ናይ ግንቦትን ሰነን 2019 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ናይ ሊጡርጊያ መርሓ ግብሪ ናይ ግንቦትን ሰነን 2019 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ናይ ሊጡርጊያ መርሓ ግብሪ 

ናይ ግንቦትን ሰነን 2019 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ናይ ሊጡርጊያ መርሓ ግብሪ

ብፁዕ ኣቡነ ማሪኒ፥ ይብሉ ቅዱስ ኣቦና ካብ ዕለት 5 ክሳብ ዕለት 7 ግንቦት ኣብ ቡልጋርያን ሰሜን መቄዶኒያን ሓዋርያው መገሻ ከምዘካይዱን፡ ዕለት 12 ግንቦት 2019 ዓ.ም. ሰዓት ትሽዓተን ርብዕን ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ

ዕለት 2 ግንቦት 2019 ዓ.ም. ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ወርሒ ግንቦትን ሰነን 2019 ዓ.ም. ናይ ሊጡርጊያ ብዕሎት መርሓ ፍጻሜታቶም ብወግዒ ከምእተሓበረን፡ ኣብ ቡልጋርያን ሰሜን መቄዶኒያን ዘካይድዎ ሓዋርያዊ መገሻን ድሕሪ ሰለስተ ሰሙን እዚ ምብጻሕ’ዚ ኣብ ሮማኒያ እውን ሓዋርያዊ መገሻ ከካይዱ ከምዝዀኑን፡ ኣብ ኢጣሊያ ክፍለ ሃገር ማርኬ ኣብ ዝርከብ ቅድም ክብል ብርእደ መሬት ተጠቒዑ ናብ ዝነበረ ካባቢ ካመሪኖን ሳን ሰቨሪኖ ሰበኻታት ምብጻሕ ካካይዱ ከምዝዀኑን፡ ማዕርገ ክህነት ክሰርዑን ንበዓለ ጰራቅሊጦስ መስዋዕተ ቅዳሴ ከዕርጉን ናይ ሓደስቲ ሊቃነ ጳጳሳት መንጠሊና ክባርኹን ልሙድ ጉባኤ ብፁዓን ካርዲናላት ክመርሑን ምዃኖም ጳጳሳዊ ናይ ሊጡርጉያ ብዕሎት መምህር ብፁዕ ኣቡነ ጉይዶ ማሪኒ ካብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ክፍለጥ እንከሎ፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ብፁዕ ኣቡነ ማሪኒ፥ ይብሉ ቅዱስ ኣቦና ካብ ዕለት 5 ክሳብ ዕለት 7 ግንቦት ኣብ ቡልጋርያን ሰሜን መቄዶኒያን ሓዋርያው መገሻ ከምዘካይዱን፡ ዕለት 12 ግንቦት 2019 ዓ.ም. ሰዓት ትሽዓተን ርብዕን ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ማዕርገ ክህነት ክሰርዑን፡ ካብ ዕለት 31 ግንቦት ክሳብ ዕለት 2 ሰነ 2019 ዓ.ም. ኣብ ሮማኒያ ሓዋርያዊ መገሻ ከካይዱን ቀዳም ዕለት 8 ሰነ 2019 ዓ.ም. ብምኽንያት ዋዜማ ንበዓለ ጰራቅሊጦስ ሰዓት ሽዱሽተ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ጸሎት ዋዜማን ዕለት 9 ሰነ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ብምኽንያት በዓለ ጰራቅሊጦስ መስዋዕተ ቅዳሴ ከዕርጉን ሰንበት ዕለት 16 ሰነ ኣብ ኢጣሊያ ክፍለ ሃገር ማርከ ሰበኻ ካመሪኖን ሳን ሰቨሪኖ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ከካይዱ ከምዝዀኑ ሓቢሮም፡ ቀዳም ዕለት 20 ሰነ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ንጐሆ ሰዓት ትሽዓተን ፈረቓን ብምኽንያት በዓል ቅዱሳን ጴጥሮስ ዎጳውሎስ መስዋዕተ ቅዳሴ ክሰርዑን ንሓደስቲ ሊቀ ጳጳሳት ናይ ሓዋርያት ናይ እምነት ኑዛዜ ትእምርቲ ዝዀነ መንጠሊና ባሪዀም ክህቡን ዕለት 1 ሓምለ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ናይ ብፁዓን ካርዲናላት ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ንጐሆ ሰዓት 10 እዋጅ ቅድስና ዘማእከለ ልሙድ ናይ ብፁዓን ካርዲናላት ጉባኤ ከመርሑ ምዃኖም ኣፍሊጦም።

ናይ ግንቦትን ሰነን 2019 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ናይ ሊጡርጊያ መርሓ ግብሪ
02 May 2019, 17:40