መንፈሳዊ ሱባኤ ምእንቲ ደቡብ ሱዳን፡ ካብ ርሑቕ ዝነቐለ መደብ መንፈሳዊ ሱባኤ ምእንቲ ደቡብ ሱዳን፡ ካብ ርሑቕ ዝነቐለ መደብ 

መንፈሳዊ ሱባኤ ምእንቲ ደቡብ ሱዳን፡ ካብ ርሑቕ ዝነቐለ መደብ

መንእሰይ ቤተ ክርስቲያን ኣብታ ዕለት 9 ሓምለ 2011 ዓ.ም. ብውሳኔ ሕዝቢ ዝተወልደት መንእሰይ ሃገር፡ ቅድሚ ክልተ ዓመት ኣቢሉ ይኸውን ቅዱስነቶም ናብ ደቡብ ሱዳን ንኽበጽሑ ዘለዎም ድላይ ገሊጾም ከምዝነበሩ

ኣብ ሃገረ ቫቲካን ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ናይ ደቡብ ሱዳን ናይ መንግስትን ናይታ ኣብታ ሃገር ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ልኡካንን ዘሳትፍ ዕለት 11 ሚያዝያ ዝዛዘም መንፈሳዊ ሱባኤ ዕለት 10 ሚያዝያ 2019 ዓ.ም. ከምእተጀመረን፡ ደቡብ ሱዳን ኣብ ልቢ ቅዱስ ኣቦና ዘላ ሃገርን ኣብታ ሃገር ሰላም ውሑስ ክኸውን ከይተሓለሉ ኩነታት እታ ሃገር ብቐረባ ብምክትታል ወትሩ ጻውዒት ሰላም ዘቕርቡ ምዃኑ ዝፍለጥ እዩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ደቡብ ሱዳን ናይ ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ጳጳሳትን ካህናትን መጺኦም ንሓደ መዓልቲ እውን ይኹን ነታ ሃገር ብሓባር ምስ ናይ ካንተርብርይ ሊቀ ጳጳሳት ናይ ውህደት ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ላዕለዋይ መንፍሳዊ መራሒ ብፁዕ ኣቡነ ጁስቲን ወልባይ ብጽሕዋ እንክብሉ ከምዝሓተትዎምን ነዚ ዕድመ’ዚ ግምት ብምሃብ ናይ ቀረባ ተሓባበርቶም እዚ ሓዋርያዊ መገሻ’ዚ ክኡል ክኸውን ኩነታት የጽንዑ ከምዘለዉን ባዕሎም ቅዱስነቶም ዕለት 26 ለካቲት 2017 ዓ.ም. ሮማ ኣብ ዝርከብ ናይ ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኵሎም ቅዱሳት ምብጻሕ ኣካይዶምን ምስ ምእመናን ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ተራኺቦምን ዝገለጽዎ ሓሳብ ምዃኑ ልእኽቲ ጋዜጠይና ናይ ቫቲካን ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ኢዛበላ ፒሮ የዘኻኽራ።

መንእሰይ ቤተ ክርስቲያን ኣብታ መንእሰይ ሃገር

መንእሰይ ቤተ ክርስቲያን ኣብታ ዕለት 9 ሓምለ 2011 ዓ.ም. ብውሳኔ ሕዝቢ ዝተወልደት መንእሰይ ሃገር፡ ቅድሚ ክልተ ዓመት ኣቢሉ ይኸውን ቅዱስነቶም ናብ ደቡብ ሱዳን ንኽበጽሑ ዘለዎም ድላይ ገሊጾም ከምዝነበሩን ይዅን ደኣ እምበር እዚ ድላይ’ዚ ንምኽዋን ኵነታት ዘየፍቕዶ ብምዃኑ ገና ድላይን ሃረርታን ኰይኑ ዝተረፈ እውን እንተመሰለ ሕጂ እውን እቲ ድላይ ምብጻሕ ኣብ ጁባ ገና ኣብ ልቦም ከምዘሎ ደጋጊሞም ዝገልጽዎ ሓሳብ እዩ፡ እታ ሃገር ካብ 2013 ዓ.ም. ኣትሒዛ ኣብ መንጐ በቶም ነበር ምኽትል ርእሰ ብሔር ዓሌት ኑወርን ሪክ ማቻር ዝምርሑን ብናይታ ሃገር ርእሰ ብሔር ዓሌት ዲንካ ዝዀኑን ሳልቫ ኪርን እሙናት ሓይሊ ምክልኻል መንጐ ዝተባርዔ ሕድ ሕዳዊ ግጭት ብሰላም ተፈቲሑ ንሕዝቢ ደቡብ ሱዳን ሰላም ክወርድ ደጋጊሞም ጻውዒት ዘቕርቡን ብጸሎትን ብሰብኣዊ ሓገዝን ቀረባ ምዃኖም የረጋግጹ።

