ንሕንጸት ትሑታትን ናጻን ኣገልገልቲ ሓቂ ኩኑ! ር.ሊ.ጳ ንጋዜጠኛታት

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሎሚ ዕለት 18 ግንቦት 2019 ዓምፈ ናይ ወጻኢ መራኸቢ ብዙሓን ልኡካን ጋዘጠኛታት ኣብ ኢጣልያ ተቀቢሎም ኣብ ዘዘራረቡሉ ትሕትና ሓራ ከምዘወጽእን ሓቀኛ መግቢ እናሃብካ ተስፋ ከምእተሰንቅ እንክገብር ሓደጋ ናይ ሓሶት ወረ ግን ብዙሕ ከምዝኾነ ብምግላጽ ስፍሕ ዝበለ ቃለ ምዕዳን ሂቦም።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ፈይክ ኒውስ ዝብል ናይ ሓሶት ወረ ጐቢእዎ ኣብ ዘሎ ዓለምና ሓቀኛ ዜና ንክተዘንቱ ዘሸግር እኳ እንተኾነ ናጻ ኰንካ ስለሓቂ ክትቀውም ትሕትና ከምዘድሊ ዝገለጹ ቅዱስነቶም ሎሚ ከም ሎሚ ጋዜጠኛታት ኣብ ትሕቲ ብዙሕ ወጥሩ ከምዝርከቡ ምናዳ ከኣ ዳርጋ ዝተረስዑ ግን ሕይወት ሰባት ዕለት ዕለት ዝቀዝፉ ዘለው ውግኣትን መቃብር ብዙሓት ዝኸውን ዘሎ ባሕሪ መዲተራንያን ክዝክሩ ሓደራ ኢሎም።

ሓደ ጋዜጠኛ ከም ባህርያት ክህልውዎ ዝግባእ ክእለትን ብቅዓትን ኣብ ልዕሊ ቅልጣፌን ጽሙቕ ኣቢልካ ንነገራት ምግላስን ቅኑዕ ሕቶታት ምሕታት እውን እንክብሉ ነቶም ልዕሊ 400 ዝኾኑ ኣባላት ናይ ወጻኢ መራኸቢ ብዙሓን ልኡካን ጋዘጠኛታት ኣብ ኢጣልያ ኣዘኻኺሮም።

ጥቅምታት ጋዜጠኝነት ብዙሕን ዝተሓላለኸን እኳ እንተኾነ እንተስ ንዕንወት እንተስ ንሕንጸት እውን ዓቢ ግደ ስለዘለዎ ቅዱስነቶም ሓደራ ዝበልዎ ‘ኣገልግሎት መራኸብቲ ብዙሓን ክሓንጽ እምበር ከዕኑ የብሉን! ንሓቂ ካብ ሱርመሠረታ ሃሰስ ኢሉ ከውጽኣ ድኣ ይቃለስ እምበር ብላዕሊ ላዕሊ ዝንገር መደናገሪ ነገራት ክግራህ የብሉን! ልዕሊ ኩሉ ካብ ናይ ሓሶት ወረ ርሒቑ ንሓቂ ከም ዕለታዊ እንጌራ ከቅርብ ኣለዎ። ዝቀርብ ሓበሬታ ወትሩ ኣብ ጐድኒ ውጹዓትን ድምጺ ኣልቦን ድምጾም ዝተዓፈነን ኮይኑ ከክንዳኦም ድምጺ ክኸውን ድራማታት ናይዘመንና ከይረሰዔ ነቲ ብዙሕ ዘይዝረበሉ ዕለት ዕለት ዝግበር ሠናይ ነገር እውን ከቃልሕ ኣለዎ’ ኢሎም። ነዚ ኩሉ ንምግባር ከኣ ትሕትና ኣድላዪ ምዃኑ ገሊጾም።

ንናይ ሕይወት ሕልኽላኻት ንምዝንታው ትሕትና የድሊ!

ኣብ ሕይወት ብዙሕ ከይሓተትካ ክትጐዓዝ ዝቀለለ ይመስል ኮይኑ ግን ንሓቂ ክትደልያን ክተውጽኣን እንተዀንካ ብዙሕ ክትሓትት ብዙሕ ክትመሚ ብዝረኸብካዮ ቁሩብ ቁራቦ ከይዓገብካ ሃሰስ ምባል የድሊ። ንኩሉ ከም ትፈልጥ ምምሳል ሓደገኛ ኣቋም ስለዝኾነ ንሓቂ ሃሰስ ዝብል ጋዜጠኛ ትሕትና ተላቢሱ ክሳብ እታ ዝደቀቀት ክሓትትን ከረጋግጽን የድሊ። ንገዛእ ርእስኻ ጥራይ ክትጋገ ደሓን እኳ እንተኾነ ተጋጊኻ ንካልኦት ምግጋይ ግን ዓቢ ገበን እዩ። ስለዚ ሓቅነቱ ዘይተረጋገጸ ዜና ካብ ምቅላሕ ምቚጣብ ጫፍ ሒዝካ ከይቅድሙኻ ምጉያይ ዓቢ ፈተና ስለዝኾነ ወጊድ በልዎ። ብታህዋኽ ከይትግድዑ ንኩሉ መሚኹም ምእንቲ ክትክእሉ ዚኣክል ግዜ ንምውሳድን ነገራት ንምርዳእን ህድእ ኢልኩም ተመላለሱ ኢሎም።

ትሕትና ዝተላበሰ ጋዜጠኛ ናጻ እዩ! ነቲ ናይ ሓሶት ዜናን ጠቀነን ንከቃልዕ ከኣ ኣይጽግሞን። ናይ ጋዜጠኛታት ጠበቃ ዝኾነ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ዘሳለስ ሓደ ጋዜጠኛ ንቃል ከምቲ ሓደ ናይ መጥባሕቲ ሓኪም ንናይ መጥባሕቲ ካራ ዝጥቀመሉ ኣገባብ ገሩ ክጥቀመሉ የድሊ ዝበሎ እዩ። ኣብ’ዚ ብዙሓት ብናይ ፕሮፓጋንዳን ጽልእን ቃላት ተጐቢእናሉ ዘሎና ዘመን ትሑታትን ሓቀኛን ቃላት ብዙሕ ክፍውሳ ይኽእላ። ክመርር ይኽእል ግን ፈውሲ እዩ። ካብ ዝኾነ ቅድመ ኩነታዊ ፍርዲ ርሒቅካ ትሑትን ናጻን ጋዜጠኛ ንምዃን ትብዓት የድሊ እሞ ተበዓት ኩኑ፣ ነቲ ብብዙሓት ተረሲዑ ዘሎ ናይ ዘመንና ስቃይ ኣይትረስዑ! ኣቃልሑ! ኣብ በዓል የመን ተረሲዑ ዘሎ ግንክ ሕይወት ሰባት ዝቀዝፍ ዘሎ ከምኡ እውን ንመዲተራንያን ባሕሪ ክሳገሩ ክብሉ ኣባኡ ተቀቢሮም ዝተርፉ ስደተኛታት ዘክሩ ብዛዕባኦም ዓለም ሓቁ ክፈልጥ ተዛረቡ እንክብሉ ቃሎ ምዕዳኖም ሂቦም።

ብድምጺ ንምክትታል!
18 May 2019, 16:03