፕጀ መዓርፎ ነፈርቲ ምስ ኣተዉ ብናይታ ሃገር ርእሰ ብሔር ኢቫኖቭን ኣብታ ሃገር ብዝርከቡ ውሁዳን ካቶሊካውያንን ሕዝብን ኣቀባብላ ተገይሮም ብርእሰ ብሔር ተሰንዮም ንሓጺር ርክብ ናብቲ ኣብቲ መዓርፎ ነፈርቲ ኣብ ዝርከብ መቐበሊ ዓበይቲ ኣጋይሽ ሓጺር ክሌኣዊ ርክብ ከምዘካየዱ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፡ ኣብ ደንበ ሕንጻ ቤተ መንግስቲ ብወተሃደራዊ ናይ ክብሪ ሰላምታን ብሔራዊ መዝሙር ሃገረ ቫቲካንን ሰሜን መቀዶኒያን ብዝቐረበሉ ወግዓዊ ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም ስነ ስርዓት ምስ ተፈጸመ ቅዱስነቶም ንኽብሪ ሃገረ ሰሜን መቀዶኒያን ሕዝብን መንግስትን ናብ ቤተ መንግስቲ ብምኻድ ምስ ርእሰ ብሔር ኢቫኖቭን ስድራ ቤቶምን ተራኺቦም ናይ ገጸ በረኸት ምልውዋጥ ስነ ስርዓት ምስ ተኻየደ ኣብ ናይ ርእሰ ብሔር ናይ ግሊ ቤት ጽሕፈት ሓጺር ክሌእዊ ርክብ ምስ ርእሰ ብሔር ኢቫኖቭ ከምዘካየዱ የመልክት።

ቀጺሎም እውን ምስ መራሔ መንግስቲ ዞራን ዛኤቭን ስድራ ቤቶምን ተራኺቦም ምስ ኣብቅዑ ብቐጥታ ናብቲ ምስ ናይታ ሃገር ናይ መንግስቲ ኣካላትን ኣብ ሰሜን መቀዶኒያ ምስ ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ልኡካነ መንግስታትን ናይ በርገሳውያን ማሕበራት ላዕለዎት ኣካላት ንኽራኸቡ ናብ ናይ መንግስቲ ናይ ጉባኤ ኣድራሽ ከምዝኸዱ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተን መግለጺ ሓቢሩ።

ር.ሊ.ጳ. ኣብ ሰሜን መቀዶኒያ ኣብ ኣሰር እናቴ ተረዛ
07 May 2019, 10:58