ክሪስቱስ ቪቪት = ክርስቶስ ሕያው እዩ ክሪስቱስ ቪቪት = ክርስቶስ ሕያው እዩ  

ክርስቶስ ሕያው እዩ! ድሕረ ሲኖዶሳዊ ቃለ ምዕዳን ር.ሊ.ጳ

ዝሓለፈ ዓመት ካብ ዕለት 3 ጥቅምቲ ክሳብ 28 ጥቅምቲ 2018 ዓምፈ ኣብ ከተማ ቫቲካን ብዛዕባ መንእሰያት ዚዝቲ ሲኖዶስ ጳጳሳት ከምዝተኻየደን ለበዋታቶም ንር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ከምዘረከቡን ዝዝከር እዩ። ቅዱስነቶም ከምቲ ልሙድ ንመጽናዕቲ ኣበው ሲኖዶስ ተቀቢሎም ዝሓለፈ ዕለት 25 መጋቢት ኣብ ሎረቶ ዝገበርዎ ንግደት ድሕረ ሲኖዶሳዊ ቃለ ምዕዳኖም ክርስቶስ ሕያው እዩ ብዝብል ኣርእስቲ ከቲሞሞ። ሎሚ ከኣ ናብ መላእ ዓለም ናብ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ብዕሊ ተዘርጊሑ። ጽማቚ ናቱ በብክፋል ክነቅርበልኩም ኢና።

ብላቲን ኣርእስቲ ናይቲ ሰነድ ክሪስቱስ ቪቪት ዝብል ኮይኑ ትርጉሙ ከኣ ክርስቶስ ሕያው እዩ ማለት እዩ። እዛ ቃል እዚኣ መኽፈቲት ናይቲ ሰነድ እውን እያ።

‘ክርስቶስ ሕያው እዩ። ንሱ ተስፋና እዩ። ናይዚ ዓለምና ዝበለጸ ንእስነት እውን ንሱ እዩ። ንሱ ዝትንክፎ ኩሉ መንእሰይ ይኸውን ሓዲስ ይኸውን ብሕይወት ከኣ ይመልእ። ስለዚ ከኣ እየ ንነፍሲ ወከፍ መንእሰይ ክርስትያን ከቅርበን ዝደለኹ ቀዳሞት ቃላት ክርስቶስ ሕያው እዩ ንስኻ ሕያው ክትከውን እውን ይደልየካ ዝብላ እየን’ እንክብሉ መልእኽቶም ዝጅምሩ ቅዱስነቶም እዚ መልእኽቲ እዚ ንመንእሰያት ንመላእ ሕዝበ እግዚአብሔርን ከምዝኾነ ይገልጹ።

እቲ ሰነድ ብትሽዓተ ምዕራፋት ዝቆመ ኮይኑ ቅዱስነቶም በቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ ዝተኻየደ ሲኖዶስ ዝተገብረ ኣስተንትኖን ዘተን ተመሪሖም ከምዝጸሓፍዎ የመልክቱ።

ቀዳማይ ምዕራፍ ቃል እግዚአብሔር ብዛዕባ መንእሰያት እንታይ ይብል!

ቅዱስነቶም ኣብ ቀዳማይ ምዕራፍ ‘ቃል እግዚአብሔር ብዛዕባ መንእሰያት እንታይ ይብል’ ኢሎም ይሓቱ እሞ ‘ኣብ ዘመነ እኒ እኒ፡ መንእሰያት ቊሩባት ኣብ ዝነበሩሉ ዘመን፣ እግዚአብሔር ንመንእሰያት ብፍሉይ ቆላሕታ ይጥምቶም ከምዝነበረ’ ይገልጹ። ካብ ብሉይ ኪዳን ኣብነታት ይጠቅሱ። እቲ በሕዋቱ ተሸይጡ ሕይወት ብዙሓት ካብ ጥሜት ዘድሓነ ዮሴፍ! ንእስራኤላውያን ካብ ባርነት ፍልስጥኤም ዘናገፈ መንእሰይ ገዴዎን! ኦ ጎይታይ ተዛረብ ባርያኻ ይሰምዕ ኣሎ ክብል ንሊቀ ካህናት ዔሊ ዝኸውን መልእኽቲ ካብ እግዚአብሔር ዝተቀበለን ንሕዝበ እስራኤል ዝመርሐን መንእሰይ ሳሙኤል! ካብ ጒስነት ኣባጊዕ ናብ ንግሥነት ዝተቀብዔ መንእሰይ ዳዊት! ቤተኣምላኽ ዝሃነጸን ጥበብ ዝለመንን መንእሰይ ሰሎሞን! ኣይዓቅመይን እዩ እናበለ ብእሳት ሰማይ ዝጸረየን ነቢይ ዝኾነን መንእሰይ ኤርምያስ። ንንእማን ካብ ለምጹ ንክነጽሕ ምኽንያት ዝኾነቶ መንእሰይ ዕብራዊት ኣገልጋሊቱ። ብቦኤዝን ሓማታን ዝተናእደት መንእሰይ ሩት ወዘተ ብምጥቃስ እግዚአብሔር ንመንእሰያት ከመይ ገቢሩ ይከናኸኖምን ይልእኮምን ከምዝነበረ ምስ ጠቀሱ ናብ ሓዲስ ኪዳን ይሰግሩ እሞ ኢየሱስ ክርስቶስ `ንዘለዓለም መንእሰይ ከምዝኾነን ወትሩ ናይ መንእሰይ ልቢ ክልግሰልና ከምዝደልን’ ብምግላጽ ‘ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዓበይቲ ሰባት ንመንእሰያት ብምስትንዓቅ ክጥምትዎም ወይውን ጨቚኖም ኣብ ናይ ባርነት ሥራሕ ክጸምድዎም ፈጺሙ ኣይደልን! እኳ ደኣ ከምቲ ኣብ ሉቃ 22.26 ዝብሎ ‘ካባኻትኩም ዓቢይ ክኸውን ዝደሊ ከም ዝነኣሰ ይኹን’ ክብል የጠንቅቅ። ንጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዕድመ መለክዒ ክብሪ ኣይነበረን ስለዝኾነ ከኣ ውሑድ ዕድመ ዘለዎ ውሑድ ክብሪ ይወሃቦ ኣይብልን። ስለዚኸ ይብሉ ቅዱስነቶም ‘ንእስነትካ ብሕያውነት እንክተሕልፎ ዘጣዕስ የብልካን እኳ ደኣ ልብኻ ንጐይታ ብምኽፋት ፍልይ ብዝበለ መንገዲ ንበር` እንክብሉ ቀዳማይ ምዕራፍ ይዛዝሙ።

ምዕራፍ ክልተ - ኢየሱስ ክርስቶስ ወትሩ መንእሰይ እዩ!

ሽሕ’ኳ ኣብ ወንጌል ብዛዕባ ንእስነት ኢየሱስ ብዙሕ ዘይግለጽ እንተኾነ ቅዱስነቶም ኣብታ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ወዲ 12 ዓመት እንከሎ ካብ ናብ ናዝሬት ናብ ኢየሩሳሌም ምስ ወለዱ ከይዱ ዝጠፍኣላ እሞ ድሕሪ ሠለስተ መዓልቲ ዝረኸብዎ ብቚመትን ብጥበብን ብጸጋን ከም ዚዓበየ ዚገልጽ ይጠቅሱ። ኢየሱስ ከም መንእሰይ ኪዓቢ እንከሎ ከም ማንም መንእሰይ እምበር ምናልባት በይኑ ዚዓበየ ወይውን ንገዛእ ርእሱ ጥራይ ዚሓስብ ዝነበረ ኰይኑ ከይስምዓና ምጥንቃቅ ከምዘድሊ እውን ሓቢሮም። ንእስነት ኢየሱስ ከምቶም ኣብ ግዜኡ ዝነበሩ ኣባል ሓንቲ ፍጽምቲ ሥድራቤት ኰይኑ ምስቶም ንሱ ዚዓብየሎም ዝነበረ ሰባት ከም ማንም ሰብ ንቤተሰቡ እናተኣዘዘ ይነብር ነበረ። ማንም ሰብ ብፍሉይነት ይርእዮ ኣይነበረን። ካብ ካልኦት ዝፈልዮ ነገር እውን ኣይነበረን። ኢየሱስ ከም መንእሰይከስ ነጻ ኰይኑ ይመላለስን ምስ ኩሎም ብሰላም ክጐዓዝን ካብኦም ናብራ ክመሃርን ክኢሉ። እዚ ከኣ ወለዱ ኣብኡ ምሉእ ምትእምማን ስለዝነበሮም እዩ። እዚ ጠባያት ኢየሱስ ኣብ ሓዋርያዊ ግብረ ተልእኮ መንእሰያት ክዝከር ኣለዎ። ኣብ መደባት ሓዋርያዊ ግብረ ተልእኮ ንመንእሰያት ካብ ሥድራቤትምን ካብ ዓለምን ዝንጽል ነገራት ከይህሉ ምጥንቃቅ የድሊ። ምናልባት ምስ ካልኦት ምሕዋስ ከጸግሞም እዩ ኢልካ ንበይኖም ንኡስ ጒጅለ ምፍጣር ኣጸጋሚ እዩ። እኳ ደኣ ምስ ካልኦት ክራኸቡሉ ዝኽእሉ መደባት ሓንጺጽካ ምስናዮምን ንተልእኮን ለጋስ ኣገልግሎትን ምስንዳዎም የድሊ። ከመይ ይብሉ ቅዱስነቶም ናብ መንእሰያት ብዘቅነዔ ቃና ‘ኢየሱስ ንዓኹም ንመንእሰያት ካብ ርሑቅን ብወጻእን ኣይኮነን ዘብርሃልኩም እንታይ ደኣ ካብታ ንእስነትኩም ጀሚሩ ንኩሉ ምሳኻትኩም እንተሳተፉ የሰንየኩም። ምስ ኢየሱስ ምስ እትጠብቁ ከኣ ብዙሕ ናቱ ዝኾነ ሠናይ ነገራት ኣብ ልብታት መንእሰያት ክነለሊ ንኽእል። ናብኡ ምስ እትቀርቡ ካብታ ንጽሕቲ ምንጪ ክትሰትዩ ትኽእሊ እዚ ከኣ ሕይወት ይህበኩም ሕልምታትኩምን መደባትኩምን ክትበጽሕዎ ሃረር እትብልዎ ዕላማታትን ሕያው ይኾኑ ብሥራት ሕይወት ሂቡ ከኣ ምንባር ጽቡቅ እዩ ዋጋ ኣለዎ ዓስቢ ኣለዎ ንምባል የብቅዕ። ጐይታ ንዓኹም ንመንእሰያት ኣብ ግብ ዝበለ ጸልማት ለይቲ ናይ ካልኦት ዝከማኹም መንእሰያት ከዋኽብቲ ክተብርሁ ይጽውዓኩም ኣሎ’ እንክብሉ ካብ ተነጽሎን በይንኻ ጥራይ ዝብል ናይ ፈረሃት ኣምር ክንርሕቅ ምናዳ ኣብ መደባት መንፈሳዊ ጒስነት ጥንቃቄ ከምዘድሊ ይሕብሩ።

ቅዱስነቶም ካብ ንእስነት ኢየሱስን መንእሰያትን ናብ ቤተክርስትያን ስግር ይብሉ እሞ ቤተክርስትያን ወትሩ መንእሰይ ስለዝኾነ `ጐይታና ንቤተክርስትያን ካብቶም ከእርግዋ ዝፍትኑ ከድሕና ንለምኖ። እዞም ከእርግዋ ዝደልዩ ናይ ቀደም ነገራት እናናፈቁ ከምዘይትንቀሳቀስ ክገብርዋ ይፍትኑ። ብኣተሓሳስባ ናይዞም ዓቃባውያን መንእሰይ ብቀሊሉ ንፈተና ዓለም ክቅበል ይኽእል ተሓድሶ ኢልካ ምሕሳብን ምእማንን ሕቡእ መልእኽቲ ሒዞም ምስ ካልኦት ክደባለቁን ክመስልዎምን ስለዝከኣል ኣይከውንን በሃልቲ እዮም። እዚ ግን ፈጺሙ ጌጋ እዩ። ቤተክርስትያን ክትኮኖ ዘለዋ እንተኾይና መንእሰይ እያ። ሓይሊ ካብ ቃል እግዚአብሔርን ካብ ቅዱስ ቊባንን ከምኡ እውን ዕለት ዕለት ካብ ህላዌ ክርስቶስ ኣብ ማእከላን ሓይሊ መንፈስ ቅዱስን ሓይሊ ክትወስድ እንከላ ቤተክርስትያን ወትሩ መንእሰይ እያ።’ እንክብሉ ምስ ገለጹ ከመይ ኢልና ክነብር ከምዘሎና ከኣ ነዚ ዚስዕብ ይብሉ።

‘ርግጽ እዩ ንሕና ኣባላት ቤተክርስትያን ፍሉያት ክንከውን የብልናን። እንታይ ደኣ ማዕረ እቲ ክንኮኖ ዝግበኣና ጸዋዕታ ፍሉይነት ክነርኢ ትብዓት ክህልወና ዓለምና ክህቦ ዘይክእል ፍሉይ ሕልምታት ንዓልምና ክነወፊ ናይ ልግስን ኣገልግሎትን ንጽሕና ጽንዓትን ምሕረትን ንጸዋዕታኻ እሙን ምዃንን ጸሎትን ንፍትሕን ሓባራዊ ሠናይ ነገር ምቅላስን ንድኻታት ምፍቃርን ማሕበራዊ ዕርከትን ብጣዕሚ ሠናይ ምዃኑ ንክንምስክር እውን ትብዓት የድለየና። ምናልባት ንዘለዋ ተቀባልነት ከተዋዕውዕ ክትፍተን ይከኣል እዩ። እዚ ዘየውዕል ዘየሕድር ውሕስነት ዓለም ሃሰስ ክንብል ንፍተን። ኰይኑ ግን ካብዚ ኩሉ ወጺአ ንእስነታ ንክትሕሉ ዝሕግዝዋ መንእሰያት ደቃ እዮም።’ ኢሎም።

