ኣብ ግዜ ፈተና ኣብ እግዚአብሔር ኣቦና ምትእምማን ካብ ኢየሱስ ንመሃር! ር.ሊ.ጳ

ቃል ኣምላኽ፥ ‘ጌቴሰማኒ ናብ ዚበሃል ቦታ ድማ ኸዱ፥ ንኣርድእቱ ኸኣ፡ ‘’ክዳብ ዝጽሊ ኣብዚ ተቐመጡ’’ በሎም። ንጴጥሮስን ያዕቆብን ዮሓንስን ምስኡ ወሰዶም ኪሓዝንን ኪጭነቕን ድማ ጀመረ። ‘’ነፍሰይ ማዕረ ሞት ብርቱዕ ተኪዛ ኣላ ኣብዚ ጽንሑ እሞ ንቕሑ!’’ እውን በሎም። ካብኡ ቚሩብ ፍንትት ኢሉ ኣብ ምድሪ ተደፊኡ ዚክኣል እንተደኣ ኾይኑስ እታ ሰዓት እቲኣ ካብኡ ንኽትኃልፍ ጸለየ፥ ‘’ኣባ - ኦ ኣቦ - ኵሉ ነገር ዚከኣለካ እዩ፥ እዛ ጽዋዕ እዚኣ ኻባይ ኣልዕላ! ግናኸ ንስኻ እትደልዮ ደኣምበር ኣነ ዝደልዩ ኣይኹን!`` ድማ ይብል ነበረ።’ (ማር 14።32-26)
ብድምጺ ንምክትታል ኣብ’ዚ ጠውቑ!

ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን ደሓንዶ ሓዲርኩም! ኣብዚ ሳምንታት እዚ ብዛዕባ ኣቦና ኣብ ሰማያት እትነብር ዝብል ጸሎት ነስተንትን ኣሎና። ሕጂ ግን ናብ ሣልስቲ ፋሲካ ስለዝበጻሕና ኣብ ገለ ቃላት ኢየሱስ ኣብ ግዜ ሕማማቱ ናብ ኣቦኡ ክጽሊ እንከሎ ዝበሎ ክነስተንትን ኢና።

እታ ቀዳማይቲ ጸሎት ድሕሪ እታ ናይ መጨረሻ ድራር ጸሎተ ሓሙስ ኣዕይንቱ ንሰማይ ኣልዒሉ ‘ኦ ኣቦ ወድኻ ንኩሎም እቶም ንስኻ ዝሃብካዮ ሕይወት ዘልዓለም ምእንቲ ኬሳትፎም ሰዓቱ ስለዝበጽሔ . . ወድኻ ምእንቲ ኬኽብረኻስ ንወድኻ ኣኽብሮ . . . ኦ ኣቦይ ሕጂ ድማ በቲ ዓለም እንከይተረጥረ ኣባኻ ዝነበረኒ ኽብሪ ኣብ ቅድሜኻ ኣኽብረኒ።’ (ዮሓ 17.1.5) እንክብል ይጽሊ። ኢየሱስ ኣብዚ ክብሪ ይልምን ኣሎ! በቲ ሓደ ወገን እቲ ሕማማቱ ድሮ ኣብ ድርኵዂት በጺሑ እንከሎ ከምዚ ቢሉ ምጽላዩ ቊሩብ ስግንጢራዊ ይመስል። ኮይኑ ግን ኣየናይ ክብሪ እዩ ዚሓትት ዘሎ። ቃል ቅዱስ መጽሓፍ ብዛዕባ መለኮታዊ ክብሪ ይዛረብ ንኣብነት እቲ ኣብ ግብጺ ንሕዝቡ ሓራ ከልብስ ዝገልጾ ክብሪ (ዘጸ 14,18)ንጥሜቶም ካብ ሰማይ መና ብምውራድ ኣብ ምድረበዳ ዝግለጽ ክብሪ (ዘጸ 16,7) ወዘተ። ሕጽር ብዝበለ ክብሪ ክንብል ከሎና እግዚአብሔር ክግለጽ እንከሎ እዩ እዚ ከኣ ኣብ ማእከል ደቂ ሰባት መድሓኒት ዝኽዕነት ህላዌኡ ከምዘላ እንክገልጽ እዩ። እታ ኣኺላ ትበሃል ዘላ ሰዓትከስ ኢየሱስ ንሓንሳእን ንሓዋሩን ህላዌ እግዚአብሔርን ድሕነቱ ይገልጸልና።  ነዚ ከኣ ኣብ ዕለተ ፋሲካ ኣብ ልዕሊ ዕጸ መስቀል ልዕል ምባል ይፍጽሞ በዚ እዩ እምበር ዝኸበረ (ዮሓ 12.23.33)። ኣብ ዕጸ መስቀል እግዚኣአብሔር ክብሩ ይገልጽ። ነቲ ናይ መወዳእታ ጉልባብ ይቀልዕ እሞ ካብቲ ናይ ኦሪት ክብሪ ንላዕሊ የደንቀና። ኣብዚ ክብሪ እግዚኣአብሔር ብምሉኡ ፍቅሪ ምዃኑ ንግንዘብ። ፍቅሪ ብፍቅሩ ከኣ ጽሩይ ፍቅሪ ክትሓስቦ ዘይከኣል ኣእምሮኡ ዘጥፈኤ ፍቅሪ ክንዮ ዝኾነ ደረትን ዓቀንን ብዝኾነ ፍቅሪ ክብሩ ይገልጽ።

ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን ንጸሎት ኢየሱስ ጸሎትና ንግበራ። ነቲ ኣብ ኣዕይንትና ኮይኑ ነዚ ክብሪ ንከይንርኢ ዝኽ ውለና ዘሎ ጉልባብ ክኣየልየልና ነቦ ንለምኖ ከማይ ኣብዚ ዕለታት እዚ ኣብ መስቀል ንዝተሰቅለ ክርስቶስ ብምጥማት እግዚኣአብሔር ፍቅሪ ከምዝኾነ ንክንቅበል ንከኽእለና ንለምኖ። ክንደይ ግዜ ኢና ንእግዚኣአብሔር ክንዲ ከም ኣቦና ከም ሓደ መላኺ ገርና ዘይርእዮ ክንደይ ግዜኸ ከም መድሓንን መሓርን ክንዲ ምጥማቱ ከም ጨካን ዳኛ ገርና ዘይንሓስቦ። ኰይኑ እግዚኣአብሔር ብፋሲካኡ ነቲ ኣብ መንጎና ዝነበረ ርሕቀት የጥፍኦ ነቲ ፍቅርና ጥራይ ዝሓትት ፍቅሩ ከኣ ብትሕትና ይገልጸልና። ንሕና እምበኣርከስ ክነኽብሮ እንተዀና ንእንገብሮ ኩሉ ብምሉእ ልብና ንኣኡ ከም እንገብሮ ብፍቅሪ ምስ እንፍጽም ክብሪ ነቅርበሉ (ቆላ 3.17)። ነዚ ከኣ ቅዱስ ጳውሎስ ‘ክትበልዑ ከሎኹምስ ይኹን ክትሰትዩ እንከሎኹም ዝኾነ ነገር እንክትፍጽሙ ንኩሉ ንክብሪ እግዚአብሔር ግበርዎ’ (1ቆሮ 10.31) እንክብል ዝላበወና በዚ ምኽንያት እዚ እዩ። እታ ሓቀኛ ክብሪኸስ ክብሪ ፍቅሪ እያ ከመይ እታ እንኮ ንዓለም ሕይወት እትህብ እዚኣ ጥራይ እያ። ርግጽ እዩ እዛ ክብሪ እዚኣ ካብ ዓለማዊ ክብሪ ብጣዕሚ ዝተፈልየት እያ። ዘጣቃዓልካ የለ ዝስዕበካ የላ ሰሚናራት የለ። ዓንዲ ማእከል እቲ ኣነ ዝብል ኣይኮነን እንታይ ደኣ እቲ ካልእ ብጻይካ እዩ ክህሉ ዘለዎ። ኣብ ፋሲካ እግዚአብሔር ኣቦ ንወዱ ከኽብሮ ወልድ ዋህድ ከኣ ነቦኡ ከኽብሮ ንርኢ። ንገዛእ ርእሱ ዘኽብር የለን። እቲ ሓደ ነቲ ሓደ እንተዘይኰይኑ። ኣብ ጥርዚ ሕማማቱ ኢየሱስ ‘ኦ ኣቦ ነፍሰይ ኣብ ኣእዳውካ ኣማቑባ ኣሎኹ’ (ሉቃ 23.46) ይብል። ነቲ እግዚአብሔር ኣቦ ሂብዎ ዝነበረ መንፈስ ናብ ኣቦኡ ይመልሶ። ናተይ ዝብል ዝነበረ ናትካ ይኸው። እግዚኣአብሔርከስ ከምዚ እዩ ዝገብር! ፍቅሪ ከምዚ እዩ ዝገብር! እቲ ውህበት ፍቅሪ ዝኾነ ድሕነት እውን በዚ እዩ ዝፍጸም። ኣብዚ ምናልባት ሕቶ ክነቅርብ ንኽእል እቲ ኣነ ዝነብሮ ክብርስ ኣየናይ ኮን ይኸውን! ንክብሪ ገዛእ ርእሰይዶ ንክብሪ እግዚኣብሔር! ካብ ካልኦት ክብሪ ክቅበል ጥራይዶ እደሊ ወይስ ኣነውን ንካልኦት ክብሪ እህብ! ኢልና ሕልና እንተመርመርና ኣይሓስመናን እዩ።

