ቅዱስ ኣቦና ን6 ሺሕ መንእሰያት ናይ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት መቑጸርያ ለጊሶም ቅዱስ ኣቦና ን6 ሺሕ መንእሰያት ናይ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት መቑጸርያ ለጊሶም 

ቅዱስ ኣቦና ን6 ሺሕ መንእሰያት ናይ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት መቑጸርያ ለጊሶም

ር.ሊ.ጳ. ነቶም መንእሰያት ወትሩ ክጽልዩን ብፍላይ ኣብ ጸሎቶም ገዛእ ርእሶም ንቅድስቲ ድንግል ማርያም ሕድሪ ክህቡ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሎሚ ዕለት 23 ሚያዝያ ብላቲን ስርዓተ ኣምልዀ ዝበዓል ዓመታዊ በዓል ቅዱስ ጊዮርጊስ ተተሓሒዙ ቅዱስ ስሞም ዝበዓለሉ ዕለት ብምዃኑ ካብ መላእ ሃገራት ብፁዓን ጳጳሳ ኣባይቲ ምኽርን ናይ መግስቲ ኣካላትን ናይ ሃይማኖታት መንፈሳዊ መራሕትን ናይ እንክቋዕ ሓገሰኩም መልእኽቲ ከምእተመሓላለፈሎም ናይ ቫቲካን ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ልኡኽ ጋዜጠይና ኣለሳንድሮ ዲ ቡሶሎ ሓቢሮም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኾርገ ማርዮ በርጎሊዮ፥ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ሎሚ ዕለት 23 ሚያዝያ 2019 ዓ.ም. ቅዱስ ስሞም ኣብ ዘብዕልሉ ዕለት ካብ ሚላኖ ሰበኻ ዝተዋጽኡ ሽዱሽተ ሺሕ መንእሰያት ብሊቀ ጳጳሳት ሰበኻ ሚላኖ ብፁዕ ኣቡነ ደልፒኒ ዝተሰነዩ እንቋዕ ኣብጻሓኩም ንኽብሉ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ንመንፈሳዊ ንግደት ከምዝኣተዉን፡ ነዞም መንእሰያት ካብ ቅዱስነቶም እቲ ካብ ቅድስቲ መሬት ብዝመጸ ዕንጸይቲ ኣውሊዕ ዝተሰርሔ ናይ ፓናማ ዓለም ሓቆፍ መንእሰያት መቑጸርያ ከምዝዓደሉ ዝሓበሩ ልኡኽ ጋዜጠይና ኣገልግሎ ክፍሊ ዜና ቫቲካን ዲ ቡሶሎ ኣስዒቦም፡ እቶም ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ መንፈሳዊ ንግደት ዝፈጸሙ መንእሰያት ሰበኻ ሚላኖ፡ ናይ ሰበኽ ሚላኖ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ማሪዮ ደልፒኒ ኣብ ጳጳሳዊ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ከምእተሳተፉን ገሊጾም።

ር.ሊ.ጳ. ነቶም መንእሰያት ወትሩ ክጽልዩን ብፍላይ ኣብ ጸሎቶም ገዛእ ርእሶም ንቅድስቲ ድንግል ማርያም ሕድሪ ክህቡን ሓደራ ቢሎም እዚ ብዝተፈልየ ኣገባብ ኣብቲ ወርሃ ማርያም ተባሂሉ ዝግለጽ ወርሒ ግንቦት ነቒሖም ክዝክርዎ ከምእተላበዉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ግዚያዊ ሓላፊ ኣለሳንድሮ ጂሶቲ ሓቢሮም።

ቅዱስ ጊዮርጊስ እምነተይ ኣይክሕድን ዝበለ ናይ ዲክለጽያኖ ወተሃደራዊ ሓይሊ ኣዛዚ ዝነበረ ናይ ሮማ ንጉስ ብዘለዓዓሎ ጸረ ክርስቲያን ኣሳዶ ምኽንያት ጊዮርጊስ እምነተይ ኣይክሕድን ስለ ዝበለ ኣብ 303 ዓ.ም. ዝተቐትለን፡ እቲ ንክርስቲያን ዝውሕጥ ዝነበረ ገበል ብዕርዲ መስቀል ዝቐተለ ምዃኑ ዝትረኸሉ ቅዱስ  እዩ።

ቅዱስ ኣቦና ን6 ሺሕ መንእሰያት ናይ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት መቑጸርያ ለጊሶም
23 April 2019, 16:32