ሰባኬ ቤተ ር.ሊ.ጳ ኣባ ካንታላመሳ ሰባኬ ቤተ ር.ሊ.ጳ ኣባ ካንታላመሳ  

ንእግዚአብሔር ኣምልኾ ምቕራብ ኣድላዪ እዩ! ክብሪ ኸኣ የልብሰና! ሰባኬ ቤተ ር.ሊ.ጳ ኣባ ካንታላመሳ

መቀራረቢ ፋሲካ ንክኸውን ኣብ ዘመነ ጾመ ኣርባዓ ኣብ ሰሙን ሓደ ግዜ ዓርቢ ዓርቢ ብሰባኬ ቤተ ር.ሊ.ጳ ኣባ ካንታላመሳ ዝቐርብ ንር.ሊ.ጳን መሣርሕቶምን ዝቀርብ ስብከት ትማሊ እውን ‘ኣምልኾ ማለት እንታይ ማለት እዩ!’ ብዝብል ኣርእስቲ ቀሪቡ።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ሰባኬ ቤተ ር.ሊ.ጳ ኣባ ካንታላመሳ ስብከቶም ካብ ጽሑፋት ቅዱስ ፍራንቸስኮስ ዘኣሲዚ ብምጥቃስ ይጅምርዎ። ቅዱስ ፍራንቸስኮስ ናይ ሎሚ ሾመንተ ሚእቲ ዓመት ይገብር ብ1219 ምስ ሱልጣን ናይ ግብጺ ተራኺቡ ምስ ተመልሰ ናብ ደቂ ማሕበሩ ኣብ ዝጸሓፋ መልእኽቲ ‘ኩሎም ወግሔ ጸብሔ ኣምልኾ ናብ እግዚአብሔር ከቅርቡ ኩሎም ኣብ ትሕቲ ኣገልግሎቶም ዝርከቡ ሕዝብታት እውን ከምኡ ናብ እግዚአብሔር ኣምልኾን ምስጋናን ከምዘቅርቡ ክገብሩ’ ይምሕጸኖም። ‘ነዚ እንተዘይገቢርኩም ኣብ ቅድሚ ኢየሱስ ክርስቶስ ብእግዚአብሔር ኣቦ ኣብ ናይ መጨረሻ ፍርዲ ክትሕተቱሉ ኢኹም` እንክብል እውን ቀንዲ ውራይ ናይ ኩሎም ደቂሰባት ኣምልኾ ምቅራብ ምዃኑ ይገልጽ።

ንምዃኑ ኣምልኾ እንታይ እዩ! ኢሎም ይሓቱ እሞ ‘ንጐይታ ኣምልኾ ምቅራብ ማለት ከም ኣብ ድቅድቅ ጸልማት ብልጭታ መብራህቲ ምርካብ ከምኡ እውን ኣብ ወሰን ዘይብሉን ዕምቘቱ ዘይፍለጥን ባሕሪ ምጥሓል ኣብቲ መወዳእታ ዘብሉ ፍቅሪ እግዚአብሔር ምጥሓል እዩ’ ይብሉ። እዚ ከኣ ናይ እግዚአብሔር ዕብየትን ጽባቄን ከምኡ ኣውን ሕያውነቱን ወትሩ ኣብ መንጎኻ ምህላውን ምስትምቃር እዩ። እንክብሉ ናይ ትማሊ ስብከቶም ኣብታ ንእግዚአብሔር ኣምላኽካ ኣምልኽ ብዝብል ኣርእስቲ ኣቅሪቦም።

አብ ቅድሚ ህላዌ እግዚአብሔር ሱቚታ የድሊ!

ኣምልኾ ብተግባር እንግለጽ ኣብ ቅድሚ እቲ እተምልኾ ብግንባርካ ተደፊእካ ዘሎካ ኣኽብሮን ተገዛእነትካን እትገልጸሉ ኣገባብ ነበረ። እዚ ኣገባብ እዚ ኣብ ወንጌላትን ኣብ ራእዩ ለዮሓንስን መላእኽትን 24 ካህናት ሰማያትን ንእግዚአብሔር ኣምልኾ ዘቅርብሉ ኩነታት ይግለጽ። እዚ ኣምልኾ እዚ እንትርፎ ንእግዚአብሔር ንማንም ካልእ ክቀርብ ዘይብሉ ምዃኑ እዩ። ካብ ዓበይቲ ቅዱሳን ሓደ ዝኾነ ቅዱስ ጎርጎርዮስ ዘኑሲስ ‘ኣምልኾ ማለት ብሱቚታ ናብ እግዚኣአብሔር ዝቀርብ ማህሌት እዩ’ይብል ነበረ።

“ነቲ ካብ ሓሳብ ናብ ሓሳብ ዝናጠር ኣእምሮና ገለ ናብ እግዚኣአብሔር ከቅርብ እንተደሊናዮ ብሓጸርቲ ቃላት ቅልል ብዝበለ መንገዲ ምቅራብ የድሊ። ንኣብነት ኣሜን ኣሜን እናበልካ። ኣምልኾ ምቅራብ ማለት ኣሜን ኢልካ ምቅባል እዩ። እግዚኣአብሄር ኣምላኽካ ምዃኑ ምቅባል ንኣኡ እሺ ሕራይ ምባል ከም ፍጡር እግዚአብሔር ንኣኡ ምቅባል እዩ።”

ኣምልኮ ንሓቂ ሓራ ይገብራ!