ድሕሪ ናይ መወዳእታ ድራር ኢየሱስ ናብ ኣታክልቲ ጌተሰማኒ ይኸይድ ነቦኡ ከኣ ይልምን። ንሱ እናጸለየ ኣርድእቱ ክነቅሑ ኣይከኣሉን ይሁዳ ከኣ ምስ ሠራዊት ይመጽእ ኢየሱስ ከኣ ነፍሱ ክሳብ ሞት ትርዕድ። ንኩሉ እቲ ዝጽበዮ ዝነበረ ሥቃይ ይሰምዖ። እቲ ሥቃይ ናይ ክሕደት ናይ ዘይምቅባል መግረፍቲ ብኩሉ ውድቅን ምንም ዘይክእልን ምዃን። ብሓዘን ተዋሒጡ ኣብቲ ቦታ ኣታኽልቲ ኰይኑ ኣብ ዓዘቅቲ ከቢድ ሓዘን ይርከብ። ናብ ኣቦኡ ከኣ በታ ቅርበትን ምትእምማንን እትገልጽ ጥዕምቲ ቃል `ኣባ’ ኣቦየ ባባየ (ማር 14.33-36)። ኣብ ግዜ ፈተና ክንገብሮ ዘሎና ኢየሱስ ብሕይወቱ ይምህረና እዚ ከኣ ናብ ሕቚፊ ኣቦ ምጒያይ እዩ ከመይ ናብኡ ብጸሎት እንክንቀርብ እናተቈንዞኻ ንቅድሚት ንክትግስግስ ሓይሊ ትረክብ። ኣብ ድኻም ኣብ እትርከበሉ ግዜ ጸሎት መስተርሆት ተወፋይነትን ምጽንናዕን እዩ። ኩሎም ኪጠልምዎ እንከለው ፍጹም ውሳጣዊ ጽምዋ ወሪርዎ እንከሎ ኢየሱስ በይኑ ኣይነበረን ምስ ኣቦኡ ነሩ። እንተ ንሕና ኣብ ዘጓንፉና ናታትና ጌተሰማኒታት ብዙሕ ግዜ ከም ኢየሱስ  ‘ኦ ኣቦይ መዓረይ’ ቢልና ኣብቲ ሠናይና ዝኾነ ኣብ ቅዱስ ፍቃዱ ክንዲ ንምዕቑብ በይንና ክንከውን ንመርጽ። ኰይኑ ግን ኣብ ግዜ ፈተናን ነውጽን ኣብ ውሽጢ ገዛእ ርእስና ተዓጺና ንብሕትና ክንከውን ኣብ ንመርጸሉ ግዜ ግብ ዝበለ ገለርያ ንዅዕት እዚ ጉዕዞ እዚ ግን ሓንቲ ናይ ስቃይ ኣንፈት ጥራይ ኣላታ ንሳ ኸኣ ነቲ ስቃይ ኣብ ውሽጥና እናዕመቆቶ ትኸይድ። እቲ ቀንዲ ጸገም እቲ ቃንዛ ወይ ስቃይ ዘይኮነስ ብከመይ ንቅብሎ እዩ። ብሕትውና ፍታሕ ኣይኮነን እንተ ጸሎት ፍታሕ እዩ ከመይ ምስ እግዚኣአብሔር ከምእንራኸብ ንኩሉ ኣባኡ ከም እንማዕቊብ ይገብረና። ኢየሱስ ንኩሉ ነቦኡ የወፊ። ነዚ ከኣ ንኩሉ እቲ ዝስምዖ ናብ ኣቦኡ ብምቅራብ ኣብቲ ቃልሲ ከኣ ኣብ ኣቦኡ ብምጽጋዕ ይገብሮ። ሃየ እምበአር ነፍሲወከፍና ኣብ ናይ ገዛእ ርእስና ጌተሰማኒ ክንኣቱ እንከሎና ማለተይ ይውሓድ ይብዛሕ ነፍሲወከፍና ነናቱ ጌተሰማኒ ኣሎና ወይ ነሮምና ይኾኑ ወይውን ይህልውና። ኣብ ከምዚ ዝበለ ግዜ ነዚ ዘክሩ ኣቦየ ኢልና ክንጽሊ ይግባእ።

