ር.ሊ.ጳ.፥ ብዛዕባ ናይ ገዛእ ርእስና ምጥርጣራር ምስ ኢየሱስ ምዝታይ

ተቖጢዕካ ምስ ኢየሱስ ምዝራብ ንገዛእ ርእሱ ጸሎት እዩ፡ ነዚ ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና ሮማ ኣብ ዝርከብ ቁምስና ቅዱስ ጁሊዮ ዕለት 7 ሚያዝያ 2019 ዓ.ም. ሓውጾተ ኖልዎ ፈጺሞም ምስ ናይታ ቁምስና መንእሰያት ተራኺቦም ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ሞዳን ክኸውን እንከሎ፡ ኢየሱስ ናይ ልባትና ሓቀነት ክርእይ ባህ እዩ ዘብሎ፡ ንሓደ ሰብ ካብ ላዕሊ ንታሕቲ ንምጥማት ቅኑዕን ትኽክለይና ዝዀነሉ እዋን ካብ ዝወደቖ ሓፍ ንኽብል ንምድጋፍ ኣብ ዝብል ኩነት ጥራሕ እዩ፡ ንማንም ሰብ ኣናኣኢስካን ኣትሒትካን ዘይምርኣይ፡ ዝወደቐ ንምትንሳእ ናይ ኵላትና ሓላፍነት እዩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦና ሮማ ኣብ ዝርከብ ክፍለ ከተማ ሞንተ ቨርደ ኣብ ዘሎ ቁምስና ቅዱስ ጁሊዮ ዕለት 7 ሚያዝያ 2019 ዓ.ም. ሓውጾተ ኖልዎ ከምዘካየዱን ቅዱስነቶም ነቲ ዳግም ዝተሓንጸ ቅዱስ ጁሊዮ ቁምስና መንበር ታቦት ንኽባርኹ ኣብቲ ናይቲ ቁምስና ምእመናን ሓጐስ ክሓብሩን ምስ ኣባላት ቁምስናን ተራኺቦምን፥

ኣብታ ቁምስና ልክዕ ድሕሪ ቐትሪ ሰዓት ሰለስተን ኣርብዓን ሓሙሽተን ደቓይቕ በጺሖም በቶም ኣባላት ቍምስና ምዉቕ ኣቀባብላ ከምእተገበረሎም ዝሓበራ ልእኽቲ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ልዊሳ ኡርባኒ ኣስዒበን፡ ቅዱስነቶም ነቲ ምብጻሕ ዝፈጸምዎ ብናይ ሰበኻ ሮማ ህይነተ ብፁዕ ካርዲናል ኣንጀሎ ደ ዶናቲስን ብናይ ዞባ ሰሜን ሮማ ተሓባባሪ ህየንተ ብፁዕ ኣቡነ ፓውሎ ሰልቫዳጂን ብናይታ ቁስምና ቆምስ ኣባ ዳሪዮ ፍራቲኒ ተሰንዮም ክኸውን እንከሎ፡

ር.ሊ.ጳ.፥ ብዛዕባ ናይ ገዛእ ርእስና ምጥርጣራር ምስ ኢየሱስ ምዝታይ

ርክብ ምስ ዝተፈላለዩ ማሕበራት ቁምስና ቅዱስ ጁሊዮ

ቅዱስ ኣቦና ናይታ ዳግማይ ዝተሓንጸት ቁምስና መንበረ ታቦት ንምብራክ ቅድሚ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ምስ ዝተፈላለዩ ማሕበራት ቁምስና ቅዱስ ጁሊዮ ተራኺቦም፡ እቲ ቁምስና ነታ ሓዳሽ ቤተ ክርስቲያን ንምሕናጽ ሓገዝ ንምርካብ ዘካየዶ ጻዕሪ ዘኪሮም ኣብኡ ምርኻቦም ዓቢይ ሓጐስ ከምዝዀኖም እውን ገሊጾም፡ ንሓደስቲ ሰብ ሓዳርን መራዑትን፥ ኣብ መንጐኦም ቁጣዔን ዘይምርድዳእን እንተጋጠመ ከይፈርሑን ይቕረ በለይ ይቕረ በልለይ ምብህሃል እዩ ቤት ዝሓንጽ፡ ሕድገት ኣብ ሓባራዊ ናብራ ወሳኒ እዩ፡ ብዝያዳ ኣብ ሓዳር፡ ናይቲ ቁምስና ቤት ጽሕፈት ካሪታስ (ናይ ሰብኣዊ ሓገዝ ቤት ጽሕፈት) ዝፍጽሞ ግብረ ሰናይን፥ ግብረ ሰናይ ብፍቕርን ብተወፋይነትን ምስ ዝኸውን እቲ ዝቐብር ሓገዝ ነቲ ሕዋያዊ ሳምራዊ ዝውክል ከምዝኸውን ኣብሪሆም።

