ር.ሊ.ጳ. ናይ ረፓብሊካዊት ቶጐ ርእሰ ብሔር ተቐቢሎም ከምዘዘራረቡ ር.ሊ.ጳ. ናይ ረፓብሊካዊት ቶጐ ርእሰ ብሔር ተቐቢሎም ከምዘዘራረቡ 

ር.ሊ.ጳ. ናይ ረፓብሊካዊት ቶጐ ርእሰ ብሔር ተቐቢሎም ከምዘዘራረቡ

ኣብቶም ዝተኻየዱ ክሌኣዊ ርክባት፡ ቅድም ቀዳድም ሰናይ ዝምድናን ክልቲኤን ሃገራትን እቲ ዝምድና ብዝያዳ ከጽንዑ ኣብ ዝኽእሉ ነጥብታት ድሕሪ ዝተኻየደ ምይይጥ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 29 ሚያዝያ 2019 ዓ.ም. ንወግዓዊ ምብጻሕ ሃገረ ቫቲካን ንዝኣተዉ ናይ ረፓብሊካዊት ቶጐ ርእሰ ብሔር ፉረ ኤሶዚምና ኛሲንግበን ኣብ ሓዋርያዊ መንበሮም ተቐቢሎም ከምዘዘራረቡን ኣብ መንጐ ቅድስቲ መንበርን ሃገረ ቶጐን ዘሎ ሰናይ ዝምድና ዘረጋገጸ ርክብ እውን ምንባሩ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ከምዘመልከቶ፡ ናይ ረፓብሊካዊት ቶጐ ርእሰ ብሔር ፉረ ኤሶዚምና ኛሲንግበ ካብ ቅዱስ ኣቦና ምስ ተሰናበቱ ብናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ጉዳይ ርክባት ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ፓውል ሪቻርድ ጋላገር ምስ ዝተሰነዩ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ከምእተራኸቡ ክፍለጥ እንከሎ፡

ኣብቶም ዝተኻየዱ ክሌኣዊ ርክባት፡ ቅድም ቀዳድም ሰናይ ዝምድናን ክልቲኤን ሃገራትን እቲ ዝምድና ብዝያዳ ከጽንዑ ኣብ ዝኽእሉ ነጥብታት ድሕሪ ዝተኻየደ ምይይጥ፡ ብዛዕባ ህልው ኩነታት ሃገረ ቶጐን ኣስተዋጽኦ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ሕንጸትን ክንክን ጥዕናን ኣብ ኵለንተናዊ ምዕባለ ሕዝቢ እታ ሃገርን ዓቢይ ምዃኑ ዘቃልሔ ርክብ ምንባር ዝገለጸ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፥

ህልው ኵነታትን ብድሆታት ክፍለ ዓለም ምዕብራዊ ከባቢ ኣፍሪቃን ዛዕባ ትሕተ ሰሃራ ሃገራት ኣፍሪቃን፡ ሰላምን ምርግጋእን ጸጥታን ደሕንነትን ውሕስ ንምግባር ብብሔራውን ብዓለም ለኻውን መዳይ ክሳለጡ ዘለዎም ጻዕርታት ኣብ ዘተኰሩ ርእሰ ጉዳያት እውን ምይይጥ ምክያዱ ኣፍመልኪቱ።

ር.ሊ.ጳ. ናይ ረፓብሊካዊት ቶጐ ርእሰ ብሔር ተቐቢሎም ከምዘዘራረቡ
30 April 2019, 16:51