ር.ሊ.ጳ. ኣብ ጉባኤ መማክርት ብፁዓን ካርዲናላት ር.ሊ.ጳ. ኣብ ጉባኤ መማክርት ብፁዓን ካርዲናላት 

ር.ሊ.ጳ. ኣብ ጉባኤ መማክርት ብፁዓን ካርዲናላት

ሲኖዶሳውነት ብመሰረት ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ኣብ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ዘነቓቕሕ ቅዋም’ዚ ኣብዚ ሒዝናዮ ዘሎና 2019 ዓ.ም. ተጠናቒቑ ብቕዱስነቶም ክእወጅ ዝብል ትጽቢት ከምዘሎ

ሎሚ ዕለት 08 ሚያዝያ 2019 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዘተሓሳስብዎ ሕዳሴ ሓዋርያዊ ላዕለዋይ ምሕደራ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን መዋቕር ኵርያ ሮማና ብስሩዕ ኣገባብ ንኸሳልጥ ዝሓረይዎ መማክርት ጉባኤ ብፁዓን ካርዲናላት ክሳብ ዕለት 10 ሚያዝያ 2019 ዓ.ም. ዝቕጽል መበል 29 ኣኼባኡ ብቕዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ተመሪሑ ከምዝጀመረ  ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ናይ ኩሪያ ሮማና ሓዋርያዊ ቅዋም

እቲ መማክርት ብፁዓን ካርዲናላት ጉባኤ ኣብ ወርሒ ለካቲት 2019 ዓ.ም. Praedicate evangelium - ወንጌል ኣበስሩ ዘርእስቱ ናብ ፍጻሜ ዘብል ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ብኵርያ ሮማና ናይ  ዝጽዋዕ ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ናይ ቀረባ ተሓባበርቲ ሓዋርያዊ ላዕለዋይ ጳጳሳውያን ኣባይቲ ምኽርን ላዕለዎት ኣባይቲ ጽሕፈትን ቅዱሳት ማሕበራትን ዝሕድስን ዝምርሓሉን ናይ ሓዋርያዊ ቅዋም ሓርፋፍ ሰነድ ኣምእኪሉ ከምዝዘተየ ክዝከር እንከሎ፡ እዚ ሲኖዶሳውነት ብመሰረት ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ኣብ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ዘነቓቕሕ ቅዋም’ዚ ኣብዚ ሒዝናዮ ዘሎና 2019 ዓ.ም. ተጠናቒቑ ብቕዱስነቶም ክእወጅ ዝብል ትጽቢት ከምዘሎ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ግዚያዊ ሓላፊ ኣለሳንድሮ ጂሶቲ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግልጺ ኣፍሊጦም።

ኣብቲ ካብ ዕለት 21 ለካቲት ክሳብ ዕለት 24 ለካቲት 2019 ዓ.ም ተኻይዱ ኣብ ዝነበረ ኣኼባ ብዛዕባ ምክልኻል ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ዘትዮ ከምዝነበረ ዘዘኻኸሩ ጂሶቲ ኣስዒቦም፡ ዕለት 28 መስከረም 2013 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ትስዓቱ መማክርት ብፁዓን ካርዲናላት ብኢዶም ብዝጸሓፍዎ ናይ ውሳኔ ሰነድ ኣቢሎም ክቐውም ከምዝገበሩ ዝዝከር ኰይኑ፡ እቲ ጉባኤ መማክርት ብፁዓን ካርዲናላት ካብ ዕለት 3 ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም. ብወግዒ ቆይሙ ስርሑ ከምዝጀመረን፡ ናይ ተጉቹጋልፓ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ኦስካር ኣንድረስ ሮድሪገዝ ማራዲያጋን ናይ ሃገረ ቫቲካን ቤት ምሕደራ ኣቦ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ጁዘፐ በርተሎን ናይ ቦምበይ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ኦስዋልድ ግራሲያስን፡ ናይ ሙዩኒክን ፍሪሲንጋን ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ራይንሃርድ ማርክስን ናይ ቦስተን ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ሲን ፓትሪክ ኦማለይን ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊንን ኣብ ኢጣሊያ ናይ ኣልባኖ ጳጳስ ናይቲ መማክርት ጉባኤ ብፁዓን ካርዲናላት ዋና ጸሓፍን ብፁዕ ኣቡነ ማርቸሎ ሰመራሮን ተወሳኺ ዋና ጸሓፊ ናይ ክረዚማ ስዩም ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ማርኮ መሊኖን ዝሓቑፍ ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ጉባኤ መማክርት ካብ ዕለት 10 መስከረም ክሳብ ዕለት 12 መስከረም 2018 ዓ.ም. ኣብ ዘካየዶ መበል 26 ጉባኤ፥ ናይቲ ጉባኤ መማክርት ገለ ገለ ኣባላት ብዕድመ ምድፋእ ምኽንያት ናብ ልሒቕነት ዝተሰጋገሩ ብፁዕ ካርዲናል ጆርጅ ፐልን ብፁዕ ካርዲናል ፍራንሲስኮ ኻቪየር ኤራዙሪዝን ብፁዕ ካርዲናል ላውረንት ሞሰንግዎ ፓሲኒያን ካብ ቅዱስ ኣቦና ቃል ምስጋና ከምዝቐረበሎምን ስለ ዘበርከትዎ ኣስተዋጽኦ እውን ኣመስጊኖም እቲ ጉባኤ መማክርት ዘካይዶ ዘሎ ዕዮ ዝበጽሓሉ ደረጃ ግምት ብምሃብ ነቶም ንዝተሰናበቱ ብፁዓን ካርዲናላት ምትካእ ዝብል መደብ ከምዘየለ እውን ከምዝገለጹ የዘኻኽሩ።

ር.ሊ.ጳ. ኣብ ጉባኤ መማክርት ብፁዓን ካርዲናላት
08 April 2019, 17:15