ኢየሱስ ዘየጣዕስ  ጠሪሹ ዘየደናግርን እዩ

ብስም ኢየሱስ ዝመጽእ ዝተባርከ እዩ፡ ስለምንታይ ኣብ ኢየሱስ ምድንጋር የሎን፡ ካልእ ሕቡእ ረብሓ የሎን፡ ግልጺ ፍቕሪ እዩ፡

ምስ በሉ ምስ ትሕቲ ዕድመ ኣባላት ቁምስና ኣብ ዘካየድዎ ርክብ፡

ዝብላዕ ንስኻትኩም ሃቡዎም

ንድኻን ዝዓረቐን ሓውና ንድግፍ ንዅን፡ ከምቲ እግዚኣብሔር ንኣና ኣንሕና እውን ከምኡ ምስ ካልኦት፡ ዝብላዕ ሃብዎም እዩ ዝብል፡ …

ምጥርጣር ከፍርሓኩም የብሉን

ኣብ ጉዕዞ ሕይወት ብዙሕ ምጥርጣር ከጋጥም ይኽእል ኣብ ምጥርጣራትና ግና ኣብ ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ተኣማንንት ርግጸይናነት ክህልወና ይግባእ፡ ናይ ኢየሱስ ተኣማንነት ንማንም ዘየደናግር እዩ፡ ስለዚህ ምጥርጣር ክህልወና ሰብኣዊ እዩ፡ ምጥርጣራትና ኩሉ ንኻልእ ከነካፍሎን ኣብ ምጥርጣርና ድጋፍ ክንደልይ ፈቓደይናታት ምዃን የድሊ፡

ብዛዕባ ዘሎና ምጥርጣር ምስ ኢየሱስ ምዝታይ

ካብ ዘጋጥመና ምጥርጣር ንምውጻእ ድጋፍ የድልየና፡ ሓበሬታ የድልየና፡ ዘሰንይ ሰብ የድልየና ብፍላይ ናይ ኢየሱስ ኣብ ጐድንና ምዃን፡ ተቖጢዕኻ ምስ ኢየሱስ ምዝራብ ከፍርሓና የብሉን ንሱ ንገዛእ ርእሱ ጸሎት እዩ፡ ከምቲ ንሱ ካብ ዝወደቕናሉ ዘተንሰኣና ኣንሕና እውን ዝወደቑ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ከነተስእ ዝተጸዋዕና ኢና።

ቅዱስ ኣቦና ካብቶም መንእሰያት ዝቐረበሎም ሕቶ ኣደጊፎም ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ምስ ኣብቅዑ ብሓባር ሰላም ለኪ ጸሎት ደጊሞም ሓዋርያዊ ቡራኬ ሂቦም ብቐጥታ ናብታ ዳግማይ ዝተሓንጸት ቤተ ክርስቲያን ከምዝኸዱ ኡርባኒ ሓቢረን።

ኣብታ ዳግም ዝተሓንጸ ቤተ ክርስቲያን በጺሖም ብበራት ጐይታ ብናይ ውዳሴን ጸጋን መዛሙር ሕለፉ፡ ዝብል ቃል ቅዱስነቶም ምስ ኣድመጹ በራት ናይቲ ዳግም ዝተሓንጸ ቤተ ክርስቲያን ተኸፊቱን ንውሽጢ ምስ ኣተዉ መንበረ ታቦት ቅድሚ ምብራኾም ክልተ መንእሰያትን ንሓንት ኣደን ምስጢረ ንስሓ ምስ ሰሩዑ፥ ነቲ ሓድሽ መንበረ ታቦት ባሪኾምን መስዋዕተ ቅዳሴ ከምዘዕረጉን ኣብ ፍጻሜ መስዋዕተ ቅዳሴ ቆሞስ ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ጁሊዮ ኣባ ዳሪዮ ፍራቲኒ ቅዱስ ኣቦና ስለ እቲ ዘካይድዎ ምብጻሕ ብስሞምን ምእመናን እታ ቍምስናን ዝተሰምዖን ሓጐስ ገሊጾም ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰንበት ዘዓቢይ ጾም ምእመናን ዝኣከብዎ ምጽዋት ቅዱስ ኣቦና ንዘካይድዎ ኣገልግሎት ግብረ ሰናይ መሳለጢ ክኸውን ብስም እታ ቍምስና ንቕዱስ ኣቦና ከምዝለገሱ ልእኽቲ ጋዜጠይና ናይ ቫቲካን ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና በነደታ ካፐሊ ሓቢረን።

ር.ሊ.ጳ.፥ ብዛዕባ ናይ ገዛእ ርእስና ምጥርጣራር ምስ ኢየሱስ ምዝታይ
08 April 2019, 17:07