ር.ሊ.ጳ.፥ ንሓደስቲ ልኡካነ መንግስታት ሕውነት እተነቓቕሑ ኩኑ

እቲ ኣዚዩ ዘሕምም ምግምማዕን ጽልእን ዘንብሮ ተምክሮ እብ ውሽጡ ሰላም ወትሩ ተኸኣሊ ምዃኑ ዝሕብር ኣንፈት ኣሎ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሎሚ ዕለት 23 ግንቦት 2019 ዓ.ም. ኣብ ቀለመንጦስ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ፥ ካብ ታይላንድን ኖርወይን ነውዚላንድን ሰራ ሊዮንን ጊኒን ጊኒ ቢሳውን ሉሰምበርግን ሞዛምቢክን ኢትዮጵያን መንግስታት ኣብ ቅድስቲ መንበር ልኡካነ መንግስታት ኰይኖን ንኸገልግሉ ዝተላእኩ ዘቕረብዎ ናይ ሹመት ደምዳቤ ንጐሆ ሰዓት ዓሰርተ ተረኪቦም ኣብ ዘስምዕዎ ቃል፡ ነቶም ገዛእ ርእሶም ናይ ምክልኻል ብቕዓት ዓቕምን ነዘይብሎም ኣተኩሮ ኽገብሩን ኣብቲ ዓመጽን በጽዋር ውግእ ዝተሰነየ ግጭትን ኣብ ዝተፈለለየ ብርቱዕ ናይ ጽልእ መንፈስ ዝሰፍሓሉ ዘሎ ዓለም ሕውነት እተነቓቕሑ ኩኑ ዝብል ሓሳብ ዘማእከለ ዘረባ ከምዘስምዑ ልእኽቲ ጋዚርጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ጋብሪኤላ ቸራዞ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ነቶም ካብ ነፍሲ ወከፍ መንግስታቶም ንዝተላእኩ ልኡካን መንግስታት ኣብቲ ሓድሽ ዝተወሃቦም ሓላፍነት መጋበርያ ሕውነት ኰይኖም ክርከቡን ኣብ ጸሎቶም እውን ከምዘሰንይዎምን ምሉእ ናይ ቅድስቲ መንበር ምትሕብባር ከምዘይፍለዮም እውን ኣረጋጊጾም፡

ምዕሩይ ሓባራዊ ናብራ ፖለቲካዊ ስልቲ ጥራሕ ክኸውን የብሉን

ናይ ልኡከ መንግስታት ሓላፍነት ዓቢይ እዩ፡ ኣብ እንነብረሉ ዓለም እውን ኣዚዩ ኣገዳስነት ዘለዎን ነፍሲ ወከፍ ልኡከ መንግስቲ ናይ መንግስታቱ መግለጺ ሕውነታውነት እዩ፡ እዚ እቲ ዝዓበየ ክቡር ሓላፍነቱ ንሱ እዩ፥

ኣብ እዋናዊ ዓለም ክንገጥሞ ዝግብኣና ኣዚዩ ዓቢይ ዝዀነ ዝተሓላለኸን ዓለም ለኻዊ ብድሆ ኣሎ፡ ኣብ ከምዚ ዓይነት እዋናዊ ኩነት’ዚ ሰላማውን ምዕሩይን ናይ ሓባር ናብራ ንምርግጋጽ ሕውነት ዝብል ሓሳብ ምዝካር ኣገዳሲ ይኸውን፡ እቲ ዝድለይ ሰላማውን ምዕሩይን ናይ ሓባር ናብራ ፖለቲካዊ ስልቲ ጥራሕ ዘይኰነ፡ ሕድሕዳዊ ምክብባር ዘለዎ ሓባራዊ ሸቶ ንምርግጋጽ ኣብ ዝብል ረቛሒ ዝቖመ እዩ ክኸውን ዘለዎ፡ እዚ ዓይነት ሕውነት’ዚ ኣብቲ ኣብ መንጐ ሰባት ዘሎ ድላይ ምሕዝነትን ማሕበረሰብን ብሔራውን ዝግለጽ እዩ፡ ስለዚህ ሕውነት ሓንሳብ ንሓዋሩ ተረጋጊጹ ዝተርፍ ኣይኰነ፡ ብዝተፈላለየ ስግኣትን ዓመጽን ብናይ ውግኣ ኣጽዋር ብዝተሰየ ግርጭ ንሓደጋ ዝቃላዕ እዩ፡ ከምዚ ስለ ዝዀነ ኣብ ዕለታዊ ሕይወት ንሕንጸት ሕውነት ምታጋህ የድሊ፡

ከምዝበሉ ዝገለጻ ልእኽቲ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ቸራዞ ኣስዒበን፥

ሕውነት ካብ ጽልእ ኣዚዩ ዝሓየለ  እዩ

እቲ ኣዚዩ ዘሕምም ምግምማዕን ጽልእን ዘንብሮ ተምክሮ እብ ውሽጡ ሰላም ወትሩ ተኸኣሊ ምዃኑ ዝሕብር ኣንፈት ኣሎ፡ ከምዚ ምዃኑ ዝሕብር ጭቡጥ ምልክታ እውን ኣሎ፥

መፍትሒ ግጭትን ውጥረትን ዕርቅን፡ ሓድነት ካብ ምግምማዕ ኣዚዩ ዝበርትዔ ከምዝዀነን ሕውነት ካብ ጽልእ ንላዕሊ ኣዚዩ ብርቱዕ ምዃኑ ዝምስክር ጭቡጥ ምልክታ እዩ፡ ኣብ ዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብ መዳይ በጽዋር ውግእ ዝተሰነየ ግርጭት ንምብዳህ ናይ ሰላም ኪዶት ንምፍጣርን ብሕውነታዊ ዘተ እቲ ኣዚዩ ክቡር ዝዅነ ሰላም ንምዕታር ዝግበር ጻዕሪ ዝነኣድ እዩ፡

ቢሎም፡ እቲ ዕለት 4 ለካቲት 2019 ዓ.ም. ኣብ ኣቡ ዳቢ ምስ ናይ ምስሪ ኣል ኣዝሓር መንበረ ጥበብ ዓቢይ መምህር ብሓባር ሰብኣዊ ሕውነት ብዝብል ኣርእስቲ ከቲሞም ወግዓዊ ዝገበርዎ ናይ ሓባር ናይ ውሳኔ ሰነድ ጠቒሶም፥ ዘተ ምርድዳእን ናይ ምቅብባልን ምክእኣልን ባህሊ፥ ነቲ ነብላጺ ክፍሊ ማሕብረሰብ ዓለም ዘሳቕይ ዘሎ ኤኮኖሚያውን ማሕበራውን ፖለቲካውን ምህዳራውን ሽግራት ክትግምቶ ብዘይከኣል ደረጃ ክንክይ ዝገብር ምዃኑ ዘጠራጥር ኣይኰነን ቢሎም ዝስምዕዎ ቃል ከምዘጠቓለሉ ኣፍሊጠን።

ር.ሊ.ጳ.፥ ንሓደስቲ ልኡካነ መንግስታት ሕውነት እተነቓቕሑ ኩኑ
23 May 2019, 17:39