ካብቲ ዝሓለፈ ጌጋታትና ዝጠናነጎ ሕልኽላኻት ንምውጻእ ድምጺ እግዚአብሔር ጽን ኢልካ ምስማዕ የድሊ! ር

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሰንበት ዕለት 12 ግንቦት 2019 ዓምፈ ጸሎተ ንግሥተ ሰማያት ቅድሚ ምዕራጎም ኣብ ዕለቱ መዓርገ ክህነት ንዝሃብዎም 19 ሓደስቲ ካህናት ብምዝካር ከምኡ እውን ዕለት ኣደታት ብምንባሩ ንኩለን ኣደታት ሓለውቲ ዕሴታትን ውርሻታትን ሥድራቤት ምዃነን ገሊጾም ‘ካብ ናይ ዝሓለፈ ሕይወትና ጌጋታትን ንኣይ ይጥዓመኒ ዝብሉ ዝንባሌታትን ሓራ ንምውጻእ ድምጺ እግዚአብሔር ምስማዕ ይሕግዘና እዩ’ እንክብሉ ኣስተምሂሮም።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ብግጽዊ ላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ 4ይ ሰንበት ዘትንሣኤ ዓለም ለኸ ዕለተ ጸዋዕታ ኮይና ምእንቲ ጸዋዕታ ክህነትን ውፉይ ሕይወትን ዝጽለየላ ዕለት እያ። ምስ’ዚ ብዝተታሓሓዘ ከኣ ኣብ ብዙሓት ክፍልታት ዓለምና ዕለት ኣደ ዝዝከር ብምዃኑ ከምዚ ክብሉ ነቶም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ተጋቢኦም ዝነበሩ ምእመናን ሮማን ካብ ኩሉ ክፍላተ ዓለማት ዝመጹ ነጋድያንን ቃሎም ሂቦም።

“ኣብ ብዙሓት ሃገራት ሎሚ በዓል ኣደ ይዝከር። ንኩለን ኣደታት ዝኸበረ ሰላምታይ እንከቅርበልን ልባዊ ምስጋና ከቅርበለን እፈቱ። እስኪ ኩልና ነጣቃዓለን ንኩለን ኣደታት! ስለእቲ ንደቀን ከዕብያን ክኲስኲሳን ዘወፍዮ ክቡር ተግባርን ሥድራቤት ዕሴታትቱን ክብርታትን ንኽዕቅብ ዘበርክታኦ ደገፈን ነጣቃዓለን። ነተን ብሕይወት ዘለዋ ጥራይ ዘይኮነ ነተን ኣብ ንየዋይ ዓለም ሓሊፈን ካብ ሰማይ ዝሕልዋናን ስለና ዝጽልያን ኣደታት እውን ንዘክር። ሓምናን ቀልብናን ኣብታ ኣደ ኩልና ዝኾነት ሰማያዊት ኣደና ጸባሕ ሰኑይ ዕለት 13 ግንቦት ኣብ ደብረ ፋጢማ በዓላ እንዝክር ድንግል ማርያም ዘደብረ ፋጢማ እውን ነንብር። ጉዕዞና ብታሕጓስን ብልግስን ንክንፍጽም ናብኣ ንማዕቈብ ኢሎም።”

ስለኢየሱስ ኢልካ ኩሉ ናይ ምሕዳግ ቈራጽነት!

ቅዱስነቶም ብቀዳምነት ዝዘከርዎ ኣብ ዕለቱ ላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ተጸሚዳ እትውዕለሉ ስለ ጸዋዕታ ካህናትን ሰብውፉይ ሕይወትን ዚዓርግ ጸሎት ስለዝኾነ እቶም ነዚ ጸዋዕታ እዚ ዝቅበሉ ከኣ ንተስፋ እግዚኣአብሔር ክብሉ ኩሉ ጠንጢኖም ንኣኡ ንክኽተሉ ትብዓት ከምዝደልዮም ገሊጾም። ንክርስቶስ ምስዓብ ጠኒንካ ዝእቶ ሓደጋ ብምዃኑ ትብዓት ከምዝደሊ ዝገለጹ ቅዱስነቶም ካብቶም ኣብቲ ዕለት እቲ መዓርገ ክህነት ዝሃብዎም 19 ሓደስቲ ካህናት ክልተ ኣብ የማነ ጸጋሞም ኰይኖም ንኩሎም ኣሕዋቶም ወኪሎም ምሳኦም ኮይኖም ክባርኹ ዓዲሞምዎም።

“ነዞም ሓደስት ካህናት ምስ ሥድራቤታቶምን ምስ ኣዕሩኽቶምን ልባዊ ሰላምታ እንከቅርብ! ጐይታ ከምቲ ምስ ሓዋርያት ኣብ ገምገም ቀላይ ገሊላ ዝገበሮ ሎሚ እውን ንነፍሲወከፍ ብሽሙ እናጸወዔ ገፈርቲ ሰባት ንክኾኑ ይሓሪ ኢሎም። ነዚ ብቚዕ ንምዃን ከኣ ንኣይ ይጥዓመኒ ንዝብል ስምዒትን ዝተፈጸሙ ጌጋታትን ጥንጥን ኣቢልካ ምሕዳግ የድሊ!”