ቅዱስነቶም ኣብታ ደጋጊሞም ዝምህርዋ ነጥቢ ምልስ ይብሉ እሞ እታ እንኮ እጃም ሥራሕና ንኢየሱስ ምስባኽ ስለዝኾነ ንኩሉ ንኢየሱስ ሰሓብን ዕውትን ብዝኾነ መንገዲ ምቅራብ እዩ። በዚ ከኣ ይብሉ ቅዱስነቶም ‘ቤተክርስትያን ኣብ ገዛእ ርእሳ ጠቢቃ ብዛዕባ ገዛእ ርእሳ ጥራይ ክትዛረብን ክትሓብን የብላን። እንታይ ደኣ ንኢየሱስ ክርስቶስ ልዕሊ ዝኾነ ነገር ክተንጸባርቅ ኣለዋ። ነዚ ምስ እትገብር ከኣ ትሕትና ተላቢሳ ክልወጡ ክሕደሱ ዘለዎም ነገራት ከምዘለው ትግንዘብ’ ይብሉ።

ኣብ ኩነት ቤተክርስትያን ግን ኩሉ ጥዑምን ጥጡሕን ከምዘይኮነ ንክገለጹ ከኣ ቤተክርስትያን ንገሊኦም `እተሰልቹን ተጨቃጫቂትን ኰይና ክትስምዖም ይከኣል እዩ። እዚ ዝንባሌ እዚ ብቚዕ ምኽንያት እውን ክህልዎ ይከኣል እዩ። ንኣብነት ዕንቅፋታት ጾታዊ ዓመት ቊጠባዊ ዕንቅፋታት ንመንእሰያት ክርድኡን ከገልግሉን ዘይክእሉ ሓድሓደ ውሉደ ክህነትን ኣገልግሎቶምን ኣብ ሕይወት ማሕበረ ክርስትያን ንመንእሰያት ከምዝሳተፉ ዘይምግባር ኣብ ቅድሚ ዓለም ንዘለዋ መርገጽን ዓምዲ እምነታን ሞራላዊ ትምህርታን ኣንጺራ በዘዕግብ መንገዲ ዘይምግላጽ ምኽንያታት ክኾኑ ይኽእሉ። ስለዝኾነ ከኣ ገሊኦም መንእሰያት ጽን ኢላ እትሰምዖም ቤተክርስትያን እምበር ብቀጻሊ ንዓለምን ዓለማዊ ነገራትን እትውግዝ ኣይደልዩን እዮም። ፈራህን ሱቊ በሃሊትን ቤተክርስትያን እውን ኣይደልዩን ከምኡ እውን ብቀጻሊ ሓደ ክልተ ነጥብታት ሒዛ ኣብ ውግእ ጥራይ እትጽመድ ቤተክርስትያን እውን ኣይደልዩን እዮም። ቤተክርስትያንከስ ኣብ ቅድሚ መንእሰያት እምንቲ ምእንቲ ክትከውን ሓንሳእ ሓንሳእ ትሕትና ተላቢሳ ጽን ኢላ ክትሰምዖም የድሊ። እቲ ካልኦት ብዛዕባ ዝብልዎ ንወንጌል ብዝበለጸ ንክትርድኦ ዝሕግዝዋን ዘብርህዋን ክኾኑ ከምዝኽእሉ ኣብ ግምት ክተእትዎ ዘለዋ ጉዳይ እዩ።’ ድሕሪ ቢሎም ካብ ሓደ ጫፍ ናብ ሓደ ጫፍ ምስሓብ ወትሩ ጸገም ከምዝፈጥር ብሩህ እኳ እንተኾነ ከም ኣብነት ክልተ ዝተፈላለየ ዝምባሌ ዘለወን ኣብያተ ክርስትያን የቅርቡ።

ንኣብነት ይብሉ ቅዱስነቶም ንኩሉ ተሓድሶ እትፈርህን ዓቅባዊት ኰይና ብዛዕባ መሰላትን ግብኣትን እትከራኸር ድርቅ ዝበለት ቤተክርስትያን እንተወሲድናዮ ብዛዕባ መሰል ደቂ ኣንስትዮን ዘሎ ሓደጋታትን እናተኸራኸረት ጸሓይ እንክዓርባ ብኣንጻሩ ክፉት ዝኾነ ኣጠማምታ ዘለዋ ነቲ ኣኽረርቲ ምንቅስቃሳት ደቂ ኣንስትዮ ከስዕባኦ ዝኽእላ ጸገማት ኣብ ግምት ብምእታው ናብ ቅኑዕ ምክልኻል መሰል ደቂ ኣንስትዮ ብምትኳር ክትሰርሕ ትኽእል ኢሎም።

ከመይ ደኣ ይገበር! ኣብነት ክኸውን ዝኽእልዶ ይርከብ ንዝብል ሕቶ ክምልሱ ዝደለዩ እንክመስሉ ቅዱስነቶም ነታ ድንግል ናዝሬት ዝኾነት እኖና ድንግል ማርያም ከም ኣብነት የቅርቡ። ኣብ ጉድያት ኢድካ ክትመልስን ጠኒንካ ክትኣቱን ንዘሎካ ኩሉ ጨኪካን ክተወፍን እንተተደልዩ ኣብነት እኖና ድንግል ማርያም ምኽታል የድሊ። ድንግል ማርያም ብዘይ ምንም ውሕስነት ተስፋ ድሕነት ናብ ኩሉ ክተብጽሕ ብዘለዋ ተልእኮ ጥራይ ተመሪሓ ኩለንትናኣ ወፊያ። ስለዚ ነፍሲወከፍና ናብ ሕልናና ተመሊስና ክነብጽሖ ዘሎና ተልእኮ ተስፋ ማሕላዶ ይህልወና ይኸውን ኢልና ነስተንትን። እኖና ድንግል ጸገማት ኣይነበራን ማለት ኣይኮነን ኰይኑ ግን እቲ ዝነበረ ጸገም ኣይፋል ከምትብል ኣይገበራን እኳ ደኣ ሕራይ ከምቃልካ ይኹነለይ ክትብል እያ ዝተረኽበት። ከምዚ ብምግባራ ከኣ ንእግዚአብሔር ኣዕጊባ ድሕነት ከምዝፍጸም ጌራ። ልቢ ቤተክርስትያን ብብዙሓት ቅዱሳን መንእሰያት ዝመልአ እዩ። ንምዝካር ዚኣክል ቅዱስ ሰባስትያን ቅዱስ ፍራንቸስኮስ ዘኣሲዚ ቅድስት ዮሓንሱ ዘኣርኮ ብፁዕ ሰባዕት ኣንድሪው ፉ የን ቅድስት ካተሪ ተካኺታ ቅዱስ ዶመኒኮ ሳቭዮ ቅድስት ተረዛ ዘኢየሱስ ሕጻን ብፁዕ ቸፈሪኖ ናሙንኩራ ብፁዕ ኢሲዶር ባካንጃ ብፁዕ ፕየር ጆርጆ ፍራሳቲ ብፁዕ ማርሰል ካሎ መንእሰይ ብፁዕት ክያራ ባዳኖ ወዘተ።

ሣልሳይ ምዕራፍ ንስኹም ናይ እግዚአብሔር ሕጂ ኢኹም።

ቅዱስነቶም ኣብ ሳልሳይ ምዕራፍ ነቲ ልሙድ ኣበሃህላ ብዝጻረር ኣገባብ ነቲ መንእሰይ መጻኢ ናይ ዓለምና ናይ ሎሚ ዕምባባ ናይ ጽባሕ ፍረ ዝብል ብሂል  ነጺጎም መንእሰይ ናይ ሕጂ ናይ ዘሎናዮ ግዜ ኰይኖም በቲ ዘወፍይዎ ንዓለምና ስለዘሀብትሙ ጽን ኢልና ክንሰምዖምን ነቲ ዘቅርብዎ ሕቶታትን ነቀፌታን ተሓጒስና ክንቅበሎ ሓደራ ይብሉ። ሎሚ ከም ሎሚ እቶም ዓበይቲ ንበሃል ዘይተኣደነ ጸገም ንፈጥር ኣሎና። ነዚ ከኣ ጉድለታት ናይ መንእሰያትና ብምዝርዛር ነጓንዮም እዝስ የርብሕዶ! ኣሽንኳይ ከርብሕ ነቲ ኣብ ማእከልናን ማእከል መንእሰያትን ዘሎ ጋግ መሊሱ የግፍሖ! ንመንእሰያት የባርርን የርሕቅን። ስለዚኸስ ኣቦ ወይውን መራሒ ወይውን ጓሳ መንእሰያት ክኸውን ዝተጸውዔ ሰብ ኣብቲ ካልኦት መፈላለዪ መናድቅ ዝርእዩሉ መሕለፊ ክርኢ ክኽእል ኣለዎ! ካልኦት ሓደጋ ጥራይ ኣብ ዝርእዩሉ ይከኣል እዩ ዝብል መንፈስ ከደንፍዕ ኣለዎ! ናይ እግዚአብሔር ኣቦና ጠመተኸስ እዚ እዩ! ነቲ ኣብ ልቢ መንእሰያት ዝተዘርኤ ናኣሽቱ ነገራት ዓቢ ዋጋ ሂቡ ከምዝበቚልን ከምዝዕምብብን ይገብሮ። ልቢ ነፍሲ ወከፍ መንእሰይ ቅዱስ መሬት ኮይኑ ክረኤ ኣለዎ።’ እንክብሉ መንእሰያት ብእግዚአብሔር ፍሉይ ቆላሕታን ረድኤትን ዝግበረሎም ቀንዲ መጋበሪኡ ምዃኑ ገሊጾም።

ካብዚ ብምቅጻል ቅዱስነቶም ዘጠንቅቅዎ ንብዙሕነት ብምፍራህ ዝግበር ጸቅጢ ክእለ እሞ ብዝተኻእለ መጠን ብዙሓት ዓለማት መንእሰያት ንክፍጠራ ይዕድሙ። ኣብ ርእሲ እዚ ናይ ዘመንና መንእሰያት ኣብ ትሕቲ ዝተፈላለየ ወጥርታት እንክርከቡ እቲ ዝሓሰመ ግን እቶም ኣብ ውግእ ዘለወን ሃገራት ዝነብሩ ኮይኖም ብዘይድላዮም ካብ ምዕስካር ጀሚርካ ሳዕቤን ናይ ውግእን ዓመጽን ከኣ ዝተወደቡ ጉጅለታት ዓመጽ ንግዲ ደቂሰባት ባርነትን ጾታዊ ዓመጻትን ኮይኑ ግዳይ ናይዚ ከኣ ኣብዝሓ መንእሰያት እዮም። ብዙሓት መንእሰያት ቅኑዕ ብዘይኮነ ሃይማኖታውን ፖሎቲካውን ሥነ ሓሳብ ተዓብሊሎምን ሰኺሮምን ዳርጋ ናይ ዕዳጋ ሥጋ ወይውን ናይ ዕንወት ሓይሊ ኰይኖም የገልግሉ። ንካልኦት ዝከምኦም መንእሰያት ከፈራርሑን መሳሓቂቶ ክገብሩ እውን ይረኣዩ። እቲ ዝሓሰመ ከኣ ብዙሓት ካብኦም ተነጽሎ ኣጥቒዕዎም ንኩሉ ከም ጸላኢ ብምምልካት እንኪሃድሙ እቶም ሰብኣውነት ዝጐደሎም ናይ ጥፍኣት ልኡኻት ከአ ነዚኦም ከምዚኦም ሃዲኖም መጋበሪ ናይ ጥፍኣት ይገብርዎም። ካልእ ሕሱም ናይ ምፍልላይ መጋበሪ ከኣ ሃይማኖትን ዓሌትን ቚጠባዊ ኩነታትን ኰይኑ ኣብዚ ተመሥሪቶም ንብዙሓት ዘግልሉ እውን ኣለው።’ ኢሎም።

ካልእ ናይ ዘመንና ዓቢ ጸገም መንእሰያት ብማለት ዝገለጽዎ ከኣ ጾታዊ ሕንፍሽፍሽ ናይ መንእሰያት ኮይኑ ብዙሓት መንእሰያት ዘይተደልየ ጽንስን ዘይሓዊ ናይ ምንጻል ጽንሲ ቊስልን ካብ ዕለት ናብ ዕለት ዝላባዕ ዘሎ ሕማም ኤች ኣይ ቪ ምስዚ ከኣ ዝተለፋላለየ ወለፍታት ዕጸፋርስ ቊማር ምጽዋት ኣነዋሪ ግልጸተ ነፍስ ወይውን ፖርኖግራፊ ኰይኖም ኣይሥራሕ ኣይበዓል ዝኾኑ ብዙሓት ኣለው። ኣብ ርእሲ እዚ ከኣ ናብ ዘብልዎ ጠፊእዎም ኣብ ጐደናታት ዝነበሩ ሕጻናት እውን ኣለው። እዚ ኩነታት እዚ ንኩሉ እኳ መሪር እንተኾነ ብቀንዱ ግን ንደቂ ኣንስትዮ ብጣዕሚ ከቢድ እዩ። ኣብ ቅድሚ ከምዚ ዝበለ ድራማ ናይ መንእሰያት ደቃ ኩነታት ዘይትበኪ ቤተክርስትያን ክንከውን ዘይከኣል እዩ። ነዚ ፈጺምና ክንለምዶ የብልናን። ኣብ ከምዚ ዝበለ ኩነታት እቲ ዝሓሰመ ንመንእሰያት ነዚ ነገራት እዚ ከየስተውዕሉን ከይበራበሩን ዝተፍላለየ ዜናታትን ሰሓብቲ ዘይረብሕ መደባትን ፕሮፓጋንዳን ብምንዛሕ ክተደንዝዞም ምጽዓር እዩ። ድሕሪ ቢሎም ንኩሎም መንእሰያት ናብ ልቦም ክምለሱ እሞ ስለ እቶም ኣብ ፈቆዶኡ ዝሳቀዩ ዘለው ሕሰም ዘሳቅዮም መሳቱኦም ክበኽዩ ይዕድሙ።