ምእንቲ ሰላም ንደቡብ ሱዳን ኣብ 2018 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ

ዕለት 23 ሕዳር 2017 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ምእንቲ ሰላም ንደቡብ ሱዳን መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጎም፡ ኣብ ዝለገስዎ ስብከት፡

ኣብ ልዕሊ ሞት ዝተዓወትካ ጐይታ እቲ ኣሕዋት ዝፈላልይ ብፍላይ ኣብ ደቡብ ሱዳንን ኣብ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኰንጐን ዘሎ መናድቕ ጽልእን ተጻባኦነትን ኣዕንው፡ ናይቲ ውግእ ኣደዳ ዝዀናን ውግእ ኣብ ዝካየደውሉ ከባቢ ዓለም ንሓደጋ ዝተቓልዓ ደቀንስትዮን ርድኣየን፡ ብውግእ ምኽንያት ንዝሳቐዩን ናይቲ ውግእ ምኽንያት እውን ዘይኰኑ ዕሸልነቶምን ሓሊፉ እውን ሕይወቶም ዝምንዝዑ ዘለዉ ሕጻናት ኣድሕን፡ ኦ ጐይታ ኣብ መንእሰያትን ኣብ ሓላፍነት ዘለዉ ኣካላትን ብዘተን ብምይይጥን ሰላም ንምድላይ ዝብል ክቡርን ቅኑዕን ጽኑዕን ተባዕን መንፈስ ኣንብረሎም!

ዝብል ጸሎት ከምዘቕረቡ ፒሮ የዘኻኽራ።

ቅዱስነቶም ምእንቲ ደቡብ ሱዳን ዘነቓቕሕዎ ዝተፈላለዩ ተበግሶታት

ዕለት 23 ለካቲት 2018 ዓ.ም. ምእንቲ ሰላም ኣብ ደቡብ ሱዳንን ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኰንጐን ቅዱስነቶም ዝጸውዕዎ መዓልቲ ጸሎት ምክንያዱን ኣብ ሓጋይ 2017 ዓ.ም. እውን ር.ሊ.ጳ. ምእንቲ ሱዳን ዝብል ሰንበት ንደቡብ ሱዳን ዝብል መደብ ተኻይዱን ልዕሊ ፍርቂ ሚሊዮን ዶላር ከምእተኣከበን እዚ ኸኣ ንሕርሻን ሕንጸትን ክንክን ጥዕናን መውሃቢ ኣገልግሎት መሳለጢ ክኸውን ዝተዋጽአ ምዃኑ ፒሮ ኣዝኻኺረን፡

ሓዋርያዊ ምብጻሕ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ደቡብ ሱዳን

ኣብ ወርሒ መስከረም 2018 ዓ.ም. ናይ ደቡብ ሱዳን ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ቪሲታ ኣድ ሊሚና ማለት ካብ ሓምሻይ ዓመት ድርኩኺት ባሲሊካ ቅዱስ ጳጥሮስ ንምስላምን ምስ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ንኽመኽሩን ካቶሊካውያን ጳጳሳት ዝገብርዎ መደብ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ንሃገረ ቫቲካን መጺኦም ምስ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ተራኺቦምን ነቶም በቲ ኣብ ደቡብ ሱዳን ዘሎ ዘይምርግጋእ ምኽንያት ኣብ ውሽጢ ሃገሮም ንዝተመዛበሉ እናሓሰቡ ቤተ ክርስቲያን ኣብ መንጐ እቶም ዝተመዛበሉን ኣብ ጽንኩር ኩነት ዝርከቡን ሕያው ክትከውን ኣተሓሳሲቦም ከምዝነበሩ የመልክታ።

