ር.ሊ.ጳ. ጸሎት በማላድነት ድንግል ማርያም ዘነሰባር፥ ቡልጋርያ እተራኽብ ሃገር ካም ምዃን ክይትቦክር

ኣብ ቅድሚ እታ ቅድስተ ማርያን ዘነሰባር ቅዱስ ምስሊ ፊት ኣብ ሶፊያ፡ ትርጉሙ ማዕጾ ሰማይ ማለት እዩ (Icona Madonna di Nesebar)

ክርስቶስ ህያው እዩ፡ ሕይልን ተስፋን ንኽጽግወና ኣብ ጐድኒ ነፍሲ ወከፍና እዩ! ነዚ ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ቡልጋርያ ርእስ ከተማ ሶፊያ እብ ዝርከብ ዓቢይ ኣደባባይ ቅዱስ እስክንድር ነቨስክይ ፍርቂ መዓልቲ ጸሎት ንግስተ ሰላም ቅድሚ ምዕራጉም ኣብ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ክኸውን እንክሎ፡ ነቲ ናይ ነዊሕ ናይ ቅዱሳት ጓሶት ታሪክ ዘለዎ ሕዝቢ ቡልጋርያ የተባብዑ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

Regina Coeli, laetare, alleluia - ኦ ንግስተ ሰማይ ተሓጐሲ፥ ሃሌ ሉያ፥  እዚ ጸሎተ ማርያም ካብቲ ዓቢይ ኣደባባይ ቅዱስ እስክድር ነቨስኪ ዘሶፊያ ኣብ ቅድሚ እቲ ንቡልጋርያ ኣዚዩ ፍቑር ኣብ ዝዀነ ምስሊ ቅድስተ ማርያም ዘነሰባር ፊት ቅዱስ ኣቦና ምስቶም ልዕሊ ሰለስተ ሺሕ ዝግመቱ ምእመናን መሪሖም ብሓባር ቅድሚ ምዕራጐም፡ ኣብታ ኣብ 13 ክፍለ ዘመን ንሩሲያዊ ልዑል ዝተወከፈ ናይ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ካቴድራል መንፈሳዊ ንግደት ከምዝፈጸሙ ልእኽቲ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ጋብሬላ ቸራዞ ሓቢረን።

ኣብ ቅድሚ እታ ኣብቲ ናይ ቅዱስ እስክንድር ነቭስኪ ቤተ ርስቲያን ጥቃ ኣብ ዘላ ቅዱሳት ቀርሎስን መጠዲዎስን ኣብ ዝጸለዩሉ ጥንታዊት ቤተ ክርስቲያን ቅድስቲ ሶፊያ ንርከብ፡ ኣድናቖትን ኣኽብሮትን ንኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ቡልጋርያ፡ ቅድሚ ናብዚ ምምጻኤይ ንሓው ቅዱስነቶም ነኦፊትን ንቅዱስ ሲኖዶስ ናይ ቡልጋርያ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ሰላም ክብልን ብምትሕሑቓ ፍቕርን ኣኽብሮትን ተለዋዊጥና፡

ጸሎት ንቕዱሳት ቀርሎስን መጠዲዎስን

ቅዱስ ኣቦና ብሜጥሮፖሊታ ኣንቶንዮ ተሰንዮም መንእሰያት ቡልጋርያ ብዘቕረብዎ ውዳሴ ማርያም ተሰንዮም ኣብቲ ናይ ቡልጋርያ ናይ እምነት ታሪኽን ብሓገዝ ሩሲያ ንዘካየደቶ ናይ ናጽነት ቃልሲ ትእምርቲ ኣብ ዝዀነ ስፍራ፡ ብጽሞና በማላድነት ቅዱሳት ኣሕዋት ቀርሎስን መጠዲዎስን ጸልዮምን ኣብታ ካቴድራል ኣብ ዝርከብ ናይ ክብሪ መዝገብ ክታሞም ኣንቢሮም ምስ ኣብቅዑ፡ ጸሎት ንግስተ ሰማይ ናብ ዘዕርግሉ በሪኽ ስፍራ ቅድሚ ምኻዶም፡ ነቶም ኣብቲ ጸሎት ንኽሓብሩ ንዝተረኽቡ ምእመናን ህሙማንን ሕጻናትን እናተዘዋወሩ ሰላምታኦም ከምዘቕረቡ ቸራዞ ሓቢረን።