ቅዱስነቶም ዘጠንቅቅዎ ሰላሕታዊ ዝኾነ ጸገም ናይ ሓገዝ ጸገም ምዃኑ እዩ። ሓያላትን ሃብታማትን ገለ ሓገዝ የወፍዩ ኮይኑ ግን ዝለዓለ ዋጋ ይሓቱ። ኣብ ብዙሓት ድኻታት ሃገራት እቲ ካብ ሃብታማት ሃገራትን ዝተፈላለያ ዓለምለኸ ማሕበራትን ዝቀርብ ሓገዝ ምዕራባዊ ኣተሓሳስባ ጾታውነትን መርዓን ናብራን ማሕበራዊ ፍትሕን ከዘውትሩ ብምግዳድ እዩ ዝግበር። እዚ ከኣ ሓዲስ ዕብለላ ወይውን ወራር ክንብሎ ንኽእል። ምናዳ ንመንእሰያት ዘይኣምኑሉን ዘይናቶምን ሥነ ሓሳብ ስለዘስርጽ ጐዳኢ እዩ። ምስ እዚ ብዝተታሓሓዘ ከኣ ናይ ሎሚ ምዕራባዊ ባህሊ ንኣካላት ደቂሰብ ብስም ጽባቄ ኣብ ምውዕዋዕን ካልእን ምውዓሉ ክብሪ ደቂሰባት ስለዝትንክፍ መንእሰያት ካብዚ ክሕለው ይምሕጸኑ። እዚ ኣብ መንእሰያት ዘቅነዔ ጠመተ እቶም ዓበይቲ ንእስነት መንእሰያት ክሰርቑ ስለዝደልዩ እዩ እሞ ኣይትተሃመሉ ይብሉ።

ኣብ መንእሰያት ዘመንና ቀንዲ ጸገም ኮይኑ ዘሎ ጉዳይ ጾታን ጾታውነትን ብምዃኑ ቅዱስነቶም ሃረርታ ቊስልታትን ሃሰሳን ዝብላ ሰለስተ ቃላት ብምጥቃስ ጾታውነትን ሕይወትን ከመይ ክገናዘቡ ከምዘለዎም ይገልጹ። ግሉጽ ዝኾነ ጸገም መንእሰያትን ቤተክርስትያን ብዛዕባ ሞራል ጾታውነት ኣብ ዝዝረበሉ መንእሰያት ካብ ቤተክርስትያን ክሃድሙ ይረኤ። ኮይኑ ግን ማዕረ ማዕረ እቶም ዚሃድሙ ኣብ ቤተክርስትያኖም ኮይኖም ብዛዕባ እዚ ኣሻዅ ነጥቢ ዝዘራረቡ እውን ኣሎው። ምናዳ ኣብዚ ተክኖሎጂ ሳይንስን ማዕቢሉሉ ዘሎ ዘመን ምናልባት ሕይወት ሓደ ትዕድልቲ ምዃኑ ብጐይታ ዝተፈጠርና ምዃናን ድሩታት ምዃናን ንዝንግዕ ክንዲ ንሶም ዘገልግሉና ንሕና መጋበሪ ናቶም ስለእንኸውን ምጥንቃቅ የድሊ። ርግጽ እዩ ሓዲስ ናይ መራኸቢ መጋበሪ ዝኾኑ ኣድለይትን ጠቀምትን እኳ እንተኾኑ ንብዙሓት መንእሰያት ኣብ ርእሶም ምግላልን ብሕትውናን ስለዘእትው ኣብ ርእሲኡ እውን ንምድንጋርን ንዓመጽን ቀንዲ መጋበሪ እውን ስለዝኾኑ ምጥንቃቅ የድሊ። ንብዙሓት ከም ወልፊ ኰይኖም ጽግዕተኛ ብምግባር ምስ ሓቀኛ ዓለም ዘለዎም ርክብ እናማህመነ ይኸይድ። ዝገደደ ከኣ ናይ መፈራርህን ምጥፍፋእን መጋበሪ እውን ስለዝገብርዎም ምጥንቃቅ የድሊ። እዚ ጥራሕ ዘይኮነ እቶም ነዚ መጋበሪ እዚ ዘንቀሳቅሱ ዓበይቲ ናይ ቚጠባ ኣካላት ስለዝኾኑ መኽሰቦም ጥራይ ስለዝዓጦም ሕልናስ ይኹን ደሞክራስያዊ ኣካይዳ ንክጥምዝዙ ጸገም የብሎምን። ምስ’ዚ ገሊኦም ከኣ ዕጽው መርበባት እናፈጠሩ ጽልእን ምፍልላይን ቅድመ ኩነታዊ ፍርድን ዝነዝሑ ናይ ሓሶት ወረ ዝፈጥሩ እውን ኣለው። እዚ ከኣ ስም ሰብ ምጥፋእን ጽልኢ ምዝራእን ስለዝኾነ ቤተክርስትያንን ጓሶትን ክጥንቀቁን ከጠንቕቁን ኣለዎም። ቀቅድሚ ሲኖዶስ ብ300 ዝኾኑ መንእሰያት ዝተሰናደወ ሰነድ ከምዝገልጾ ብኢንተርነት ዝግበር ርክባት ኢሰብኣዊ ክከውን ይኽእል ኢሎም ነሮም። ስለዚ ነዚ ብኣካል ንዝግበር ርክባት ዘማስን ዲጂታዊ ርክባት ክንቚጠበሉ ሓደራ ኢሎም።

ካልእ ናይ ዘሎና ዘመን ጸገም ፍልሰትን ስደትን ናይ መንእሰያት ኰይኑ ዝስደዱን ዘሰጋግሩን እውን ባዕሎም እቶም መንእሰያት እዮም። ቤተክርስትያን እዚ ጉዳይ እዚ ከተሓሳስባ ኣለዋ። ምናዳ እቶም ካብ ውግእን ዓመጽን ፖሎቲካውን ሃይማኖታውን ስደትን ከምኡ እውን ባህርያዊ ጸገማት እንተስ ብለውጢ ክሊማ እንተስ ብብርቱዕ ድኽነት ዝስደዱ ንቤተክርስትያን የሻቅልዋ። እዞም ሰባት እዚኦም ዝሓሸ ናብራ ሃሰስ እናበለ ዝበለጸ መጻኢ ይሓልሙ። ካልኦት ስደተኛታት ከኣ ብምዕራባዊ ምዕባሌ ተሳሒቦም ዘይከውን ሓሳባት ኣብ ሓንጎሎም ኣስሪጾም እንክስደዱ እቲ ኩነት ካልእ ኰይኑ ምስ ጸንሖም ይጽገሙ። ኣብ ማእከል እዚ ከኣ ሕልና ዘይብሎም ኣብ ንግዲ ደቂሰባት ዝተዋፈሩ ነዚ ድኹም ጐድኒ ስደተኛታት እናመዝመጹ ይነብሩ። ኣብዚ እቲ ቀንዲ ጸገም ትሕቲ ዕድመ ዝኾነ ማንም ዘየሰንዮም ግዳይ ናይዚኦም ይኾኑ። ድሕሪ ክንደይ ቃልሲ ኣብ ድርኲኺት እተን ዝተሓልማ ሃገራት ምስ በጽሑ ከኣ ክንዲ ተቅባል ፍርህን ራዕድን የጓንፎም እዚ ከኣ ሰላሕታዊ ብዝኾነ ፖሎቲካ ዝጋዋሕ እዩ። በዚ ከኣ ዓሌታውነትን ዶባትካ ምዕጻውን ዝብል ኣምራት ይምዕብል። እዚ ጥራይ ዘይኮነ እዞም ኣብ ስደት ዝርከቡ መንእሰያት ባህላውን ሃይማኖታውን ጸገም እውን የጓንፎም። ስለዚ ይብሉ ቅዱስነቶም መንእሰያት ንካልኦት መንእሰያት ዝኸምኦም ናይ ምጽላእ ፕሮፓጋንዳ ከየሸንፎም ክጥንቅቁ ነቶም ተሰዲዶም ዝመጹ ከምኦም መንእሰያት ከኣ ክቅበልዎምን ክሕግዝዎምን ሓደራ ይብሉ።

ነዚ መደብ`ዚ ብድምጺ ንምክትታል ኣብ’ዚ ጠውቑ!

ንመንእሰያትን ሰብ ንኡስ ዕድመን ብዝምልከት ኣበው ሲኖዶስ ኣጥቢቆም ዝተዘራረቡሉ ዓመጽ ኣብ ልዕሊ ትሕቲ ዕድመ ምዃኑ ዝገለጹ ቅዱስነቶም ከምቲ ሲኖዶስ ሓደራ ዝበሎ ነዚ ዓቢ በሰላ ንምፍዋስን ዳግም ንከይድገም ንምጥንቃቅን ዘየዳግም ስጉምታት ክውሰድ ምዃኑ ሓቢሮም። ነቲ ፍጻሜ ብሓይሊ ዝወገዙ ቅዱስነቶም ነቶም ንኩሉ መሰናኽል ሰግሮም ነዙ ኣነዋሪ ሓጢኣት እዚ ኣብ ቅሉዕ ሜዳ ንከምጽኡ ብትብዓት ስጉምቲ ንዝወሰዱ ብምምስጋን ከኣ እዚ ፍጻሜ እዚ ብውሑዳት ሓላፍነቶም ዝዘንግዑ እንክፍጽም ምስጋና ንኣምላኽ ይኹን ዝበዝሑ ውሉደ ክህነት ካብዚ ሓጢኣት እዚ ነጻ ኰይኖም ተልእኮኦም ብተኣማንነትን ብልግሥን ዘካይዱ እዮም። ንመንእሰያት ኣጥቢቀ ዝምሕጸኖኸስ ይብሉ ቅዱስነቶም ‘ግጉይ መንገዲ ዝኽተል ካህን ምስ እትርእዩ ኣገልግሎት ንእግዚአብሔር ንሕዝበ እግዚአብሔር ምዃኑ ንከተዘኻኽርዎ ትብዓት ይሃሉኹም’ ኢሎም፣ ‘ኣብ ቤተክርስትያን ዝርከብ ሓጢኣት ዓመስ ትሕቲ ጥራይ ዘይኮነስ ኩሉ ሓጢኣት ውሉደ ክህነት ኣብ ቅድሚ ሕዝበ እግዚአብሔር ስጡሕ እዩ። እዚ ከኣ ኣብ ክልተ ሺሕ ዓመት ዘቁጸረት ኣደና ቤተክርስትያን ዕጥርጣር ይረኤ። ኮይኑ ግን ቤተክርስስትያን ምንም ዓይነት መጽባበቂ መጥባሕቲ ስለዘይትገብር ሓጢኣት ኣባላታ ንምግልጽ ኣይትፈርህን። ኣብዚ ክንዝክሮ ዘሎና ኣደ ምስ ቈሰለት ኣይትጠልማን ኢኻ። ኣብዚ ደበንገረ ዝዓብለሎ ግዜ እዛ ዘለዓለማዊት ኣደ እዚኣ ብሃገዝ መንእሰያት ንዘመናት ዝኸውን ተሓድሶ ክትገብር ዕድል ክትረክብን ንሓዲስ ጴንጠቆስጠ ክፍቲ ክትከውንን የድሊ።’ ብማለት ሓገዝ መንእሰያት ደቃ ምስ ሓተቱ ካልእ መንገዲ ከምዘሎ እውን ገሊጾም።

‘ካብዚ ጸልማት ዝዓብለሎን ኣሰቃቂ ዝኾነን ኩነታት መውጽኢ መንገዲ ኣሎ። እዚ ከኣ ኣብ ዕለተ ትንሣኤ ንዝተዋህበና ሠናይ ዜና ምዝካር የድሊ። ሽሕ’ኳ ናይ ዘመንና ዲጂታላዊ ምዕባሌ ሓደገኛ ኰይኑ እንተተራእየና ብዙሓት ንፉዓት መንእሰያት ነዚ መጋበሪ እዚ ኣብ ዝለዓለ ጥቅሚ ስብከተወንጌል ከውዕልዎ ዝኽእሉ ኣለውና። በዓል ሠናይ ዝኽሪ መገልገሊ እግዚአብሔር ካርሎ ኣኲቲስ ንኣብነት ነቲ ሓዲስ ምህዞ ተክሎጂ መራኸቢ ብዙሓን ቃለ ወንጌል ንምስፋሕ ተጠቂሙሉ ነሩ። እዚ መንእሰይ እዚ ኣብቲ እዚ ምህዞታት ዘጻወዶ ሕማቅ ነገር ከይወደቀ ‘ብዙሕ ነገራት ማይ ዘይጠዓሙ ኮይኖም ይመሃዙ ከም ቅዳሕ ኰይኖም ከኣ ይሞቱ’ ይብል ነበረ። እዚ ኩነት እዚ ኣባኹም ከይፍጸም ተጠንቅቁ። ተስፋኹምን ሓጐስኩምን ከይሰርቁኹም ተጠንቀቁ። እዞም ሰረቅቲ እዚኦም ከደንዝዙኻ እሞ ከም ባርያ ናይ መኽሰቦም ክገብሩኻ እዮም ዝጽዕሩ። ስለዚ ኣብ ሕይወትኩም ነቲ ዓቢ ዕላማ ዝኾነ መንገዲ ቅድስና ሃሰስ በሉ። መንእሰይ ምዃን ማለት ግዝያዊ ደስታን ዕምቘት ዘይብሉ ዓወትን ምድላይ ኣይኮነን። ኣብ ሕይወትኩም ንእሰነት ኣብቲ ክበጽሖ ዝግብኦ ፍጽምና ክሳብ ዝበጽሕ ዘመነ ንእስነት ለጋስ ወፈያን ንጹህ መሥዋዕትን ክከውን ኣለዎ። መንእሰይ ኰንካ ድኹም ኰይኑ እንተተሰመዓካ ብኩሉ ኩሉ ዝዓረበካ እንተመሰለካ ንኢየሱስ ከሐድሰካ ለምኖ። ኣብ’ዚ ክንዝክሮ ዘሎና በይንና ኰና ብተንጽሎ ንፈተናታትን ሰላሕታዊ ወራራትን ዲያብሎስ ክንቃለስ ኣጸጋሚ ስለዝኾነ መንፈሳውያን ማሕበራት መንእሰያት ክድንፍዕ ኣለዎ።  እንክብሉ ንሣልሳይ ምዕራፍ ይዛዝሙ።

