እንክንጽሊ ከም ሕጻናት ንኹን ሽዑ መንፈስ ቅዱስ ክመርሓና እዩ! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ነቲ ካብ ንውሕ ዝበለ ግዜ ዘስተምህርዎ ዘለው ብዛዕባ ኣቦና ኣብ ሰማያት እትነብር ንምዝዛም ሎሚ ሮቡዕ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ንዝተረኽቡ ምእመናንን ነጋድያንን ተዘዋዊሮም ሰላምታን ሓዋርያዊ ቡራኬን ምስ ዓደሉ እዚ ዚስዕብ ቃል ኣምላኽ ብቀንዲ ቋንቋታት ኤውሮጳ ምስ ተነበ ሰፊሕ ትምህርተ ክርስቶስ ብቋንቋ ጣልያን ኣቅሪቦም ብዝተፈላለየ ቋንቋታት ኤውሮጳ ከኣ ሰላምታን ጽማቚ ትምህርቶምን ኣቅሪቦም።

ቃል አምላኽ፥ - ‘ንስኻትኩምከስ ነቲ ብኣኡ ‘ኣባ’ ኣቦ ኢልኩም እትጽውዑሉ ናይ ደቂ እግዚአብሔር መንፈስ ኢኹም ተቀቢልኩም ዘሎኹም እምበር፡ ነቲ ናብ ፍርሓት ዝመልሰኩም ናይ ባርነት መንፈስ ኣይተቀበልኩምን። መንፈስ እግዚአብሔር ባዕሉ ምስ መንገስና ኰይኑ ደቂ እግዚአብሔር ምዃንና ይምስክረልና እዩ። ውሉድ እግዚኣአብሔር እንተደኣ ኰይንና ወረስቲ`ውን ኢና፣ ንእግዚአብሔር ወረስቱ ንክርስቶስ ከኣ መዋርስቱ ኢና’ (ሮሜ 8.15)

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ኣብ ዝተነበ ቃል ኣምላኽ ተመርኲሶም ብዘይ ሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ክንጽሊ ፈጺምካ ዘይከኣል ምዃኑ ምስ ገለጹ፡ ብመንፈስ ቅዱስ ተደጊፍካ ንምጽላይ ግን ከም ሕጻናት ንኣሽቱ ክንከውን የድሊ ከመይ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ከምዚ ዝበለ ኩነት ጥራይ እዩ ክሕግዘና ዝመጽእ እሞ ብመንፈስ ቅዱስ ክንምራሕ እንተደአ ንደሊ ኰይና ትሕት ክንብል የድሊ ኢሎም። ከምቲ ክንበብ ዝሰማዕናዮ ንእግዚአብሔር ‘ኣባ’ ኣቦ ኢልና ንክንጽውዕ ዝሕግዘና መንፈስ ቅዱስ ኰይኑ እዚ ከኣ ንእግዚኣአብሔር ኣቦ ኢልካ ንምጽዋዕ ትብዓት ከምዘድሊ ነዚ ትብዓት እዚ ብሓይሉ ዝህበና ከኣ መንፈስ ቅዱስ እዩ ኢሎም። እቲ ነዛ ጸሎት እዚኣ ዝመሃረና ኢየሱስ ደጋጊሙ ኣቦ ክብል ናብቲ ኣብ ሰማያት ዝነብር ኣቦኡን ኣቦናን ክጽሊ ይርከብ።

ጸሎታት ኢየሱስ ኩሉ ናብ ኣቡነ ዘበሰማያት ዘቅነዔ ነበረ!