ክርስቶስ ሕያው እዩ! ህያውነትካ ይደልይ

ኣብቲ ኣደባባይ ኣብ 2001 ዓ.ም. ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ብሓባር ምስ ፓትሪያርክ ብፁዕ ወቅዱስ ማክሲም ትእምርቲ ሰላም ዝዀነ ምልውዋጥ ሰላምታ ኣብ ዘካየድሉ ኰይኖም ንዅሎም እዋኑ እዋን ፋሲካ ብምዃኑ ድማ ብሩኽ ፋሲካ ቢሎም፡ ኣብ ትንሳኤ ዘእግዚኣነ ዘሎና እምነት ንሓድስ፡ ክርስቶስ ተንሲኡ እዩ፡ ብሓቂ ተንሲኡ እዩ፡ ሕያው እውን እዩ፡ ኣብ ልዕሊ መንፈስ ክፍኣትን ሞትን ዓወት ዓቲሩ፡ ብቋንቋ ቡልጋርያ Chrisstos vozkrese-ክርስቶስ ተንሲኡ እዩ! ቢሎም፡

ንሱ ተስፋናን ናይ ዓለም መንእሰያዊ ጽባቔ እዩ፡ ንሱ ዝትንክፎ ዘበለ ኵሉ ብሕይወት ይምላእ። ምእንቲ’ዚ ንነፍሲ ወከፍኩም ንሱ ሕያው እዩ፡ ህያው ክትኸውን ይደልይ፡ ንሱ ኣባኻን ኣባኽን እዩ! እብል። ምስና ይጓዓዝ፡ ካብኡ ኣብ እትርሕቐሉ እዋን ንሱ ቀረባ እዩ፡ ምርሓቕ ካብኡ እውን የጋጥምካ እቲ ዝተንስኤ ወትሩ ምሳኻ እዩ፡ … ይጽውዓካ ዳግም ጉዕዞኻ ንኸተበግስ የብቅዓካ፡ … ኣእዳዉ ወትሩ ናባና ዝርጉሓት እያተን፡ ዳግም ንኸበግሰና ወትሩ ስንድው፡ ብጓሂ እርጋን ይሰምዓካ፡ ብቕርሕትን ፍርሕን ምጥርጣርን ሰንከልከልን ንምውዳቕ ከተብል ንሱ ንኸተንስኣካ ኣይዳዉ ይዝርግሕ። ንኣኻ ሓይልን ተስፋን ንኽህበካ ወትሩ ቅሩብ እዩ (ክርስቶስ ሕያው እዩ ሓዋርያዊ ምዕዳን ድህረ ሲኖዶስ 1-2 ረአ)

ኣብ ቡልጋርያ ካብ ቡልጋርያ ገምሪ ሓድነት ዮሓንስ መበል 23

እቲ ቅድሚ ክልተ ሺሕ ዓመታት ኣቢሉ ዝተበገሰን ክሳብ ኣዋንና ዝበጽሔ ብብዙሓት ተልእዀ ለጋሳት እቲ ቤተ ክርስቲያን ቡልጋሪያ ኣብ ታሪኻ ሃብታም ዝገብራ ብዝዀኑ ብብዙሓት ኣመንቲ ዝበጽሓና ምስክርነት፡ እቲ ናይ እምነት ሕመረት ዝዀነ ክርስቶስ፡ ካብኣቶም ሓደ እቶም ካብ 1925 ክሳብ 1932 ዓ.ም. መጀመሪያ ልኡኽ በጻሒ ቅድስቲ መንበር ደሓር ሓዋርያዊ ልኡኽ ኰይኖም ኣብታ ሃገር ዘገልገሉ ቅዱስ ኣቦና፥ ቡልጋርያዊ ቅዱስ ብዝብል መጸውዕ ክገልጽዎ ባህ ዝብሎም ቅዱስ ዮሓንስ መበል 23 ምዃኖም ይገልጹ፡ ናይ ሕውነትን ምርኻብን ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ዘነቓቕሑ።

ዮሓንስ መበል 23 ኣብዛ ሃገር ናይ ምስራቕ ቤተ ክርስቲያን ባህሊ ከፍቅርን ከድንቕን በቕዔ፡ ምሕዝነትን ሕውነትን ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ብምንቕቓሕ፡ ናይ ዮሓንስ መበል 23 ናይ ስነ ርክባዊ ሜላን ናይ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎን ተመክሮ ኣብ ቡልጋርያ …. ድሓር ከም ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኰይኖም ምስ ተሓርዩ ንዝነበርዎ ርእየት ናይ ሓድነት ጉዕዞን ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ንኽጽውዑን ዓቢይ ድርዀት ኰይንዎም እዩ። ምእንቲ’ዚ ዮሓንስ መበል 23 እዚ ገምሪ ሓድነት ንኽህልዎም ቡልጋርያ ዓቢይ ኣስተዋጽኦ ስለ ዘለዋ ነመስግን።