ኣገልግሎት ቤተ ክርስቲያን ብ መንጐ ተመዛበልቲ

ናይ ደቡብ ሱዳን ብፁዓን ጳጳሳት ነቲ ናይ ቅዱስ ኣቦና ምዕዳን ኣብ ግብሪ ከምዘውዓሉን እቲ ኣብ ዓለም ዝዓበየ መእለዪ ተመዛበልቲ ዜጋታት ተባሂሉ ናብ ዝነገረሉ ኣብ ሃገሮም ናብ ዝርከብ ቢዲ ቢዲ እተሰምየ መእለዪ ተመዛበልቲ ናይ ሽዱሽተ መዓልቲ ምብጻሕ ከምዘካየዱን ነቶም ተመዛበልቲ ቅርበት ር.ሊ.ጳጳሳትን ኵላዊት ቤተ ክርስቲያንን ከምዘረጋገጹን ኣብ ደቡብ ሱዳን ዓለም ሓቆፍ ናይ ኣቢያተ ክርስቲያን ቤት ምኽሪ ጨንፈር ደቡብ ሱዳን ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ መጋቤ ጀምስ ኦቨት ላታንሲዮ እውን ብወገኖም ቅዱስ ኣቦና ዘቕረብዎ ጻውዒት ተቐቢሎም ምስ ህዝብን ናብ ሕዝብን ብምባል ናይ ሕዝቢ ጓሶት ኣብ ምዃን ኵለን ኣቢያተ ክርስቲያን ክተግሃ ጻውዒት ኣቕሪቦም እምነት ተስፋን ፍቕርን ኣብ ምስፋሕ ይርከቡ።

ክልኢኣዊ ርክብ ቅዱስ ኣቦና ንወግዓዊ ምብጻሕ ሃገረ ቫቲካን ንዝኣተዉ ናይ ደቡብ ሱዳን ርእሰ ብሔር ሳልቫ ኪርን

ዕለት 16 መጋቢት 2019 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሃገረ ቫቲካን ንወግዓዊ ምብጻሕ ንዝኣተዉ ናይ ደቡብ ሱዳን ርእሰ ብሔር ሳልቫ ኪር ማያርዲት ተቐቢሎም ከምዘዘራረቡን ብዛዕባ እቲ ኣብታ ሃገር ተበጺሑ ዘሎ ናይ ሰላም ስምምዕን ትግባሬታቱን ኣማእኪሎም እውን ዘትዮምን ኣብ ደቡብ ሱዳን ምብጻሕ ከካይዱ ዘለዎም ተስፋ ከምዝገለጹን ካብ ቅዱስ ኣቦና ተፋንዮም ብናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ጉዳይ ርክባት ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ፓውል ሪቻርድ ጋላገር ምስ ዝተሰነዩ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ተራኺቦምን፡ ኣብ ደቡብ ሱዳን ቤተ ክርስቲያን ኣብ መዳይ ሕንጸትን ክንክን ጥዕናን ኣብ ጐደና ሰላም እተበርክቶ ኣስተዋጽኦ ዓቢይ ምዃኑ ዘመላኸተ ርክብ ምንባሩ ዝገለጸ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፡ ቅዱስ ኣቦናን ርእሰ ብሔር ሳልቫ ኪር ማያርዲት ብዛዕባ ሰላም ዝምልከትን ኣብዚ መዳይ ናይ ቤተ ክርስቲያን ኣስተዋጽኦ ኣፍልጦ ኣብ ዝሃበ ርእሰ ጉዳይ ሰፊሕ ምይይጥ ከምዘካየዱ እውን ናይ ቀረባ ተዘክሮ ምዃኑ ትማሊ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ሓቢሩ።

ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ጉዳይ ርክባት ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ጋላገር ኣብ ጁባ

ኣብ ደቡብ ሱዳን ሰላም ክረጋገጽ ኣብ ዝካየድ ጻዕሪ ናይ ቅድስቲ መንበር ጽኑዕ ድጋፍ ቀጻልን ነባርን ምዃኑን ኣብ ደቡብ ሱዳን ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ጉዳይ ርክባት ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ፓውል ሪቻርድ ጋላገር ኣብታ ሃገር ምብጻሕ ኣካይዶምን ብስነ ሜላዊ ርክብ ዘተ ምንቕቓሕን ናብ ዕርቂ ምድራኽን ዝብል መርሕ ቃል ዝገበረን ዕለት 25 መጋቢት 2019 ዓ.ም. ዘካየድዎ ምብጻሕ እውን ይዝከር።

ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር ዕለት 21 መጋቢት 2019 ዓ.ም. በታ ናይታ ኣብ 2011 ዓ.ም. ናጽነታ ዝኣወጀት መንእሰይ ሃገር ምስ ኣተዉ ኣብታ ሃገር ብእትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብፁዓን ጳጳሳትን ምእመናንን ናይ ደቡብ ሱዳን ናይ መንግስቲ ኣካላትን ኣቀባብላ ምስ ተገበረሎም፡ ናይቲ ምብጻሕ ዕላማ፡ ኣብ ደቡብ ሱዳን በቲ ሓሙሽተ ዓመት ዘቑጽር ዘሎ ውሽጣዊ ግጭት ስዒቦም ዝመጹ ናይ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ብድሆታት ብመንጽር ብሔራዊ ዕርቂ ንምልካትን ናይታ ሃገር ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ እቲ ዕለት 12 መስከረም 2018 ዓ.ም. ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ መንጐ ናይ ደቡብ ሱዳን ተጻባእቲ ሓይልታት ዝተበጽሐ ስምምዕ ሰላም ብመንጽር ብሔራዊ ዕርቂ ክትርጐም እንክብሉ ንዘቕረብዎ ጻውዒት ንምርግጋጽ ዝብል እዩ።

ብፁዕነቶም ኣብ ናይ ርእሰ ብሔር ሕንጻ ምስ ርእሰ ብሔር ሳልቫ ኪር ተራኺቦም እቲ ኣብ ወርሒ  መጋቢት ዕለት 16, 2018 ዓ.ም. ኣብ መንጐ ቅድስቲ መንበርን ደቡብ ሱዳንን ዝተበጽሔ ስነ ርክባዊ ሜላ ስምምዕን ህልው ኩነታት ደቡብ ሱዳንን ናይ መወዳእታ ናይ ሰላም ስምምዕ ውሳኔታትን ኣብ ዝብሉ ነጥብታት ከምእተመያየጡን ኣስዒቦም እውን ኣብ ደቡብ ሱዳን ኣብ ዝርከብ ካቶሊካዊ  መንበረ ጥበብ ምስ 1,500 ተመሃሮ ተራኺቦም ደቡብ ሱዳን ብሰላምን ብምሉእነትን ሰብኣዊ ክብሪ ዝነበረላ ሃገር ኣብ ዝብል ሓሳብ ኣማእኪሎም ዘረባ ከምዘስምዑን ኣብቲ መንበረ ጥበብ ሓድሽ ናይ ፍትሕን ሰላምን ክፍለ ትምህርቲ ሕንጻ መሰረተ እምን ኣንቢሮም ከምዝባረኹን ናይቲ ካቶሊካዊ መንበረ ጥበብ ንዝኽሪ ቅዋሜ ዓስራይ ዓመት ኦም ከምዝተኸሉ ምስቲ ብኣንጀሊና ተንይ  ናይ ሕዝባዊ ናጽነት ምንቅስቓስ እተሰምየ ተቓዋሚ ናይ ፖለቲካ ውድብ ናይ ጸጥታን ደሕንነትን ምክልኻልን ጉዳይ ሓላፊት በዓልቲ ቤት ሪክ ማቻርን ተራኺቦም ሓሳብ ንሓሳብ ከምእተለዋወጡ ይዝከር።