ራብዓይ ምዕራፍ ‘ዓቢ ብሥራት ንኩሎም መንእሰያት’

ቅዱስነቶም ብዛዕባ ጸገማት መንእሰያትን ንእስነትን ድሕሪ ገሊጾም ንኩሎም መንእሰያት ዝኾና ሠለስተ ዓበይቲ ነገራት የበሥሩ። ቅሚዲ ዝኣገለረ እቲ ፍቅሪ ዝኾነ እግዚአብሔር የፍቅረካ እዩ! ነዚ ፈጺምካ ክትጠራጠር የብልካን። ከም ሳዕቤኑ ኸኣ ብኩለንትናኻ ኣብ ሕቚፊ እቲ ፈቃር ኣቦኻ ክትከውን ርግጽነትን ውሕስነትን እውን ክህልወካ ብኣኡ ተኣሚንካ ኣብ ሕቚፉ ንምዃን ኣይትፍራህ። ከመይ እቲ ዘፍቅረና ኣቦና ንኩሉ ኩነታትና ጸብጺቡ ዝሕዝ ደረቅ ነገር ዘይኮነስ ለዋህ ልቢ ዘለዎ ስለፍቅረና ከኣ ዝኾነ ኣሰር ሓጢኣትናን ክፍኣትናን ንሓንሳእን ንሓዋሩን ክድምስሰልና ደስ ዝብሎ እዮ። ሓንሳእ እሞ ብጸጥታ ኣብ ህላዌ እግዚአብሔር ጥሓል ንከፍቅረካ ኸኣ ኣፍቅደሉ ክሳብ ክንደይ ጥዑም ምዃኑ ሽዑ ክትግንዘብ ኢኻ። ፍቅሪ እግዚአብሔር ካብ ውድቀት ናብ ምትንሣእ ካብ ኩነኔ ሓዲስ ዕድል ብምሃብ ናብ ምሕረት ካብ ምኽልካልን ውግዘትን ዕርቅን ዝህብ ካብ ናብ ዝሓለፈ ናብ ዝመጽእ ዘተኲር ኣፍቃሪ ኣቦ እዩ። እታ ካልአይቲ ሓቂ ክርስቶስ መድሓኒኻ እዩ። ንሱ ሰብዓ ግዜ ሾብዓተ ዝምሕር ምዃኑ ኣይትረስዕ። ደጋጊሚ ኣብ መንኩቡ ንክሽከመካ ጸገም የብሉን። ኢየሱስ የፍቅረናን የድሕነናን ከመይ ንእትፈቅሮ ጥራይ እዩ ድሕነት ዝወሃብ። ኣብ ሕቚፊ ተኣማሚኑ ዝቀርብ ጥራይ እዩ ክልወጥ ዝኽእል። ፍቅሪ እግዚአብሔር ካብ ኩሉ ተጻብኦታትና ንላዕሊ እዩ። ልዕሊ ተኣፋፍነትናን ኩሉ ምስክኒነትናን ከኣ ይኸይድ። ምሕረቱን ድሕነቱን ካብ ዕዳጋ እንሽምቶ ወይውን ብክእለትናን ብሓይልናን ክንረኽእቦ እንኽእል ጉዳይ ኣይኮነን። ንሱ ብነጻ እዩ ዝምሕረናን ሓራ ዘውጸኣናን። እታ ሣልሰይቲ ሓቂ ከኣ ንሱ ሕያው እዩ። ነዚ ምዝካሩ የድሊ። ምኽንያቱ ከኣ ንኢየሱስ ኣብ ሕሉፍ ዝነበረ ታሪኻዊ ክስተት ጥራይ ጌርካ ምርኣይን ቅድሚ ክልተ ሺሕ ዓመታት ድሕነት ዝፈጸመ ሕሉፍ ጌርካ ናይ ምሕሳብን ሓደጋ ስለዘዕብ። ብከምዚ እንተዝኸውን ምንም ኣይምጠቀመናን ምንም ለውጢ እውን እምበይመምጸኣልናን ከም ቀደምና ምቀጸልና። ንሱ ወትሩ ሕያው ኰይኑ ኣብ ማእከልና ምንባሩን ብቀጻሊ ምስርሑንከስ ዕሚም ካብ ምባል ወጺእና ንቅድሚት ክንጥምት ከመይ ምሳኡ ወትሩ ንቅድሚት ክትርእን ክትግስግስን ስለዝከኣል።

ኣብዚ ሓቂ እዚ እግዚአብሔር ኣቦ ይሕወሶ ኢየሱስ እውን ይሕወሶ። ንሶም ኣብ ዘለውዎ መንፈስ ቅዱስ እውን ኣሎ። ስለዚኸስ ዕለት ዕለት ንክብራህልኩም ንመንፈስ ቅዱስ ተማሕጸንዎ። ከምዚ ብምግባርኩም ኣይትኸስሩን ኢኹም እኳ ደኣ ሕይወትኩም ክልውጠልኩምን ንኩሉ ኣብሪሁ ሓዲስን ዝበለጸን መንገዲ ክመርሓኩም እዩ። ዝሓተኩም ነገር ወይ ዘጒድለልኩም ነገር የብሉን እኳ ደኣ ነቲ ዘድልየኩም ብዝበለጸ መንገዲ ከም እትረኽብዎ ይገብረኩም እንክብሉ ራብዓይ ምዕራፍ ይዛዝሙ።

ሓሙሻይ ምዕራፍ - ጒዕዞታት ንእስነት

ቅዱስነቶም ኣብ’ዚ ምዕራፍ እዚ ፍሉይ ጠባይ መንእሰያት ዝኾነ ብዛዕባ መጻኢ ምሕሳብን ምሕላምን ይጠቅሱ እሞ ‘ፍቅሪ እግዚአብሔርን ምስቲ ሕያው ዝኾነ ኢየሱስ ክርስቶስ ዘሎና ርክብን ካብ ምሕላም ኣይዕንቅጹናን ንጠመተና እውን ክነጽብቦ ኣይግድዱናን። እኳ ደኣ ብኣንጻሩ እዚ ፍቅሪ እዚ ብዝያዳ ንክንህር ይደፋፍኣና ናብ ዝበለጸን ዝጸበቀን ሕይወት ገጹ ንክንጐዓዝ ይሕግዘና። እታ ዕረፍቲ ምስኣን ትብል ቃል ኣብ ልቢ መንእሰያት ንዘሎ ብዙሕ ሃረርታት ጸሚቛ ተቅርበልና። ብዛዕባ ሓደ መንእሰይ ክሓስብ እንከሎኹ ኣእጋሩ ቅድሚትን ድሕሪትን ሰሪዑ ንክብገስ ስንድው ዝኾነ ንቅድሚት ንክውንጭፍ ተበገስ ዝጽበ ስእሊ ይቅጀለኒ። ንእስነት ኣይስራሕ ኣይበዓል ኮይኑ መንጎ መንጎ ዝኾነ ግዜ ክኸውን የብሉን ከመይ እዚ ዕድመ እዚ ዕድመ መረጻ ኮይኑ ኣብ ናይ ሥራሕ ዓለምስ ይኹን ኣብ ማሕበረሰባውን ፖሎቲካውን ሕይወት ከምኡ እውን ሓዳርን ደቅን ንክህልውኻ መጻምድትኻ እትመርጸሉ ግዜ እዩ። እቲ ሻቅሎት ናብ ኢድካ ምሃብን ተስፋ ቊርጸትን ገጹ ክወስደናን ቅልጡፍ ፍታሕ ንክንረክብ ክህውጸናን ከሎ ዓቢ ጸላኢና እዩ ዝኸውን። እቲ ዝበለጸ ሕልምታት ብተስፍን ብትዕግሥትን ብተጸምዶን ንታህ ዋኽ ወጊድ ብማለት እዮም ዝዕጸዱ። ማዕረ ማዕረ እዚ ውሕስነት ብምስኣንን ንከይትጋገዩ ብምፍራህን ክትዕንቀጹ የብልኩምን። ንሕይወትሲ ብማዕዶ ኰንኩም ሓፍ ኣብ ዝበለ ቦታ ወይውን ኣብ ቅድሚ ተለቪዝንን ኮምፕዩተርን ተገቲርካ ብምውዓል ኣይትተዓዘብዋ። ንዓለም ከም በጻሕቲ ሃገርት ወይ ቱሪስት ኣብ ምዕዛባ ከይትወድቁ ተጠንቀቁ። ከምእትስምዑ ግበሩ። ነቲ ኣሳሲሩ ዝሕዘኩም ፍርሑ ፈናጥስዎ። ንበሩ። ንሕጂ ንበሩ። ንዝኾነ ጸጋ ይንኣስ ይዕበ ልዕሊ ኩሉ ከኣ ጸጋ ሕይወት ብዘይ ምንም ውልዉል ተደሰቱሉ ኣመስግኑ ከኣ። ቅጥዒ ዘይብሉ ደስታ ኣይትድለዩ ኣይተመነይዎ። ነታ ዘሎናዮ ዕለት ነታ ሽዑ ምንባር ማለት ጒልባብካ ቀሊዕካ ሓላፍነትካ ብምጥንጣን ከይዓገብካ ባዶሽ ኰንካ ምትራፍ ኣይኰንን። ነታ ዘላትካ ሕጻር ሕይወት ምስ ኢየሱስ ብምትዕርራኽ እንተዘይነቢርካያ ሓቀኛ ምልኣት ንእስነት ፈጺምካ ኣይክትርድኦን ኢኻ። ንሱ ብምንም ተኣምር ስለዘይጠልመናን ስለዘይገድፈናና ምስ ኢየሱስ ዝግበር ዕርክነት ፈጺምካ ዘይበርስ እዩ። በዚ ከኣ ንኢየሱስ ከም ዓርክናን ሓውናን ወላ ነቲ ኣብ ማዓሙቚ ልብና ዝርከብ ምሥጢራት ከይተረፈ ምሳኡ ንዋስኦ። ብጸሎት ናብኡ እናቀረብና ከኣ ኣብ ሕይወትና ከምዝኣቱን ከምዝዋሳእን ንገብሮ በዚ ከኣ ንሱ ይዕወት። ንንእስነትካ ካብዚ ዕርከት እዚ ኣይተትርፋ። ምስ ኢየሱስ ምትዕርራኽ ከምቲ ንሓዋርያት ኣብ መንገዲ ኤማሁስ ዘጋጠሞም ንሕይወትካ ፍሉይ ጣዕምን መቀረትን እዩ ዝህባ።  ቅዱስ ኦስካር ሮመሮ ነዚ ብዝምልከት ‘ክርስትና እንክንብል ክትኣምኖ ዘሎካ ዝርዝር ሓቅታት ኣይኮነን ክትዕዘቦ ዘሎካ ሕግታት እውን ኣይኮነ ክትክልከለሉ ዘሎካ ኣይትግበር ዝብል ዝርዝራት’ውን ኣይኮነን። ከምዚ እንተኾይኑ ክንጸግ ዘለዎ እዩ። ክርስትናስ ኣካል ዘለዎ ኮይኑ ፍቅሩ ዝገለጸለይን ንከፍቅሮ ዝግድደንን ኣምር እዩ። ክርስትናስ ክርስቶስ ባዕሉ እዩ’ ይብል ነበረ። ስለዚኸስ መንፈሳዊ ምዕብልና ክርስትና ሃሰው ክንብል እንተኾና ንቃል ጐይታ ኣብ ልብና ዓቚርና ምስ ኢየሱስ ዘሎና ምትእስሳር ኣደላዲልና ክንዓብን ክንበስልን የድሊ ከማይ ብዓቅምናን ሓይልናን በይኑ ንታሕጓስን ንቅድስናን ክንዓቢ ኣይንኽእልን። ወላ እቲ ዝሸምገለ እውን በቲ ናይ ጒብዝና ዕሴታት ክበስል ክጽዕር ኣለዎ። ኣብ ነፍሲውከፍ ክፍሊ ዕድመና ንእስነትና ክነሐድሶን ክነዕብዮን ንኽእል። ኣነ ብገዛእ ርእሰይ ር.ሊ.ጳ ተመሪጸ ተልእኮይ ኣብ ዝጀመርኩሉ ጐይታ ጠመተይ ኣስፊሕዎ ዝተሓደሰ ጒብዝና እውን ዓዲሉኒ። ከምዚ ናተይ ምስቶም ቃል ኪዳን ካብ ዚኣስሩ ዓመታት ዘቊጸሩስ ይኹን ኣብ ገዳም ዝርከብ ሓደ ብዕድመ ዝሸምገለ መነኮስ ከምኡ ኪገብር ይኽእል። ንንእሰነት ከምዚዓቢ ምግባርከስ ነቲ ጒብዝና ዝዕደለካ ክቡር ህያባት ከምዘሎ ምዕቃቡን ንክቅጽል ምሕብሓቡን ማለት እንክኾን ማዕረ ማዕረኡ ከኣ ነቲ ሠናይ ዘይኮነ ነገራትካ ንክነጽእ ብክፉት ልቢ ክትፈቅድ ስንድው ምዃን የድሊ። ኣብዚ ዓቢ ጥንቃቄ ዘድልዮ ካልእ ጉዳይ ኣሎ እዚ ከኣ ንካልኦት ክትመስሎምን ቅዲ ሕይወቶም ክትቀድሕን ብምጽዓር ቅዱስ ወይውን ፍጹም ክትከውን ከምዘይትኽእል ከዘኻኽረካ እፈቱ። ንስኻስ ናይ ገዛእ ርእስኻ ዝኾነ መንገዲ ቅድስናን ፍጽምናን ክትረክብን ክተማዕብልን የድልየካ። መንፈስ ቅዱስ ወትሩ ካብ ገዛእ ርእስና ውጽእ ኢልና ንካልኦት ሃንጐፋይ ኢልና ክንቅበልን ምስኦም ክንጐዓዝን ስለዝደፍኣና ሕውነታው ጒዕዞን ምድግጋፍን ኣብ ጒዕዞ እምነት እንከድሊ እምነትና ብሓባር ብናይ ማሕበር ሕይወት ክንገልጾ ክንክእል ኣሎና። ነዚ ንምግባር ከኣ ነቲ ብቀጻሊ ኣብ ውሽጢ ገዛእ ርእስናና ኣብ ከቢቡና ዘሎ ጸገማትን ተሓጺርና ኣብኡ ዕንኪልል ንክንብል ንዝቃለሰና ፈቲና ሰጊርና ክንገብሮ ኣሎና። ምናዳ ናይ ሕውነታዊ ውህደት ታሕጓስ ዘይወሓጠሉ ጸላኤ ሰናያት ነቲ እግዚኣአብሔር ኣጸቢቁ ዝፈትዎ ታህጓስ መንእሰያት ንከጥቅዕ ዝገብሮ ፈተና ምሽናፉ የድሊ።

