ቃል ቅዱስ ኣቦና ንካቶሊካዊ ፈደራላዊ ማሕበር መጽሓፍ ቅዱስ፥ ቃል ኣምላኽ ኣብ ጐደናታት ዓለም

ቅዱስ ኣቦና ንተጋባእያን ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ነቲ ናይ ለምዘበን ዓውደ መጽናዕቲ ኣርእስቲ፥ ቅዱስ መጽሓፍን ሕይወትን ዝብል ምዃኑ ዘኪሮም

ቃል ኣምላኽ ናይ ቤተ ክርስቲያን ንጥፈታት ኵሉ ሕመረት እንተ ዝኸውን ክንደይ ጽቡቕ ምዀነ ነዚ ዝበሉ ቅዱስ ኣኦና ር.ሊ.ጳ. ፍራቸስኮ ኣብ ሮማ ካብ ዕለት 24 ሚያዝያ ክሳብ ዕለት 26 ሚያዝያ 2019 ዓ.ም. ናይ ካቶሊካዊ ፈደራላዊ ማሕበር ቅዱስ መጽሓፍ ተጋባእያን ድሕሪ ዘካየድዎ ዓውደ ጉባኤ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ተቐቢሎም ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ክኸውን እንከሎ፡ ቃል ኣምላኽ ህያው እዩ፡ ህያው ምብዃኑ ንዝንጋዔ ቦታ የብሉን፡ ቅዱስ መጽሓፍን ሕይወትን ክገማማዕ የብሉን እንክብሉ ከምዘተሓሳሰቡ ልእኽቲ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ቫቲካን ኣድሪያና ማሶቲ ገሊጸን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

መላእ ናይ ካቶሊካዊ ፈደራላዊ ማሕበር ቅዱስ መጽሓፍ ተጋባእያን ዕለት 26 ሚያዝያ 2019 ዓ.ም. ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዝርከብ ቀለመንጦስ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ኣቀባብላ ተገይሩሎም ቃለ ምዕዳን ቅድሚ ምቕባሎም፡ ንጐሆ ሰዓት ሸሞንተ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ መንፍሳዊ ንግደት ኣካይዶም ምስ ኣብቅዑ ናይቲ ማሕበር ኣቦ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ኣንቶኒዮ ልዊስ ታግለ ብምኽንያት ዝኽሪ መበል 50 ዓመት ምስረታ ናይ ካቶሊክ ፈደራላዊ ማሕበር ቅዱስ መጽሓፍ ብዘስምዕዎ መደረ እቲ ዓውደ መጽናዕቲ ከምእተዛዘመን፥

መጽሓፍ ቅዱስን ሕይወትን ብፍጽሙ ክገማማዕ የብሉን

ቅዱስ ኣቦና ንተጋባእያን ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ነቲ ናይ ለምዘበን ዓውደ መጽናዕቲ ኣርእስቲ፥ ቅዱስ መጽሓፍን ሕይወትን ዝብል ምዃኑ ዘኪሮም፡ መጽሓፍ ቅዱስን ሕይወትን ዘይፈላለዩ ክልተ ፍኖት ከምዝዀኑን፡ እዚ ኸኣ ቃል ኣምላኽ ሕያውን ወትሩ ውዕዉዕን ንኹሉ ነቲ ሰሚዑ ኣብ ግብሪ ዘውዕሎ ዘመንእስን ዝሕድስን ምዃኑ ከብርሁ እንከለዉ፥

እቲ ሕይወት ዝህብ (ዘህይው) መንፈስ ቅዱስ ብመጽሓፍ ቅዱስ ኣቢሉ ክዓዪ ይፈትው፡ ቃል ኣምላኽ ናብ ዓለም ኣስትንፋስ እግዚኣብሔር የብጽሕ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ልቢ ናይ ጐይታ ርህራሄ የስፍሕ፡ ስለዚህ እቲ ኵሉ ኣብ ዙሪያ ቅዱስ መጽሓፍ ዝግበር መጽናዕትን ስነ ምርምርን ዝጽሓፉ መጻሕፍትን ኣብ ዙሪያ ቅዱስ መጽሓፍ ነዚ ዘነጽርን ዘገልግልን እዩ ክኸውን ዘለዎ፡

ካብቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ብዙሕ ቃላት ነቲ ናይ እግዚኣብሔር ኣይንኽሓድ

ስነ ምርምርን መጽናዕትን ልክዕ ከምቲ ናይቲ ዘማሙቕ መጋርያ ዕንጸቲ እዩ። እቲ ሓዊ መንፈስ ቅዱስ እዩ፡ ንሱ እዩ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ልቢ ሰብ ቅዱስ መጽሓፍ ዘወዓውዕን ሕይወት ዝልወጥን፡ ቅዱስ መጽሓፍ ዝተፈላለዩ ደስ ዘብል ክጽንዑ ዝኽእሉ መጻሕፍቲ ዝጥርንፍ ኣይኰነን፡ ክዝራእ ዘለዎ ቃል ሕይወት እዩ፡ ስለዚህ ክብሰርን ኣብ ስብከት ክንገርን ዘለዎን እዩ፡ እቲ ምንጋሩ ብሕይወት ዝስነይን እቲ ዝተንከፈካን ሕይወትካ ዝለወጦ ቃል ምብጻሕ፥

ኣብ ዕለታዊ ሕይወትና ሓባሬታ ድዩ ካልኦት ዝተፈላለዩ እትዋት፡ ብዙሕ ማእለያ ዘይብሉ ብዙሕ ግዜ ክሳብ ምእንጋዶም እውን ዝሰኣነና እልፈ ቃላት ናብ ኣእዛንና ይውሕዙ፡ እቲ ዘለኣለማዊ ሕይወት ዝዀነ ዕለት ብዕለት ዘድልየና እንኰ ቃል ኢየሱስ ክንነጽግ ዘይከኣል እዩ፡

ኣገባብ ቃል ዝዀነትን/ዘለዋን ቤተ ክርስቲያን

እቲ Verbum Domini - ቃል ጐይታ ዘርእስቱ ዕለት 30 መስከረም 2010 ዓ.ም. በነዲክቶስ መበል 16 ብመሰረት ኣቲ ካብ ዕለት 5 ክሳብ ዕለት 26 ጥቅምቲ 2008 ዓ.ም. ዝተኻየደ ናይ መላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብፁዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ ዝደረስዎ ድህረ ሲኖዶስ ሓዋርያዊ ምዕዳን ዝብሎ፥

ቤተ ክርስቲያን ከም ቤተ ክርስቲያን ናይ መንፈስ ቅዱስ ኣገባብ ቃል ዘለዋ ክትከውን እምነይ፡ ብዛዕባኣን ካብ ገዛእ ርእሳን ነቒላ እትዛረብ ዘይኰነስ ኣብ ልባን ከናፍራን ቃል ጐይታ ዝተነብራ ቤተ ክርስቲያን፡ ዕለት ብዕለት ካብ ቃሉ እትቐድሕ፡ እቲ ዓቢይ ፈተና ገዛእ ርእስኻ ምብሳር ምድላይ እዩ፡ እዚ ዝነበረን ዘሎን ሓጢኣት እዩ፡ ብዛዕባና ምዝራብ ንዓለም ሕይወት ኣየመሓላልፍን ኣየበስርን

ቃል ሕይወት ንኽጥጥዕ መታን ሙማት ይምህረና

ቃል ኣምላኽ ካብ ክልተ ዝኣፉ ሰይፊ ዝበልሕ ዚቖራርጽ፥ ብርሃን ሓቂ ሒዙ ብምምጻእ ልልያ ሕሳበትን ጦብላሕታን የሳልጥ፡ ንኣኡ ንምብሳር ገዛእ ርእስና ንኽንክሕድ ይምህረና፥