ኣብ መወዳእታ ኢየሱስ ስለና ናብ ኣቦኡ ሣልሰይቲ ጸሎት የዕርግ ‘ኦ ኣቦ ዝገብርዎ ኣይፈልጡን እዮም እሞ ይቅረ በለሎም’ (ሉቃ 23.34) ይብል። ኢየሱስ ስለእቶም ሕማቅ ዝገበርዎ እቶም ዝቀትልዎ ዝነበሩ ይጽሊ። ወንጌል እዛ ጸሎት እዚኣ ኣብ ግዜ ስቅለቱ ከምዝተፈጸመት የነጽር። እታ ዝሓሰመት ቃንዛ ትስመዓሉ ግዜ ነሩ። ከመይ ኢየሱስ ኣእጋሩን ኣእዳውን ተሸንኪሩ ነሩ። ኣብዚ እቲ ቃንዛ ኣብ ጠርዙ ኣብ ዝበጽሓሉ ፍቅሪ እውን ኣብ ዝለዓለ ጠርዙ ይግለጽ ማለት ይቅረ በለሎም እንክብል ዝለዓለ ጥርዚ ፍቅሪ ይቅሬታ ምዃኑ እንክገልጽ እዚ ከኣ ነቲ ሰንሰለት ክፍኣት ይበጣጥሶ ማለት እዩ። ኣብዘን ዕለታት እዚኤን ኣቦና ኣብ ሰማይ እትንብር ኢልና ክንጽሊ እንከሎናኸስ ካብዘን ጸጋታት እዚኤን ሓንቲ ንለምን! ንመዋዕልና ንክብሪ እግዚአብሔር ክነብሮ ማለት ብፍቅሪ ክነብር! ኣብ ግዜ ፈተና ናብ እግዚአብሔር ኣቦ ክንምሕጸንን ኦ ኣቦየ ኢልና ናብ ኣቦና ክንጽልን ምስ ኣቦ ብምርኻብ ከኣ ይቅረታ ክንረክብን ይቅረታ ናይ ምሃብ ትብዓት ክህበናን ንለምኖ። ይቅረታ ምሕታትን ምሃብን ብሓንሳእ እየን ዝጐዓዛ ኣቦና ይምህረና እዩ ኰይኑ ግን ንክንምሕር እውን ትብዓት ይዕድለና እዩ። እንክብሉ ትምህርቶም ዛዘሙ። 

17 April 2019, 17:13