ሓዘንን ጓህን ር.ሊ.ጳ ኣብ ሃገረ ስሪላንካ ብዝወረደ ኅልቂት!
አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን
ኣብ ዜናታት ከም ዝግለጽ ክሳብ ሕጂ ቊጽሪ ግዳያት እናበዝሔ ይመጽእ ኣሎ። 290 ከምዝሞቱ እንክግለጽ ልዕሊ 500 ዝኾኑ ሰባት በቲ መጥቃዕቲ ከምዝቆሰሉን ካብዚኦም ብዓሠርተታት ዝቚጸሩ ወጻእተኛታት ካብ ሃገራት ኤውሮጳን ኣመሪካን ንዕረፍቲ ፋሲካ ገሊኦም ኣብ ሆቴላቶም ገሊኦም ከኣ ኣብ ኣብያተ ክርስትያን እንከለው ከምዝተጐድኡ ይግለጽ።
ከምዝዝከር ሃገረ ስሪላንካ ታሚል ታይገርስ ብዝበሃል ምንቅስቃስ ዳርጋ ሰንከልከል ኢላስ ብ2009 ድሕሪ ብርቱዕ ደማዊ ኩናት ሓድሕድ ተዛማዲ ሰላም ተረኺቡስ ኣብ ደሓን ኩነታት ነራ። ዳርጋ ብብዙሓት ዝሓሸ ናይ ቅሳነትን ሰላምን ምርግጋእን ሃውኍ ዝረኣየላ ተበላሂላ ብበጻሕቲ እውን ተበሃጊት ኮይና ቀንያ። ሽሕ’ኳ ኣቀድም ኣቢሎም ተኽእሎ መጥቃዕቲ ኣሎ ዝብል ሓበሬት እንተበጽሖም ሓለዋ ጸጥታን ፖሊስን እታ ሃገር ክዓግቶ ኣይከኣለን። ክሳብ ሕጂ መን ከምዝገበሮ ኣንፈት ክህቡ ዘይደለዩ ፖሊስ እታ ሃገር 24 ዝኾኑ ኣብ ቀይዲ ከምዘእተውን ገና ኣብ ምርመራ ከምዘለውን ይግለጹ።
ቅዱስነቶም ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝገልጽናዮ ዝተሰምዖም ሓዘንን ጓህን ኣብ ፍጻሜ ናይ በዓለ ፋሲካ ኡርቢ ኤት ኦርቢ ንከተማ ሮማን መላእ ዓለምን ሓዋርያዊ ቡራኬ ምስ ሃቡ ሓዘኖም ገሊጾም ብጸሎት ቅርበቶም እውን ኣረጋጊጾም።