ንእግዚአብሔር አብ ኣቦና ኢልና ክንጽውዕ ዝመሃረናን ናብኡ ዘቅረበናን ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። ሓዲስ ትምህርተ ክርስቶስ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ቚ.2766 ‘እንተኾነ Iየሱስ እዚ ዚህበና ዘሎ፤ ብዘይምርዳእ ብሃንሳሰ-ለባም ጥራሕ እንደጋግሞ ቀመር (ፎርሙላ) ኣይኮነን።  ኣብ ዝኾነ ድምጻዊ ጸሎት ከምዚግበር
መንፈስ ቅዱስ ንደቂ-እግዚኣብሔር ናብ’ዚ ኣቦኦም ምጽላይ ዚምህሮም፣ በቲ ቃል-ኣምላኽ ገቢሩ እዩ። Iየሱስ ዚህበና ድማ ነቲ ናይ ውሉዳዊ ጸሎትና ቃላት ብሕቱ ኣይኮነን። ምስኡ ማዕረ ማዕረ፤ ነዚ ቃላት’ዚ ኣባና ናብ “መንፈስን ሕይወትን” ዚልውጥ መንፈስ ቅዱስ ይህበና። ብዝበለጸ’ውን፣ ናይ’ዚ ውሉዳዊ ጸሎትና መረዳእታን፤ ኪኸውን ከምዚኽእል መረጋገጽን፤ እግዚኣብሔር-ኣቦ “ነቲ ኣቦ፣ ኣቦዋ ኢሉ ዚጽውዕ መንፈስ-ወዱ ኣብ ልባትና ምፍሳሱ” እዩ። ነቲ ባህግታትና ናብ ቅድሚ ኣምላኽ ዘቕርቦ፤ እዚ ጸሎትና’ዚ ስለዝኾነ፤ “እቲ ንልቢ ሰባት ዚምርምር” እግዚኣብሔር-ኣቦ “ሓሳብ መንፈስቅዱስ እንታይ ከምዝኾነ ይፈልጦ እዩ፥ ምኽንያቱ መንፈስ ቅዱስ ምእንት’ቶም ቅዱሳን ዚጽሊ (ዘማልድ) ጸሎት ክርስትና ከም ፍቓድ-ኣምላኽ ገቢሩ እዩ”።  እዚ ናብ እግዚኣብሔር-ኣቦና ዚቐርብ ጸሎት፤ ኣብ’ቲ ምሥጢራዊ ተልእኮት ወልድን መንፈስ ቅዱስ ዚስኳዕ እዩ።’ እንክብል ይገልጾ። ኣብ ወንጌል ጐይታና ኢየሱስ ኣብ ዝጽልየሉ ዝነበረ ፍጻሜታት ‘ኣቦ ኣቦየ’ እናበለ ትሕዝተ ኣቡነዘበሰማያት ይጥቀስ። እቲ ዝለዓለ ጥርዚ ጸሎት ኢየሱስ ኣብ ጌተሰማኒ እንክኸውን ‘ፍቃድካ ይኹን’ ብትብል ሓረግ ሕመረት ኣቡነ ዘበሰማያት ይገልጽ።

ኣብ ጌተሰማኒ ‘ፍቃድካ ይኹን’ ትብል ሓረግ!

ቅዱስ ማርቆስ ወንጌላዊ ከምዘዘንትዎ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ቀቅድሚ ምትሓዙ ኣብ ጌተሰማኒ ደም ክሳብ ዝርህጽ እንክጽሊ ነታ ጽዋዕ ካብኡ ከሕልፋ ይምሕጸን ኮይኑ ግን ፍቃድ ኣቦኡ ክፍጽም ‘ከምቲ ንስኻ እትደልዮ ፍቃድካ ደኣ ይኹን እምበር ናተይ ኣይኹን’ እንክብል ይዛዝሞ። ኣብዛ ጸሎት እዚኣ እታ ናይ ኣቦና ኣብ ሰማይ ‘ይኩን ፈቃድከ - ፍቃድካ ይኹን’ ንረክብ። ኣብ ዲቅ ዝበለ ጸልማት ናይ ፈተና ‘ኣባ’ ኣቦየ’ እናበለ ምሉእ ምትእምማን ውሉድ ብዝመልኦ መንፈስ ይልምን። ኮይኑ ግን ሽሕ`ኳ ዘንቀጥቅጥ ሕማማት እንተፍርሆን እንተኣሳቀዮን ፍቃድ ሰማያዊ ኣቦኡ ክኸውን ንኩሉ ይቅበሎ። እታ ቀጺላ እትቀርብ ናይ ኢየሱስ ትምህርቲ ባዕሉ እውን ኣብ ልዕሊ ዕጸ መስቀል ኮይኑ ብግብሪ ዘርኣየና ይቅረ ናይ ምባል ኣዩ።

ሰማያዊ ኣቦኹም ንበደላትኩም ይቅረ ክብለልኩም ንስኹም ንሰባት በደላቶም ይቅረ በሉሎም!

ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንሓዋርያቱ ጸሎት እንክምህሮምን ሓቀኛ መንገዲ እግዚአብሔር ክሕብሮምን እንከሎ ብዝተፈላለየ ምሳሌታት ገቢሩ ምሕረት ከዘውትሩ ከምዘለዎም እዚ ከኣ መንፈስ ጸሎት ከመይ ገሮም ከስርጹ ከምዝኽእሉ ንክምህሮም ነበረ።

“ቅድሚ ዝኣገረ ጸሎት ቀጻሊ ክኸውን ኣለዎ ልዕሊ ኩሉ ከኣ ዝኽሪ ብጾትና ክህልዎ ፍልይ ብዝበለ ከኣ ምስ ብጾትና ጸገም እንተሎና ንዝክር። ኢየሱስ ኣብ ወንጌሉ ‘ክትጽልዩ እንከሎኹም እሞ ገለ ቂመ በቀል እንተሎኩም ይቅረ በሉሉ ብከምዚ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦኹም በደላትኩም ይቅረ ክብለልኩም እዩ’ ይብል። እንተ ጸሎት ኣብ ነዕርገሉ ግዜ ኣብ ኩሉ ጸሎት ክርስትያን ቀላሲ መንፈስ ቅዱስ እዩ።”

መንፈስ ቅዱስ ቀላሲ ኩሉ ጸሎት ክርስትያን!

ቅዱስነቶም ብዛዕባ ኣቡነ ዘበሰማያት እንከስተምህሩ ቀላሲ ናይዛ ጸሎት መንፈስ ቅዱስ ምዃኑ ይገልጹ እሞ ነዚ ጥራይ ዘይኮነ ግን ናይ ነፍሲወከፍ ጸሎት ክርስትያን ቀላሲ መንፈስ ቅዱስ ምዃኑ ከምዚ ክብሉ ይገልጹ።

“ንሕና ብዘይካ ሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ክንጽሊ ፈጺምና ኣይንኽእልን። ኣብ ውሽጥና ኰይኑ ዝጽሊ ንሱ እዩ ጽቡቅ ንክንጽሊ ዘንቀሳቅሰና እውን ንሱ እዩ። ንመንፈስ ቅዱስ ጸሎት ክምህረና ንለምኖ ከመይ ንሱ ቀላሲ ናይ ኩሉ ኰይኑ ሓቀኛ ጸሎት ከምእነዕርግ ዝገብረና ንሱ እዩ። ንሱ ኣብቶን ኣርድእቲ ኢየሱስ ዝኾና ኣብ ልቢ ነፍሲወከፍና የስተንፍስ። መንፈስ ቅዱስ ከም ደቂ እግዚአብሔር ኰና ከምእንጽሊ ይገብረና! ከም ሓቁ ከኣ ብጥምቀት ደቂ እግዚአብሔር ኢና። መንፈስ ቅዱስ በቲ ኢየሱስ ዝተለመልና ትልሚ ተኸቲልና ከም እንጽሊ ይገብረና። ድሕሪ ጸሎተ ጌተሰማኒ ኣብ ልዕለ ዕጸ መስቀል ዝጸልያ መዝሙረ ዳዊት ‘ኤሎሄ ኤሎሄ ለማ ሰበቅታኒ ኣምላኸይ ኣምላኸይ ንምንታይ ሓደግካኒ` ትብል ጸሎት እያ።”