ነዚ መደብ`ዚ ብድምጺ ንምክትታል ኣብ’ዚ ጠውቑ!

ቅዱስነቶም ነቲ ጸላኤ ሰናይት ዘቅርቦ ፈተናታት ኣሸኒፍና ናብቲ እግዚአብሔር ዘቅርበልና ታሕጓስ ክንኣቱ ይዕድሙ። ከመይ እግዚአብሔር መንእሰያት ክሕጐሱ እንከለው ደስ እዩ ዝብሎ በቲ ኣብ ሕብረት ኣሕዋት ዝርከብ ደስታ ክሕጐሱ ከኣ ይዕድሞም እንክብሉ ከኣ ይገልጽዎ። ቀጺልዎም ዝምሕጸንዎ ከኣ ብዛዕባ ሥራሕ እንክኸውን መንእሰያት ወትሩ ኣብ ሥራሕ ክጽመዱ ከምዘለዎም ነዚ ምስ ዘይገብሩ ግን ሓደጋ ናይ ምጉጅጃልን ሕውነታው ፍቅሪ ተዘውትር መሲሉካ ኣብ ናኣሽቱ ዓንኬላት ናይ ምዕጻውን ኩነት ክርከብ ይከኣል ኰይኑ ግን እዚ ናኣሽቱ ጒጅለታት እዚ ነቲ ኣነነቶም ዘስፍሕ እምበር ካልእ ፋይዳ የብሉን። እዚ ከኣ ጸዋዕታ ምእመን ኣብ ቤተክርስትያን ጥራይ ከገልግል ንዝብል ኣምር የጋድድ ነቲ ቀዳማይ ጸዋዕታ ምእመን ኣብ ናይ ፍቅሪ ሥራሕ ሥድራቤትን ኣብ ማሕበርን  ኣብ ፖሎቲካን ምዃኑ ይዝንግዕ ድሕሪ ቢሎም መንእሰያት ጸዋዕታኦም ከመይ ክነብርዎ ከምዝኽእሉ ንምሕባር ነዚ ዚስዕብ ይብሉ። መንእሰያትሲ ክንዮ ናኣሽቱ ጒጅለታት ሰጊሮም ሓፈሻዊ ዕርክነት ክፈጥሩን ሓፈሻዊ ሠናይ ነገር ናይ ኩሉ ሃሰስ ክብሉን ኣለዎም። ከመይ ሓፈሻዊ ጽልኢ ንኩሉ የዕኑ። ብምኽንያት ጽልኢ ሥድራቤት ክትዓኑ ይከኣል። ብሰንኪ ጽልኢ ዓለም ምሉእ ክዓኑ ይከኣል። መጠን ጽልኢ ዚዓበየሉ መጠኑ ከኣ ውግእ ይዓቢ። ዕለት ዕለት ከምእንዕዘቦ ዓለምና ብሰንኪ ውግእ ትዓኑ ኣላ። ምኽንያቱ ከኣ ኰፍ ኢሎም ክዝትዩ ብዘይምኽእሎም እዩ። ማሕበረሰብኣዊ እጃምና ምብርካትን ምስ ድኻታት ቀጥታዊ ርክብ ምፍጣርን ገና ክንበጽሖም ዘሎና መሠረታውያን ጉዳያት ኰይኖም ንእምነትን ብዕምቖት ንምርዳእን ንጸዋዕታና ኣለሊና ንምኽኣልን ገና ብዙሕ ጉዕዞ ይጽበየና ኣሎ እንክብሉ ሓደገኛነት ናይ ጸቢብ ጒጅለታት ድሕሪ ገሊጾም ኣዎንታዊ ማሕበራት መንእሰያት ከምዘለው እውን ኣብሪሆም።

ኣብ ቊምስናታት ዝዝውተሩ ማሕበራትን ምንቅስቃሳትን መንእሰያት ብዙሕ ግዜ ኣብ ከባቢኦም ንዝርከቡ ሽማገለታትን ሕሙማትን ዝገብርዎ ምብጻሕን ሓገዝን ከምኡ እውን ኣብ ዝተፈላለየ ድኻታት ዝነብሩሉ ኣከባቢ ዝገብርዎ ምብጻሕ ዝነኣድ እዩ። ከምኡ ካልኦት ማሕበራትን ጒጅለታትን መንእሰያት ቊምስናታት ማሕበራዊ ሓገዛት ብዝመደብዎ ገዛ ንዘይብሎም ገዛ ክሃንጹን ወይውን ከባቢኦም ንምጽራይ ኣብ ዝገብርዎ ወፈራታት ከምኡ እውን ንጽጉማት ዝኸውን ሓገዝ ኣኻኺቦም ክህቡ ይረኣዩ። እዚ ማሕበራዊ ሓይሊ እዚ ሓሓሊፍካ ጥራይ ዘይኮነ ብምዱብ ኣገባብ እንተዝግበር ብጣዕሚ ጽቡቅ ነሩ። ተመሃሮ መካነ ጥበባት ማለት ዩኒቨርሲታት በብሞያኦም ተወዳዲቦም ነቲ ዝቀሰምዎ ትምህርቲ ማሕበራዊ ግድላት ንምፍታሕን ምስ መንእሰያት ናይ ካልኦት ኣብያተክርስትያንን ተኸተልቲ ካልእ እምነትን ብምትሕብባር እንተዝሰርሑ ኣድማዒ ውጽኢት ምተረኽቦ እብል። ብማለት ኣዎንታዊ ጐድኒ ናይ ማሕበራትን ምንቅስቃሳትን መንእሰያት ምስ ገለጹ ነዚ መዝነት እዚ ንክስከሙን እጃሞም ከበርክቱን የተባብዑ።

ኣብ ዝተፈላለየ ኲርናዓት ዓለም ዘለው ብዙሓት መንእሰያት ኣብ ጐደናታት ወጺኦም ፍትሓውን ሕውነታውን ምዕባሌ ከምዝደልዩ ዝገልጹ ብዙሓት መንእሰያት እዕዘብ። ነዚኦም ከኣ ናይቲ እትደልይዎ ለውጢ ካልኦት ተዋሳእቲ ክኾኑሉ ኣይተፍቅዱ እብሎም። መንእሰያት ተበዓት ልኡኻት ክኾኑ ዝተጸውዑ እዮም። ኣብ ዝኸድዎ ቦታ ኩሉ ንወንጌል ብሕይወቶም ክምስክሩ እዚ ከኣ ብዛዕባ ሓቂ ምዝራብ ጥራይ ዘይኮነ ብሕይወት ክነብርዎ ኣለዎም። ዘረባ እውን እንተኾነ ክዕበስ የብሉን። ተጻይ ኩሉ ዕንቅፋታት ብምጒዓዝ ንኢየሱስ ናብ ኩሉ ኣባጽሕዎ ነቲ ንሱ ዝሃበኩም እምነት ከኣ ምስ ካልኦት ተኻፈልዎ እንክብሉ ተልእኮ መንእሰይ ምስ ገለጹ ንምዃኑ ኢየሱስ ናበይ እዩ ዝልእኽ! ቢሎም ይሓቱ እሞ ‘ደረት የለ ወሰን የለ ናብ ኩሉ ይልእኽ። ወንጌል ንገሊኦም ጥራይ ዘይኮነ ናይ ኩሉ እዩ። ነቶም ቀረባ ዝመስሉ ነቶም ዝቅበሉ ዝመስሉ ጥራይ ዘይኮነ ንኩሉ እዩ። እቲ ተልእኮ ቀሊልን ጥዑምን ክኸውን ከኣ ምንም ትጽቢት ኣይሃሉኹም’ እንክብሉ ሓምሻይ ምዕራፍ ይዛዝሙ።

ሻድሻይ ምዕራፍ ሱር ዘለዎም መንእሰያት ኩኑ

ቅዱስነቶም ናይ ገሊኦም ክሕደት ሕሉፍ መሠረት ከምዘሻቅሎም ከምዚ ክብሉ ይገልጹ። ‘ገሊኦም ንመንእሰያት መሠረት ዘይብሉ መጽኢ ንክሃንጹ ፕሮፓጋንዳ ዝነዝሑ ኩሉ ሕጂ ብኣኦም ከምዝጅመር ጌሮም ዝርእዩ እንክትርኢ ክንደይ የሕዝን። ምናልባት ንዓኹም ንመንእሰያት ሓደ ሰብ ነዚ ሥነ ሓሳብ እንተቅረበልኩምን ንታሪኽን መዝገብ ዝኽሪ ተመኵሮ ሽማገለታትን ረስዕዎ እንተኢሉኩም ንኩሉ ካብ ሕሉፍ ዝመጸ ነገራት ከስተናዕቅን ነቲ ንሱ ዘተስፍዎ ጥራይ ክትቅበሉ እንተሓተተኩም ምናልባት እዚ ሰብ እዚ ነቲ ንሱ ዝብሎ ጥራይ ክትገብሩ ዶ ኣይኮነን ዝጉስጉስ ዘሎ! እዚ ሰብ እዚ ባዶሽ ክትኮኑ ካብ ሱር መሠረትኩም ክትምንቈሱ ንኩሉ ምእማን ከም እትስእኑ ይገብረኩም በዚ ከኣ ንኣኡ ጥራይ ብምእማን ኣብቲ ንሱ ዘጻውድዎ ከም ባሮት ክትነብሩ እዩ ዝደሊ። ኣብ ዓለምና እንዕዘቦም ዝተፈላለየ ሕብሪ ዘለዎም ሥነ ሓሳባት ናይ ዘመንና ብከምዚ ይሰርሑ ካብ ናቶም ፍልይ ንዝበለ ኩሉ የዕንው ከምዚ ብምግባር ከኣ ብዘይ ምንም ተቋውሞ ክገዝኡ የኽእሎም። እዞም መጠፋፋእቲ እዚኦም ንንእስነት ዳርጋ የምልኽ ዎ ክንብል ንኽእል። ናይ’ዚ ሓዲስ ሥርዓተ ኣምልኾ ጣዖት ምልክት ከኣ ኣካላት መንእሰይ ኮይኑ ኩሉ ንኣካል መንእሰይ ዝምልከት ኣምልኾ ጣዖት ኰይኑ ደረት ኣልቦ ሃረርታ ናብኡ ተሕድር መንእሰይ ዘይኮነ ኩሉ ይንዓቅ። እዚ ግን ቅድሚ ዝኣገረ ነቲ መንእሰይ ንባዕሉ ክብሩ ዘጒድል እዩ ዝኸውን። ዝኸበርኩም መንእሰያት ንንእስነትኩም ሱር ዘይብሉ ብላዕሊ ላዕሊ ጥራይ ዝንበር ሕይወት ክገብራ ኣይተፍቅዱ እዚ ኣምር እዚ ንጽባቄ ምስ ላዕሊ ላዕሊ ምምሳል ዘደናግር እዩ። ጽባቀስ ኣብቲ ኣብ ሥራሕ ውዒሉ ደኺሙ ኣእዳው ረሲሑ ዝምለስ ሠራሕተኛ ኣሎ! ኣብታ ዝሓመመ ሰብኣያ እትናቢ ሽምግለ ሰበይቲ ኣሎ! ኣብቶም ኣብ ጽባሕ ሕይወቶም ብሓጐስ ዝፋቀሩ መንእሰያት መርዑት ኣሎ። እንተኾነ ሎሚ ሎሚ ኣብዚ ዘመንና እግዚአብሔር ዘይብሉ መንፈሳውነት ያኢ ከማዕብሉ ማሕበረሰብካ ዘይሳተፎ ግላዊ ፍቅሪ ክፈጥሩ ነቲ ዝሳቀ ወገን ንክትሕግዝ ምንም ብዘይምግባርን ካብ ድኻታት ከም ካብ ሓደገኛ ነገራት መንገዲ መዓልቲ እናሃደምካን ይንበር ኣሎ። እዚ ግን ማንም ክበጽሖ ዘይክእል ገነታዊ ዝኾነ ተስፋ ኣሎ ብማለት ዝግበር ነገራት እዩ። በዚ ሥነሓሳብ እዚ ብምንም ተኣምር ክትሽነፉ የብልኩምን ከመይ እዚ ሥነ ሓሳብ እዚ ባህላዊ ዕብለላ ብምፍጣር ንመንእሰያት ካብ ሡር መሰረቶም ምሕዩ ካብቲ ዘዕበዮምን ዝሃነጾምን ባህላውን ሃይማኖታውን ርስቲ ፈልዩ ባዕሉ ዝዝውሮም ኩሎም ሓደ ዝኾነ ዳርጋ ከም ሰብ ዘይኮነ ከም ነገራት ዝረኣዩሉ ብቀሊሉ ከም ድላይካ እትገብሮም ጒጅለታት ይፈጥሩ። ስለዚ ናብ ልብኹም ምልስ በሉ እሞ መሠረታዊ ዝኾነ ክትገብሮ ዘሎካ በብሓደ ዘክር። ቅድሚ ዝኣገረ ምስ ዝሸምገሉ ጥቡቅ ርክብ ክትገብር ከመይ ዝሸምገሉ መንእሰያት ናይታ ዝሓለፈት ሕይወት ሕያው ሃብቲ ብዝኽሪ የካፍልዎም። ቃል ኣምላኽ ምስ ዝሸምገሉ ርክብካ ከይተቋርጽ ይምህጸን እዚ ከኣ ነቲ ብተመክሮ ዝቀሰምዎ ጥበቦም ንክትሳተፍ እዩ። እዚ ክንብል እንከሎና ግን ንስኻ መንእሰይ ምስቲ ሽምግለታት ዝብልዎ ምሉእ ብምሉእ ክተሰማማዕ ወይውን ንኩሉ ተግባራቶም ኣዎንታዊ ምላሽ ክትህብ ኣይኮነን። እቲ ዝድለ ብክፉት ልብን ኣእምሮን ነቲ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ክመሓላለፍ ዝመጸ ሃብታም ጥበብ ምቅባል እዩ። ኣብ ዓለምና ቅድሚ ሕጂስ ይኹን ድሕሪ ሕጂ ዘይሰርሕ ነገር እንተሃልዩ ኣብ መንጎ ወለታት ንዘሎ ምትእስሳር ክትበትኽ ምፍታን እዩ። እቲ ጽቡቅን ዝምረጽን ሓዲስ ምህዞ ጥራይ እዩ ብማለት ከእምነካ ዝጽዕር ሥነ ሓሳብ ውጹእ ሓሶት እዩ። እንክብሉ የጠንቅቁ እሞ ናብ ሕልምታትን ራእያትን መንእሰያት ስግር ይብሉ።

