ድለ

መንፈስ ቅዱስ ኣብ ቤተክርስትያኑ ይውረድ ካብ ዓለማውነት ከኣ ሓራ የውጽኣያ! ር.ሊ.ጳ

ሰንበት ዕለት 26 ግንቦት ፍርቂ መዓልቲ ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ጸሎተ ንግሥተሰማያት ቅድሚ ምድጋሞም ቤተክርስትያን ወትሩ ክትሕደስን ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሓ ከኣ ንትምህርቲ ኢየሱስ ምሉእ ብምሉኡ ንምግላጽ ነቲ ክርስቶስ ዝተመነየላ ገጽታ ጽባቄን ብርሃንን እንደገና ተንጸባርቅ እንክብሉ ኣስተምሂሮም።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ናይ ዕለቱ ቃል ወንጌል ካብ ዮሓንስ 14 ኮይኑ ትእዛዙ ንዚፍጽሙ መንፈስ ቅዱስ ከምዝተስፈወ ዝገልጽ ነበረ። ሕጽር ብዝበለ ከኣ ‘ተፍቅሩኒ እንተደኣ ኰንኩም ትእዛዛተይ ሓልው። ኣነ ነቦ ክልምኖ እየ ንሱ ድማ ምሳኹም ንዘለዓለም ዚነብር ካልእ መጸናንዒ ኪህበኩም እዩ` እንክብል ነቶም ገና ኣጸቢቆም ዘይደልደሉን ስምባደ ሕማማትን ሞትን ኢየሱስ ገና ክድህሎም ምዃኑ ብምግንዛብ ኣብ ናይ መጨረሻ ድራሩ ክምዕዶምን ከጸናንዖምን እንከሎ ንሱ ናብ ክኸይድ ምዃኑ! እንተኾነ ግን እቲ ንሱ ዝሰደሎም መጸናንዒ ከኣ ንኩሉ ነቲ ንሱ ዝመሃሮም ከዘክሮም ምዃኑ ይነግሮም።

ቅዱስነቶም ከኣ እዚ ሕያው ዝኾነ መንፈስ ቅዱስ ሎሚ እውን ኣብ ቤተክርስትያኑ ይሠርሕ ከምዘሎ ብምዝኽኻር ቤተክርስትያን ካብ ዝኾነ ሓላሊኹ ዝሕዛ ናይ ዓለም ነገራት ሓራ ንክትከውንን ካብ ናይ ምድካስልን ቀዋምነትን ደረጃ ክትወጽእ እሞ ነፍሲወከፍ ምእመና ብመንፈስ ቅዱስ ክመሃርን ክምራሕን ንቃል እግዚአብሔር ከኣ ብሕይወቱ ንክምስክርን ክትጽዕር ኣዘኻኪሮም።

ሥራሕ መንፈስ ቅዱስ!

ጐይታና ኢየሱስ እቲ እግዚኣአብሔር ኣቦ ብስሙ ዝሰደሎም መንፈስ ቅዱስ እንታይ እንታይ ከምዝምህሮም ከመይ ገቢሩ ከምዝሰርሕን ይነግሮም።

“እታ ሰዓት ናይ መስቀል እናቀረበት ኣብ ዝመጸትሉ ግዜ ኢየሱስ ንሓዋርያቱ በይኖም ከምዘይሓድጎም ዘኽታማት ኮይኖም ክተርፉ ከምዘይሓድጎም የረጋግጸሎም። እቲ መጸናንዒ ዝብሎ ጰራቅሊቶስ መንፈስ ቅዱስ ወትሩ ምሳኦም ከምዝኸውንን ነቲ ንሱ ዝሃቦም ተልእኮ ማለት ንወንጌሉ ኣብ ኩሉ ዓለም ንክሰብኹ ከምዝድግፎም የረጋግጸሎም። ብቋንቋ ግሪኽ ጰራቅሊጦስ ማለት ንከጸናንዕን ንክድግፍን ወትሩ ኣብ ጐድንኻ ዝኸውን ማለት እዩ።”

ተልእኮ ቤተክርስትያን!

ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ምድራዊ ሕይወቱ ነቲ ኩሉ ከመሓላልፎ ዝደልዮ ንሓዋርያቱ ነጊርዎም እዩ። ከምቲ ንሱ ዝብሎ ንኩሉ እቲ ክግለጽ ዘለዎ ገሊጹ ንኦሪትን ነቢያትን ምልኣት ሂቡ መለኮታዊ ተገልጾ ናይቲ ሰማያዊ ኣቦኡ ንዘመደ ኣዳም ብምሥጢረ ሥጋዌ  ናይ ወዱ ገሩ ክገልጾ ዝደልዮ ኩሉ ኣብሪህሎም።

“ዕዮ ገዛ መንፈስ ቅዱስከስ ነዚ ኩሉ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝመሃሮም ከዘክሮም ማለት ብምልኣት ንክርድእዎ ክሕግዞም በዚ ከኣ ንኩሉ ኣብ ተግባር ንከውዕሉ ማለት እዩ። ተልእኮ ቤተክርስትያን ከኣ እዚኣ እያ ብእትነብሮ ሕይወት ምስክርነት እናሃበት ኣብ ጐይታ ዘለዋ እምነትን ሓለዋ ቃሉን ንምዝውታር ንመንፈስ ቅዱስን ሥራሑን እናተኣዘዘት ነዚ ብኣኡ ሕያው ዝኸውንን ኣብ ሞንጎኣ ዝመላለስን ካብ ሞት ዝተንሠኤ ክርስቶስ ሕያው ይገብሮ። ነቲ ንሱ ዝዓደሎ ቀዳማይ ውህበት ሰላም ተቀቢላ ምስ ካልኦት ብምርካብን ብክፉት ልቢ ነቲ ሰላም ምክፋልን ብምዝውታር ምስክርነታ ክትህብ እዩ ተልእኮ ቤተክርስትያን።”

ንነፍሲወከፍ ዝተጠምቀ ዝግበር ሓገዝ!

ቤተክርስትያን ነዚ ተልእኮ እዚ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ክትንቀሳቀስ ኣለዎ።

“እዚ ማለት ከኣ ካብ ራእያን መደባትን ዕላማታትን ነቲ ንጉዕዞ እምነት ዘኽብዱ ጠናኒጎም ዝሕዙ ዓለማውያን ነገራት ሓራ ክትወጽእ እሞ ንቃል ጐይታ ብመንፈስ ተኣዝዞ ክትጸምዕ ኣለዋ። በዚ ከምዚ ከኣ መንፈስ እግዚአብሔር ንቤተክርስትያኑን ንዓናን ክሳብ ገጽታ ናይቲ ዝጸበቀን ዝበህን ገጽ ጐይታ ዘንጸባርቅ ይመርሓና። ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝደልዮ ከኣ እዚ እዩ።”

ሃንጐፋይ ኢሉ ዝቅበል ፍቅሪ!

ዕድመ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ከኣ ንልብና ንውህበት መንፈስ ቅዱስ ክንከፍት እሞ ኣብ ጉዕዞ ታሪኽና ክመርሓና ክነፍቅደሉ እዩ።

“ንሱ ከኣ ዕለት ዕለት ንሥነ ሓሳብ ቃል ወንጌል ይምህረና እዚ ከኣ ሃንጐፋይ ኢሉ ዝቅበል ፍቅሪ ኮይኑ ንኩሉ ነቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝመሃሮ እናመሃረናን ነቲ ኩሉ ጐይታና ዝበለናን የዘክረና። እታ ነዛ ወርሒ ግንቦት ንዓዓ እነወፍየላ ድንግል ማርያም ከም ሰማያዊት ኣደና ንቤተክርስትንን ንመላእ ዘመደ ኣዳምን ክትሕሉ ፍልይ ብዝበለ መንፈሳውነት ንለምንን ነኽብራን።”

እንክብሉ ምስ ኣስተምሃሩ ጸሎተ ንግሥተ ሰማያት ደጊሞም ሰላምታ ኣቅሪቦም ሓዋርያዊ ቡራኬ ብምሃብ ተሰናበትዎም።

ብድምጺ ንምክትታል!
26 May 2019, 12:18