ኣብ ዕጸ መስቀል ኮይኑ ኣምላኸይ ኣምላኸይ ንምንታይ ሓደግካኒ! በለ

እዛ ካብ ኣቡነ ዘበሰማያት ብዙሕ ዝረሓቀት ትመስል ቅዱስ ዳዊት ብትንቢት ዝደረሳ ጸሎት ኢየሱስ ሓደ ካብተን ኣብ መንጎ ቅድስት ሥላሴ ዝግበር ጸሎት ወይ ዘተ ፍቅሪ እያ። ቅዱስ ዳዊት ኣብ መዝሙር 22 ‘ኣምላኸይ ኣምላኸይ ንምንታይ ሓደግካኒ` ቢሉ ይንበ። ንምዃኑ ሰማያዊ ኣቦ ንውሉዱ ኪሓድግዶ ይኽእል! ብርግጽ መልሱ ኣይፋል እዩ። ኮይኑ እቲ ኢየሱስ ኣባና ዝነበሮ ፍቅሪ ክሳብ ኣብዚ ደረጃ እዚ ኣውሪድዎ! ሓጢኣትና ክሳብ ብእግዚኣአብሔር ዝተሓድገ ኰይኑ ዝስመዓሉ ደረጃ ኣብጺሕዎ። ከመይ ናይ ኩልና ሓጢኣት ኣብ ዝባኑ ስለዝተሸከመ እዩ። ኣብታ ኣምላኸይ ትብል ኣብ ናተይ ትብል ሓረግ ተሓቢኣ ስለዘላ ሕመረት እምነትን ጸሎትን ይረኤ።

“ካብ’ዛ ሕመረት እምነትን ጸሎትን ብምንቃል እምበኣር ክርስትያን ኣብ ኩሉ ፍጻሜታት ክጽሊ ከምዝኽእል ንግንዘብ። ንኩሉ ጸሎታት ቅዱስ መጽሓፍ ፍልይ ብዝበለ ከኣ መዝሙራት ዳዊት ከም ናቱ ገሩ ክጽልዮ ይኽእል ኰይኑ ግን ኣብ ዘመናት ብዝተፈላለዩ ደቂ እግዚአብሔር ብዝተደርሱ ጸሎታት እውን ክጥቀም ይኽእል። ንእግዚኣአብሔር ኣቦና ብዛዕባ ገዛእ ርእስና ጥራይ ዘይኮነ ብዛዕባ ኣሕዋትናና ኣሓትናን እውን ንዋሳእ ኢና ከመይ ማንም ካብኦም ምናዳ ድኻታት ብዘይ ምጽንናዕን ክፍሊ ፍቅርን ክይተርፉ ንማለት ምእንታኦም ነማልድ።”

ነዚ ነገራት እዚ ንናእሽቱ ስለዝገለጽካ ኦ ኣቦ ኣመስግነካ ኣሎኹ!

ካልእ ጐይታና ኢየሱስ ኣብ ወንጌል ደጋጊሙ ዘዘኻኽርና ከም ሕጻናት ክንከውን ከመይ መንግሥተ ሰማያት ከም ሕጻናት እንተዘይኰና ክንኣትዋ ኣይንኽእልን። ከምኡ እውን እግዚኣአብሔር ንናኣሽቱን ሕጻናትን ብዙሕ ብምግላጹ ጐይታና ኢየሱስ ሓደ ካብቲ ጸሎታት ‘ኦ ኣቦ ነዚ ነገራት እዚ ካብቶም ፈላጣትን ዓበይትን ሠዊርካ ንናእሽቱ ስለዝገለጽካዮ አመስግነካ ኣሎኹ` እንክብል ዝጸለዮ ንሕና እውን ክንደግሞ ከምዘሎና ከምዚ ክብሉ ተማሕጺኖም።

“ኦ ጐይታ ሰማይን ምድርን ዝኾንካ ኣቦ ውዳሴ አቅርበልካ! ከመይ ነዚ ነገራት እዚ ካብ ጥበበኛታትን ምሁራትን ሠዊርካ ንናእሽቱ ስለዝገለጽካ! ንክንጽሊ ናኣሽቱ ክንከውን የድሊ ከመይ መንፈስ ቅዱስ ኣባና መጺኡ ኣብ ጸሎት ክመርሓና ዝኽእለሉ ኣገባብ በዚ መንገዲ እዚ ጥራይ እዩ እንክብሉ ትምህርቶም ዛዘሙ።”

ብድምጺ ንምክትታል!
22 May 2019, 17:05