ናይ ኩሉ ምንጪ መንፈስ ቅዱስ ስለዝኾነ መንእሰያትን ሽማገለታትን ንመንፈስ ቅዱስ ልቦም እንተደኣ ከፊቶም ዘደንቅ ውህደት ክፈጥሩ እዮም። ዝሸምገሉ ሰባት ስለ ደቆም ይሓልሙ መንእሰያት ራእይ ኣለዎም። እዞም ሰብ ራእይ ዝኾኑ መንእሰያት ኣብ ሕልሚ ናይቶም ሽማግለታት እንተደኣ ተሰሪቶም ብዙሕ ፍረ ክሓፍሱ እዮም። ስለዚኸስ ብሓባር ዕድልካ ምርኣይ የድሊ ማለት መንእሰያትን ሽማግለታትን ብሓባር እናተጓዕዙ ክፈልጥዎ ዘለዎም ሠራውር ኣሲሩ ዝሕዘና ዘይኮነ ጽኑዕ ሡር መሠረት ኰይኑ ነቲ ዕለት ዕለት ዝፍጠር ሓደስቲ ግድላት መሊስካ ንክትክእልን ቀኒዕካ ንክትዓብን ይሕግዝ።

ነዚ ክፍሊ እዚ ብድምጺ ንምክትታል ኣብ’ዚ ጠውቑ!

ሻብዓይ ምዕራፍ ሓዋርያዊ ጒስነት መንእሰያት

ቅዱስ ኣቦና ርእሰሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ መንእሰያት ግቡእ ጉስነት ምስ ዚረክቡ ማዕበላዊ ቅልጣፈ ናይ ሕብረተ ሰብኣውን ባህላውን ለውጢ ከምጽኡ ከም ዚኽእሉ ገሊጾም። ኮይኑ ግን ኣብዚ ግዜዚ መንእሰያት ኣብ ናይ መስርዓት መሪሕነት ዚግባእ ቦታ ብዘይምርካቦም ናይ ጸገማቶም ግቡእ መልሲ ክርኸቡ ኣይከኣሉን ዘለው። ዘድልዮም’ውን ይስእኑ ኣለው። ጸገማቶምን ኣቚሳሎምን ተጎስዩ ይሓልፍ ኣሎ። መንእሰያት ባዕሎም ዋናታትን ተዋሰእትን ኣብ መደባት ሓዋርያዊ ጉስነቶም ክኾኑ ይግባእ። ንሳቶም ክመርሑን ክሰርሑን እንተኾይኖም ኣብ ጐኖም ኮይኑ ዘሰንዮም  ክህልዎም ግድን እኳ እንተኾነ ነጻ ኮይኖም ተበግሶኦምን ፈጠራታቶምን ኣብ ግምት ኣእቲኻ ሓድሽ መንገዲ ምዕባለ ክረክቡ ከምዝኽእሉ ክዝከር ኣለዎ። ፍሉይ ክእለት ዘለዎም መንእስያት ሃሰስ ብምባል ከኣ ኣብ ናይ ኣተሃሰስባኦም ምህዞን ፍልጠትን ብቅዓትን ከነተኩር ይግባእ። ሓደ ፍሉይ ኣካያዳ መንእሰያት እንተተመልከትና ንኩነታት ካልኦት ዝከምኦም መንእሰያት ከለልዩ ኮነ ቋንቋን ሽግራትን ንክግንዘቡ ግዜ ኣይውስደሎምን እዩ። ጉስነት መንእሰያት እምበኣር ምትዕጽጻፍ ዘድልዮ ኮይኑ ብሓባር ክዓብይሉን ክህነጽሉን ዚከኣለሉ ኣጋጣሚታት ምውዳድ ጥራሕ ዘይኮነ፣ ገዛእ ርእሶም ዘላልይሉን ተመኲሮታት ሂወቶም ዘካፍልሉን ብሓባር ዘብዕልሉን ዚዝምርሉን፣ ጭቡጣት ምስክርነት ዚሰምዕሉን፣ ብሓባር ኮይኖም ጥቡቅ ርክብ ምስ ህያው ኣምላኽ ዘስተማቅርሉን መድረኻት’ውን ውዓል ሕደር ዘይድልዮ ጉዳይ እዩ።

   ጉስነት መንእሰያት እንትርፎ ሲኖዶሳዊ ካልእ ክኸውን ኣይክእልን። ሲኖዶሳዊ ማለት ከኣ ንኩሉ ዘሳትፍ ኮይኑ ብሓባር ምጉዓዝ ማለት እዩ። እዚ ከኣ ፍሉይ ቅርጺ ሂቡ ብሓባር ኪጐዕዙ  ብቅዓት ይህቦም። እዚ ጒዕዞ እዚ  ክልት ዓበይቲ መስርዓት ትግባረ ይኽተል። እቲ ቀዳማይ ሃሰሳ ምክያድ ኮይኑ እቲ ካልኣይ ድማ ናይ ደርጃ ብደረጃ ናይ ምዕባይ ጉዕዞ እዩ። ነቲ ቀዳማይ ብዝምልከት ቅዱስነቶም ተዋሳእቲ መንእሰያት ባዕሎም ምዃኖምን ክገብርዎ ኣኽል ታርፍ ብቅዓት ከምዘለዎምን ብምእማን ተራ ጓሶትን ኣሰነይትን መንእሰያት ዝሰሓቡሉ መንገድታት ሃሰስ ክብሉ ብዝተረፈ መንእሰያት ነቲ ዕድመ ምስ ተገንዘቡ ባዕሎም ክመጹ ከምዝኽእሉ በዚ ንመንእሰያት ምጉስጓሶምን ዝመሰሎም ንክገብሩ ምሉእ ነጻነት ምሃቦምን የድሊ ይብሉ።  ኣብዚ ቅዱስነቶም ዝለለዓለ ኣገዳስነት ኣለዎ ዝብልዎ ‘ነፍስውከፍ መንእሰይ ብትብዓት ኣብቲ ፈርያም ዝኾነነ ልቢ ናይ ካልእ ዝከምኡ መነእሰይ ናይ መጀመርያ ብስራት ወንጌል ክዘርእ ምትብባዕየድሊ። እዚ ከኣ ነቲ ከም ጉንዖ ዝተቀበሎ ናይ ቅርበት ቋንቋ፣ ናይ ዘይቅድመ ኩነታዊ ተወፋይነት ዝመልኦ ቋንቋ ፍቅሪስ ይኹን ልብኻ ዝትንክፍ ርክባውን ህልውናውን ቅርበት ይፈጥር። ናብ መንእሰያት ክትቀርብ ከሎኻ ብምስዳዕ ወይ ናብ ናትካ ሃይማኖት ከተምጽኦም ብምውዕዋዕ ዘይኮነ ብመንገዲ ፍቅሪ ክኸውን ይግባእ። ቅዱስነቶም ብዛዕባ ዕቤት ከምዚ ይብሉ፣ ቅድሚ ዝኣገረ መንእሰያት ነቲ ኣሎ ዝበሃል ጽዑቕ ግላዊ ተመኲሮ ርክብ ምስ እግዚኣብሔር ተበጊሶም ናይ ኲስኰሳን ህንጸትን ርክባት ምክያድ ከምዘድሊ ይገልጹ። ኮይኑ ኣብዚ ርክባት እዚ ጉዳያት መዝገበ ሃይማኖትን ሞራላዊ ሕቶታትን ብናይ ሕንጸት ርክባት ጥራሕ ክትግንዘብ ምፍታን ንብዙሓት መንእሰያት እቲ ምስ ክርስቶስ ብምርካብ ዚተቀበሉዎ ናይ እምነት ሓውን፣ ንኽስዕብዎ ዚተቀበልዎ ሓጎስን ይከስሩወን እሞ ኣብ ውሽጦም ብርቱዕ ሕርቃንን ቁጥዓን ይፈጥር። ስለዚ ዝኮነ ናይ ኲስኰሳን መደብ ግድን ኮይኑ ጉዳያት መዝገበ ሃይማኖትን ሞራልን ክትንክፍ እንተኾይኑ ብመንገዲ ስብከተ ወንጌል ክኸውን ይምረጽ። እዚ ከኣ ካብቲ ብመንጎኝነት ምእንታኦም ዝሞተን ክርስቶስ ምስ እግዚአብሔር ዘሎ ርክብ ነቂሉ ኣብ ዕብየት ሕውነታዊ ፍቅርን ማሕበራዊ ሕይወትን ኣገልግሎትን ከብጽሕ ኣለዎ።  ኣብ ርእሲ እዚ ሓውርያዊ ጒስነት መንእሰያት ወትሩ ነቲ መንእሰይ ነቲ ኣቀዲመ ዝቀሰሞ ግላዊ ተመኲር ፍቅሪ እግዚአብሔርን ሕያው ዝኾነ ኢየሱስ ክርስቶስን ንክሕድስን ንከዕሙቚን ዝሕግዞ መደባት ክሕንጽጽ ኣለዎ።

ብሓፈሻ መደባት ሓዋርያዊ ግብረ ተልእኮ መንእሰያት እቶም መንእሰያት ከም ኣሕዋት ነንሕድሕዶም እናተሓጋገዙ ሓደ ማሕበር ከቚሙን እዚ ማሕበር እዚ ከኣ ንካልኦት ንክሕግዝን ኣብ ጐድኒ ድኻታት ንክቆሙን ዝሕግዝ ክኸውን የድሊ።  በዚ ከኣ ናይ ቤተክርስትያን  ተቕዋማት ምቹእ ሃዋህው ምምዕባል ናይ ምቅባል ብቅዓት ክኾና ይግባእ። ኣብ ተቊዋማት ቤተክርስትያና ምስ መንእሰያትና ዚሳነ ቦታታት ብምድላው ኣብኡ ነጻ ኮይኖም ክኣትዉን ክወጹን ዝደለይዎ ኪገብሩሉ ዝኽእሉን ኮታት ገዛኦም ኮይኑ ዝጽምዖም ሃንጐፋይ ኢሉ ዝቅበል፣ ኣብ ዚደለይዎ ዚእንግድሉን፣ ብእምነት ምስ ካልኦት መንእሰያት ኣብ ሓዘኖም ኮነ ሓጎሶም ዝራኸቡሉን ቦታ ክኸውን ኣለዎ። ቅዱስነቶም ንናይ ጉስነት ተቕዋማት ትምህርት ብምሕሳብ ብህጹጽ ርእሰ ፈተሻ ገረን ጉድለታትን ክእርማ ይጽውዑ። ገለ ናይ ካቶሊክ ኣብያተትምህርቲ ነቲ ዘሎ ጥራይ ክዕቅባ ዝተመደባ ክሳብ ዝመስላ ዳርጋ ጌጋ ከይርከብ ዝተሃንጻ ድፍዓት ዝኾና ብደገ ግን ማእከላት ኲስኰሳ ዝብል ስም ዝተለጠፈለን ኣለዋ። ኮይኑ እቶም ካብ ከምዚኤን ዚኣመሰላ ኣብያተ ትምህርቲ ተማሂሮም ዝወጹ ተመሃሮ ኣብ መንጎ እቲ ዝተመሃርዎን ኣብ ደገ ዝረኽብዎ ኩነታትን ሃህ ዝበል ገደል ይረኽቡ እሞ ምስጋሩ ይጽግሞም። በቲ ካልእ ወገን እንተራኣካ ድማ እቲ ዚዓበያ ሓጎስ ናይ መምህር፣ ተመሃራዩ በርቲዑን ዓብዩን በሲሉን ቀንዲ ተዋስኣይ ብምዃን ናይ ምሃብ ብቅዓት ምስ ኣጥረየን ጀመረን እዩ። መንፈሳዊ ኲስኰሳ ካብ ባህላዊ ሕንጸት ፈላሊኻ ክርአ ኣይከኣልን። እቲ ዚዓበየ ዕዮ ገዛ እምበኣር ነቶም ወትሩ ዚደጋገሙ ኩሉ ንሃልኪ ዝብል ኣደንዛዚ ባህሊ ብህያውን ሓያልን ምርጫታት ተኪእኩም ፍልጠትን ንዘሎካ ምስ ካልኦት ምክፋልን ከምዝመሃሩ ግበርዎም።