ናይ ዘተ ባህሊ ምልዓብ

ቅዱስ ኣቦና ነቲ ኣብ ቡልጋርያ ምስ ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ኣብ ኣደባባይ ሓርነት ንዘካይድዎ ናይ ሓባር ርክብ እናሓሰቡ፡ ቡልጋርያ ብዝሓ ኦርቶዶክሳዊት ሃገር፡ ናይ ምርኻብን ዘተን መሬት እያ፡ መራኽቦ መሬት፥

እቲ ምስ ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ላዕለዎት መንፈሳዊ መራሕቲ ርክብ ናይ ዘተ ባህሊ ከም እንኰ ናይ ምትሕብባርን ንሓድ ሕድ ምልላይን መገድን ማዕቅንን ብምዃኑ ምልዓቡ ከምዘድሊ ዘመላኽት ናይ ኩሉ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ብሓባር ምጉዓዝ ኣገዳሲ ምዃኑ ዘረጋግጽ እዩ (ሰብኣዊ ሕውነት ኣብ ዱባይ ዕለት 4 ለካቲት 2019 ዓ.ም. ዝተፈራረምዎ ሰነድ)

ሰገር ፍልልያት ሕድሕድዊ ምክብባርን ሌላን

ቡልጋርያ ፍልይ ዘብላ ሰገር ፍልልያት ሕድሕዳዊ ምክብባርን ሌላን ዝካየደላ መራኽቦ መሬት ምዃና እዩ ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና ጸሎትም በማላድነት ድንግል ማርያም ንግስተ ሰማየ ወምድረ ናብታ ኣብ ቅድሚኦም ንዘላ ዮሓንስ መበል 23 ዘፍቅርዋ ቅዱስ ምስሊ ቅድስቲ ማርያም ዘነሰባር እናጠመቱ፥

ኣብ ፊት ሞት ስዒሩ ዝተንስኤ ጐይታ ምእንታና ከተማልድ ጸሎትና ናብ ንግስተ ሰማየ ወምድረ ዝዀነት ድንግል ማርያን ነቕርብ፡ ነዛ ፍቕርቲ መሬት ሰገር ዝዀነ ይኹን ባህላውን ሃይማኖታውን ፍልልያት ምክብባርን ሌላን ክንበር ወትሩ ከም ደቂ ሓደ ኣቦ ኰይንና ናይ ምንባር መራኽቦ መሬት ናይ ምዃን ጽዋዕታኦ ዘወዓውዕን ወትሩ ጸጋ ይዓድላ፡ እዚ ጸሎት ኣማላድነት ማርያም በቲ ጥንታዊ ዝዀነ ጸሎተ ንግስተ ሰማይ ብምድጋም ነቕርብ፡ ኣብ ቅድሚ እታ ቅድስተ ማርያን ዘነሰባር ቅዱስ ምስሊ ፊት ኣብ ሶፊያ፡ ትርጉሙ ማዕጾ ሰማይ ማለት እዩ (Icona Madonna di Nesebar) በዛ በቶም ቅድመይ ዝነበሩ ዮሓንስ መበል 23 ኣዚያ ፍቕርቲ ብዝዀነት፡ ኣብ ቡልጋርያ ዝተራኸብዋን ካብዚ ዓለም ክሳብ ዝሓለፉላ ዕለት ካብኦም ዘይፈለይዋን ኣማላድነት ንጸልይ፥

ምስ በሉ ብሓባር ጸሎተ ንግስተ ሰማይ መሪሖም ምስ ኵሎም ምእመናን ደጊሞም ምስ ኣብቅዑ ሓዋርያዊ ቡራኬ ምስ ሃቡ ዓሰርት ናይ ዝተፈላለያ ሃይማናኖታት ላዕለዎት መንፈሳዊ መራሕቲ ናብቲ ቅዱስነቶም ዝርከብዎ በሪኽ ስፍራ ደይቦም ሰላምታ ተልዋዊጦም ናብ ዘዕረፍሉ ሶፊያ ናብ ዝርከብ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ሕንጻ ከምዝኸዱ ቸራዞ ሓቢረን።

ር.ሊ.ጳ. ጸሎት በማላድነት ድንግል ማርያም ዘነሰባር፥ ቡልጋርያ እተራኽብ ሃገር ካም ምዃን ክይትቦክር

Photogallery

ር.ሊ.ጳ. ጸሎት በማላድነት ድንግል ማርያም ዘነሰባር
06 May 2019, 11:45