ሰባኬ ቤተ ር.ሊ.ጳ ነዛ ኣምልኾ ትብል ቃል ብሰፊሑ ንምትንታን መሥዋዕቲ ከምዘድሊ እዚ ከኣ እቲ ኣነ ዝብል ምኩሕ ኣነነት ከም መሥዋዕቲ ክቀርብን ፈጺሙ ክጠፍእን ኩሉ ክብርን ኣምልኾን ስግደትን ነቲ ዝግብኦ ጐይታ ክቀርብ። ብዘይ ጐይታ እቲ ኣነ ዝብል ህላዌ ከምዘይብሉ ተረዲኡ እዚ ከኣ ንቃል ዓለም ወይ ንምስትምሳል ዘይኮን ሓቂ ምዃኑ ከምእንግንዘብ ይገብር። በዚ ከኣ ሓቀኛ ኣምልኾ ነታ ብኢፍትሓውነት ተኣሲራ ዝነበረት ሓቂ ሓራ የውጽኣ። ብሓቀኛ ኣምልኾ ነገራት ኣብ ጥንተ ኩነቶም ናብ እግዚአብሔር ይምለሱ። ከመይ ኩሉ ናቱ ስለዝኾነ ናትና እንብሎ ኣነ እንብለሉ ኣብነት የለን ኢሎም።

“ኣምልኾ ምቅራብ ምናልባት ዘዋርደና ዘትሕተና ከይመለና ከኣ መጠን ኣምልኾ ዘቅረብናሉ መጠኑ ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔርን ሰብን ክብሪ ንረክብ።”

ኣምልኾ ምቅራብ ክብሪ የልብስ!

ከምቲ ማይ ናብ ባሕሪ ገጹ ብምውሓዙ ሰላሙ ዝረክብ ከምኡ እውን ሓደ ዝበርር ዑፍ ንመዓዝን ንፋስ ተኸቲሉ ክበርር እንከሎ ደስ ዝብሎ እቲ ናብ እግዚኣአብሔር ኣምልኾ ዘብጽሕ እውን ንእግዚአብሔር ከምልኽ እንከሎ ደስ ይብሎ።

ናብ እግዚአብሔር ኣምልኾ ምቅራብ ብግዲ ዝግበር ግዴታ ኣይኮነን እኳ ደኣ ሓደ ክብሪ እዩ። ወዲ ሰብ ኣምልኾ ከቅርበሉ ዘለዎ ሓደ በዓል ግርማ የድልዮ። ስለዚኸስ እግዚኣአብሔር ኣይኮነን ንክምለኽ ዝደሊ እንታይ ደኣ ወዲሰብ እዩ ከምልኽ ዝደሊ። ድላዩ ብምርካቡ ከኣ ክብሪ ክስምዖ የድሊ።

ኣምልኾን ስግደትን ቅዱስ ቚርባን!

ምስ እዚ ተታሓሒዙ ዝኸይድ ቤተክርስትያን እተቅርቦ ካልእ ፍልይ ዝበለ ኣምልኾ እውን ኣሎ እዚ ኸኣ ኣምልኾን ስግደትን ቅዱስ ቊርባን እዩ። እዚ ናይ ነዊሕ ጒዕዞ ክርስትያናዊ ሠናይ ተግባር እዩ። እዚ ልማድ እዚ ኣብ ምዕራባዊት ቤተክርስትያን ካብ መበል 11 ክፍለዘመን እዩ ጀሚሩ እዩ ክምዕብል መጺኡ።

ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብ ቅዱስ ቊርባን ዘሎ ኢየሱስ ሃዲእካ ብሱቑታ ምስትንታን ወይውን ኣብ ቅድሚ ሓደ ናቱ ኢቆና ዝግበር ኣስተንትኖ እዩ። ከምዚ ብምግባር ከኣ ኩሉ መደባትካን ሓሳባትካን ኣውሪድካ ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ መደባትን ሓሳባትን ክትሰምዕን ክተተግብርን ምስ እትጅምር ብርሃን እግዚኣአብሔር ኣብ ልብኻ ይኣቱ እሞ ንኩሉ ነገራትካ ይፍውስ።

እዚ ኣገባብ እዚ ከምቲ ሓምላይ ቆጽልታት ብናይ ብርሃን ጸሓይ ተደጊፎም ፎቶሲንተሲስ ብዝበሃል ኣገባብ ምግቦም ዘሰናድውሉ ኣገባብ ይመሳሰል። ኣቊጽልቲ ካብቲ ኣብ ከባቢኦም ዘሎ ንፋስ ዘድልዮም ንጥረነገራት ወሲዶም ብብርሃን ጸሓይ ተደጊፎም ነታ ኦም ዝኸውን ቀለብ የሰናድው። ብዘይካ እዘን ኣቊጽልቲ እዚአን እታ ኦም ክትዓቢ ኣይትኽእል ፍረ ክትህብ ኣይትኽእል ብዓቢኡ ከኣ እቲ ንምስትንፋስና ዝጠቅም ኦክስጅን ክርከብ ኣይምተኻእለን። ንሕና እውን ኣብ ቅድሚ ቅዱስ ቊርባን ከምዘን ኣቊጽልቲ ኰና ካብቲ ካብ ጐይታ ዝመጽእ ብርሃን ንድሕነትና ዝኸውን ነገራት ክነፍሪ ይግባእ።

ሕቡእ ጸጋ!