ቅዱስነቶም ቀጺሎም ኣብ ሓዋርያዊ ጒስነት መንእሰያት ሓጋዚ ዝበልዎም ብዝተፈለለየ ኣገባብ ዝዝውተሩ ሥነጥበባዊ መግለጺታት ከምኡ እውን እስፖርታዊ ንጥፈታት ኮይኖም እቲ ዝዓበየ ግን ነዛ ናይ ሓባር ገዛና ዝኾነት ዓለምናን ተፈጥሮኣን ምክንኻን እዮም። ነዚ ኩሉ ዘጠቃልል መደብ ሓዋርያዊ ጒስነት መንእሰያትከስ ናይ ግድን ኰይኑ ሰፊሕን ተዓጻጽፍን መደብ ኰይኑ ኣብቲ መንእሰያት ብብዝሒ ዝንቀሳቀሱሉ ከባቢታት ነቲ ባህርያው ናይ ምምራሕ ተኽእሎን ናይ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ልቦም ድሮ ተዘሪኡ ዘሎ ውህበታትን ክጥቀሙሉ የድሊ። ቅድሚ ዝኣገረ ኣብዚ ዚሕተት ዘሎ ማንም ዓይነት ምዕንቃጽ ወይ ምዕንቃብ ከይግበር። ዝወሃቡ ሕግታትን መምርሒታትን ንምቁጽጻርን ንምድራትን ከይከውን ምጥንቃቅ የድሊ። ንኩሎም ኣብ ዝተፈላለየ ኲርናዓት ዝርከቡ ብባህርዮም መራሕቲ ንዝኾኑ መንእሰያት ክንጥቀመሎም እንተዀና እንገብሮ ምትእትታው ንምስናዮምን ንምብርታዖምን ክኸውን የድሊ። ምናልባት ከም ገዳማዊ ናይ ባሕታውያን ሕጊ ዚዓይነቱ ኣብ ጒስነት መንእሰያት ክተተኣታቱ ምፍታን ነቲ ቃል ሕይወት ዝኾነ ቃለ ወንጌል ኣዲርቅካ ዘይርዳእን ካብ ባህሊ መንእሰያት ዝረሓቀን ገርካ ንሓደ ክልተ በላሕቲ ዝበሃሉ ጥራይ ዝምልከት ምግባሩ በይኑ ዝዝምቢ ፍረ ዘይብሉ ዘይዕምብብ ንገብሮ ማለት ስለዝኾነ ጥንቃቄ የድሊ። ስለዚኸስ ይብሉ ቅዱስነቶም ቤተክርስትያና ክፉት ማዓጹ እትውንን ኮይና ኣድላዪ እንተዀይኑ ኣብቲ ንመንእሰያትና ዝተወፈየ ቦታታት ቤተክርስትያና ኩሎም ምእንቲ ክሳተፉ ምእንቲ መጎጎ ትሕለፍ ኣንጭዋ ዚዓይነቱ ኩነታት እውን ክንፈጥር ኣድላዪ እዩ። ወላ ነቶም ፍሉይ ራእይን ርእይቶን ዘለዎም መንእሰያት እውን እንቅበለሉ ቦታ ክህሉ ኣለዎ። በዚ ከምዚ ነቶም ካልእ ሃይማኖት ዝኽተሉስ ይኹኑ ነቶም ብዛዕባ ሃይማኖት ፋዕራ ዘይብሎም ክትጓሲ ይከኣል። ነዚ ኣብነት ዝኾነና ጒዕዞ ናይቶም ድሕሪ ሞት ኢየሱስ ኩሉ ጸልሚትዎም ንኤማኡስ ገጾም ዝጐዓዙ ዝነበሩ ክልተ ሓዋርያት ኣብነት ክኾነና ይኽእል። ኢየሱስ ነዞም ሰባት እዚኦም በቲ ዝኸድዎ ክጠፍኡ ኣይገድፎምን። ኣብቲ ጉዕዞ ምስኦም ሕውስ ይብል። ከም ማንም ተጐዓዛይ የሰንዮም። ቀስ ብቀስ ከኣ ኣብቲ ዕላሎም ኣትዩ ይምህሮም። ብትዕግሥቲ ይሓቶም ጽን ኢሉ ይሰምዖም ነቲ ፍጻሜ ካብ ቅዱስ መጽሓፍ እናጠቀሰ የረድኦም። ምሳና ሕደር ምስ በልዎ ዕድመኦም ይቅበል ኣብቲ ለይቶም ይኣቱ። ከመይ ኩሉ ጸልሚትዎም እዩ ዘሎ። ንሳቶም ባዕሎም እዮም ዝሓልፍ መሲሉ ካብኦም ክፍለ ምዃኑ ምስ ተረድኡ ምሳና ሕደር ኢሎም ዝዓደምዎ። ሓደ ንመንእሰያት ዝኸውን ግብረ ተልእኮ ኸስ ነዚ መስመር እዚ እዩ ኪኽተል ዘለዎ። ነቶም መንእሰያት በብዘለውዎ ምስናዮም። ንኣብነት ሓደ ንመንፈሳዊ ንግደት ኣብ ሓደ መካነ ንግደት ናይ ድንግል ማርያም ዝኸይድ ንሓደ ዓርኩ ክዕድሞ እንከሎ እሞ ሱቚ ኢሎም ብሓንሳእ ክጐዓዙ እንከለው ድሮ ሓዋርያዊ ግብረ ተልእኮ ተጀሚሩ ማለት እዩ። ስለዚኸስ ዝኾነ ንጒስነት መንእሰያት ዝምልከት ሓዋርያዊ ጒስነት ተልእኮኣዊ ክኸውን ኣለዎ። ከመይ እቶም መንእሰያት ከም ዘለውዋ ነጻነቶም ክሕሎ ኣለዎም ማዕረ ማዕረኡ ከኣ ብኣያታቶም ዓበይቲ ኣሕዋኣቶም መሰነይታ የድልዮም እዚ ካብ ሥድራ ቤት ጀሚርካ በታ ማሕበረሰቦም ክቅጽል ኣለዎ። እዚ ማለት መንእሰያት ብፍቅርን ዓቢ ግምት ብምሃን ምርዳኦምን ምስናዮምን የድሊ። ምናልባት ተጋጊና ብቀጻሊ ክንፈርደሎምን ምስ ዕድሚኦም ዘይከይድ ፍጽምና ካባኦም ሃሰስ ክንብል እንተጀሚርናን ጸገም ክንፈጥር ኢና። 

ነዚ መደብ’ዚ ብድምጺ ንምክትታል ኣብ’ዚ ጠውቑ!

ኣብ ሓዋርያዊ ግብረ ተልእኮ መንእሰያት ዚኣክል ሓይሊ ክኢላን ውፉያት ኣሰነይትን ከምዘሎ ግሉጽ እዩ። ገሊአን መንእሰያት ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ኣገልግሎት ቤተክርስትያን ዝመሓን ኣብነት ዝኾናን እኹላት ደቂ ኣንስትዮ ከምዘየለዋ የመልክታ። ንመንእሰያት ካባና ካብ ጓሶትኩም ካብ ኣሰነይትኹም እንታይ ትጽበዩ ምስ እንብሎም ‘እሙናት ክርስትያን ኰና ንኣገልግሎት ቤተክርስትያንን ዓለምን ዝተወፈና ክንከውን ከይሰልከዩ ንቅድስና ሃሰስ ዝብሉ ዘይፈርዱ እኳ ደኣ ንኩሉ ዝከናኸኑ ንጸገማት መንእሰያት ጽን ኢሎም ብትዕግስቲ ዝሰምዑ እንክምልሱ ከኣ ብርግኣት ዝምልሱ ብዛዕባ ገዛእ ርእሶም እኹል ኣፍልጦ ዘለዎም ድሩትነቶም ዝፈልጡ ታሕጓስን ቃንዛን መንፈሳዊ ሕይወት ዝፈልጡ’ ጓሶት ኣሰነይቲ ይደልዩ። ልዕሊ ኩሉ ግን ደቂ ሰባት ምዃኖም ተረዲኦም ጌጋታት ክፍጽሙ ከምዝኽእሉ ፍጹማት ከምዘይኮይኑ ኮይኑ ግን ሓጢኣተኛታት ክንሶም ዝተማሕሩ ምዃኖም ክዝክሩ የድሊ። በዚ ከኣ ንካልኦት ክምሕሩን ኣብ ጉድለታቶም ክፈርዱን ኣይጐዪን። ምስ እዚ ኩሉ ከኣ ምስ መንእሰያት ብሓባር ክጐዓዙ ዝኽእሉ ነዚ እንክገብሩ ከኣ ነጻነቶም ብምሕላው ክኸውን ኣለዎ ኢሎም።

ሻምናይ ምዕራፍ ጸዋዕታኻ ኣለሊኻ ምኽኣል!

ኣብ ሕይወት መንእሰያት እታ ቀንድን መሠረታዊትን ዝኾነት ጸዋዕታ ኣለሊኻ ምኽኣል እዩ እዚ ማለት ከአ ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ነፍሲ ወከፍ መንእሰይ እንታይ ከምዝደሊ ምፍላጥ እዩ። ቅድሚ ዚኣገረ ኢየሱስ ካብ ነፍሲወከፍ መንእሰይ ዕርክነት ከምዝደሊ ከኣ ክፈልጥ ኣለዎ። ጸዋዕታ ክበሃል ከሎ ንካልኦት ንክተገልግል ዝወሃብ ተልእኮ እዩ። ምኽንያቱ ከኣ ሕይወትና ምሉእ ትርጉማ ኣብዚ ምድሪ እዚ ንክትረክብ ክትውፈ ኣለዋ። ንጸዋዕታኻ ምስ ኣለለኻ ምኵስኳሱን ምምዕባሉን የድሊ። ነቲ ዘሎካ ኣዕቢኻን ኣዓምቢክካን ኣብ ፍረ ክተብጽሖ የድሊ። እዚ ከኣ ካብ መንነትካን እንታይነትካን ምንዳይ ጀሚሩ ብብርሃን እግዚአብሔር ተደጊፍካ ነቲ ክትኮኖ ዘሎካ ኣለሊኻ ምምዕባሉ እዩ። እዚ ምእንቲ ካልኦት ምንባር ዝብል ተልእኮ ኣብ ሕይወት ነፍሲወከፍ መንእሰይ ዳርጋ ብባርህዩ ዝተኣሳሰረ ኰይኑ ምሳኡ ተታሓሒዙ ዝኸይድ ሓዲስ ሥድራቤት ምምሥራትን ንሥራሕ ተኰስኲስካ ምስንዳውን እውን የጠቃልል። ብዛዕባ ፍቅርን ምሥረታ ሓዳርን ብዝምልከት ቅዱስነቶም ከምዚ ኢሎም ይጽሕፉ። ‘መንእሰያት ኣብ ፍቅሪ ዘለዎም ጸዋዕታ ብብርቱዕ ይስምዖም ምሳኡ ወይውን ምስኣ ሓቢርካ ጽቡቕ ሓዳር ናይ ትምስርተሉ መጻምዲ እውን ብትኽክል ክረኽቡ ይደልዩ፣ ነቲ ብከምዚ ዝበለ ሃሰሳን ምልላይን ዝተረኽበ ፍቅራዊ ሕይወት ከኣ ምሥጢረ ተክሊል ብጸጋ ሸሊሙ ኣብ እግዚአብሔር ከምዝምሥረት ይገብሮ። እግዚአብሔር እንክፈጥረና ተባዕታይን ኣንስታይን ገቢሩ እዩ ዝፈጠረና ጾታኸስ ሓደ ጸጋ እዩ ብነጻ ብፍቅሩ ዝዓደለና ውህበት እዩ። ስለዚ ከም ሓደ ሕቡእ ውጉዝ ብዛዕባኡ ምንም ዘይዝረብ ወይ ካልእ ገርና ክንሓስቦ የብልናን። እግዚአብሔር ነዚ ጸጋ እዚ እንክዕድለና ክልተ ዕላማ ኣልቢስዎ በቲ ሓደ ወገን ንፍቅሪ በቲ ካልእ ወገን ከኣ ንክንፈርን ክንባዛሕን። ሓቀኛ ፍቅሪ ብርቱዕ ስምዒት የሰንዮ።’ ድሕሪ ቢሎም ቅዱስነቶም ኣብዚ ዘመንና ንዝረኤ ምፍልላይን ፍትሕን ነቶም ብኣኡ ብቀጥታ ዝሳቀዩ ጥራይ ዘይኮነ ንመንእሰያትና እውን ዓቢ ስቃይ ከምዘስዕብን ምጥርጣርን እምበርዶ ኣብ ምባልን ናይ መንነት ቅልውላው ከምዘስዕብን ኣመልኪቶም። ስለዚ ይብሉ ቅዱስነቶም እቶም ዝቀደሙ ብዘይመጠን ክጥንቀቁን ሓላፍነቶም ክሽከሙን ኣለዎም እቶም መንእሰያት ከኣ ምንም ከይፈርሑ ከከም ዕድሜኦም ነቲ ዘሎ ጸገማት ብምዕዛብ ካብኡ ክመሃሩን ነቲ ቀዳሞት ዝገበርዎ ጌጋ ከይደግሙን ይምሕጸኑ። ሽሕ’ኳ ጸገማት እንተሎ ሥድራቤት ካብቶም መሠረታውያን ባእታታት ህላዌና ስለዝኾነ ክሳብ መወዳእታ ክትዋጋኣሉ ዘሎካን ምስ ኩሉ ጸገማቱ ክትቅበሎን ክሳብ ብስለት ክትቃለሶን ዘሎካ ጉዳይ ስለዝኾነ ንመንእሰያት ማንም ነዚ ሓቀኛ ፍቅርን መሥዋዕትን ዚሓትት ኩነት ካብ ምቅባል ተስፋኹምን ሕልምኹምን ክሰርቀኩም ኣይተፍቅዱ። ተጻይ እዚ ዘሎ ምንቅስቃሳት ብምኻድ ሠውራውያን ክትኮኑ ንሠናይ ለውጢ ክትብገሱ የዘኻኽረኩም ኢሎም ብዛዕባ ሥራሕ ከውክኡ ይጅምሩ።  