ንኣይ ይጥዓመኒ ንዝብል ስምዒትን ዝተፈጸሙ ጌጋታትን ምጥንጣን!

ናይ ዕለቱ ወንጌል ብዛዕባ ሕያዋይ ጓሳ ዝኾነ ሓቀኛ ጓሳና ዝዛረብ ኮይኑ ‘እተን ኣባግዔይ ንድምጸይ ይሰምዓ፡ ኣነ ድማ እፈልጠን፡ ንሳተን እውን ይኽተላኒ፥ ኣነ ሕይወት ዘለዓለም እህበን፡ ንወትሩ ከኣ ኣይኪጠፍአን እየን፡ ካብ ኢደይ ድማ ሓደ እኳ ዚምንዝዐን የልቦን። እቲ ኣቦይ ዝሃበኒ ኣቦይ እንካብ ኵሉ ዚዓቢ እዩ፡ እንካብ ኣቦይ ኪዝርፈን ዚኽእል ድማ ሓደ እኳ የልቦን። ኣነን ኣቦይን ሓደ ኢና’ ዝብል (ዮሓ 10.27-30) ይርከቦ። ቅዱስነቶም ነዚ እንክትንትኑ ጐይታ ይዛረብ! ሃረርታ ልቢ ነፍስወከፍና ይፈልጥ! ንተስፋታትና ማዕረ ማዕረ ውድቀትናን ምድንጋራትናን የለሊ! ዘለዓለማዊ ሕይወት ይዕድል! ይሕሉ! ከከም ዘሎና ምስ ኣዎንታዊ ጐድንታትናን ምስ ጒድለታትናን ይቅበለናን የፍቅረናን። ኣብ ቅዱስ ቃሉ ከምዘመልክተልና ከኣ ነዚ ብወገና ክንህቦ ዘሎና መልስታት ኣሎ። ቅድሚ ዝኣገረ ጽን ኢልና ክንስምዖ ካብኡ ክንክተሎ ከምቲ ንሱ ዘርኣዮ ጠባያት ናይ ሕያውነት ክነርኢ ከምቲ ንሱ ብዛዕባ ዝግደስ ንሕና እውን ብዛዕባ ክንግደስን ከይነሕዝኖ ክንጥንቀቅን የድሊ።

“ጽን ኢልካ ምስማዑን ድምጹ ምልላይን ምሳኡ ዘሎና ቅርበት እንክገልጽ እዚ ከኣ ኣብ ጸሎት ተጸሚድካ ልቢ ንልቢ ምስቲ መለኮታዊ መምህርን ሕያዋይ ጓሳ ነፍሳትናን ዝኾነ ጐይታ ብምውህሃድ ይግበር። እዚ ጥቡቅ ቅርበት እዚ ንክንስዕቦ ብርቱዕ ሃረርታ ኣብ ልቢ ከምዝፍልፍል ይገብር! ንኩሉንኣይ ይጥዓመኒ ዝብል ስምዒትን ዝተፈጸሙ ጌጋታትን ጠንጢና ብምሕዳግ ሓደስት ጐዳናታት ሕውነት ንምጅማር ከኣ ንኣኡ ብምምሳል ገዛእ ርእስና ብምውፋይ እዩ። ከምዚ ብምግባር ከኣ ንብሥራት ስብከተ ወንጌል ተሓባበርቱ ንኸውን።”

ተሓባበርቲ ክርስቶስ ኣብ ብሥራት ስብከተ ወንጌል!

ምስ እግዚኣአብሔር ካብ ዘሎ ጥቡቅ ርክብ ንኩሉ ሓዲግካ ንኣኡ ናይ ምስዓብ ታሕጓስ ይፍልፍል በዚ ከኣ ናብ ምልኣት ዘለዓለማዊ ሕይወት ክመርሓካ ተፍቅደሉ ድሕሪ ቢሎም ንኩሎም ካህናትን ሰብ ውፉይ ሕይወትን ኣብ ሓለዋ ድንግል ማርያም ኣማሕጺኖም።

“እታ ንጸዋዕታ እግዚኣአብሔር ብፍጹም ቅሩብነት ዝመለሰት ድንግል ማርያም ንኩልና ብፍላይ ከኣ ነቶም ንክህነትን ውፉይ ሕይወትን ዝተጸውዑ ነቲ ካብ ክርስቶስ ዝቀርበሎም ጸዋዕታ ብታሕጓስን ልኡምነትን ክቅበሉ እሞ ኣብ ብሥራት ስብከተወንጌልን ኣብ ናይ ዘመና ንኣገልግሎት መንግሥቲ ኣምላኽን ቀጥተይና ተሓባበርቲ ክርስቶስ ንክኾኑ ትሓግዞም እንክብሉ ምስ ኣስተምሃሩ ጸሎተ ንግሥተ ሰማያት ኣዕሪጎም።”

ብድምጺ ንምክትታል!

 

12 May 2019, 14:01