ድለ

ዓርቢ ዘምሕረት፥ ቅዱስ ኣቦና ኣብ መንጐ ተዘክሮ ብምጥፋእ ሕማም ዝተጠቕዑ

ኣቕሪቦም፡ እቲ ናቶም ኣብኡ ምርኻቦም ንዅሎም ሓጐስ ከምዝፈጠረሎምን ኣርኣያ እውን ምዃኑ ክምልከት ኣንከሎ፡ ቅዱስነቶም ምስቲ ብናይቲ ማእከል ኣቦ መንበር ፍራንኮ ፓራሳሲ ተመሪሖም ነቲ ሕንጻን ኣገልግሎት መውሃብን ክፍልታቱን ሕክምና መውሃቢ ፍልዩ ክፍልታቱን ኩሉ እናተዘዋወሩ በጺሖም

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 12 ሚያዝያ 2019 ዓ.ም. ከምቲ ልሙድ በቢ ዕለተ ዓርቢ ዝፍጽምዎ ተግባረ ዘምሕረት ምኽንያ ብናይ ሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል ዘነቓቕሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ሪኖ ፊዚከላ ተሰንዮም ማንም ከይተጸበዮ ኣብ ቡፋሎታ ክፍለ ከተማ ሮማ ኣብ ዝርከብ ተዘክሮ ብምጥፋእ ዝሓመሙ ዝተጠቕዑ ብእድመ ዝደፍኡ ዜጋታት ዝእለይሉ ቍሸት አማኑኤል ኣብ እተሰምየ ማእከል በጺሖምን ምስቲ ናይቲ ማእከል ቤት ምሕደራን ሰብ ሙያ ክንክን ጥዕና ህሙምንን ከምእተራኸቡ ናይ ቫቲካን ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ልኡኽ ጋዜጠይና ኣመደዮ ሎሞናኰ ሓቢሮም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ማንም ከይተጸበዮን ከይሓሰቦን ዕለት 12 ሚያዝያ 2019 ዓ.ም. ድሕሪ ቐትሪ መደብ ዓርቢ ዘምሕረት ኣብቲ ማእከል ኣማኑኤል መእለዪ እቶም ዕለት ብዕለት ቀስ እናበለ ተዘክሮ ሕይወት ንዘጥፍኡ ብዕድመ ንዝደፍኡ ህሙማን ኣባይቲ ስድራኦምን ከምእተራኸቡን ናይቲ ከቢቢ ተቐማጦን ናይቲ ማእከል ኣባላት ምሕደራን ሰብ ሙያ ክንክን ጥዕናን እቲ ናይ ቅዱስ ኣቦና ምብጻሕ ሓይሊ ዝህብን ኣብ ግብረ ሰናይን እምነትን ዘተባብዕን ምዃኑ ብዛዕባ እቲ ምብጻሕ ቅዱስነቶም ኣመልኪቶም ናይቲ ከባቢ ተቐማጦ ካብ ዝሃብዎ  ምስክርነት ክፍለጥ እንከሎ፡

ሓሴትን ኣርኣያን

ቅዱስ ኣቦና ኣብቲ ማእከል ምስ በጽሑ ካብታ ዝተሳተፈሩላ ማኪና ምስ ወረዱ ብናይቲ ማእከል ናይ ክብሪ ኣቦ መንበር ፕሮፈሰር ኤማኑኤለ ኤማኑኤለ ተሰንዮም ሰላምታ ኣቕሪቦም፡ እቲ ናቶም ኣብኡ ምርኻቦም ንዅሎም ሓጐስ ከምዝፈጠረሎምን ኣርኣያ እውን ምዃኑ ክምልከት ኣንከሎ፡ ቅዱስነቶም ምስቲ ብናይቲ ማእከል ኣቦ መንበር ፍራንኮ ፓራሳሲ ተመሪሖም ነቲ ሕንጻን ኣገልግሎት መውሃብን ክፍልታቱን ሕክምና መውሃቢ ፍልዩ ክፍልታቱን ኩሉ እናተዘዋወሩ በጺሖምን፡ ነቶም ህሙማን ሰላም እናበሉን ከምዝባረኹን ቅዱስነቶም ካብቲ ማእከል ኤማኑኤለ ቅድሚ ምስንባቶም ከም ገጸ በረከት ክርስቲያን ብዕድመ ንኡስ ይኹን ብዕድመ ዝደፍኤ እናተወልደ ዝኸይድ ምዃኑ ዘዘኻኽር ልደት ዘርእይ ምስሊ ዝተሓትሞ ክታምም ዝተነብሮ ብራና ከምዝሃቡ ሎሞናኰ ሓቢሮም።

ብዛዕባ እቲ ቅዱስ ኣቦና ዘካየድዎ ምብጻሕ ኣመልኪቶም ናይቲ ማእከል ናይ ክብሪ ኣቦ መንበር ፕሮፈሰር ኤማኑኤለ ኤማኑኤለ፡ ብሓቂ እቲ ማእከል ዝተዓደሎ ምብጻሕ ቅዱስ ኣቦና ዘይርሳዕን ዓቢይ ጸጋን እዩ እንክብሉ ምስ ቫቲካን ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ገሊጾም፡ እቲ ማእከል ምቛም ዝብል ሓሳብ ዘንቀሉ ናይ ሕጊ ምሁር ጠበቓ ኤማኑኤለ ፍራንቸስኮ ማሪያ ኢማኑአለ ክዀኑ እንከለዉ እዚ ኸኣ ኣብ ሆላድ ተዘክሮ ብምጥፋእ ሕማም ንዝተጠቕዑ ዝወሃብ ክንክን ጥዕና ብቐረባ ምስ ረአዩ ከምዝዀነ ይንገር።

ተዘክሮን ቅርበትን

ዕለት 21 መስከረም 2016 ዓ.ም. ብምኽንያት ዓለም ሓቆፍ መበል 23 መዓልቲ ተዘክሮ ናይ ምጥፋእ ሕማም ተዘከረኒ  ብዝብል ቃል ተመሪሑ ኣብ ዝተዘከረሉ ዕለት ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዝለገስዎ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ፡ ነቶም ተዘክሮ ብምጥፋእ ሕማም ዝተጠቕዑ ብናይ ማርያም ትግሃትን ሓልዮትን ብናይ ኢየሱስ ምሕረተን ቀረባኦም ንምዃን ፍቕርናን ሓልዮትናን ነቶም ህሙማንን ንኣባይቲ ስድራኦምን ንመስክር፡ ስለ እቶም ኣለይቲ ተዘክሮ ብምጥፋእ ሕማም ዝተጠቕዑ ዜጋታት እውን ብፍቕርን ብሓልዮትን ብተወፋይነት ቀረባኦም ይኹኑ እንክብሉ ዘቕረብዎ ጻውዒትን ሎሞናኰ የዘኻኽሩ።

ዓርቢ ዘምሕረት፥ ቅዱስ ኣቦና ኣብ መንጐ ተዘክሮ ብምጥፋእ ሕማም ዝተጠቕዑ
13 April 2019, 17:07