ቃል ኣምላኽ ፋሲካዊ ሕይወት ዝዓይነቱ ኣገባብ ሕይወት እዩ፡ ብሞት ሕይወት ምሃብ ዝብልን፡ ልክዕ ከምቲ ፍረ ወይኒ ምስ በጽሔ ዝስተይ ወይኒ ክኸውንን ልክዕ ካብ ኣውሊዕ ዘይቲ ከምርከብ እውን እዩ፡ ዝስተይ ወይኒ ድዩ ዘይቲ ንምርካብ ፍረ ወይንን ፍረ እውሊዕን ብጸሟቒ መጥሓን ከምዝሓልፍ፡ ቃል ኣምላኽ የህውይ፡ ኣብ ተዘናጊዕኻ ምንባር ዘይሓድግ ክትመያየጥን ክትካታዕን እውን ዝድርኽ እዩ።

ቃል እምላኽ ምስማዕ ወትሩ ንቤተ ክርስቲያን ኣብ ምንቅስቓይ የህልው

ኣብ ቃል ኣምላኽ ጽን ምባልን ምስማዕን እትነብር ቤተ ክርስቲያን ገዛእ ርእሰኣዊ ምካሔን ውከሳን ውሕስነት ኣብ ኣንነት ዘይብላ፡ ካብ ርእሰ ብቕዓትን ዕቡይ ዲልን ኣዚያ ዝረሓቐት፡ ወትሩ ካብ ገዛእ ርእሳ እትወጽእ፡

ቃል ኣምላኽ እትምገብ ቤተ ክርስቲያን ነቲ ዝተመገበቶ ቃል ኣብ ምብሳሩ እትነብር። ኣብ ገዛእ ርእሳ ተዓጽያ ዘይኰነ ኣብ ጐደናታት ዓለም ወጺኣ እትዛረብ። ጐደና እተፍቅር ስለ ዘይኰነስ፡ ጐደናታት ቃል ኣምላኽ ዝብሰረሉ ብምዃኑ እዩ፡ ነቲ ቃል እምንቲ ዝዀነት ቤተ ክርስቲያን እቲ ቃል ኣብ ምብሳሩ ገዛእ ርእሳ ዘይትበቅቕን ተደናቕነት ንኽትከስብኽን ዘይትጽበይን እያ፡ ካብ እግዚኣብሔር ዝወጽእን ንዓለም ዝግለጽ መለኰታዊ ቃል ክሳብ ኣጽናፍ ዓለም ንኽትብል ይድርኻ።

ቃል ኣምላኽ ዘብጽሑ ሕያዎት ምዃን

ቅዱስነቶም ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ከጠቓልሉ እንክለዉ፡ ንኣባላት ናይ ካቶሊክ ፈደራላዊ ማሕበር ቅዱስ መጽሓፍ፥ መጽሓፍ ቅዱስን ሕይወትን ዝተገማምዔ ንኸይከውን ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ተጊሆም ከገልግሉ ምዒዶም፡ ኣብ መላእ ዓለም ጐደናታት ቃል ኣምላኽ መታን ክምርሽ ምጽላይ ከምዘድልን፥ ልኡካን ቃል ኣምላኽ ዘብጽሑ ተጓዓዝቲ ንኽዀኑ ሓደራ ቢሎም፡

ናይ ጐይታ ቃል ብውዕዉዕ ስምዒት ዘስፍሑ ሕያዎት ጓሶት ኵኑ፡ ልክዕ ከምቲ ኣብ እዋን ፋሲካ፡ ትንሳኤ ንኸበስሩ ልክዕ ከምተን ኣንትስትን ጴጥሮስን ዮሓንስን ከምቶም ናይ ኤማኡስ ደቀ መዛሙርትን ሕያው ቃል ንኸበስሩ ከምዝጐየዩ ንስኻትኩም እውን ከምኡ፡

እንክብሉ ዝለገስዎ ቃል ዛዚሞም።

ቃል ቅዱስ ኣቦና ንካቶሊካዊ ፈደራላዊ ማሕበር መጽሓፍ ቅዱስ
26 April 2019, 16:37