ኣብ ኣምልኾን ስግደትን ቅዱስ ቚርባን ብዙሕ ዝተሓብኤ ጸጋታት ኣሎ። ልዕሊ ኩሉ እቲ ዝበልናዮ ሰማያዊ ብርሃን ንኩለንትናና ኣብሪሁ ምስ እግዚኣአብሔር ክህልወና ንዘለዎ ርክብ የደልድሎ ምስ ብቀጻሊ ከምእንተኣሳሰር ይግበረና። ምስጋና ነተን ለይትን መዓልትን ኣብ ኣምልኾን ስግደትን ቅዱስ ቊርባን ዝርከባ ነፍሳት ይኹን ቤተክርስትያን ብዙሕ ዝረኤን ዘይረኤን ጸጋታት ትቅበል።

“ነዚ ኣምልኾ እዚ ብግህዶ ክገብር ዝጀመረ ብ1967 ኣብ ሕቡራት መንግሥታት ኣመሪካ ዝተመሥረተ ብመንፈስ ቅዱስ ምህዳስ ዝብል ምንቅስቃስ ኮይኑ ኣብዘን ዝሓለፋ 50 ዓመታት ንብዙሓት ኣሓዲሱ ቤተክርስትያን ከኣ ሓደስቲ ግላውን ማሕበራውን ነገራት ከምእተስተማቅር ገርዋ። እዚ ምንቅስቃስ እዚ ንመላእ ቤተክርስትያን ዝኸውን ዋሕዚ ጸጋታት ኣለዎ፣ ቀንዲ ምንጪ ናይዚ ምንቅስቃስ ከኣ ኣምልኾን ስግደትን ቅዱስ ቊርባን እዩ።”

ኣብ ኣምልኾ ቅዱስ ቊርባን ቤተክርስትያን ኣብዚ እግዚኣአብሔር ኣሎ ትብለና።

ብዙሓት ቊምስናታትን ማሕበራትን ነዚ ሠናይ ልማድ እዚ ኣብ ዕለታዊ ወይውን ሶሙናዊ መደባቶም ሰሪዖሞ ብዙሕ ጸጋ ኪሓፍሱሉ ይርከቡ። ለይትን ቀትርን ኣብቲ ኣምልኾን ስግደትን ቅዱስ ቊርባን ዝግበረሉ ዝመላለሱ ሰባት ድሕሪ ብዙሕ ላዕልን ታሕትን ኣብ ቅድሚ ቅዱስ ቊርባን ብርግኣትን ጸጥታን ከስተንትኑ ምስ ጀመሩ ኣብዚ እግዚኣአብሔር ኣሎ ይብሉ።

ኣምልኾ ኣብ መንጎ ኅልቀተ ዓለምን ትንቢትን!

ምናልባት ኣስተንትኖ ክርስትያን ኣብ ገዛእ ርእስኻ ተመሊስካ መንነትካ ንምድላይ ወይውን ካልእ ጥልቂ ነገራት ሃሰስ ምባል ኣይኮነን።  እቲ ቀንድስ ነቲ ብትንቢት ‘ነቲ ዝተወግአ ጐድኑ ክጥምቱ እዮም` (ዮሓ 19,17) ዝበሎ ኢና ኣብ ግብሪ ነውዕል ዘሎና። ነቲ ምእንታና ዝተወግኤ ጐድኑ ነቲ ካብኡ ምንጪ ድሕነትና ዝኾነ ማይን ደምን በዚ ከኣ ኩለን ምሥጢራት ቤተክርስትያን ዝሠርዓልና ሥጋን ደምን ኢየሱስ ኢና ንምልከትን ነስተንትንን ዘሎና። እዚ ከኣ ነቲ ኣብ ሰማያዊት ኢየሩሳሌም ንዘለዓለም ገጹ እናረአና ብብርሃኑ በሪህና ክንገብሮ ንዘሎና ኣቀዲምና ከም እነስተማቅሮ ይገብረና። ኣብ መወዳእታ ዓለም መሥዋዕተ ቅዳሴ ምዕራግስ ይኹን ሥጋኡን ደሙን ምምጋብ ኩሉ ደው ክብል እዩ እቲ ገጹ እናረኣኻ ዝግበር ኣስተንትኖን ታሕጓስን ግን ንዘለዓለም ክቅጽል እዩ። እንክብሉ ስብክቶም ዛዘሙ።

ነዚ መደብ’ዚ ብድምጺ ንምክትታል ኣብ’ዚ ጠውቑ!
06 April 2019, 17:49