ጁባ ኣብ ዝርከብ ቅዱስ ጳውሎስ ቤት ትምህርቲ ዘርኣ ክህነት ዓቢይ ተመሃሮን ናይቲ ቤት ትምህርቲ ዘርኣ ክህነት ኣሕሉቕን ዘሳተፈ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጎም ምስ ኣብቅዑ ኣብ ርእሰ ከተማ ጁባ ደጋዊ ፍከል ከተማ ናብ ዝርከብ ልዕሊ 32 ሺሕ ተመዛበልቲ ዝተዓቖቡሉ ብውዱብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ዝመሓደር ማእከል ስደተይናታን ተመዛበልትን ምብጻሕ ኣካይዶም፡ ኣብቲ መእለዪ ተመዛበልቲ ዝርከብ ብማሕበረሰብ ደቂ ቅድስተ ማርያም ንጽሕትን ተሓባበርተንን ዝመሓደር ቤት ትምህርቲ ተመዛበልትን ስደተይናታትን ከምዝበጽሑ ሓቢርና ከምዝነበራ ይፍለጥ።

ጸረ ጽልእን ኣጽዋር ውግእን

ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር ምስ ታሪኻዊ መራሒ ነፍሰ ሄር ጆን ጋራንግ በዓልቲ ቤት ረበካ ንያደግን ኣብ ጁባ ዝርከቡ ናይ ወጻኢ ሃገራ መግስታት ልኡካንን ጁባ ኣብ ዝርከብ ካቴድራል ቅድስቲ ተረዛ ዘሕጻነ ኢየሱስ ናይ ሰበኻ ጁባ ካናትን ርእሰ ብሔር ሳቫኪር ዝርከብዎን ናይ ፖለቲካ ኣካላትን ዘሳተፈ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጎም፡ ኣብ ጐዳና ጸረ ጽልእን ጸረ ኣጽዋር ውግእ ንምስጓም ሕይወትን ሰላምን ናይ ሓባር ጥቕምን ዝብሉ ዕሴታት ምቕዳም ወሳኒ ምዃኑ ዘነጽር ስብከት ከምዝለገሱን ድሕሪ ፍጻሜ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ረጃፍ ዝርከብ ቍምስና ኵሎም ቅዱሳትን ንኡስ ቤት ትምህርቲ ዘርኣ ክህነት ቅዱስ ሎረንዞን ብደናግል ደቂ ፍቕሪ ዝመሓደር ቅድስቲ ጆቫና ኣንቲኣ ቱረት እተሰምየ መእለዪ ዘኽታማትን ምብጻሕ ከምዘካየዱን ናብ ሮማ ቅድሚ ምንቃሎም ኣብ ደቡብ ሱዳን ንውድብ ሕቡራት መግንስታት ዓለም ፍልዩ ወኪል ዳቪድ ሺረር ተራኺቦም ከምእተመያየጡን ኣስዒቦም ምስ ውሉደ ክህነት ኣባላትን ገዳማውያንን ገዳማውያትን ተራኺቦም፡ ኣብታ ሰላም እተናድይ ሃገር ብድሆታት ኣስፍትሆተ ወንጌል ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ሰፊሕ ኣስተምህሮ ከምዝሃቡን ደቡብ ሱዳን ሰላም ዝዓሰላ ሃገር ክትከውንን ምብጻሕ ቅዱስ ኣቦና ክትዕደል ንጸልይ ቢሎም፡ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ርእሰ ብሔር ኪር ኣብ መንበሮም ተቐቢሎም ኣዘራሪቦምን ደቡብ ሱዳን ክበጽሑ ዘለዎም ሃረርታ ዓቢይ ምዃኑ ከምዝገለጹሎም ዘኪሮም። እዚ ንናይታ ሃገር ህዝቢ ዘለዎም ቅርበት ዘረጋግጽ እዩ። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ቅድስቲ መንበር ዕለት 3 ጥሪ 2019 ዓ.ም. ምስታ ሃገር ብዝተበጽሔ ስምምዕ ምኽንያት እውን ኣብ ጁባ ናይ ሓዋርያዊ ልኡኽ ሕንጻ ብወግዒ ኣቑይማ ናይ ቶሪት ስዩም ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ስተፋን ኣመቩ ማርቲን ሙላ ሓዋርያዊ ወኪል ኰይኖም ብቑድስነቶም ከምእተላእኩ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ኢዛበላ ፒር ንድሕሪት ምልስ ቢለን ፍጻሜታት ጠቒሰን ካብ ዘመሓላለፈኦ ጸብጻብ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

መንፈሳዊ ሱባኤ ምእንቲ ደቡብ ሱዳን፡ ካብ ርሑቕ ዝነቐለ መደብ
10 April 2019, 16:45