መንፈስ ቅዱስ ኣብ ቤተክርስትያኑ ይውረድ ካብ ዓለማውነት ከኣ ሓራ የውጽኣያ! ር.ሊ.ጳ
አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን
ናይ ዕለቱ ቃል ወንጌል ካብ ዮሓንስ 14 ኮይኑ ትእዛዙ ንዚፍጽሙ መንፈስ ቅዱስ ከምዝተስፈወ ዝገልጽ ነበረ። ሕጽር ብዝበለ ከኣ ‘ተፍቅሩኒ እንተደኣ ኰንኩም ትእዛዛተይ ሓልው። ኣነ ነቦ ክልምኖ እየ ንሱ ድማ ምሳኹም ንዘለዓለም ዚነብር ካልእ መጸናንዒ ኪህበኩም እዩ` እንክብል ነቶም ገና ኣጸቢቆም ዘይደልደሉን ስምባደ ሕማማትን ሞትን ኢየሱስ ገና ክድህሎም ምዃኑ ብምግንዛብ ኣብ ናይ መጨረሻ ድራሩ ክምዕዶምን ከጸናንዖምን እንከሎ ንሱ ናብ ክኸይድ ምዃኑ! እንተኾነ ግን እቲ ንሱ ዝሰደሎም መጸናንዒ ከኣ ንኩሉ ነቲ ንሱ ዝመሃሮም ከዘክሮም ምዃኑ ይነግሮም።
ቅዱስነቶም ከኣ እዚ ሕያው ዝኾነ መንፈስ ቅዱስ ሎሚ እውን ኣብ ቤተክርስትያኑ ይሠርሕ ከምዘሎ ብምዝኽኻር ቤተክርስትያን ካብ ዝኾነ ሓላሊኹ ዝሕዛ ናይ ዓለም ነገራት ሓራ ንክትከውንን ካብ ናይ ምድካስልን ቀዋምነትን ደረጃ ክትወጽእ እሞ ነፍሲወከፍ ምእመና ብመንፈስ ቅዱስ ክመሃርን ክምራሕን ንቃል እግዚአብሔር ከኣ ብሕይወቱ ንክምስክርን ክትጽዕር ኣዘኻኪሮም።
ሥራሕ መንፈስ ቅዱስ!
ጐይታና ኢየሱስ እቲ እግዚኣአብሔር ኣቦ ብስሙ ዝሰደሎም መንፈስ ቅዱስ እንታይ እንታይ ከምዝምህሮም ከመይ ገቢሩ ከምዝሰርሕን ይነግሮም።
ተልእኮ ቤተክርስትያን!
ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ምድራዊ ሕይወቱ ነቲ ኩሉ ከመሓላልፎ ዝደልዮ ንሓዋርያቱ ነጊርዎም እዩ። ከምቲ ንሱ ዝብሎ ንኩሉ እቲ ክግለጽ ዘለዎ ገሊጹ ንኦሪትን ነቢያትን ምልኣት ሂቡ መለኮታዊ ተገልጾ ናይቲ ሰማያዊ ኣቦኡ ንዘመደ ኣዳም ብምሥጢረ ሥጋዌ ናይ ወዱ ገሩ ክገልጾ ዝደልዮ ኩሉ ኣብሪህሎም።
ንነፍሲወከፍ ዝተጠምቀ ዝግበር ሓገዝ!
ቤተክርስትያን ነዚ ተልእኮ እዚ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ክትንቀሳቀስ ኣለዎ።
ሃንጐፋይ ኢሉ ዝቅበል ፍቅሪ!
ዕድመ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ከኣ ንልብና ንውህበት መንፈስ ቅዱስ ክንከፍት እሞ ኣብ ጉዕዞ ታሪኽና ክመርሓና ክነፍቅደሉ እዩ።
እንክብሉ ምስ ኣስተምሃሩ ጸሎተ ንግሥተ ሰማያት ደጊሞም ሰላምታ ኣቅሪቦም ሓዋርያዊ ቡራኬ ብምሃብ ተሰናበትዎም።