ቅዱስ ኣቦና ሊጡርጊያ ጸሎተ ሓሙስ ቨለትሪ ኣብ ዝርከብ ቤት ማሕቡስ ክሰርዑ እዮም ቅዱስ ኣቦና ሊጡርጊያ ጸሎተ ሓሙስ ቨለትሪ ኣብ ዝርከብ ቤት ማሕቡስ ክሰርዑ እዮም 

ቅዱስ ኣቦና ሊጡርጊያ ጸሎተ ሓሙስ ቨለትሪ ኣብ ዝርከብ ቤት ማሕቡስ ክሰርዑ እዮም

ቅዱስ ኣቦና እዚ ጸሎተ ሓሙስ ኣብ ቤት ማሕቡስ ምስራዕ ዝመረጹ ገና ናይ ቦኖስ ኣይረስ ሊቀ ጳጳስ እንከለዉ ዝነብርዎ መንፈሳውነት ምዃኑ ክፍለጥ እንከሎ

ዕለት 18 ሚያዝያ 2019 ዓ.ም. ስነ ስርዓት ጸሎተ ሓሙስ ቅዱስ ኣቦና ድሕሪ ቐትሪ ሰዓት ኣርባዕተን ፈረቓን ኣብ ካባቢ ሮማ ኣብ እትርከ ከተማ ቨለትሪ ኣብ ዘሎ ቤት ማሕቡስ ክሰርዑ ምዃኖም ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ እንከመልክት፡ ናይቲ ቤት ማሕቡስ ቤተ ጸሎት ቆሞስ ኣባ ፍራንኮ ዲያማንተ እቲ ናይ ቅዱስ ኣቦና መደብ ምብጻሕ ምስ ተነገሮም ምስ ቫቲካን ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፡ እቲ ምብጻሕ ቅዱስ ኣቦና ነቲ ምንጻል ዝብል እብ ማሕበረሰብ ዝሰፍሕ ዘሎ ሕማም ተላገ ዝፍውስ እዩ እንክብሉ ገሊጾም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ቨለትሪ ምስ እሱራትን ናይቲ ቤት ማሕቡስ ሓይሊ ጸጥታን ምስቶም ኣብቲ ቤት ማሕቡስ ዝዓዩ በረገሳውያንን ክራኸቡን ሕጽበተ እግር ዘጠቓለለ ናይ ጐይታ ናይ መወዳእታ ድራር ሊጡርጊያ ክሰርዑ እዮም፡ ቅዱስ ኣቦና ጸሎተ ሓሙስ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣባይቲ ማሕቡስ ምስራዕ ካብ ዝጅምሩ እዚ ንሓምሻይ ግዚኦም ምዃኑ ክዝከር እንከሎ፡ ዕለት 13 መጋቢት 2013 ዓ.ም. ተሓርዮምን ዕለት 29 መጋቢት 2013 ዓ.ም. ዝተብዓለ ጸሎተ ሓሙስ ሮማ ኣብ ዝርከብ ካዛል ደል ማርሞ ኣብ እተሰምየ ቤት ማሕቡስ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ምብጻሕ ኣካይዶም ኣብኡ ከምዝሰርዑን፡ ዕለት 2 ሚያዝያ 2015 ዓ.ም. ሮማ ኣብ ዝርከብ ረቢቢያ ቤት ማሕቡስን፡ ዕለት 13 ሚያዚያ 2017 ዓ.ም. ኣብ ኢጣሊያ ኣውራጃ ፍሮዚኖነ ኣብ ዝርክብ ፓሊያኖ ቤት ማሕቡስን ዕለት 29 መጋቢት 2018 ዓ.ም. ሮማ ኣብ ዝርከብ ንግስተ ሰላም ኣብ እተሰምየ ቤት ማሕቡስ ከምዝሰርዑ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ የዘካኽር።

ቅዱስ ኣቦና እዚ ጸሎተ ሓሙስ ኣብ ቤት ማሕቡስ ምስራዕ ዝመረጹ ገና ናይ ቦኖስ ኣይረስ ሊቀ ጳጳስ እንከለዉ ዝነብርዎ መንፈሳውነት ምዃኑ ክፍለጥ እንከሎ፡ ከም ካህንን ጳጳስን ኣብ ምግልጋል እሱራት ክርከብ ካብ ልቢ ዝነቕል ግብእ ሓላፍነተይ እዩ ይብሉ ከምዝነበሩን ነዚ ካብታ ዝመርሕዋ ዝነበረት ሰበኻ ቦኖስ ኣይረስ ዘበገስዎ መደብ እነሆ ድሓር እውን ከም ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ምስ ተሓርዩ ካብ ዝተሓረዩሉ ዓመት ኣትሒዞም ብዘይ ምቁራጽ ዝፍጽምዎ ምዃኑ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ የመላኽት።

ቅዱስ ኣቦና ሊጡርጊያ ጸሎተ ሓሙስ ቨለትሪ ኣብ ዝርከብ ቤት ማሕቡስ ክሰርዑ እዮም
04 April 2019, 16:54