ሓዘንን ጓህን ር.ሊ.ጳ ኣብ ሃገረ ስሪላንካ ብዝወረደ ኅልቂት!

ልኡኻት ዲያብሎስ ዝዀኑ በዓላት ናብ ሓዘን ክልውጡ ብዝተዓጥቑ ፈጠርቲ ራዕዲ ኣብ ሃገረ ስሪላንካ ዕለተ ፋሲካ ንምብዓል ተጋቢኦም ኣብ ዝነበሩ ንጹሓት ምእመናንን ኣብ ዕረፍቲ ዝርከቡ ብዙሓት ወጻእታኛታት ኣብ ዝርከብወን ሆቴላትን ብዝተፈጸመ ርእሰ ቅትለታዊ መጥቃዕቲ ልዕሊ 290 ሰባት እንክሞቱ ብዙሓት እውን ከምዝቆሰሉን ብዙሕ ንብረት ከምዝዓነወን እንኪሕበር ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ ዝተሰምዖም ሓዘንን ጓህን ኣብ ፍጻሜ ናይ በዓለ ፋሲካ ኡርቢ ኤት ኦርቢ ንከተማ ሮማን መላእ ዓለምን ሓዋርያዊ ቡራኬ ምስ ሃቡ ሓዘኖም ገሊጾም ብጸሎት ቅርበቶም እውን ኣረጋጊጾም።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ኣብ ዜናታት ከም ዝግለጽ ክሳብ ሕጂ ቊጽሪ ግዳያት እናበዝሔ ይመጽእ ኣሎ። 290 ከምዝሞቱ እንክግለጽ ልዕሊ 500 ዝኾኑ ሰባት በቲ መጥቃዕቲ ከምዝቆሰሉን ካብዚኦም ብዓሠርተታት ዝቚጸሩ ወጻእተኛታት ካብ ሃገራት ኤውሮጳን ኣመሪካን ንዕረፍቲ ፋሲካ ገሊኦም ኣብ ሆቴላቶም ገሊኦም ከኣ ኣብ ኣብያተ ክርስትያን እንከለው ከምዝተጐድኡ ይግለጽ።

ከምዝዝከር ሃገረ ስሪላንካ ታሚል ታይገርስ ብዝበሃል ምንቅስቃስ ዳርጋ ሰንከልከል ኢላስ ብ2009 ድሕሪ ብርቱዕ ደማዊ ኩናት ሓድሕድ ተዛማዲ ሰላም ተረኺቡስ ኣብ ደሓን ኩነታት ነራ። ዳርጋ ብብዙሓት ዝሓሸ ናይ ቅሳነትን ሰላምን ምርግጋእን ሃውኍ ዝረኣየላ ተበላሂላ ብበጻሕቲ እውን ተበሃጊት ኮይና ቀንያ። ሽሕ’ኳ ኣቀድም ኣቢሎም ተኽእሎ መጥቃዕቲ ኣሎ ዝብል ሓበሬት እንተበጽሖም ሓለዋ ጸጥታን ፖሊስን እታ ሃገር ክዓግቶ ኣይከኣለን። ክሳብ ሕጂ መን ከምዝገበሮ ኣንፈት ክህቡ ዘይደለዩ ፖሊስ እታ ሃገር 24 ዝኾኑ ኣብ ቀይዲ ከምዘእተውን ገና ኣብ ምርመራ ከምዘለውን ይግለጹ።

ቅዱስነቶም ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝገልጽናዮ ዝተሰምዖም ሓዘንን ጓህን ኣብ ፍጻሜ ናይ በዓለ ፋሲካ ኡርቢ ኤት ኦርቢ ንከተማ ሮማን መላእ ዓለምን ሓዋርያዊ ቡራኬ ምስ ሃቡ ሓዘኖም ገሊጾም ብጸሎት ቅርበቶም እውን ኣረጋጊጾም።

“ምናዳ ሎሚ ዕለተ ፋሲካ ኣብ እነብዕለሉ ዕለት ነቲ ዓቢ ዕንወት ዘስዓበ ፈተነ ቅትለትን ጥፍኣትን ዜና ብዓቢ ሓዘንን ጓህን ተቀቢለዮ። እዚ እኩይ ተግባር እዚ ኣብ ገለ ኣብያተ ክርስትያናትን መራኸቢ ቦታታትን ሃገረ ስሪላንካ ኣውያትን ቃንዛን ኣስዒቡ። ነታ ኣብ ጸሎት እንከላ እዚ መጥቃዕቲ እዚ ዝወረዳ ማሕበረ ክርስትያን ስሪላንካን ንኩሎም ናይዚ ጨካን ዓመጽ እዚ ግዳያት ዝኾኑን መንፈሳዊ ቅርበተይ ክገልጽ እፈቱ። በዚ ዘሰቅቅ ፍጻሜ እዚ ሕይወቶም ንዝሓለፈት ናብ ጐይታ እንከማዕቚብ ስለ እቶም ዝቈሰሉን ስለእቶም በዚ ፍጻሜ እዚ ዝሳቀዩ ዘለውን እጽሊ ኣሎኹ’ እንክብሉ ሓዘኖም ገሊጾም።”

ነዚ መደብ’ዚ ብድምጺ ንምክትታል ኣብ`ዚ ጠውቑ!
22 April 2019, 19:09