ንሥራሕ ብዝምልከት ይብሉ ቅዱስነቶም ‘ንኩሎም መንእሰያት ዘቅርበሎም ወዓል ሕደር ዘየድልዮ ጻውዒት ማንም መንእሰይ ብዘይ ሥራሕ ክነብር ኣብ ሓገዝ ካልኦት ተጸጊዑ ክነብር ኣይጸበ። ከምዚ ዓይነት ትጽቢት ሕማቅ እዩ ከመይ ሥራሕ ናይ ግድን ዘድሊ ጉዳይ ኮይኑ ኣብዚ ምድሪ እዚ ናይ ምንባርና ትርጉም እንረኽበሉ መንገዲ ብሥለት ምዕባለን ናይ ደቂሰባት ኮይኑ ምሉእ ብምሉእ ሰብ እትኾነሉን ሕልምታትካ ኣብ ግብሪ እተውዕለሉን እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ንድኻታት ገንዘብ እናሃብካ ዚግበር ሓገዝ ወትሩ ክንዮ ኣፈርክቡ ሓሊፉ ነፍሲወከፍ ርእሱ ክኢሉ ዝሰርሓሉ ሃዋሁ ክፍጠር ኣለዎ።’ እንክብሉ ኣድላይነት ሥራሕን ትርጉሙን ዝህቦ ረብሓን ገሊጾም።

ቅዱስነቶም ኣተሓሒዞም ንህልው ኩነታት ሥራሕ ብመንጽር መንእሰያት እንክገልጹ ዘሎናዮ ዘመን ንመንእሰያት እናኣግለለ ካብ ናይ ሥራሕ ዓለም የብኲሮም እሞ ብዙሓት መንእሰያት ሥራሕ ኣልቦ ከምዝኾኑ ይገብር እዚ ግድል እዚ ግን ሸለል ክበሃል ከምዘይብሉ ከምዚ ክብሉ ይገልጹ። ‘እዚ ሕቶ እዚ ዝኾነ ፖሎቲካዊ ኣመራርሓ ከም ቀዳማይ ግድል ኅብረተሰቡ ገሩ ቀዳምነት ሂቡ ምናዳ ኣብዚ ተክኖሎጂካዊ ምዕባሌ ብልዑል ናህሪ ኣብ ዝሕበበሉ ዘመን ምስቲ ዘሎ ናይ ሥራሕ ክፍሊት ንምቅናስ ዝግበር ቃልሲ ሓቢሮም ነቲ መጠን ኣልቦ ናይ ሥራሕ ቦታታት ብመኻይንን ሮቦታትን ክትክኡ ንዝጓየዩ ብዓይኒ ጥንቃቄ ምርኣይ የድሊ።  ስለዚ ንዓኹም ንመንእሰያት ዝብለኩም እንተልዩ እው ሓቂ እዩ ብዘይ ሥራሕ ክትነብሩ ከምዘይትኽእሉን ሓንሳእ ሓንሳእ ከኣ ንዘቅረቡልካ ብግዲ ክትቅበሉ ከም እትግደዱን እፈልጥ እየ ኮይኑ ግን ሓደራ ዝብለኩም ንሕልምታትኩም ኣይትግደፉ ነቲ ዝተዋህበኩም ጸዋዕታ ፈጺምኩም ከይትቀብርዎ ተጠንቀቁ ናይ ተሳዓርነት መንፈስ ኣየሸንፍኩም እብለኩም’ ድሕሪ ቢሎም ኣብ ምዝዛም ናይዚ ምዕራፍ ቅዱስነቶም ንሓደ ፍሉይ ጸዋዕታ ብዛዕባ ምውፋይ ከምዚ ይብሉ። ‘ኣብቲ እትገብርዎ ጸዋዕታኹም ናይ ምልላይ ጒዕዞ ንእግዚኣአብሔር ምውፋይ ዝብል ጸዋዕታ እውን ኣብ ግምት ኣእትውዎ! ስለምታይከ ኢኹም ነዚ ኣብ ግምት ዘይተእትውዎ! ኣብ ውሽጢ ልብኻ ጸዋዕታ እግዚአብሔር ድምጺ እግዚአብሔር ሕሹዂታ እግዚአብሔር ኣብ ዝሰማዕካሉ ግዜ ስዓቦ ምናልባት ንሕይወትካን መነባብሮኻን ምልኣት ክህብ ትግሩም ክህብ ይኽእል እዩ! ነዚ ኣረጋጊጸ ክነግረካ እደሊ’ እንክብሉ ሻምናይ  ምዕራፍ ዛዚሞም።

ታሽዓይ ምዕራፍ ዲሰርኒንግ - ምልላይ! ፈሊኻ ኣለሊኻ ምኽኣል

ቅዱስነቶም ነቲ ኣብ ሻምናይ ምዕራፍ ዝገለጽዎ ጸዋዕታ ኣለሊኻ ንምኽኣል እንታይ ከምዘድሊ ንምግልጽ ኣብ ታሽዓይ ምዕራፍ ነቲ ብቋንቋ እንግሊዝ ዲሰርኒን እንብሎ ማለት ምልላይ ፈሊኻ ኣለሊኻ ምኽኣል ንዝብል ኣምር ይገልጹ። ‘ነዚ ጸዋዕታኻ ኣለሊኻ ናይ ምኽኣል ኣምር ከምዝግባእ እንተዘይፈሊጥና ካልኦት ሰባት ዝዝውሩና ኣሻንጒሊት ወይ ባምቡላ ማለት ከምቲ ኣብ ተዋስኦ ብገመዳት ዝንቀሳቀስ ምስሊ ሰብ ወይ እንስሳ ኰና ናንይ ግዜኡ ዕዳጋ ንሃልኪ ንኸውን። ኣደዳ ናይዚ ንከይንኸውን ዝሕግዝ ዲሰርኒንግ እንብሎ ኣምርከስ ካብዚ የድሕነና ጸዋዕታና ኣለሊና ከምእንኽእል እውን ይገብረና። እዚ ኣምር እዚ ናይ ብሕትውናንን ጸጥታን ኣስተንትኖን ጸሎትን ኩነታታ ይሓትት። ምኽንያቱ ከኣ ንምሉእ ሕወትካ ዝምልከት ብዘይካኻ ማንም ካልእ ክገብሮ ዘይክእ ግላዊ ውሳኔ ኢኻ ክትገብር ትሕተት። ትዕድልቲ ጸዋዕታ ወደር ኣልቦ ጸጋ ኮይኑ ንተልእኮ እዩ። እግዚኣአብሔር ጸጋ ጸዋዕታ ክህብ እንከሎ ከኣ ምሳኡ ንክትዋሳእን ከም ዓቅምኻ ግደኻ ክተበርክት ስለዝኾነ ጠኒንካ ንምእውታው ትብዓት የድሊ።

ቅዱስነቶም ንመንእሰያት ጥራይ ዘይኮነ እቶም ንመንእሰያት ንምኲስኳስን ንምሕጋዝን ንዝወፈሩ ሰባት ነዚ ጸዋዕታኻ ኣለሊኻ ንምኽኣል ዝግበር ጒዕዞ ሠለስተ ዓቢ ጥንቃቄ ዘድልየን ነገራት ከምዘለዋ የመልክቱ። እታ ቀዳመይቲ ኣተኲሮ ኣብቲ ግለሰብ ከምዘድሊ ምዝካር እዩ። እዚ ማለት ይብሉ ቅዱሰንቶም ‘ነቲ ገዛእ ርእሱ ዘወፊ ዘሎ በዓል ጸዋዕታ ብቃላቱ ክትሰምዖ የድሊ`። እታ ካልአይቲ ከኣ ነዚ ጸዋዕታ እዚ ኣብ ምልላይ ዝግበር ጒዕዞ ኮይን ‘ካብ ኩሉ ፈተናታት ነጻ ብዝኾነ መንገዲ ኣየናይ ጸጋ እዩ እቲ ክልለ ዝድለ ዘሎ ንምፍላጥ ቅኑዕ ነጥቢ ምሓዝ የድሊ’። እታ ሳልሰይቲ ከኣ ኣብ ጒዕዞ ምልላይ ንዝግበር ተመኲሮ ‘ብዓቢ ጥንቃቄ ጽን ኢልካ ምስማዕን ንቅድሚት ኣብ ዝግስግሰሉ ጒዕዞ ምስናዩን እዩ`። መራሒ ወይ ሓጋዚ ኰንካ እቲ ሓደራ ዝተዋህበካ `ኣበይ እዩ ብሓቂ ክበጽሕ ዝደሊ ዘሎ’ ብዕምቘት ጽን ኢልካ ምስማኡዑ የድሊ።  በዚ ከምዚ ዝበለ ኣገባብ እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ጽን ኢሉ ክሰምዕ እንከሎ ‘ኣብቲ ዘድሊ ደረጃ ምስ በጽሔ እቲ በዓል ጉዳይ ነጻ ነታ ዝረኸባ መንገዲ ንክኽተልን ርእሱ ክኢሉ ንክጐዓዝን ሰላሕ ኢሉ ህልም ክብል ኣለዎ። እዚ ከኣ ልክዕ ከምቲ ኢየሱስ ነቶም ኣርድእቲ ኤማኡስ ክሳብ ምቚራስ እንጌራ ዘሰነዮም ከለልይዎን ክስወሮምን ሓደ ዝኾነ ዓይነት እዩ። ክነሰንዮምን መንገዲ ክንሕብሮምን ኣሎና እምበር ነዚ ግበር ነዚ ኣይትግበር ዝብል ተጽዕኖ ክንፈጥር የብልናን። እዚ ጒዕዞ ሕይወት እዚ ፍሉይን ዘይድገምን ነጻ ምርጫ ናይ ግለሰባት ተግባር እዩ። ስለዝኾነ ከኣ ከምዚ ግበር እዚ ፍጠር ክትብል ኣይከኣልን። ሓዋርያት ድሕሪ ፍጻሜ ኤማኡስ ንኢየሱስ ብዓይነ ሥጋ ኣይረኣይዎን ኮይኑ ግን ብዓይኒ ልቦም/ሕልንኦም ከለልይዎን ክርእይዎን ጀሚሮም። በቲ ከምብሓዲስ ዝተበራበረ እምነቶም ክርእይዎ ጀሚሮም። ከለልይዎ ዝኸአሉ ብሓዲስ መገዲ ብፍሉይ አረእያ ክርእይዎ ስለ ዝጀመሩ ከለልይዎ ክኢሎም። ካብዚ ንድሓር ከምቲ ዘተስፈዎም ምስኦም ኩሉ ጊዜ ከምዘሎ ዝርእዩሉ መገዲ እዚ ከምዝኾነ ክፈልጡ ጀሚሮም። ጉዕዞ ጸዋዕታኻ ኣለሊኻ ምኽኣል እውን ከምኡ እዩ እንክብሉ ንዘሰንዩስ ይኹን ንተሰነይቲ ምስ ሓበሩ ከምዚ ክብሉ ቃለ ምዕዳኖም ይድምድሙ።

‘ዝኸበርኩም መንእሰያት ክንዮ እቶም ቀስ ኢሎም ዝጐዓዙን ብፍርሒ ተዓኒዶም ዘለውን ክትሕበቡ እትርእየ ሕጉስ ክብል እየ። በቲ ኣብ ቅዱስ ቊርባን እንሰግደሉን እነምልኾን ኢየሱስ ብዙሕ እነፍቅሮ ገጽ ኢየሱስ ተሳሒብኩም ንኣኡ ከኣ ኣብ ሥጋ ዝሣቀዩ ዘለው ኣሕዋትናን ኣሓትናን እናኣለለኽምዎ ንቅድሚት ገጽኩም ጉየዩ። ቤተክርስትያን ናታትኩም ተበግሶን ሃንደበታዊ ሓሳባትን እምነትን የድልያ እዩ። ኣብቲ ገና ንሕና ዘይበጻሕናዮ ምስ በጻሕኩም ከኣ ክትጽበዩና ትዕግሥቲ ይሃሉኹም’ እንክብሉ ሓዋርያዊ ቃለ ምዕዳኖም ዛዚሞም።

 

02 April 2019, 18:26