ወትሩ ኣብ ጐድኒ ሕዝቢ እግዚአብሔር ኩኑ! ር.ሊ.ጳ ን19 ሓደስቲ ካህናት
አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን
ናይ ዕለቱ ቃለ ወንጌል ንምሳሌ ሕያዋይ ጓሳ ዝገልጽ ሕያዋይን ሓቀኛን ጓሳ ከኣ ክርስቶስ ምዃኑ ዝገልጽ ነበረ። ራብዓይ ሰንበት ፋሲካ ላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ እትኽተል ቤተ ክርስትያን ንምበል 56 ግዜ ዓለምለኸ ዕለተ ጸሎተ ስለ ጸዋዕታ እውን ኣኽቢራ ውዒላ። ቅዱስነቶም ነቶም ሓደስቲ ካህናት ብኩሉ ኩሉ ንክርስቶስ ክመስሉን ኣብ ምሥጢሩ ተሳተፍቲ ክኾኑን ናይ ገዛእ ርእሶም ተመኲሮ ብምጥቃስ ሓደራ ኢሎም።
ተሳተፍቲ ምሥጢረ ክርስቶስ ንምዃን!
ቅዱስነቶም እምነትን ትምህርትን ቤተክርስትያን ብዛዕባ ምሥጢረ ክህነት ብምዝኽኻር ሓደ ካህን ኣብ ኣገልግሎት ቅዱሳት ምሥጢራት እንክወፍር ኣብቲ ብሕቱ እንኮ መምህር ዝኾነ ክርስቶስ ዝገብሮ ተልእኮ ይሳተፍ እዚ ከኣ ሓደ ባህላዊ ምትእስሳር ዘይኮነ ካልአ ክርስቶስ ኰይኑ ብሓቂ ኣብ ምሥጢር ክርስቶስ ምስታፍ ምዃኑ ዝገለጹ ቅዱስነቶም ‘ልዕሊ ኩሉ ሓደራ ዝብለኩም ክትሰብኩ እንከሎኹም ብዙሕ ጸሊኹም ወንጌል ኣብ ኢድኩም ሒዝኩም ክትገብርዎ ነዚ ኣይትረስዑ። ቃል ኣምላኽ ቀለብ ሕዝበ እግዚአብሔር ይኹን ትምህርትኹም እውን ኣብ እንተደኣ ተሰሪቱ ንሕዝበ እግዚኣአብሔር ቀለብ ክኸውን እዩ። ስብከትኩም ካብ ልቢ ዝነቀነን ካብ ጸሎት ዝመንጨውን እንተዀይኑ ብጣዕሚ ፈርያም ክኸውን እዩ’ እንክብሉ ተማሕጺኖም።
ጐይታ ብነጻ እዩ ዘድሕነና!
ብዙሕ ግዜ ብመንፈዓትናን ብመንፈሳውንትናን ዝደሓና ክመስለና ይኽእል ኰይኑ ብነጻ ብጸጋ ኣምላኽ ኢና ድሒና ዝበሉ ቅዱስነቶም እንደገና ነቶም ሓደስቲ ካህናት ናይጸሎት ሰባት ናይ መስዋዕቲ ሰባት ክኾኑ ልዕሊ ኩሉ ካብ ብቃሎም ብኣብነቶም ብዙሕ ክሃንጹ ስለዝኽእሉ ንቤተእግዚኣአብሔር ዝኾነት ቤተክርስትያን ብኣብነቶም ክሓንጽዋ ምናዳ ኸኣ መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ዘዕርግሉ ግዜ ብጣዕሚ ጥንቁቃት ክኾኑ ሓደራ ኢሎም።
መሓርቲ ካብ ምዃን ኣይትሰልክዩ!
ንኩሉ ምሥጢራት እንክትዕድሉ ምናዳ ከኣ ንምሥጢረ ንስሓ ኣብ እትዕድሉሉ ግዜ ንኩሉ ሓጢኣት ብስም እግዚአብሔርን ብስም ኢየሱስ ክርስቶስን ብስም ቤተክርስትያንን ክትምሕሩ እምሕጸነኩም ዝበሉ ቅዱስነቶም ብዛዕባ እዚ ምሥጢር እዚ ከምዚ ኢሎም።
ወትሩ ጥቃ እግዚኣአብሔር ኩኑ!
ቅዱስነቶም ኣብ ምዝዛም ስብከቶም ንሓደስቲ ካህናት ሓደራ ዝበልዎ ‘ኣብ ግብረ ሠናይ ሕጉሳት ክንዲ ክርስቶስ ኮይኖም ኣብ ዝፍጽምዎ ኣገልግሎት ክርስቶስ ለዋሃት እንትርፊ ንእግዚአብሔር እምበር ንካልእ ወይውን ንገዛእ ርእሶም ከሐጒሱ ክይጽዕሩ’ ብምምሕጻን ‘ምሉእ ታሕጓስ ክህነታዊ ኣገልግሎት በዚ መንገዲ እዚ ጥራይ ከምዝርከብ ማለት ነቲ ዝመረጸካ እግዚአብሔር ጥራይ ክተሐጒስ ምጽዓር ስለዝኾነ ወትሩ ብጸሎት ኣብ ጥቃ እግዚኣአብሄር ክርከቡ ከምኡ እውን ምስ መሳርሕቶም ዝኾኑ ኣቡኖምን ካህናትን ሕዝበ እግዚኣአብሔር ክርከቡ ሓደራ ኢሎም።
ሓደስቲ ካህናት!
ካብዞም 19 ሓደስቲ ካህናት 8 ኣባላት ክህነታዊ ሕውነት ደቂ ቅዱስ መስቀል 1 ኣባል ሥድራቤት ኣርድእት 2 ኣብ ጳጳዋዊ ዓቢይ ዘርኣ ክህነት ሮማ ዝተማህሩ 8 ከኣ ኣብ እመ መድሓኒ ሰበኻዊ ኮለጅ ዝተማህሩ እዮም። 1 ካብ ጃፓን 2 ካብ ሃይቲ 1 ካብ ክሮኣሽያ ኮይኖም መብዛሕቶም ካብ ሮማ እዮም።
ዓለምለኸ ዕለተ ጸሎት ስለ ጸዋዕታ!
ንመበል 56 ዓለምለኸ ዕለተ ጸዋዕታ ኣብ ዝተላእከ መልእኽቲ ቅዱስነቶም ‘ጸዋዕታ ጐይታ ነታ ተስፋ ጐይታ እነባጽሕ ክገብረና ከምኡ እውን ምሳኡን ንኣኡን ኩሉ ጠንጢና ንክንስዕቦ ትብዓት ይሃበና። ጸዋዕታ እግዚኣብሔር ኣብ ሕይወትና ጣልቃ ምእታው ኣይኮነን ወይውን ዓፊኑ ዝሕዘና እሞ ኣባና ተጽዕኖ ዝፈጥር ዘይኮነስ ብፍቅሪ እግዚአብሔር ተበጊሱ ፍቅራዊ መልሲ ዘድልዮ ኣብቲ ዓቢ መደብ ድሕነት ንክሳተፍ እግዚኣአብሔር ዘርበልና ዕድመ እዩ ኢሎም ነሮም።